"ምስ ሞትኩ መርድእ ምንጋር ይሓይሽ"፡ ዘሰቅቕ ዛንታታት ሞት ዝተረፈዶም ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑድያ

    • Author, ኣክሊሉ ፀጋይ
    • Role, BBC NEWS ትግርኛ
  • Published
  • ንባብ: 10 ደቓይቕ

ክብሮም ናብ ስደት ከምርሕ እንከሎ ገና ወዲ 16 ዓመት ተመሃራይ ሻምናይ ክፍሊ እዩ ነይሩ። ኣብ መንጎ ንትግራይ ዝመርሕ ዝነበረ ህወሓትን መንግስቲ ፈደራልን ዝተፈጠረ ምስሕሓብ ስዒቡ ኣብታ ክልል ደበና ኲናት ከንፀላሉ ብምጅማሩ ናብ ስደት ክወፅእ ተገዲዱ።

"ኣብ ትግራይ ዞባ ምብራቕ ካብ እትርከብ እገላ ዝተብሃለት ወረዳ ትምህረቱ ኣቋሪፁ ኣብ 2013 ናብ ስደት ኣምሪሑ፡" ይብል ኣብ ትግራይ ዝነብር ወዲ ኣኮኡ መብራህቶም ኣለማ።

ሒደት ኣዋርሕ ኣብ የመን ፀኒሑ ናብ ስዑዲ ምስ ኣተወ ቀልጢፉ ተታሒዙ። ኣብቲ እዋን ካብ የመን ናብ ስዑዲ ይሰግር ከምዘሎ ናብ ስድራኡ መልእኽቲ ይበፅሖም ነይሩ። ኣብ ስዑዲ ብዝርከቡ ኣዝማድ ኣቢሉም ብዛዕባ ኵነታቱ ይፈልጡ።

ኣብ የመን እናሃለወ "ስዑዲ ምስ ኣተኹ ክድውል እየ" ኢልዎም'ኳ እንተነበረ ደሓር ግን ደሃዩ ጠፊኡ። ክሰግር ከም ዝተትሓዘ ድማ ድሕሪ ነዊሕ ትፅቢት ሰሚዖም፤ ካብ ዝእሰር ልዕሊ 3 ዓመት እዩ ገይሩ።

"ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኰይኑ ደሃይ ቤተሰቡ እዩ ዝሓተኒ ነይሩ፣ ብፍላይ በዅሪ ገዛ ዝኾነ ምዕባይ ሓዉ ደድሕሪኡ ተሰዲዱ ናብ የመን ካብ ዝኣቱ ጀሚሩ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኰይኑ ብዛዕባኡ ብዙሕ ይጭነቅ ነይሩ" ይብል ቢቢሲ ካብ ስዑዲ ዘዘራረቦ ወዲ ኣሞኡ ተስፋይ።

ሓዉ ናብ የመን ክኣቱ ከሎ ክብሮም ኣብ ማእሰርቲ ክልተ ዓመት ኣሕሊፉ ነበረ። ሓዉ ስደተኛታት ናብ ስዑዲ ንምስጋር ኣብ ዝተኣኻኸቡሉ ቦታ እዩ ብዕጡቓት የመን ተቐቲሉ።

ኣብ ማእሰርቲ እናሃለወ ሞት ሓዉ ዝሰምዐ ክብሮም ጭንቀቱ ብመሪር ሓዘንን ጓህን ተተክአ።

ዝመጸ መርድእ

ምስቲ ኣብ ስዑዲ ዘሎ ወዲ ኣሞኡ ክደዋወል ከሎ፡ "ሰለስተ ዓመት ስለዝሓለፈናስ ካብ ደጊም ክፈትሑና ይዀኑ እዮም። ምናልባት ከጽንሑና እንተኾይኖም ድማ ሓደ ዓመት ጥራይ እዮም ክውስኹና" እናበለ ብተስፋ ይዛረብ ነይሩ።

ንገለ ኣብ ስዑዲ ምስኡ ዝሰርሑ ዝነበሩን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡን ጥራይ እዩ 'ሞት ተፈሪዱኒ' ክብል ነጊርዎም። ንቤተሰብ ግን ከይጨናነቑ ብምሕሳብ ከም ዝፍታሕ ጥራይ ይነግሮም ነይሩ።

"ተታሒዙ ምስ ተኣሰረ ኣብዚ ኣብ ዓዲ ዘለና ወለድን ኣዝማድን ኣይንረኽቦን ነይርና። ኣብ ስዑዲ ምስ ዘለዉ ካልኦት ኣዝማድና ግን ይራኸብ ነይሩ። ክንሓቶም ከለና 'ንረኽቦ ኣለና ኢና፤ ክወፅእ እዩ' ይብሉና ነይሮም" ይብል ወዲ ኣኮኡ መብራህቶም ካብ ትግራይ።

