እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ብህይወት ክንወፅእ፡ ተስፋ ኣይነበረናን' - ፍሉይ ቃለመሓትት ኮሎኔል ተወልደ ምስ ቢቢሲ
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ነበር ጀነራል ታደሰ ወረደ ዝርከቦም፡ መጀመርታ ኣብ መቐለ ተኣሲሮም ካብኡ ድማ ክሳብ ጫፍ ዶብ ምስ ኤርትራ ተኣሲሮም ዝቐነዩ ኣርባዕተ ሓለፍቲ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ "ኣምሊጦም" ፡ ኣብ ኢድ ሓይልታት ሰራዊት ኢትዮጵያ ይርከቡ።
ኣብዚ እዋን ኣብ ትግራይ ግጭት ይካየደሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ንኣስታት ሓደ ሰሙን ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናተዛወሩ፡ ኣብ ሆቴላትን ኣብ መንበሪ ኣባይትን ተኣሲሮም ዝቐነዩ እዞም ሓለፍቲ ነበር፡ ብኸመይ ካብ ቤት ማእሰርቲ ከምልጡ ክኢሎም፡ ኣብ ከመይ ዝበለ ኵነታት ከ ቀንዮም፡ ዝብል የዘራርብ ኣሎ።
ጋዜጠኛ ቢቢሲ የማነ ናግሽ ምስ፡ ምስ ካብቶም ኣርባዕተ እሱራት ሓደ ዝዀነ - ሓላፊ ወተሃደራዊ ስለላ ሓይልታት ትግራይ ነበር፡ ኮ/ል ተወልደ ገ/ትንሳኤ ብስልኪ ዘካየዶ ሓፂር ቃለመሐትት እነሆ፤
ቢቢሲ፤ ኵነታትኩም እንታይ ይመስል ነይሩ፡ ካብ መቐለ ብኸመይ እዮም ወሲዶምኹም?
ኮ/ል ተወልደ፤ ካብ መቐለ ኣውፂኦም፡ ኣብ ዓድዋን ኣክሱምን ኣሲሮምና ነይሮም፤ እቲ ዝወሰዱና መዓልቲ ኣይዝክሮን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ መቐለ ኣብ ዝኣተወላ መዓልቲ፡ ንዓና ሰዓት ሓሙሽተ ለይቲ ኣውፂኦም ወሲዶምና። ምሉእ ለይቲ ትጕዕዝ ሓዲርና። ካብኡ ኣክሱም ኬድና፡ ክልተ ሰብ ኣብ ኣክሱም ኣትሪፎሞም። ክልተ ሰብ ድማ ናብ ዓድዋ ወሲዶምና፡ ኣብኡ ሓሙሽተ መዓልቲ ፀኒሕና እንደገና ንራማ ወሲዶምና።
ቢቢሲ፤ መነመን ኢኹም ብሓደ ተኣሲርኩም ነይርኩም?
ኮ/ል፤ ካብ መቐለ ምስ ወሰዱና እዮም በታቲኖምና፣ ክልተ ሰብ ኣብ ዓድዋ፡ ክልተ ሰብ ድማ፡ ኣብ ኣክሱም።
ኢሳይያስ ታደሰን ጀነራል ታደሰን ኣብ ኣክሱም ነይሮም፣ ኣነን ገረዚሀርን [ኮ/ል ገብረእግዚኣብሄር ኣለምሰገድ] ኣብ ዓድዋ ነይርና፤ ክልተና 'ውን በበይንና ኢና ነይርና።
ቢቢሲ፤ ኣብ ምንታይ እዮም ኣሲሮምኹም ነይሮም፡ ኣብ ሆቴል ድዩ ወይስ ኣብ መንበሪ ገዛ?
ኮ/ል፤ ኣብ ሆቴል እዩ፣ ግን ማንም ሰብ ክርእየና ኣይፍቀደልናን፣ ዝዀነ ሰብ ከሓተና ኣይፍቀድን ነይሩ፤ ቤተሰብ ክሓተና ኣይክእልን። ዝዀነ ርክባት [ኮሙኒኬሽን] ክንገብር'ውን ኣይፍቀድን ነይሩ። ሓለውቲ ጥራይ ኢኻ ትርኢ።
ቢቢሲ፤ ኣብቲ ዝነበርኩምዎ ዝዀነ ዝወረደኩም ኢሰብኣዊ ዝዀነ ኣተሓሕዛ [ሃራስመንት] ነይሩ ድዩ?
