እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትግራይ፡ ሽዱሽተ ዓመት ካብ ደብረጽዮን ናብ ደብረጽዮን - ዳግማይ ኲናትን ዘይተመለሱ ሕቶታትን
ዝሓለፈ ሽድሽተ ዓመታት ትግራይ፡ ፖለቲካዊ ህውከት፡ ኲናት፡ ክባን ዕጽዋን፡ ከምኡ'ውን ቁርቍስ ትግባረ ውዕል ፕሪቶሪያን ሓድሽ ዳግማይ ኲናትን ገለ ካብቲ መለለዪኣ ኰይኑ ጸኒሑ'ሎ።
እዚ ፖለቲካዊ ታሪኽ ብሓፈሻ ብተደጋጋሚ ቃልሲ ኣብ ልዕሊ ሕጋውነት፡ ወተሃደራዊ ስልጣንን ዘይተፈትሑ ሳዕቤናት ኲናትን ዝተገልጸ ኰይኑ ጸኒሑ ኣሎ።
ካብ 2020 ኣትሒዙ፡ እታ ክልል ብሽዱሽተ ዝተፈላለዩ ምምሕዳራት ዝተመሓደረት ኰይና፡ ነፍሲ ወከፎም ካብ ቅልውላው ዝወጹ፡ ነፍሲ ወከፎም ስልጣን ምምሕዳር ከም ዘለዎም ዝሙጕቱ፡ ከምኡ'ውን ነፍሲ ወከፎም ኣብ መወዳእታ ብፍጻመታት ዝተዋሕጡ እዮም።
ክሳብ ጥቅምቲ 2026፡ ሽዱሽተ ስልጣናት ዝረኣየት ትግራይ፡ ኣብዚ ዳግመይ ዝተወልዐ ውግእ ኣብ ዝተፈጥረ ቅልውላው ድማ ሕጂ መንግስቲ ፈደራል ብ ኮማንድ ፖስት ነታ ክልል ከም ዘመሓድር ይገልጽ ኣሎ።
እዚ መደብ እዚ ድሮ ቅሬታ ዝፈጠረ ኰይኑ፡ ካብቶም ኣብ ፖለቲካ ትግራይ ክነጥፉ ዝጸንሑ ፖለቲካዊ ውድባት ዝዀነ ሳልሳይ ወያነ ብወግዒ ከም ዝነጽጐ ኣፍሊጡ'ሎ።
እዞም ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ዓመታት ዝተራእዩ ምምሕዳራት/መንግስታት ዘራኽቦም፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ንትግራይ ምምሕዳሮም ጥራሕ ኣይኰነን። ኵሎም ዘይተፈትሑ ጉዳያት ገዲፎም እዮም ኣብቂዖም።
ገለ ካብቶም ዘይተፈትሑ ሕቶታት፡ ህዝቢ ትግራይ ብሕጋዊ መንገዲ መን ይውክሎ፣ ዕጡቓት ሓይልታት እቲ ክልል መን ይቈጻጸሮም፣ ኣሰሓሓብቲ መሬታት ብኸመይ ክመሓደሩ ኣለዎም፣ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ብኸመይ ይረጋገጽ፣ ስልጣን ምምሕዳር ኣብ መወዳእታ ኣብ መቐለ ድዩ ወይስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እዩ ዝርከብ ዝኣመስሉ እዮም።
እዚ ኰይኑ፡ እቶም ዝተራእዩ ምምሕዳራት ብኸምዚ ዝስዕብ ዳህሲስናዮም ኣለና።
ዝተመርጸ መንግስትን መንገዲ ኲናትን (2020)
ህወሓት ካብ ማእከል ስልጣን ኣዲስ ኣበባ ተደፊኡ መቐለ ማእከሉ ምስገበረ ምስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ዝመርሖ መንግስቲ ሓደ ካብቲ ናብ ምስሕሓብ ዘእተዎም ጉዳይ እቲ ኣብ 2020 በይናዊ ክልላዊ መረጻ እዩ።
ነቲ ኣካታዒ መረጻ ትግራይ ናይ መስከረም 2020 ስዒቡ፡ ብኣቦ-መንበር ህወሓት ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ክልላዊ መንግስቲ ቈይሙ።
እቲ ድምጺ ምሃብ፡ ነቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ንሃገራውን ክልላውን መረጻታት ንምድንጓይ ዝወሰኖ ውሳነ ብቐጥታ ብምቅዋም እዩ ተኻይዱ።