ናይ ሞት ፍርዱ ከይተፈፀመ ክልተ ሰሙን ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ስዑዲ ናብ ዘሎ ወዲ ኣሞኡ ተስፋይ ስልኪ ደዊሉ ንመወዳእታ ግዜ ተዘራሪቦም ነይሮም።

ከምቲ ኵልግዜ ዝብሎ "ደሓን ኣለኹ" ኢሉ ብሓፂሩ ምስገለፀ ኣስዒቡ ጉዳይ እቶም ደድሕሪኡ ናብ ስዑዲ ዝኣተዉ ካልኦት ነኣሽቱ ኣሕዋቱ እዩ ኣልዒሉ።

"ሰላም ምስበለኒ ብሰፊሑ ብዛዕባ እቶም ናብ ስዑዲ ዝኣተዉ ካልኦት ክልተ ነኣሽቱ ኣሕዋቱ እዩ ተዛሪቡኒ። 'ሓደራ ተሓባበሮም ኢኻ፤ ተኸታተልዎም፤ ስራሕ ክረኽቡ ሓግዝዎም' ኢሉኒ" ክብል ይዝክር።

"ኣብ ድሮ እታ ዝተቐተለላ መዓልቲ ኣብዚ ኣብ ስዑዲ ንዘሎ ወዲ ሓወቦይ ደዊሉ ረኺብዎ ነይሩ። ስልኪ ደዊሉ እናተፃደፈ ደሃይና ጥራይ ሓቲትዎ" ዝብል ተስፋይ ነዊሕ ከይተዘራረቡ ነታ ስልኪ ከም ዝዓፀዋ ሓቢሩ።

ንፅባሒቱ ቀትሪ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ካልኦት እሱራት ናብ በዓል ተስፋይ ደዊሎም። ዘሕዝን ዜና ድማ ነገርዎም።

"ፍርዱ ስለዝተፈፀመ ንቤተሰብ ኣርድእዎም" ክብሉ ንምእማኑ ዝኸብድ ሓበሬታ ነገርዎም።

ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዞባ ዓሲር ንዝተፈጸመ መቕፃዕቲ ሰለስተ ኢትዮጵያውያን ብዝምልከት ኣብ ዝዘርግሖ መግለፂ፡ ንሃይማኖታዊ መልእኽታትን ሕጊ ሸሪዓን ብምጥቃስ ኣስማት ናይቶም ብሞት ዝተቐተሉ ይዝርዝር።

"ኪዳነ ኣንገሶም ወልዳይ፣ ፊልሞን ሓጎስ ገብረመስቀልን ክብሮም ገብረማርያም ገብረእግዚኣብሄርን ሓሺሽ ናብ ንግስነት ኣብ ምስግጋር ተሳቲፎም" ዝብል እቲ መግለፂ፡ ብመሰረት ውፅኢት መርመራ ነቲ ገበን ፈጺሞም ከም ዝተኸሰሱ የመልክት።

እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝቐረበ ክሲ ምስተረጋገፀ ድማ ንሞት ከም ዝተፈረዱን ብመሰረት ሸሪዓ እቲ ፍርዲ ክፍፀም ውሳነ ከም ዝተመሓላለፈን ብምጥቃስ፡ "እቲ መቕፃዕቲ ሞት ኣብ 21 ምያዝያ 2026 ኣብ ክልል ዓሲር ተፈፃሚ ኰይኑ'ሎ" ክብል ኣፍሊጡ።

ክብሮም ንወለዱ ዝምእዘዝ ለባም ቈልዓ ምንባሩ መብራህቶም ይዛረብ።

ክልተ ኣብ ስዑዲ ዘለዉን እቲ ኣብ የመን ዝተቐተለ በዅሪ ገዛን ሓዊስካ ኣርባዕቲኦም ደቂ ሓንቲ ማህፀን ናብ ስደት ወፂኦም ክልተ ብዝወፅእዎ ሞት ተፀብይዎም።

ሓዘንን ስንባደን ዝወረራ እገላ

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘለዉ ወለድን ኣዝማድን ደቆም ከም ዝተኣሰሩ እምበር ሞት ከምዝተፈረዶም ዝፈልጥ ኣይነበረን። ኣብ ስዑዲ ዘለዉ በዓል ተስፋይ ናብ ቤተሰብ ክብሮም እናደወሉ "ፍርዱ ቀሊል እዩ ክወፅእ እዩ። ጾመ ረመዳን ምስኣተወ ምሕረት ክወሃቦ እዩ" ይብልዎም ነይሮም።