ኮ/ል፤ መውቃዕትን መጽረፍትን ኣይነበረን ግን፡ ኣብ ዓድዋ፡ እቲ ኣተሓሕዛና ሕማቕ እዩ ነይሩ።
ንኣብነት ኣብ ሓንቲ ገዛ ኣብ ዝፀናሕኩላ፡ ኣብ ኣርባዕተ መዓልቲ ሓንቲ ግዜ እዮም መግቢ ሂቦምኒ። ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ቀትሪ እንጀራ ብሽሮ ገይሮም ልኢኾሙለይ። ኣርባዐተ መዓልቲ ምሉእ ግን ምግቢ ዝበሃል ኣይነበረን። ኮነ ተባሂሉ ዝተገብረ እዩ ዝመስለኒ።
ቢቢሲ፤ እንታይ ከ ይብሉኹም ነይሮም?
ኮ/ል፤ ምንም፤ ሓለውቲ ጥራይ እዮም ነይሮም፤ እቶም ሓለውቲ ፍሉይ ትእዛዝ ዝተውሃቦም እዮም። ኮነ ተባሂሉ ዝተመርፁ እዮም። ምስኦም ዝዀነ ዝርርብ የብልናን። ስቕ ኢና ኢልና። ብዛዕባ ስድራ ብዛዕባ ትግራይ ኢና ነውግዕ ነይራና፤ ምስኦም ዝርርብ የብልናይ።
ንዓኦም ክንዛረብ'ውን ኣይፍቀደልናን፤ እንተነዛርቦም'ውን እንታይ ይብሉ፡ እንታይ ሪፖርት ይገብሩ ስለዘይንፈልጥ ኣይነዛርቦምን።
ቢቢሲ፤ 'ንድሕነቶም ኢልና ኢና ሒዝናዮም' ዝብል ዘረባ ኣሎ፤ ኣብ መቐለ'ውን ኣብ ሆቴል ዘቐመጥኹም ከምኡ 'ንድሕነቶም ኢልና ኢና' እዮም ዝብሉ ብወገኖም?
ኮ/ል፤ ስማዕንዶ፡ ንድሕነቶም ዝበሃል'ኳ፡ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ካላሽን ኴንና፡ ምስ ቤተሰብካ ዘይትራኸበሉ ነንባዕልኻ ዘይትራኸበሉ፡ ንድሕነት ኢልካ ሓለዋ ዝበሃል የለን፡ ከምኡ ክግለፅ'ውን ኣይክእልን። ማንም ሰብ ዘዘራረበና የለን። ፖሊስ ትግራይ፡ ኣይምልከተንን ኢሉ ፍርድቤት'ውን ኣይመልከተንን፤ ኢሉ። ዝምልከቶ ሰብ'ውን ኮ ክንፈልጥ ኣይከኣልና፤ መን እዩ ወሲኑ ኣእሲሩና፤ መን እዩ ብላዕሊ ዝእዝዝ ኣይንፈልጥን፤ ይዘራረቡ ነይሮም፤ የውግዑ ነይሮም፤ 'ፈላልዩዎም' ገለ ዝብል ትእዛዝ ይወርድ ነይሩ፡ መን እዩ ግን ከምኡ ዝገብር ዘሎ ኣይንፈልጥን።
ቢቢሲ፤ ስለምንታይ ተኣሲርና ኢልኩም ኢኹም ትኣምኑ?
ኮ/ል፤ ፖለቲካዊ እዩ። ሓሳብ [ኣፈላላይ] ነይሩና እዩ፤ 'ውዝፍ መንግስትና ይመለስ' ክብሉ እንተለዉ፡ ውዕል ፕሪቶርያ ይፍረስ ክብሉ እንተለዉ፡ ንሕና ኣይከውንን ኢና ኢልና፤ ውዕል ፕሪቶርያ ክጠሓስ የብሉን፡ መንግስትና ይመለስ ዝብል ኣይንቕበልን ኢና ኢልና፤
"እዚ ናብ ውግእ ዘእትወና እዩ፤ ዓለማዊ ተነፅሎ ክበፅሐና ዝግበር እዩ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ትግራይ ውግእ ናይ ምሽካም ተኽእሎ የብላን" ኢና ኢልና።
"ዓቕሚ የብላን። ኣብዛ ሕዚ እዋን ህዝቢ ውግእ ኣይደልን። ምግቢ እዩ ዝደሊ፤ ሰላም እዩ ዝደሊ። እታ ተሪፋ ዘላ ነገር'ውን ብሰላም ኢና ክንውድኣ ዘለና፤ ዝብል ቅዋም ዘለና ሰባት ኢና።
ስለዚ፡ "ፀረ-መኸተና"፡ "ፀረ-ስልጣንና" ዝብል ነገር ከልዕሉ'ኮ፡ ባህርያዊ እዩ።
ቢቢሲ፤ ናብቲ ዝነበርኩምዎ ኵነታት ክመልሰካ ኮ/ል፡ ናብ ራማ ምስ ወሰድኹም፡ እንታይ ይመስል ነይሩ ኣተሓሕዛኹም፡ ብኸመይ ከ ኢኹም ክትወፅኡ ክኢልኩም፡ ሰዲዶምኹም ድዮም ወይስ. . . ?