መንግስቲ እቲ ምድንጓይ ኣድላዪ ስጕምቲ ስክፍታ ህዝባዊ ጥዕና ምዃኑ ክትምጕት እንከላ፡ ህወሓት ብህዝቢ ዝተመርጹ ስልጣናት ካብ ቅዋማዊ ግዜኦም ንላዕሊ ምንዋሕ፡ ንሕጋውነት ናይቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ከም ዘዳኽም ነዊሕ መጕቱ።
እቲ መረጻ፡ ነቲ ድሮ እናኣንቈቈለ ዝኸይድ ዝነበረ ዝምድና ኣብ መንጐ ፈደራላዊ መንግስትን መሪሕነት ትግራይን ኣዕሚቝዎ እዩ።
እቲ ከም ፖለቲካዊ ዘይምርድዳእ ዝጀመረ ጉዳይ፡ ኣብ ውሽጢ ፈደራላዊ ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ልዑላውነትን ስልጣንን ናብ ዝተበገሰ ቅዋማዊ ምስሕሓብ ማዕቢሉ።
ፈደራላዊ ባይቶን ቤት ምኽሪ ፈደረሽንን፡ ነቲ መረጻ ከም ዘይሕጋዊ ነጺጐምዎ። መራሕቲ ህወሓት እተን ፈደራላውያን ትካላት ባዕለን ሕጋዊ ስልጣን የብለንን ብምባል መጒቶም።
ኣብ መወዳእታ መስከረም፡ እቲ ክልላዊ መንግስቲ፡ እቲ ብመረጻ ዝቘመ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግዜኡ ድሮ ስለዘእከለ፡ ነቲ ብፈደራላውያን ትካላት ዝወጹ ውሳነታት ትርጕም ከም ዘይህልዎ ተኸራኺሩ።
እቲ ግጭት፡ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ምስ ክልላዊ ባይቶን ፈጻሚ ኣካልን ዘለዎ ዝምድና ብዕሊ ምስ ቈረጸ፡ ኣብ መጀመርታ ጥቅምቲ ብዝያዳ ሓዪሉ።
ሰበስልጣን ትግራይ ነቲ ውሳነ ከም ሓደ ተግባር ፖለቲካዊ መጥቃዕትን ንወተሃደራዊ ስጕምቲ ዝኸውን መእተዊን ገይሮም ተርጒሞምዎ።
እቲ ቅልውላው ኣብ መጀመርታ ሕዳር 2020 ኣብ ጥርዙ በጺሑ። ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ንመሪሕነት ትግራይ እሙናት ዝዀኑ ሓይልታት፡ ነቲ ኣብታ ክልል ነዊሕ ዓመታት ዓስኪሩ ዝነበረ ሰሜን እዚ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኢትዮጵያ ከም ዘጥቅዑ ኣፍሊጡ።
ሰበስልጣን ትግራይ ንገሊኡ ክፋላት ናይቲ ፈደራላዊ ክሲታት ይነጽግዎ። ብሰንኪ እቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዝነበረ ፖለቲካዊ ወጥሪታት፡ ዘይምትእምማንን ወተሃደራዊ ምድላዋት ኣዲስ ኣበባን፡ እቲ ኲናት ዘይተርፍ ኰይኑ ከም ዝነበረ ብምምጓት ድማ ኣረዲኦም።
እቶም ዝተፈጥሩ ዘይምርድዳኣት ድማ ተደማሚሮም፡ ነታ ሃገር ናብ ኣዕናዊ ኲናት ደፊኦምዋ።
መሰጋገሪ መንግስቲ (ሕዳር 2020 - ሰነ 2021)
ፈደራላውያን ሓይልታት ናብ መቐለ ኣብ ሕዳር 2020 ምእታዎም ስዒቡ፡ እቲ ብህወሓት ቈይሙ ዝነበረ ምምሕዳር፡ ከም ክልላዊ መንግስቲ ፈሪሱ። ኣብ ክንድኡ፡ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ምስረታ መሰጋገሪ መንግስቲ ትግራይ ኣጽዲቑ።