እቲ ፍርዶም ተፈፃሚ ምስኮነ ግን ናይ ሰለስቲኦም መረድእ ናብ ሓንቲ ኣብ ትግራይ እትርከብ ወረዳ እዩ መፂኡ፣ ናብ እገላ። ከም ኣጋጣሚ ሰለስቲኦም ካብታ ወረዳ እዮም ነይሮም። ናብ ስዑዲ ብስደት ዝኸዱሉ እዋን ግን ኣብ ዝተፈላለየ ግዘ'ዩ ነይሩ።

"ናታቶም ዜና ምስተሰምዐ ኣብ እገላ ከቢድ ስንባደን ሓዘንን ተፈጢሩ። ምኽንያቱ ካብቲ ከባቢ ዝተሰደዱ ካልኦት ብዙሓት መናእሰይ ኣብ ስዑዲ ኣለዉ።

"ከም ዝተነገረና እንተኾይኑ 'ናብ ቤት ፍርዲ ክንወስደኩም' ብዝብል እዮም ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ምስ ኣውፅእዎም ቀቲሎሞም።" ይብል መብራህቶም።

ሂዩማን ራይትስ ዎች ብዛዕባ ሰለስተ ኣብ ኻሚስ ሙሻይት ዝተኣስሩን ፍርዶም ዝተፈፀመን ሰባት ኣመልኪቱ ሓበሬታ ምስ ዘለዎም ምንጭታት ቃለመሕትት ከም ዘካየደ ኣብቲ ብ28 ሚያዝያ 2026 ዝዘርግሖ መግለፂ ኣመልኪቱ ነይሩ።

እቶም ምንጪታት ከም ዝበልዎ ብ21 ሚያዝያ 2026 ሓለውቲ ቤት ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ንሰለስተ እሱራት ጸዊዖም ወሲዶሞም።

ሽዑ ፈልዮም ክወስድዎም ከለዉ ናብ ቤት ፍርዲ ይኸዱ ምህላዎም እዮም ሓቢሮሞም። ጸኒሑ ግን ሓለውቲ እቲ ቤት ማእሰርቲ፡ ሰለስቲኦም ከም ዝተቐትሉ ነቶም ካልኦት ኢትዮጵያውያን እሱራት ብምግላፅ "ንቤተሰቦም ንገርዎም" ከም ዝበልዎም እቲ ፀብፃብ የረድእ።

እቲ ዜና ካብ ዝስማዕ ንደሓር ደቆም ኣብ ስዑዲ ዝተኣሰሩ ወለዲ ኣብ ከቢድ ጭንቀት ኣትዮም ኣለዉ።

"ከይንሻቐለ ፈሊጦም ሓቢኦምና እምበር ክቕተሉ እዮም" ብዝብል ኣብ ከቢድ ስንባደ ከምዝርከቡ መብራህቶም ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ስደት ኣብ ሞት ዘራኸቦም. . .

ሂዩማን ራይትስ ዎች ንምንጪታት ጠቒሱ ከም ዝሕብሮ ብኣማኢት ዝቝፀሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ይርከቡ።

"መቕፃዕቲ ሞት ዝተፈረዶም ልዕሊ 200 ኢትዮጵያውያን ኣብ ኸሚስ ሙሻይት ተዳጒኖም ኣብ ልዕሊኦም ንዝፍፀም ይፅበዩ ኣለዉ" ክብል'ውን ኣመልኪቱ።

ኣብ መስርዕ ሞት ካብ መንጎ ዝርከቡ ናይ ገሊኦም ዛንታ፡ 31 ዓመት ዘድመኡ ካብ ዞባ ምብራቕ ዝተሰደደ ደስታ እዩ።

ኣብ ሕዳር 2013 ኲናት ምስተወልዐ ክልተ ኣሕዋቱን ኣዝማዱን ኣብ ጎኒ ሓይልታት ትግራይ ተፀምቢሮም። ንሱ ግን ኣብ ገዛኡ ንኽተርፍ ዘገድድ ምኽንያት ነይርዎ።

በዓል ሓዳር ኣቦ ክልተ ቈልዑ እዩ። ብተወሳኺ'ውን ንወለዱን ካልኦት ኣባላት ቤተሰብን ዝጥውሮም ካልእ ሰብ ስለዘይነበረ ኣብ ገዛ ተሪፉ ክሕግዞ መረፀ።

ኣብ ምፍራይ ብሎኬትን ካልኦት ናውቲ ህንፃን ተዋፊሩ ዝረኽቦ ኣታዊ ግን እኹል ኣይነበረን። ኣይኮነንዶ ንምሉእ ቤተሰብን ኣዝማድን ንሓዳሩ ዘድሊ መሰረታዊ ጠለባት እውን ብዝግባእ ከማልእ ኣይከኣለን።

