ኣብ ዶብ ሱዳንን ግብጽን ኣብ ልዕሊ ዓደንቲ ወርቂ ዘጋጠመ እንታይ'ዩ?

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ ሓንቲ ምስ ግብጺ እንትዳወብ ዞባ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ባህላውያን ዓደንቲ ወርቂ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር ብውሕዱ 72 ሰለማውያን ሰባት ከምዝተቐተሉ ጕጅለ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ገሊጾም።

ኣብ ካርቱም ዝመደበሮም ጕጅለ ጠበቓታት፡ እቲ ህይወት ዓሰርተታት ባህላውያን ዓደንቲ ወርቂ ዝቐዘፈ መጥቃዕቲ ኣየር ብቐዳም ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ [ሱዳን] ኣብ ዝርከብ ሻማል ኣል ዋዲ ኣብ ዝብሃል ከባቢ ከም ዘጋጠመ ኣፍሊጦም።

እቲ ኣብ ልዕሊ ባህላውያን ዓደንቲ ዝወረደ መጥቃዕቲ ካብ ዝተፈላለዩ ጕጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዓቢ ኵነኔ'ዩ ዝበጽሖ ዘሎ።

ብዛዕባ እዚ መጥቃዕቲ ኣብ ዝምልከት መንግስቲ ግብጺ ክሳብ ሕጂ ዝበሎ ነገር የለን።

በቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝተቘጠዐ ኣቦወንበር ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ካብ ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ደያኑ፡ ኣካላት ጸጥታን ዝተዋጽአ ሓደ ጕጅል ክቐውምን ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝርዝራዊ ጸብጻብ ከቕርብን ኣዚዙ ኣሎ።

ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ርከባት ልዑላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ'ውን፡ መንግስቲ ሱዳን ህይወት ሰባት ከውሕስ፡ ድሕነቶም ከረጋግጽን ልዑላዊ ዶባውን ግዝኣት ሱዳን ክሕሉን መሰረታዊ ሓላፍነት ከምዘለዎ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰነ'ውን ኣብቲ ቦታ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ ነይሩ'ዩ።

ኣብቲ እዋን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣል ቡርሃን እቲ ዘጋጠመ ክስተት ክምርመር'ኳ እንኣዘዘ ውጽኢት ናይቲ መርመራ ግን ንህዝቢ ከምዘይተሓበረ'ዩ ዝግለጽ።

ቅድሚ ሕጂ ብተመሳሳሊ ኣብ ልዕሊ ባህላውያን ዓደንቲ ወርቂ ንዝተፈጸመ ተመሳሳሊ ናይ ኣየር ደብዳብ ግብጺ'ያ ብተደጋጋሚ እትኽሰሰሉ።

ኣብ ካርቱም ዝመደበሮም ጕጅለ ጠበቓታት፡ እቲ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ባህላውያን ዓደንቲ ዝተፈጸመ ናይ ኣየር ደብዳብ፡ ልዑላዊ ግዝኣት ሱዳን ምግሃሱ ዘርኢ ጥራይ ዘይኰነ፡ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ኣብቲ ዞባ ዝዀነ ዓይነት ምቁጽጻር ከምዘይብሉ ዘነጽር'ዩ ብምባል'ዮም ገሊጸምዎ።

እቲ ጕጅለ ጠበቓታት ትማሊ ሰንበት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "ንዘይተዓጥቁ ሰለማውያን ሰባት ኮነ ኢልካ ዒላማ ምግባር፡ ኣህጉራዊን ሰብኣዊ ሕግን መሰል ህይወትን ዝጥሕስ'ዩ" ድሕሪ ምባል እዞም ተግባራት ገበናት ኲናት ክዀኑ ከምዝኽእሉን ቍጽሪ በቲ ደብዳብ ዝሞቱ ባህላውያን ዓደንቲ ወርቂ'ውን ካብዚ ተባሂልዎ ዘሎ ዝበዝሐ ክኸውን ከምዝኽእል ኣመልኪቶም።