ምሁርን ኣባል ሰልፊ ብልጽግና ትግራይን ዝዀነ ዶክተር ሙሉ ነጋ፡ ቀንዲ ፈጻሚ ስራሕ ኰይኑ ተሸይሙ። ኣቐዲሙ ምኒስተር ዲኤታ ሳይንስን ላዕለዋይ ትምህርትን ኰይኑ ዘገልገለ ሙሉ፡ ድሕሪ ውድቀት ናይቲ ዝተመርጸ መንግስቲ ትግራይ፡ ኣብ ምምሕዳር እቲ ክልል ወካሊ ገጽ ፈደራል መንግስቲ ኰይኑ ተቐልቂሉ።
ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ፈደራል፡ እቲ ዝተገብረ መስርሕ፡ ነቲ ንሳቶም መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ፈደራልን ቅዋማዊ ስርዓት ንምድኻም ዝተገብረ ፈተነን ክብሉ ዝገለጽዎ ፍጻመ ስዒቡ፡ ስርዓት ንምምላስ ዝዓለመ ቅዋማዊ ኢድ-ኣእታውነት ከም ዝዀነ ገይሮም ገሊጾምዎ።
ሙሉ ነጋ፡ ነቶም ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሱ ፖለቲካውያን ተዋሳእቲ ዘጠቓልል ምምሕዳር ናይ ምቛም ሓላፍነት ተዋሂብዎ ነይሩ። ብግብሪ ግን፡ እቲ ምምሕዳር ካብ ምስረታኡ ኣትሒዙ ከበድቲ ዕንቅፋታት ገጢሞምዎ እዮም።
ሰራዊት ምክልኻል ነተን ቀንዲ ከተማዊ ማእከላት ይቈጻጸሩ እኳ እንተ ነበሩ፡ ሰፋሕቲ ገጠራዊ ከባቢታት ግን ካብ ተበጻሕነት ናይቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ወጻኢ ኰይኖም ተሪፎም።
ኣብቲ ዝቕጽልን እናሰፍሐ ዝኸይድ ዝነበረን ውግኣት፡ ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል ናይቲ ክልል ስሉጥ ምምሕዳር ክባጻሕ ከምዘይክእል ገይሩዎ።
እቲ ዝዓበየ ብድሆ ሕጋውነት ምዃኑ እውን ይግለጽ ነይሩ። ብዙሓት ተጋሩ ነቲ ምምሕዳር ካብ ወጻኢ ዝተስገደደ ወይ ዝተጻዕነ ህዝባዊ ውክልና ዘይብሉን ገይሮም ርእዮምዎ።
እቲ ዝቕጽል ዝነበረ ኲናት፡ ክስታት ብዛዕባ ኣስፋሕፊሑ ዝነበረ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ከምኡ'ውን ተሳትፎ ሓይልታት ኤርትራ ነቲ ህዝባዊ ምትእምማን ንምህናጽ ዝግበር ዝነበረ ጻዕሪታት ሓላሊኹዎ።
ኣብ ግንቦት 2021፡ ሙሉ ነጋ ብዶክተር ኣብርሃም በላይ ተተኪኡ። ኣብርሃም ኣብ ውሽጢ ብልጽግና ፍሉጥ ሰብ እዩ ነይሩ።
እቲ ዝተገብረ ምስግጋር ስልጣን ካብ ሙሉ ናብ ኣብርሃም ድማ ነቲ ኣብቲ ምምሕዳር ኣጋጢሙ ዝነበረ ዓቢ ጸገማት ዘንጸባርቕ እዩ ነይሩ።
በቲ እዋን እቲ፡ እቲ ወተሃደራዊ ኵነታት ኣብ መሬት ድሮ ብቕልጡፍ ይቕየርን ሓይልታት ትግራይ እናሓየሉ ብዙሕ ቦታታት ትግራይ ክቈጻጸሩ ዝጀመሩሉን እዋናት እዩ ነይሩ።
ድሕሪ ሒደት ሰሙናት ድማ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ሰነ 2021 ንርእሰ ከተማ መቐለ ድሕሪ ምቍጽጻሮም እቲ ግዝያዊ መንግስቲ ወዲቑ።
ምልሶት መንግስቲ ደብረጽዮን (ሰነ 2021 - ሕዳር 2022)