ኣብቲ ሽዑ እዋን ትግራይ ኣብ ከበባ እያ ነይራ፤ ደስታን መላእ ቤተሰቡን ድማ ኣብ ከቢድ ሽግር ወደቑ።

ንሱ ዝነብረሉ ዝነበረ ከባቢ ምስ ኤርትራ ዝዳበው ብምንባሩ ወተሃደራት ኤርትራ ኣትዮም "ንህዝቢ ከጋፍዑን ክቐትሉን" ይርኢ ምንባሩ ይዛረብ። እዚ ኣብ ርእሲ ካልእ ሽግሮም ንደስታ ድቃስ ዝኸልኦን ተስፋ ዘቑረፆን ኵነታት ነይሩ።

በቲ ዝፍጸም ዝነበረ ግፍዒታት ንሱ'ውን ህይወቱ ስኢኑ ቤተሰቡ ብዘይጠዋሪ ከይተርፉ ክውስን ነይርዎ።

ምስ ካልኦት ደቀንስትዮ ዝርከብኦም መናእሰይ መዕለቢኦም ናብ ስዑዲ ዓረብ ገይሮም፡ ኣብ ፈለማ 2021 ነቐሉ።

ጽምእን ጥምየትን፡ ድኻምን ሕማምን ኮታስ እቲ ኣብ ህይወቶም ኣዝዩ ሕሱም ዝብልዎ መከራን ስቓይን እናረኣዩ ድሕሪ ኣስታት 40 መዓልቲ ናብ የመን ኣትዮም።

ወዲ 24 ዓመት ሃብቶም እውን ተመሳሳሊ እዩ።

ኣብ 2012 (ግእዝ) ተምሃራይ 11 ክፍሊ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ለበዳ ኮረና ቫይረስ ኣጋጢሙ፤ ብዙሕ ከይጸንሐ ድማ ኲናት ትግራይ ስዒቡ። እዚ ድማ ንዕላማ ህይወቱ ቈጸዮ።

"ዕላማይ ስለዝተሰናኸለ ንስደት ወሲነ፣ ኣብ 9 መጋቢት 2013 ካብ ዓዲ ዝተበገስኩ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ባሕሪ ተሳጊረ የመን ኣትየ።

"ኣብ ሓምለ 2013 ኣብ ከተማ ሰንዓ ዝበልዖ መግቢ እናለመንኩ፡ ዝኾነ ዘይበደልኩዎ የመናዊ ብጥይት ኢደይ ወቒዑ ኣቑሲሉኒ። ክሳብ ጥሪ 2014 ቁስለይ ኣይሓወየን ነይሩ፤ ለሚነ እየ ተሓኪመ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ናብ ስዑዲ ኣብ ዝሰገረሉ እዋን ብዙሓት ምስኡ ዝነበሩ ስደተኛታት ዶብ ብዝሕልዉ ዕጡቓት ስዑዲ ከም ዝተቐተሉ ዝዝክር ሃብቶም፡ "ሓመድ ክለብሱ ዘይተዓደሉ ኣብኡ ሞይቶም ዝተረፉ ብዙሓት እዮም" ክብል ወሲኹ።

"ምሳይ ካብ 40 ክሳብ 50 ንኸውን ኢና ብሓባር ንሰግር ነይርና። ምስ ተተኮሰና ግን ህይወትና ንምትራፍ ተበታቲንና ሃዲምና። መን ብህይወት ተሪፉ መንከ ሞይቱ ምፍላጥ ኣፀጋሚ እዩ። ኣብኡ ተቐቲሎም ናይ ዝተረፉ ሰባት መርድእ ክሳብ ሎሚ ንቤተሰብ ዘይተነገረ ብዙሓት እዮም።"

ንከባቢ ሰለስተ ወርሒ ኣብ ስዑዲ ኣብ መጓሰ ኣጣል ክሰርሕ ድሕሪ ምፅናሕ ካብቶም ንዕኡን ንኻልኦትን ቈፂሮም ዘስርሕዎም ዝነበሩ ዜጋታት እታ ሃገር ሓደ ሓሳብ ከምዝቐረበሎም ይገልፅ።

እቶም ስዑዳውያን 'ብዙሕ ቅርሺ ዝርከቦ ስራሕ ክነስርሓኩም' ብምባል እቲ ገንዘብ ክኽፈሎም እንተኾይኑ ግን ዝኾነ ንብረት ተሰኪሞም ናብ ሓደ ቦታ ከብፅሑሎም ከም ዝሓተትዎም ሃብቶም የረድእ። ሽዑ ነቲ ሓሳብ ብምቕባል ዝተወሃቦም ሽኽሚ ተሰኪሞም እናኸዱ ብፖሊስ ተታሒዞም።

"እቶም ስዑዳውያን ገዲፎምና ሃዲሞም። እቲ ዘሰከሙና ነገር እንታይ ከም ዝዀነ'ውን ኣይንፈልጥን ኔርና። ደሓር ግን ጫት ምዃኑ ፈሊጥና። ኣነ ቅድሚኡ ጫት ዝበሃል ነገር ኣይፈልጥን ነይረ" ኢሉ።