ኮ/ል፤ ኣብኡ ሓሙሽተ መዓልቲ ይኸውን ፀኒሕና፤ መጀመርታ ናብ ሆቴል ኣእትዮምና- በበይንና፡ ካብኡ ናብ ሓደ መንበሪ ኣምፂኦምና፤ 'እንዳ እገለ መንበሪ' እንተዘይበልኩ እመርፅ።
ናብ ራማ ምስ መፃእና፡ ኣተሓሕዛና ካብቲ ኣብ ዓድዋ ዝነበረ ይሐይሽ።
እቶም ምምሕዳር ፀገም ነይሩዎም፡ ግን ኣብኡ ይሕይሽ።
ነቶም ምምሕዳር'ውን 'ከይትኣትዉ ከይትወፅኡ ከይትብሉዎም' ስለዝበሉዎም ፅቡቕ ነይሩ፤ ብኣንፃራዊነት ኣብኡ ይሐይሽ።
ንራማ ምውሳዶም ግን፡ ናበይ ከቐፅሉና ከምዝኽእሉ ምግማት ኣይጠፍአናን፤ ቀስ እናበሉ የፅግዑና ከምዘለዉ ንፈልጥ ኢና፤ ንኤርትራ ከስግሩና ይደላዉ ከምዝነበሩ ይርደአና እዩ ነይሩ። ከስግሩና እዮም ወሲኖም ነይሮም።
ቢቢሲ፤ ከስግሩኹም ከምዝሓሰቡ፡ ግምት ድዩ ወስ ጭቡጥ ሓበሬታ ነይርኩም?
ኮ/ል፤ ዋእ! መረብ'ኮ ናይ መወደእታ ጫፍ እያ። ሰብ ይሰግር እንዶ የሎን፤ ንርኢ'ኮ ነይርና፤ እቲ ካልእ ሰብ'ኮ ይነግረና ኣሎ። ይሰግሩ ከምዘለዉ ንርኢ ኣለና። ስለዚ ካልእ መንገዲ የብሎምን። ክለቍና ከምዘይክእሉ ብደንቢ ኣረጋጊፅና ኢና። ጥቡቕ ሓለዋ ክግበረልና ከምዝኣዘዙ'ውን ፈሊጥና ኢና። ብናይ ባዕልና መገዲ ፈሊጥና ኢና። ክፈትሑና ከምዘይደልዩ'ውን ኣረጋጊፅና ኢና። ስለዚ እዚ ምስ ኣረጋገፅና ንሕና ድማ፡ ብዙሕ ድኻም፡ ብዙሕ ሰብ ዝተሳተፈሉ ፃዕሪ ገይርና ኢና ወፂእና።
ቢቢሲ፤ ብኸመይ ኢኹም ግን ክትወፅኡ ክኢልኩም ?
ኮ/ል፤ ንሳ እንተፀንሐትለይ ትሐሸኒ። በይነይ'ውን ክዛረባ ስለዘይብለይ። ካብ ፍቓዶም ወፃኢ ኢና ግን ወፂእና።
ቢቢሲ፤ ስለዚ ከምቲ ዝበሃል ዘሎ ሰዲዶምኹም ዘይኰነስ፡ ብኻልእ መገዲ ኢኹም ኣምሊጥኩም ወፂእኹም?
ኮ/ል፤ እወ! ብኻልእ መንገዲ እዩ፤ ካልእ እዩ፡ ዝርዝሩ ቀስ ኢልና ክንዛረቦ ኢና።
ቢቢሲ፤ ኣብታ ናይ መወዳእታ ግን ኣብ ራማ ተታሒዝኩም ከለኹም እንታይ ይስመዐኩም ነይሩ?
