እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሱዳን፡ ኢትዮጵያ ንዳዕመ-ሰሪዕ ምድጋፍ እንተ ኣቋሪጻ ንዘተ ድልውቲ ምዃና ኣፍሊጣ
መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ዝህቦ ዘሎ ደገፍ ደው ዘብልን ድሕንነት ሱዳን ካብ ምዝራግ ዝቝጠብን እንተዀይኑ፡ ምስ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዘተ ንምእታው ድልውቲ ምዃና ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ሙሕየዲን ሳልም ምግላጹ ወግዓዊት ኤጀንሲ ዜና ሱዳን (ሱና) ሓቢራ።
ከም ጸብጻብ እታ ማዕከን ዜና፡ እቲ ምኒስተር ነዚ ዘፍለጠ፡ ምስቲ ኣብ ሱዳንን ቀርኒ ኣፍሪቃን ፍሉይ ልኡኽ ፈረንሳ ዝዀነ ዣን-ማሪ ሳፋ ብሰሉስ ኣብ ዘካየዶ ርክብ እዩ።
ኣብቲ ዘተ፡ ኣብ መንጎ ካርቱምን ፓሪስን ዘሎ ዝምድናታት ብምልዓል፡ ኣብ ሱዳን ይዅን ኣብ ምሉእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ርግኣትን ንምስፋን ዝከኣለሉ መንገድታት ተመያይጦም።
ምኒስተር ሙሕየዲን፡ ሱዳን ምስ ፈረንሳ ኣብ ቅንዕና፡ ግሉጽነትን ሓቀኛ መረዳእታን ዝተመርኰሰ ሓድሽ ምዕራፍ ዝምድና ንምህናጽ ድሌት ከም ዘለዋ'ውን ኣስሚርሉ።
ብዛዕባ ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ዝምድና ኣመልኪቱ፡ ሱዳን ካብ ሕሉፍ ተመኵሮ ኲናት ብምብጋስ ሰላም እትደሊ ሃገር ምዃና ዝገለጸ እቲ ምኒስተር፡ ኣዲስ ኣበባ ንዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ትህቦ ዘላ ደገፍ ደው እንተ ኣቢላ ምስኣ ናብ ዘተ ንምእታው ድልውቲ ምዃና ኣረጋጊጹ።
ይዅን'ምበር፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሱዳን ኢዱ ከም ዘየእቱን ንዝዀነ ወገን ወተሃደራዊ ደገፍ ከም ዘይህብን ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።
ኣዲስ ኣበባ፡ እቲ ቅልውላው ብዘተን ተዅሲ ደው ብምባልን ጥራይ ክፍታሕ ከም ዝኽእል ብምግላጽ፡ ኣብቲ ናብ ጐደና ሰላም ዝግበር ጕዕዞ ተራ ክትጻወት ከም እትደሊ ተረድእ።
እዚ ኣብ መንጎ ክልተአን ጐረባብቲ ሃገራት ዝረአ ዘሎ ወጥሪ ቅድሚ ሕጂ ብተኸታታሊ ከበድቲ ክስታት ዝተሰነየ ነይሩ እዩ።
ማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዘውጽኦ መርመራዊ ጸብጻብ፡ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ብደገፍን ምወላን ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ መዓስከር ታዕሊም ተኸፊቱሎም ከም ዘሎ ኣቃሊዑ ነይሩ።
ኣዲስ ኣበባን ኣቡዳቢን ግን ነቲ ጉዳይ ብትሪ ብምንጻግ፡ ኣብቲ ኲናት ኢድ ከም ዘይብለንን እቲ ክሲ መሰረት ዘይብሉ ፈጠራ ምዃኑን ገሊጸን ነይረን።
ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ሱዳን ካብ መሬት ኢትዮጵያ ዝተበገሳ ድሮናት ንመዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ከም ዝደብደባ ብምኽሳስ ኣምባሳደሩ ካብ ኣዲስ ኣበባ ጸዊዑ ነይሩ እዩ።
ኢትዮጵያ ድማ እዚ ክሲ'ውን ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ውሽጣዊ ቅልውላው ንምሽፋን ዝተማህዘን ምዃኑ ብምግላጽ ውዱቕ ገይራቶ።
መንግስቲ ኣመሪካን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሓዊሱ ማሕበረሰብ ዓለም ብወገኑ፡ እዚ ናይ ደገ ኢድ ምትእትታውን ተጻብኦታትን ንምሉእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ዝሰፍሐ ኲናት ከየእትዎ ዓቢ ስግኣት ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ ናይ ደገ ሓይልታት ኢዶም ካብ ምትእትታው ክሕየቡ ደጋጊሞም ጸዊዖም ነይሮም።