ካልእ ንቢቢሲ ዛንታኡ ዘካፈለ ድማ ወዲ 37 ዓመት ዘውዱ ካብ ክልል ኣምሓራ ወረዳ ራያ ቆቦ እዩ።

"ገባር እየ ኣይተመሃርኩን" ዝብል ዘውዱ ብ12 መጋቢት 2011 ካብ ገጠር ናብ ስደት ምውፅኡ የዘንቱ። ቅድሚኡ ግን ኣብ ስዑዲ ዝነበረ ኰይኑ ኣብ ስራሕ እንከሎ ተታሒዙ ናብ ሃገሩ ተሰጒጎ ነይሩ።

ንሱ'ውን ብተመሳሳሊ፡ "'ገንዘብ ክንህበካ ኣቕሓ ተሰከመልና' ኢሎምኒ" ይብል፤ ብፖሊስ ከም ዝተታሕዘ ድማ ይሕብር።

ኣብዚ እዋን ሞት ተፈሪዶም ኣብ ክልል ዓሲር ተዳጒኖም ካብ ዝርከቡ ኢትዮጵያው ሓደ እዩ። ኣብታ ዝርከበላ ህንፃ 68 ኢትዮጵያውያን ምስ ካልኦት ብኸበድቲ ገበናት ሞት ዝተፈረዱ ስዑዳውያን ተኣሲሮም ኣለዉ። ክብሮም ዝርከቦም ሰለስተ ስደተኛታት ተፈልዮም ፍርዶም ምስ ተፈፀመ ግን 65 ተሪፎም።

"ኣብ ኣፍ ሞት ኣለና። ዝበዝሑ ተጋሩ ኮይኖም 4 ካብ ኣምሓራ 2 ካብ ኦሮሞ ኣብዚ ንርከብ። ክብል ዘለዉሉ ኵነታት ንቢቢሲ ገሊፁ።

"ቅድሜና ተኣሲሮም ዝፀንሑ ማእሰርቲ ጥራይ እናተፈረዶም ድሕሪ ምዝዛም ፍርዲ ናብ ዓዶም ይምለሱ ነይሮም። ንሕና ግን ሞት እዩ ተፈሪዱና" ብምባል ብ22 ጥቅምቲ 2016 መቕፃዕቲ ሞት ከም ዝተፈረዱ ይጠቅስ።

"ሕክምና ብዘይምርካበይ እግረይ ስኢነ"

ኣብታ በዓል ደስታ ዘለዉላ ህንፃ ዶብ ስዑዲ ንምስጋር ክፍትን ከሎ ዝተወቕዐ ተወላዲ ክልል ኣምሓራ ኣሎ። ብክላሽን ካብ ዝውቃዕ ድሕሪ ገለ እዋናት ፀጋመይቲ እግሩ ከም ዝሰኣነ ይገልፅ።

"ኣብ 2016 (ግ) እየ ካብ ዓዲ ወፂአ። ድሕሪ ሓደ ዓመት ከኣ ተታሒዘ። ማእሰርቲ ካብ ዝፍረደኒ ሓደ ዓመት ሓሊፉ፣ ብክላሽን እየ ተወቒዐ። ብእዋኑ ሕክምና ክረክብ ኣይከኣልኩን። በዚ ምኽንያት እግረይ ተቘሪፀ።

እቲ ስደተኛ ልክዕ ከምቲ ናቱ ካብ ሓለዋ ዶብ ስዑዲ ብዝተተኮሶም ጠያይቲ እግሮም፣ ኢዶምን ካልእ ኣካሎምን ክሳብ ምጉዳል ዝበፅሑ ኢትዮጵያውያን ምህላዎም ተዛሪቡ።

ሓንቲ እግሩ ከም ዝሰኣነን ብበትሪ እናተደገፈ ከምዝኸይድን ቢቢሲ ካብቲ መዳጎኒ ዝበፅሖ ቪድዮ የርኢ።

ሞት ዘስዓቡ ፊርማታት

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኵሎም ከም ዝብልዎ ተታሒዞም ኣብ ዝተኣሰሩሉ እዋን ፍርዲ ሞት ገሚቶምን ተፀብዮምን ኣይፈልጡን። ብዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪድዎም እዋን ማእሰርቶም ዛዚሞም ናብ ዓዶም ከምዝምለሱ እዮም ዝሓስቡ ነይሮም።

