ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓደነትን ጐረባብተን ከኽብራ ኣለወን - ኣመሪካ

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሓድሕደን ከኽብራ ኣመሪካ ተማሕጺና።

ኣፈኛ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩቢዮ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን እናዓረገ ዝመጽእ ዘሎ ወጥሪ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ከም ዝተዘራረበ ኣፍሊጡ።

እቲ ወጥሪ" ብዅሎም ወገናት ክሃድእ" ዝጸውዐ ሩቢዮ፡ "ንውሽጣዊ ይዅን ግዳማዊ ወጥሪ ዘላቒ ፍታሕ ዝዕወት ከምቲ ኣብ 2018 ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ብመንገዲ ልዝብን ጽምዶን ጥራይ እዩ፡" ኢሉ።

"ኵለን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ጐረባብተን ከኽብራን ዶብ ካብ ምስጋር ክሕየባን ከም ዘለወን እቲ ጸሓፊ ኣስሚሩ፡" ይብል እቲ ካብ ዋሽንግተን ዝወጽአ ሓጺር መግለጺ።

እቲ ብዂናትን ውግእን ዝሕመስ ዘሎ ዞባ "ተወሳኺ ግጭት ክጻወር" ከም ዘይክእል'ውን ኣመሪካ ኣተሓሳሲባ'ላ።

ኣቐዲሙ ብዛዕባ'ቲ ብተለፎን ዝተገብረ ዝርርብ ሓበሬታ ዝሃበ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ብዛዕባ ምስ ኤርትራ ዘለዎ ወጥሪ ከም ዝዘተየ ኣይጠቐሰን።

ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ማርኮ ሩቢዮ ሃገሩ ንኢትዮጵያ እትህቦ ደገፍ ከም ዝቕጽል ቃል ከም ዝኣተወሉ ብምግላጽ "ዞባዊ" ጉዳያት ከም ዝተላዕለ ጥራይ'ዩ ጠቒሱ ።

"ምስ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ፡ ንኽልቲአን ሃገራት ኣብ ዘገድሱ ወሰንቲ ክልተኣውን ሓባራውን ጉዳያት ውጽኢታዊ ልዝብ ኣካዪደ።

"ኣመሪካ ንኢትዮጵያ ዘለዋ ደገፍ ከም ዝቕጽል ውሕስነት ምሃባ፡ ከምኡ'ውን ክልተኣዊ ምትሕግጋዝን ዞባውን ዓለማውን ቀዳምነታት ንምሕያል ዘለና ሓባራዊ ተወፋይነትን ብሓጐስ እቕበሎ፡" ይብል እቲ ኣብይ ኣብ ኤክስ ዘውጽኦ መብርሂ።

ነቲ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ዝነበረ ኲናት ክልተ ዓመት ኣብ ምህዳእ ወሳኒ ተራ ዝነበራ ዋሽንግተን፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዳግማይ ኲናት ምውልዑ ከም ዝተሓሳሰባ ክትገልጽ ጸኒሓ'ያ።

እዚ ዝተባህለ ዝርርብ፡ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ'ውን ናብ ሓደገኛ ወጥሪ ኵነተ-ኲናት ኣትያትሉ ኣብ ዘላ እዋን'ዩ ዝካየድ ዘሎ።

ዋሽንግተን ምስ ኣስመራ ዝጸንሓ ሓርፋፍ ዝምድና'ውን ኣብዚ ቀረባ እዋን ነዊሕ ትጽቢት ዝተገብረሉ ምምሕያሽ ኣርእዩ ምህላዉ ይፍለጥ።

ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ብምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ዋሽንግተን ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣመሪካ ምርኻቡ መርኣያ ሓድሽ ምዕራፍ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት'ዩ ነይሩ።

ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ወሲናቶ ዝጸንሐት እገዳታት ኣብዚ ዓመት ምልዓላ'ውን ካብ ኣስመራ ናእዳ ዝረኸበ ስጕምቲ'ዩ።

ኣብ ፈለማ መስከረም፡ ኵለን ሃገራት ንልኡላውነትን ዶባትን ኤርትራ ከኽብራ ሓዳስ ፈጻሚት ጉዳያት ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ተማሕጺና ምንባራ ይዝከር።

ክሪስቲን ኢ መየር ኣብ ማሕበራዊ ገጽ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ'ያ፡ ሃገራ እውን ንልኡላውነት ኤርትራ ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።

"ኵለን ሃገራት'ውን ንልኡላውነትን ንጹር ዶባትን ኤርትራ ከኽብርኦ ይግባእ - ከምቲ ኣመሪካ እተኽብሮ።"

ብወገን ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ክስማዕ ዝጸንሐ፡ "ልኡላዊ መሰል ኣፍደገ ባሕሪ" ከምኡ'ውን ንናጽነት ኤርትራ ኣብ ምልክት ሕቶ ምእታውን ንኤርትራ ኣቘጢዑን ዞባዊ ስግኣት ፈጢሩን ይርከብ።