ኣብ መንጎ ክልተአን ጐረባብቲ ሃገራት ዘሎ ወጥሪ፡ ካብዚ ናይ ሕጂ ውግእ ኣቐዲሙ ዝጸንሐ ስትራተጅያዊ ምስሕሓባት ዝሓቘፈ እዩ። ብፍላይ ኣብ ልሙዕ ዞባ ኣል-ፋሽጋ ዘሎ ምስሕሓብን ኣብ ዙርያ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝጸንሐ ዘይምርድዳእን፡ ነቲ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ዝያዳ ተሓላለኸ ገይርዎ ጸኒሑ እዩ።
ኣብቲ ዞባ ዘሎ ናይ ቀረባን ርሑቕን ሃገራት ረብሓን ጽልዋን'ውን ነቲ ወጥሪ መመሊሱ ከም ዘጋድዶ ተንተንቲ ይገልጹ።
እቲ ምኒስተር ምስ ልኡኽ ፈረንሳ ኣብ ዝገበሮ ዘተ፡ እቲ ፈረንሳዊ ልኡኽ ናብ ስልጣን ክምለሱ ብዝደልዩ ሱዳናውያን ወገናት ዝናፈሱ ናይ ሓሶት ትረኻታት ኣብ ክንዲ ዝቕበል፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቅን መርገጽ ህዝቢ ሱዳንን ክርዳእ ጸዊዑ።
ብተወሳኺ፡ ሰራዊት ሱዳን ከሚካላዊ ኣጽዋር ተጠቒሙ ዝብል ክሲ መሰረት ዘይብሉ ፈጠራ ምዃኑ ኣረዲኡ።
ብወገን ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ግን ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሱዳን ከቢድ ክስታት ክቐርብ ጸኒሑ እዩ። እቶም ዕጡቓት፡ ሰራዊት እታ ሃገር ንሰላማውያን ሰባት ዒላማ ዝገበረ ዘይተመጣጣነ ደብዳብ ነፈርቲ የካይድ ኣሎ ብምባል ዝኸሱ ኰይኖም፡ መሪሕነት ሰራዊት ሱዳን ምስቶም ኣብ እዋን ስርዓት ዑመር ኣል-በሽር ዝነበሩ ናይ ቀደም እስላማውያን ሓይልታት ተሻሪኹ ሃገር የዕኑ ኣሎ ክብሉ'ውን ይወቕሱ።
እቲ ምኒስተር፡ ሱዳን ነዚ ኣጋጢምዋ ዘሎ ኣጸጋሚ እዋን ንምስጋር ኣብ ምብቃዕ ከም ትርከብ ብምግላጽ፡ ፈረንሳ ኣብ ካርቱም ዝርከብ ኤምባሲኣን ባህላዊ ማእከላን ዳግማይ ክትከፍት ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ፍሉይ ልኡኽ ፈረንሳ ዣን-ማሪ ሳፋ ብወገኑ፡ ፓሪስ ምስ ሱዳን ግሉጽ ዝዀነ ዝምድና ንምምስራት ድሌት ከም ዘለዋ ብምሕባር፡ ኣብ መንጎ ሱዳናውያን ዘሎ ጋግ ብምጽባብ ኣብ ውሽጣዊ ዘተ ዝተመርኰሰ ዕርቂ ንምምጻእ ክትድግፍ ድልውቲ ምዃና ገሊጹ።
ኣስዒቡ፡ እዚ ግጭት ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ናይ መወዳእታ ኲናት ኰይኑ ክተርፍ ህዝቢ ሱዳን ክጽዕር ፈረንሳ ተስፋ ከም ዘለዋ ወሲኹ ገሊጹ።
መንግስቲ ሱዳን ናብ ካርቱም ምምላሱ ስዒቡ፡ ብዙሓት ኣምባሳደራት ኤውሮጳ፡ ኣፍሪቃን ሃገራት ዓረብን ኣብ ቀረባ እዋን ንኣቦመንበር መሰጋገሪ ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ናይ ስራሕ ወረቐቶም ከም ዘረከቡ ሱና ጸብጺባ።
ይዅን'ምበር፡ ኣብ ዋና ከተማ ካርቱም ገና ሓደጋታት መሊኦም ዘይተኣልዩ ብምዃኖም፡ እዚ ስጕምቲ ዝያዳ ፖለቲካዊ ትርጕም ከም ዘለዎን መብዛሕትኦም ወጻእተኛታት ዲፕሎማሰኛታትን ትካላት መንግስትን ስርሖም ብቐንዱ ካብ ወደባዊት ከተማ ፖርት ሱዳን የካይዱ ከም ዘለዉን ይፍለጥ።
ካብ ምያዝያ 2023 ኣትሒዙ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕን ዝተወልዐ ውግእ፡ ንህዝቢ ሱዳን ኣብ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ህልቂት ሸሚምዎ ይርከብ።
ብሰንኪ'ዚ ግጭት ቍጽሮም ልዕሊ 10 ሚልዮን ዝበጽሑ ዜጋታት ካብ መረበቶም ክመዛበሉ እንከለዉ፡ ኵሉ-መዳያዊ ቍጠባ እታ ሃገር ዓንዩ፡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ድማ ኣብ ኣፋፌት ከቢድ ጥሜት ወዲቖም ይርከቡ።