ኣብቲ ክፍርሙሉ ዝወሃቦም ዝነበረ ወረቓቕቲ ሞት ክፍረዶም ዝገብር ገበናት ምፍፃሞም ዘመልክት ክስታት እዩ ዝስነድ ነይሩ።

ክተሓዙ ከለዉ ብዓረብኛ ዝተፅሓፈሉ ወረቐት ቀሪቡሎም፡ "ብኣስገዳድ ኣብዚ ፈርሙ" ከም ዝበሃሉ ዝሕብሩ እቶም እሱራት፤ ደሓር ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ከለዉ እቲ ዝፈረሙሉ ወረቐት ሓሽሽን ካልእ ዘይሕጋዊ ነገራትን ሒዞም ከም ዝተረኸቡ ዘመልክት ኰይኑ ከምዝጸንሖም ይገልፁ።

ኣብ ዝቐረበሎም ክስታት ከይሙጉቱን ብጠበቓ ኣቢሎም ከይከራኸሩን ድማ ዝተወሃቦም ዕድል ከምዘይነበረ ተዛሪቦም። ይግባይ ክሓቱ ዝኽእሉሉ መስርሕ እውን ኣይተመቻችኣሎምን።

"ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ናብ ዳኛ ክትቀርብ ከለኻ 'በዚ ገበናት ተኸሲስካ ኣለኻሞ ትቕበሎ ዲኻ' ኢሉ ይሓተካ። ንኻልኣይ ግዘ ምስቀረብካ ድማ ሞት ይፈርደካ። ካብኡ ንደሓር ይግባይ እትብለሉ ወይ እትከላኸለሉ ዕድል የለን" ይብል እቲ ምስ ካልኦት ሰለስተ ሰባት ተታሒዙ ሓሽሽ ብምስግጋር ዝተፈረደ ደስታ።

ኣብ 2013 ወዲ 19 ዓመት እንከሎ ዝተሰደደ ሃብቶም ልዕሊ 38 ኣዋርሕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እዩ ኣሕሊፉ'ሎ።

"ምስ ተትሓዝኩ ናብ ዝተፈላለየ ቦታ እናወሰዱ ወረቓቕቲ ኣፈሪሞምኒ። ግን ቋንቋ ስለዘይፈልጥ እንታይ ይብል ከምዘሎ'ውን ኣይርድኣንን ነይሩ። ሰለስተ ግዜ ናብ ቅድሚ ዳኛ ንፍርዲ ቀሪበ። ንደቓይቕ ጥራይ እዮም ኣብ ቅድሚ ዳኛ ደው ዘብሉኻ።

"ወተሃደርን ፖሊስን ሒዞምኻ ስለዝኸዱ 'ፈርም' እንተይሎምኻ ክትቃወም ኣይትኽእልን። ናይ ግድን ትፍርም። ኣብቲ ንሳልሳይ ግዜ ናብ ፍርዲ ዝቐረብናሉ እዋን ጥራይ እዮም ትግርኛ ዝዘረብ ሰብ ኣምፂኦም እቲ ዝበሃል ዘሎ ነገራት ብትርጉም ክነግረና ገይሮም" ክብል ነቲ ዝነበረ መስርሕ ፍርዲ ይገልፆ።

"65 ጥራይ ኣይኮንናን. . ."

ኣብ ክልል ዓሲር - ካሚስ ሙሸይት ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ 'ዓምበር' ተባሂሎም ብዝፅውዑ ህንፃታት ወይ ብሎካት ዝተመልአ እየ። ኣብ ሽድሽተ ብሎካት ድማ ኢትዮጵያውያን እሱራት ኣለዉ።

ክሳብ 800 ዝግመቱ ኢትዮጵያውያን ተኣሲሮም ከምዘለዉ ቢቢሲ ካብ እሱራት ዝረኸቦም ሓበሬታ የመልክት።

ነዚ ቍፅሪ ግን ካብ ሳልሳይ ወገን ከረጋግፆ ኣይከኣለን።

በዓል ደስታ ኣብ ዝርከቡሉ ሓደ ህንፃ ዝተመቓቐላ ፀበብቲ ክፍልታት ኣለዋ። ኣብታ ሓንቲ ክፍሊ ጥራይ ንዕኡ ሓዊሱ ልዕሊ 200 ሰባት ተኣሲሮም ይርከቡ። መብዛሕቲኦም ሞት ከምዝተፈረዶም ድማ ይገልፁ።

"ዝተፈረደና ፍርዲ ሞት ከይኣኽለና እቲ ዘለናሉ ዝተጨናነቐ ኩነታት ንሕማምን ጭንቀትን የሳጥሐና ኣሎ። እዚ ዘለናሉ ዓምበር (ብሎክ) 90 ሰባት ክሕዝ ዝተሰርሐ እዩ ነይሩ። 45 ተደራረብቲ ዓራት ኣለዎ። ግን ድማ ልዕሊ ዓቕሙ 800 ሰባት ኢና ዘለና" ዝብል ደስታ ብፍላይ እቶም ኣካላዊ መጉዳእቲ ዘለዎምን ብሕማማት ዝሳቐዩን እሱራት ሕሱም ኵነታት ይሓልፉ ምህላዎም ሓቢሩ።