ኣብ መወዳእታ ሰነ 2021፡ ሓይልታት ትግራይ ሓያል ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ብምግባር ንመቐለ ዳግማይ ተቘጻጺሮምዋ።
ሰራዊት ፈደራልን እቲ ግዝያዊ ምምሕዳርን ካብታ ከተማ ብምውጻኦም፡ እቲ ብደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ዝነበረ ቅድሚ ኲናት ዝነበረ መሪሕነት ስልጣኑ ዳግም ኣምሊሱ።
ምምላስ ናይቲ ብህወሓት ዝምራሕ ምምሕዳር፡ ኣብቲ ግጭት ኣገዳሲ ነጥበ መቐይሮ ኣመዝጊቡ። እቲ ኲናት ድማ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ኣትዩ።
ሓይልታት ትግራይ ካብ ዶባት እቲ ክልል ሓሊፎም ናብ ጐረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ክደፍኡ እንከለዉ፡ ሰራዊት ፈደራልን መሻርኽቱ ሓይልታትን ድማ ንሓድሽ ወፍሪ ዳግም ተወዲቦም። እቲ ኣብ ትግራይ ዝጀመረ ኲናት፡ ናብ ዝሰፍሐ ሃገራዊ ኲናት ተቐይሩ።
እቲ ምምሕዳር፡ ኣብቲ ብዙሓት ነበርትን ዓለምለኻውያን ትካላትን "ክባን ዕጽዋን" ክብሉ ኣብ ዝገለጽዎ እዋን እዩ ሰሪሑ።
ኣገልግሎት ባንክ፡ ተሌኮሙኒኬሽን፡ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ተበጻሕነት ኢንተርነትን ብተደጋጋሚ ይቋረጽ ነይሩ። ሰብኣውያን ትካላት ብዛዕባ ከቢድ ዋሕዲ ውሕስነት መግቢን ኣብ ኣቀራርባ ረድኤት ዘጋጥም ደረታትን ብተደጋጋሚ የጠንቅቓ ነይረን።
ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ገለ ካብቶም ኣዝዮም ኣካታዕቲ ዝዀኑ ጉዳያት ናይቲ ኲናት፡ ከይተፈትሑ ተሪፎም። ወተሃደራት ኤርትራ፡ ክወጹ ዝሓትት ዓለምለኻዊ ጠለባት ቀሪቦም።
ምዕራብ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ኣምሓራ ኰይኑ ተሪፉ፣ እዚ ድማ ደሓር ንጻዕሪታት ኣተገባብራ ሰላም ዝሓላልኽ ምስሕሓብ ፈጢሩ።
ወተሃደራዊ መጥቃዕቲታትን ጸረ-መጥቃዕቲታትን ኣብ ምሉእ 2021ን 2022ን ቀጺሉ። ናይ ዘተ ተስፋታት በብእዋኑ ይረአ እኳ እንተ ነበረ፡ ብሰንኪ'ቲ ዝቕጽል ዝነበር ኲናት ግን ይፈሽል ነይሩ።
ኣብ መወዳእታ፡ ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመታት ኲናት፡ ክልቲኦም ወገናት ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተማእከለ መስርሕ ሰላም ተሰማሚዖም።
ውጽኢት ናይዚ ድማ ብ2 ሕዳር 2022 ዝተፈረመ ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ ነቲ ኣብ መንጐ ፈደራላዊ መንግስትን ህወሓትን ዝነበረ ኲናት ብወግዒ ዛዚምዎ።
እቲ ስምምዕ ዕጥቂ ምፍታሕ፡ ኣገልግሎታት ምምላስ፡ ምምላስ ተመዛበልቲ፡ ሓገዝ ረድኤት ከም ዝበጽሕ ምግባርን ምቛም ፖለቲካዊ መሰጋገሪ ምድላውን ዘተስፉ እዩ ነይሩ። እዚ ድማ፡ መወዳእታ ናይቲ ዳግም ዝተመስረተ ምምሕዳር ደብረጽዮን ዘመልክት እዩ ነይሩ።