ኣብ ፓሪስ ዝመደበራ ሱዳን ትሪቡን'ውን ብሰንበት ንሓደ ካብቲ ደብዳብ ብህይወት ዝወጽእ ሰብ ብምዝርራብ ብዙሓት ዝተሃረሙ ሰባት ስለዘለዉ፡ ቍጽሪ ናይቶም በቲ ደብዳብ ዝሞቱ ባህላውያን ዓደንቲ ወርቂ ካብዚ ተገሊጽዎ ዘሎ ኣዝዩ ክዛይድ ከም ዝኽእል'ያ ሓቢራ።

ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንሱዳን ትሪቡን ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብኣቈጻጽራ እታ ሃገር ከባቢ ሰዓት 06፡00 ናይ ንግሆ ከምዝጀመረን፡ እተን ነፈርቲ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚሳይላት ብቐጥታ ናብቲ ኣብ ሻማል ኣል-ዋዲ ዝርከብ መዓስከራት ባህላውያን ዓደንቲ ብምትኳስ ከምዝሃረመኦምን፡ ናብቶም ኣብ ውሽጦም ሰብ ዝነበሮም ጎዳጉዲ ዕደና ወርቂ ብምትካስ'ውን ከምዝደበይዎም'ዮም ዝገልጹ።

ሱዳን ትሪቡን እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ኣብ ተመሳሳሊ ቦታ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ግብጺ ድሮናትን ከበድቲ ብረትን ተጠቂማ ከም ዝፈጸመቶ'ያ ትገልጽ።

ኣብቲ እዋን ሓለዋ ዶብ ግብጺ ናብቲ ቦታ ብኣካል ብምምጻእ ንገዛውቲ ንብረትን ናይቶም ባህላውያን ዓደንቲ ወርቂ ከምዘቃጸልዎን ነቶም ዓደንቲ ፋሕ ንምባል ጠያይት ከምዝተዀሱን ሱዳን ትሪቡን ትሕብር።

ድሕሪ ቅሩን መዓልታት ናይቲ ፍጻመ፡ ኣጀንሲ ሓለዋ ዶብ ግብጺ ዘይሕጋውዊ ምስግጋር ሰባት፡ ምዝውዋር ዕጸ ፋርስን ዘይሕጋዊ ዕደናን ንምግታእ ኣብ ዶባት ሰፊሕ ናይ ጸጥታ ወፍሪ ምክያዱ ሓቢሩ።

ኣብ ዶብ ግብጽን ሱዳንን ቀንዲ ኣሰሓሓቢ ኰይኑ ዘሎ ወርቂን እቲ ባህላዊ ዕደና ወርቅን'ዩ።

ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ፡ ብፍላይ ኣብ ጥቓ ዶባታ ኣብ ዝርከቡ ርሑቕ ከባቢታት ብዙሕ ድሕነቱ ዘይተሓለወን ወግዓዊ ፍቓድ ዘይብሎምን ባህላውያን ዓደንቲ ወርቂ ክስስኑ ደሪኹ'ዩ።

ሓለዋ ዶብ ግብጺ ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ 86 ቶን ዘይተጻረየ ወርቅን ሓያለ ባህላዊ መዐደኒ ወርቅን ከምዝሓዘ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብ ሱዳን ግጭት ኣብ ዘለዎ ከባቢታት'ውን ባህላዊ ዕደና ወርቂ ብቀጻሊ ስለዝካየድ፡ እዚ ብኮንትረባንድ ዝሽየጥ ወርቂ ከኣ ምንጪ እቶት እቶም ዕጡቓት ጕጅለታት ክኸውን ከምዝኽእል'ዩ ዝግለጽ።

ብተወሳኺ ብወገን ግብጺ ከኣ ዘይሕጋዊ ዕደና ወርቂ ሱዳን ነቲ ሕጋዊ ዕዳጋ ወርቂ ግብጺ የዳኽሞ ኣሎ ዝብል ስክፍታታት ይልዓል እዩ።