"እቲ ተረኛ ወተሃደር ኣፉን ኣፍንጫኡን ብማስክ ሸፊኑ መግቢ ክህበና ይመፅእ፣ ሽዑ እዩ ማዕፆ ዝኽፈት። ነቲ መግቢ ምስሃበና ድማ ቀልጢፉ ዓፅይዎ ይወፅእ። ዝኾነ ሕቶ ክትሓቶምን ክተዘራርቦምን ኣይከኣልን። እንተሓቲትካ'ውን ከቢድ መግረፍቲ ኣሎ" ይብል ደስታ።

"ምስ ሞትኩ መርድእ ምንጋር ይሓይሽ"

እቶም ኣብ መስርዕ ሞት ዝርከቡ ኢትዮጵያን ብፍላይ ድሕሪ መቕፃዕቲ በዓል ክብሮም ድቃስ ክድቅሱን ኣእምሮኣዊ ዕረፍቲ ክረኽቡን ኣይከኣሉን። ኣብ ሕማቕ ኵነታት ከም ዝርከቡ ክዛረቡ ከለዉ "ዝቐርበልና መግቢ'ውን ኣይብልዓልናን ዘሎ" ይብሉ።

"እቲ ሓደ እሱር ነቲ ካልእ ምስኡ ዘሎ ከፀናንዖ ኣይከኣለን። እንትርፎ ብኽያት ካልእ ዓቕሚ የብልናን። መዓዝ ከምዝኸውን እንተዘይፈለጥና እኳ ተራና ኢና ንፅበ ዘለና" ክብል ንዘለዉሉ ጭንቀት ሃብቶም ይገልፆ።

"ቤተሰበይ ብማእሰርቲ ዝተቐፃዕኹ እምበር ሞት ከም ዝተፈረደኒ ኣይፈልጡን። ሕጂ ካብ ዝነግሮም ዋላ ምስ ሞትኩ መርድእ እንተዝንገሮም ኢለ መሪፀለኹ" ክብል ወሲኹ።

ኣብ ስዑዲ ዝርከቡ ኤምባሲን ቆንስላ ቤትፅሕፈትን ኢትዮጵያ ንጉዳዮም ከም ዝፈልጡ ዝዛረቡ እቶም እሱራት እናፈለጡ ግን ክበፅሑሎም ከምዘይከኣሉ ኣምሪሮም ይዛረቡ።

ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ኣብ መንደቕ ንዝተሰቐለ ስልኪ ተጠቂሞም እዮም ናብ ኤምባሲ ሃገሮም ዝድውሉ። ክድውሉ ከለዉ ዝበዝሕ እዋን እቲ ስልኪ ኣይለዓልን፤ እንተ ተላዒሉ'ውን ተስፋ ዝህብ ምላሽ ኣይረኽቡሉን።

"ካልእ ተሪፉ ብዛዕባ እቶም ፍርዶም ተፈፃሚ ዝኾነ ሰለስተ እሱራት'ውን ንኤምባሲ ነጊርናዮም ክኣምኑና ኣይከኣሉን ነይሮም። 'ብምስግጋር ሓሽሽ ዝተቐተለ ሓበሻ የለን' ኢሎምና። ብድሕሪ ሰለስተ መዓልታት ግን መፂኦም ኣረጋጊፆም" ይብል ካብ ክልል ኣምሓራ ዝተሰደተ ዘውዱ።

መንግስቲ ሃገሩ ንዜጋታቱ ክግደስ ብዘይምኽኣሉ ተስፋ ከምዝቖረፀ ዝዛረብ ሃብቶም ብወገኑ፡ "ካልእ እንተ ተረፈ እዚ ናይ ሞት ፍርዲ ናብ ማእሰርቲ ክቕየረልና ምዝርራብ ምተኽኣለ። ብዘይፍላጥ ሓንሳብ ተጋጊናለና፤ ብሞት ዘይኮነስ ብማእሰርትን ምሕረትን ምሕላፍ ምተኽኣለ" ይብል።

ሂዩማን ራይትስ ዎች ብ28 ሚያዝያ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ሰብመዚ ስዑዲ ዓረብ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ዝፍጸም ዘሎ ናይ ሞት ፍርዲ ብቕልጡፍ ክስርዙ ሓቲቱሎ። ኵሎም ጉዳያት ምስ ዓለምለኻዊ ሕግታት ብዝሰማማዕ ኣገባብ ክፍጸሙን ክግምግሙን ድማ ጸዊዑ።

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ወከልቱን ብህጹጽ ጣልቃ ብምእታው ዜጋታቶም ቅልጡፍ ቆንስላዊ ሓገዝ ምርካቦም ከረጋግጹ ከም ዝግባእ እቲ ተጣባቒ መሰላት ተላብዩ።