ፕሪቶርያን ምምሕዳር ጌታቸው ረዳን (መጋቢት 2023 - ሚያዝያ 2025)
ስምምዕ ፕሪቶርያ ንራብዓይ ኣካል ስልጣን ትግራይ ወሊዱ፤ ግዝያዊ ክልላዊ ምምሕዳር ትግራይ ቈይሙ።
ብ23 መጋቢት 2023፡ ጌታቸው ረዳ ብፈደራላዊ ስምምዕ ቀንዲ ኣመሓዳሪ ኰይኑ ተሸይሙ። ነዊሕ እዋን ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ህወሓት፡ ወሃብ-ቃልን ኣብ እዋን እቲ ዘተ ሰላም ቀንዲ መራኸቢን ዝነበረ ጌታቸው፡ ኣብ ፈለማ ካብ መብዛሕትኡ መሪሕነት ናይቲ ውድብ ደገፍ ረኺቡ ነይሩ።
ስልጣን ናይቲ ምምሕዳር ቀጥታውን ንጹርን ዝመስል እዩ ነይሩ። ንሱ ነቲ ኣተገባብራ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ክቈጻጸር፡ ዕጥቂ ምፍታሕ ክድግፍ፡ ምምላስ ተመዛበልቲ ከሳልጥን ነቲ ክልል ንመረጻ ከዳሉን ትጽቢት ይግበረሉ ነይሩ።
ይዅን እምበር፡ እቲ ምምሕዳር ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብ ልዕሊ ስልጣንን ትርጕም ናይቲ ስምምዕ ፕሪቶርያን ብዝተላዕለ ምስሕሓባት ተዋሒጡ።
ሰለስተ ጉዳያት ብፍላይ ኣዝዮም ፈላለይቲ ኰይኖም ተረኺቦም። እቲ ቀዳማይ ንሕጋዊ ሰብነት ህወሓት ዝምልከት እዩ ነይሩ።
እቲ ውድብ፡ ብቦርድ መረጻ ዕላዊ ምዝገባኡ ምስ ተኸልአ ተቓዊሙ፤ ከምዚ ዓይነት ስጕምቲታት ንመንፈስን ድንጋገታትን ፕሪቶርያ ከም ዝጥሕስ ክማጐት ጀሚሩ።
ጕጅለ ደብረጽዮን፡ መጻኢ ውድብ ህወሓት ካብ ምምሕዳራዊ ውሳነታት ብዝበለጸ ብኣባላት እቲ ውድብ ክውሰን ከም ዘለዎ ሞጕቱ።
እቲ ካልኣይ መሰሓሓቢ ነጥቢ ኣብ ምቍጽጻር ትካል ጸጥታ ዘተኰረ ነይሩ። ጌታቸው፡ ወተሃደራዊ ውዳበታት ኣብ መወዳእታ ከም ሓደ ኣካል ናይ ስሩዕ ምምሕዳር ድሕሪ ኲናት መጠን ኣብ ትሕቲ ሲቪላዊ ምምሕዳር ክንቀሳቐስ ከም ዘለዎ ሞጕቱ።
ተቓወምቱ ድማ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ካብ ተመኵሮ እዋን ኲናት ዝተበገሰ ፍሉይ ቦታ ከም ዘለዎምን፣ ብቐሊሉ ኣብ ትሕቲ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ክግዛእ ከም ዘይክእልን ኣቕሪቦም።
እቲ ሳልሳይን ከም ዝዓበየ ብድሆ ዝቝጸርን፡ ዝተራእየ ዝሕታለን ምትዕንቓፍን ኣተገባብራ ቀንዲ ድንጋገታት ውዕል ሰላም ፕሪቶሪያ እዩ ነይሩ።
ተመዛበልቲ በቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ግዜን መጠንን ኣይተመልሱን። ኵነታት ምዕራብ ትግራይ መዕለቢ ስኢኑ ተሪፉ። መደባት ዕጥቂ ምፍታሕን ዳግመ-ውህደትን (ዲዲኣር) ከምቲ ዝድለ ኣይተተግበረን።
ምትፍናን እናዓበየ ምስ ከደ፡ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዝነበረ ምፍልላይ እውን እናሰፍሐ መጺኡ። እቲ ከም ናይ ፖሊሲ ዘይምርድዳእ ዝጀመረ ጉዳይ፡ ናብ ቅሉዕ ውድባዊ ምግምማዕ ማዕቢሉ። ተወዳደርቲ ጕጅለታት ንሓድሕዳዊ ሕጋውነትን ስልጣንን ኣብ ሕቶ ኣእትዮምዎ።