ኮ/ል፤ ካብዚ ንደሓር ሓሊፍና ክንክድ ከምዘይብልና'ውን ንባዕልና ኣእምኒና ኢና። ብፍፁም ከንከድ የብልናን ኢልና ኣእሚንና ኢና። ክንወፅእ ከምዘለና ድማ ወሲንና ኢና። ከምኡ ስለዝዀነ ድማ ወፂእና። ናይ ባዕልና ፃዕሪ እዩ እቲ ምውፃእና።
ቢቢሲ፤ ኣብታ ናይ መወዳእታ ሰዓት ኣብታ ጫፍ ምስ በፃሕኹም፡ ኣብ ልዕሊ ህይወትና ሓደጋ ክበፅሐና ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣትዶ ነይርኩም?
ኮ/ል፤ ኵላትና ብህወይወት ክንተርፍ ኢና ኢልና'ኳ እንተዘይኣመንና፡ ክንወፅእ ከምእንኽእል ግን ንኣምን ነይርና። ብዝፀናሕና ቍፅሪ፡ እንገብሮ ዝነበርና ስለእንፈልጥ፤ ውፅኢቱ'ውን ንርኢ ስለዝነበር፤ ክንወፅእ ከም እንኽእል ንግምት ነይር። ግነ ብቐሊሉ ከምዘይንወፅእ ሓደጋ'ውን ከጋጥመና ከምዝኽእል፣ መስዋእቲ'ውን ክንከፍል ከምእንኽእል ንግምት ነይርና። ግን ገይርናዮ! ብህይወት ወፂእና!
ቢቢሲ፤ ምስቲ ዘሎ ኵነታት፡ ሕዚ እንታይ ይስመዓካ ኣሎ?
ኮ/ል፤ ብውልቀይ፡ ካብቲ ሕማቕ ሓሳብ ናይቶም ሰባት፡ ኣብ ልዕለይ ከብፅሕዎ ዝሓሰቡ መጥቃዕቲ ብምውፀአይ ኣነ ብጣዕሚ ይሕጐስ። ምስ ብፆተይ ብኸምዚ ብሰላም ብምውፀአይ ብጣዕሚ እሕጐስ።
ከም ትግራይ ወሲደ እንትርእዮ ግን፡ እቲ ጉድኣት ንትግራይ እዩ፣ እቲ ሓደጋ ንህዝቢ ትግራይ እንድዩ፡ ናይ ትግራይ ጥፍኣት ዘጠናኽር፡ ዘቀላጥፍ ስለዝዀነ እቲ ፍፃመ፡ ከም ትግራዋይ እሓዝን። በቲ ከይዲ እሓዝን።
ጠቕላላ እቲ ስራሕ ክብሪ ተጋሩ ዘዋርድ፡ ጅግንነት ተጋሩ ዘዋርድ፡ ህልውና ትግራይ ንሓደጋ ዘቃልዕ ተግባር ስለዝዀነ፡ በዚ ከኣ ከም ትግራዋይ የሕዝነኒ።
ቢቢሲ፤ ናትኩም ፃዕሪ ዶ የምዝን ወይስ ናይ ካልኦት?
ኮ/ል፤ ናይ ባዕልና ፃዕሪ እዩ።
ቢቢሲ፤ ንኣባላት ስድራ ነዘራርብ ነይርና፤ ክሳብ ኣብ ዓድዋ እናሃለኹም፡ ገለ ዲፕሎማስያዊ ፃዕርታት ከምዝነበረ፡ ሓበሬታ ንረክብ ነይርና፡ ዝዀነ ፅልዋ ዶ ኣይነበሮን?
ኮ/ል፤ እታ እዚኦም ሰብ ክሰምዑ ዝኽእሉ ሰባት ኣይኰነን፤ ንወፃእተኛታት ዝሰምዑ፡ ተፅዕኖ ዲፕሎማሰኛታት ዝርደኦም ዝቕበሉ ሰባት ኣይኰኑን፤ ስልጣኖም ድሌቶምን ጥራይ ዝርእዩ ሰባት እዮም። ህዝቢ ዲፕሎማሲ፤ ሰላማዊ ዝርርብ . . . ሰላማዊ ድርድር ዝበሃል፡ እዚታት ዝርድኡ ሰባት ኣይኰኑን።