ግዱሳት መንግስታት እውን ስዑዲ ዓረብ ነቲ ናይ ሞት ፍርዲ ክትስርዞ ወይ ምስ ዕጸፋርስ ዝተኣሳሰሩ ገበናት ብሞት ከይትፈርድ ጸቕጢ ክገብሩ ከም ዘለዎም ኣተሓሳሲቡ።

ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ሊቀጳጳስ ኣቡነ ማትያስ ኣብ 4 ግንቦት 2018 (ግንቦት 2026) ኣብ ዝዘርግሕዎ ደብዳበ "ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ትሕቲ ጽላሎት ሞት ብጭንቀት መዓልቶም ዝቘጽሩ ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ደቅና ዝሓሸ ናብራ ክረኽቡ ተስፋ ብምግባር ኣብ ዝተሰደዱላ ሃገር ክቕተሉ ቀሪቦም ኣለዉ።

"ስለዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ ብምዝርራብ ናይ ሞት ፍርዶም ንምልዓልን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ንምምችቻውን ንዝተጀመረ ስራሕ ፍሉይ ቆላሕታ ክህቦ ይግባእ" ኢሎም።

ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ምኒስተር ጉድያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶክተር ጌድዮን ጢሞቴዎስ ንምክትል ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ዋሊድ ኤል-ኸረይጂ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘዘራረበሉ ኣጋጣሚ ጉዳይ ኢትዮጵያውያን ተላዒሉ ነይሩ።

ኣብቲ ርክብ፡ ዶክተር ጌድዮን፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝነብሩን ዝሰርሑን ኢትዮጵያን ዜጋታት ድሕነቶም ክሕለወሎምን ሕጋዊ ዕድላት ስራሕ ክጣጣሓሎምን ኣገዳሲ ምዃኑ ምግላጹ፡ ካብቲ ምኒስትሪ ዝወጸ ሓበሬታ የረድእ።

ኣቦ መንበር ህወሓት ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ብወገኑ እቶም ሞት ዝተፈረዱ ስደተኛታት ምሕረት ክግበረሎም ናብ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብያ ኣብ ዝፀሓፎ ቅሉዕ ደብዳባ ጸዊዑ።

ናብ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ልኡል ፋይሰል ቢን ፋርሓን ኣ'ሳዑድ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ ብኣማኢት ዝግመቱ ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ናይ ሞት ፍርዲ ተፈሪዶም፡ ኣብ ከቢድ ኵነታት ከምዘለዉ ብምጥቃስ መንግስቲ እታ ሃገር ነዚ ኩነታት ደው ከብሎ ተማሕጺኑ።

ኣቐዲሙ እውን ሓፈሻ ቤት ምኽሪ እስላማዊ ጉዳያት ትግራይ፡ ብተመሳሳሊ ንታሪኽ እስልምናን ምትእስሳሩ ምስ ምድረሓበሻን ለበዋ ነቢይ መሓመድን ጠቒሱ ኣብ ምሕጽንታኡ፤

"መንግስቲ ስዑዲ ነዚ ብነብዩ መሓመድ ዝተመስከረሉ ታሪኻዊ ሕውነትን ውዕለትን ብምዝካር፣ ነዞም ኢትዮጵያውያን፡ ምሕረት ገይሩ ናብ ዓዶም ብሰላም ክሰዶም፡ ብሽም እምነት እስልምናን ብሽም ሰብኣውነትን፡" ንጽውዕ ክብል ልመናኡ ኣቕሪቡ ነይሩ።

ቢቢሲ ኣብዚ ጉዳይ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ መብርሂ ክረክብ ፈቲኑ መልሲ ክረክብ ኣይከኣለን።

ኣብ ጂዳ ሓላፊ ቆንስላ ቤት ጽሕፈት ኣምባሳደር ጣፋ ቱሉ ዳዲ ብስልኪ ረኺብና ኣብ ዘዘራረብናሉ እዋን 'እዚ ጉዳይ ንሰርሓሉ ኣለና፤ ዝርዝራቱ ግን ክዛረብ ኣይክእልን" ዝብል ሓፂር መልሲ ሂቡ።

ናብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያትን ስዑዲ ዓረብ ንዝቐረብናዮ ሕቶ'ውን ዛጊድ መልሲ ኣይረኸብናን።

ኣብቲ ጉዳይ መብርሂ ካብ ዝሓተትናዮም ወገናት ዝረኸብናዮም መልሲ ይኹን ርኢቶታት ምስ በፅሓና ኢና።

[መዘኻኸሪ፡ ብዘይካ መብራህቶም ኣኩኡ ንክብሮም፡ ኣብዚ ዛንታ ዝተጠቕሱ ኣስማት ንድሕነትን ብሕትውናን ብዝብል ተቐይሮም ኣለዉ።]