ክሳብ ነሓሰ 2024 ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ጌታቸው ረዳ ካብ ህወሓት ተባሪሩ፣ እዚ ድማ ምሉእ ብምሉእ ናይ ዝምድናታት ምብታኽ ዘርኢ ኰይኑ።
እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ኣብ ፈለማ ከም መዋቕር ዕርቅን ስግግርን ኰይኑ ዝተራእየ እኳ እንተ ነበረ፡ ናብ ካልእ መድረኽ ናይቲ ንስልጣን ዝግበር ቃልሲ ተቐይሩ።
ታደሰ ወረደን ምንዋሕ ስልጣንን (2025 - ግንቦት 2026)
ሽመት ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ነቲ እናተሰባበረ ዝኸይድ ዝነበረ ፖለቲካዊ ሃዋህው ንምርግጋእ ዝተገብረ ስጕምቲ እዩ ዝነበረ። ብኣንጻር ናይቲ ቅድሚኡ ዝነበረ መሪሕነት፡ ታደሰ ካብ ናይ ሲቪላውያን ፖለቲካ ብዝበለጸ ካብ ወተሃደራዊ መሓውር እዩ ወጺኡ።
ከም ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ መጠን፡ ኣብ ውሽጢ ወተሃደራዊ መሓውራት ተኣማንነት ዝነበሮ ኰይኑ፡ ብተወሳኺ ኣብ ቅድሚ ሰበስልጣን መንግስቲ ፈደራል ቅቡል ኰይኑ ይረአ ነይሩ።
ሽመቱ ብሰፊሑ ከም ምክእኣል ኣብ መንጐ ተወዳደርቲ ጕጅለታት ኰይኑ እዩ ተራእዩ። ንእተወሰነ እዋን፡ እቲ ምምሕዳር ነቲ ወጥሪታት ኣጕዲልዎ ነይሩ፣ ይዅን እምበር፡ እቶም ንዝሓለፉ ምምሕዳራት ዘዳኸሙ መሰረታውያን ምስሕሓባትን ሕቶታትን ኣብ ዘመነ ታደሰ እውን ከይተፈትሑ ተሪፎም።
ምምሕዳር ታደሰ ኣብ መንጐ ተቐናቐንቲ ማእከላት ስልጣን ከተዓርቕ ይኽእል እዩ ዝብል ትጽቢት ነይሩ። ንሳቶም - ሰበስልጣን ፈደራል ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ኣብ መቐለ፡ ከምኡ'ውን እቶም ደገፎም ኣገዳሲ ኰይኑ ዝቐጸለ ጸለውቲ ወተሃደራውያን መራሕቲ እዮም ነይሮም።
ኣብ ኣተገባብራ ፕሪቶርያ ዝነበረ ዘይምርድዳኣት ሕጂ'ውን ቀጺሉ። ኣብ ዙርያ ቍጽጽር መሬት፡ ጉዳይ ተመዛበልቲን ጉዳይ ወተሃደራውን ጸጥታውን መሓውር ዝነበሩ ሕቶታት ግጭት ምፍጣር ቀጺሎም።
ኣብ መጀመርታ 2026፡ ወጥሪታት ኣብ ገለ ክፋላት ናይቲ ክልል ናብ ሓድሽ ዕጥቃዊ ግጭታት ዓሪጉ። ንዘተ ዝኸውን ኵነታት ንምፍጣር ብምድላይ፡ ታደሰ ኣብ ለካቲት 2026 ሓይልታት ትግራይ ካብ ጸለምቲ ከም ዝወጹ ኣፍሊጡ። ይዅን እምበር፡ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ነቶም ጻዕሪታት ቀልጢፉ ጐስዩዎም ሓሊፉ።
ኣብ ሚያዝያ 2026፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ነቲ ናይ ግዝያዊ ምምሕዳር ስልጣን ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ኣናዊሕዎ።
እዚ ውሳነ፡ ብዓይኒ መንግስቲ ፈደራል ከም ቀጻልነት ምምሕዳር ንምዕቃብን ትካላዊ ውድቀት ንምክልኻልን ተባሂሉ እዩ ዝርአ ነይሩ። ንመሪሕነት ህወሓት ግን፡ እዚ ከም ሓደ በይናዊ ስጕምቲን ጥሕሰት ስምምዕ ፕሪቶርያን ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ ርእሰ-ምምሕዳር እቲ ክልል ዝግበር ምትእትታውን ኰይኑ ተራእዩ።
ምምላስ ደብረጽዮንን ፍርሰት ግዝያዊ ስርዓትን (ግንቦት - ሓምለ 2026)
እቲ ነጥበ መቐይሮ ኣብ ግንቦት 2026 መጺኡ።
ህወሓት እቲ ብመንግስቲ ፈደራል ዝተወስደ ስጕምቲ ምንዋሕ ዕድመ-ስልጣን ሕጋውነት ከም ዘይብሉ መጒቱ። በዚ ድማ ህወሓት ናብቲ ኣብ 2020 ዝተመርጸ ክልላዊ ባይቶ ተመሊሱ።
እዚ ስጕምቲ፡ ነቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበረ ፖለቲካዊ ውዳበታት ዳግማይ ንምትካል ዝዓለመ እዩ ነይሩ።
ብ5 ግንቦት፡ እቲ ባይቶ ንደብረጽዮን ገብረሚካኤል ከም ፕረዚደንት ክልልን፡ ንኪሮስ ሓጎስ ድማ ከም ኣፈ-ጉባኤን ገይሩ መሪጹ።
እቲ ውሳነ ካብ ለውጢ መሪሕነት ንላዕሊ ብዙሕ ሕቶታት ዘልዕል እዩ ነይሩ፤ ካብዚ እቲ ቀንዲ ነቲ ብፈደራል መንግስቲ ኣፍልጦ ዝተዋህቦ ግዝያዊ ምምሕዳር ቀጥታዊ ብድሆ ዝፈጥር ኰይኑ።
ታደሰ ወረደ፡ ነቲ ብመሪሕነት ህወሓት ስልጣን ክለቅቕ ዝቐረበሉ ጠለባት ነጺግዎ፤ ዝዀነ ፖለቲካዊ ስግግር ብሕጋዊ ኣገባባት ክካየድ ከም ዘለዎ ሞጕቱ።
ይዅን እምበር፡ እቲ ደብረጽዮን ዝመርሖ ጕጅለ ስልጣን ድሮ ከም ዝተቘጻጸረ ብምእዋጅ ጕዕዞኡ ቀጺሉ። መንግስታዊ ኣብያተ-ጽሕፈትን ሰበስልጣንን ብዝያዳ ምስቲ ዳግም ዝተበራበረ ውዳበ ወጊኖም።
ብዘይ ተሳትፎ ታደሰ ኣኼባታት ተኻዪዱ፣ ከምኡ'ውን ክስታት ሕጋውነት እናሓየለ ከይዱ። እቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ነቲ ስጕምቲ ኣፍልጦ ክህቦ ፍቓደኛ ኣይነበረን።
ኣብቲ እዋን ደገፍቲ ህወሓት ብደሞክራስያዊ መንገዲ ዝተመርጸ ኣካል ስልጣን ይመልሱ ከም ዘለዉ ሞጕቶም።
እቲ ዝሰዓበ ትካላዊ ክልተኣውነት፡ ተነቃፊነት ናይቲ ድሕሪ ፕሪቶርያ ዝመጸ ስምምዕ ኣቃልዑ።
ብግብራዊ መዳይ፡ እቲ ስርዓተ-ግዝያዊ ምምሕዳር ድሕሪ ደጊም ክሰርሕ ከምዘይክእል ኣነጺሩ።
ውድቀትን ዳግማይ ኲናትን (ሓምለ - ጥቅምቲ 2026)
ክሳብ መፋርቕ 2026፡ ውዕል ፕሪቶርያ ዳርጋ ናብ ምፍራስ ገጹ ኣትዩ። ህወሓት ንመንግስቲ ፈደራል ንቀንዲ ድንጋገታት ናይቲ ስምምዕ ኣብ ምትግባር ከም ዝፈሸለት ስከሲሱ።
ሰበስልጣን ፈደራል ብወገኖም፡ ካብቲ ኣፍልጦ ዝተዋህቦ መሰጋገሪ መስርሕ ወጻኢ ዝተመስረተ ብህወሓት ዝምራሕ መሓወራት ምምሕዳር ሕጋውነት የብሉን ብምባል ተቓዊሞም።
ፖለቲካዊ ምፍሕፋሕ በብቑሩብ ናብ ወተሃደራዊ ምልዕዓል ማዕቢሉ። ሰራዊት መንግስቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታትን ከባቢታትን ትግራይ ተደጋጋሚ ደብዳባት ድሮን ኣካይዱ፤ ኣብ ሰብን ንብረትን ዕንወት ምውራድ ቀጺሉ።
ብ20 መስከረም 2026፡ ሸውዓተ ፖለቲካውያንን ዕጡቓትን ምንቅስቓሳት ኢትዮጵያ፡ ንመንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ንምእላይን ኣብ ሃገራዊ ደረጃ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቛምን ዝዓለመ ሓድሽ ኪዳን ኣዊጆም።
ድሕሪ ሒደት መዓልታት፡ እቲ ኪዳን ወሳኒ መጥቃዕቲ ብምጅማር፡ ኣብ መቐለ፡ ሽረን ኣኽሱምን ዝርከቡ መዓርፎ ነፈርቲ ሓዊሱ ስትራተጅያዊ ቦታታት ተቘጻጺሩ።
ንምግዳድ ናይቲ ኵነታት ሓላፍነት መን ይወስድ ኣብ ዝብል ብኡንብኡ ብክልቲኦም ሸነካት ምውንጃል መጺኦም።
ብመንግስቲ ፈደራል ዝተወስደ ግብረ-መልሲ ቅልጡፍ እዩ ነይሩ። ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት፡ ሓይልታት ፈደራልን መሻርኽቶም ዝዀነ "ብሓይልታት ሰላም" ዝፍለጡ ዕጡቓት ጕጅለታት ንብዙሕ ከባቢታት ትግራይ ዳግማይ ተቘጻጺሮም።
ህወሓት ድማ ምምሕዳሩ ናብ ካልእ ቦታ ከም ዝቐየረን ተንቀሳቓሲ ዓይነት ቃልሲ ከም ዝቕጽልን ኣፍሊጡ።
ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ትግራይ ዝወጹ ጸብጻባት፡ ኣብ ባይታ ብቕልጡፍ ዝቀያየር ኵነታት ከም ዘሎ እዮም ዘመልክቱ። ብተመሳሳሊ፡ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ወጥሪታት ኣሰካፊ ብዝዀነ መንገዲ እናዓረገ ክመጽእ ጸኒሑ'ሎ።
ክልቲኦም መንግስትታት ንሓድሕዶም ተኻሲሶም፤ ኣብ መወዳእታ ክሳብ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ምብታኽ በጺሖም ኣለዉ።
ወተሃደራዊ ስርሒታት እናሰፍሐ ምስ ከደ፡ ኵሉ ትዅረት ዳግማይ ናብ ምምሕዳር ኣቢሉ ኣሎ። ሰበስልጣን ፈደራል፡ እታ ክልል ንዝመጽእ ሽዱሽተ ወርሒ ብ ኮማንድ ፖስት ከም እትመሓደር፡ ብድሕሪኡ መረጻ ከም ዝካየድን ኣፍሊጦም።
እቶም ገና ዘይተመለሱ ሕቶታት
እቶም ዝሓለፉ ምምሕዳራት ትግራይ ኣብ መወዳእታ፡ ኵሎም ዘይተፈትሑ ሕቶታት ገዲፎም እዮም ሓሊፎም።
ኵሉም እዞም ምምሕዳራት ካብ 2020 ኣትሒዙ፡ ክስታትን ሕቶ ሕጋውነትን ገጢምዎ እዩ። ስልጣን ካብቲ ኣሰሓሓቢ ክልላዊ መረጻ ናይ 2020፡ ካብ ፈደራላዊ ቅዋማዊ ኣገባባት፡ ካብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝምንጩ ሕቶታት ኣልዒሎም እዮም።
እቲ ኣብ መንጐ ሲቪላውያን ሰበስልጣንን ሓይልታት ትግራይን ዝነበረ ዝምድና እውን ኣካታዒ ኰይኑ ጸኒሑ እዩ።
ካልኦት ጉዳያት እውን ኣከራኸርቲ ኰይኖም ከይተፈትሑ ብማዕረ ቀጺሎም።
መጻኢ ኵነታት ምዕራብ ትግራይ፡ ጉዳይ ምምላስ ተመዛበልቲ፡ ምፍታሕ ዕጥቂ ሓይልታት ትግራይ፡ ምውጻእ ኣብታ ክልል ዝኣተዉ ሓይልታት፡ ተበጻሕነት ሰብኣዊ ረድኤትን ኣገልግሎታትን፡ ከምኡ'ውን ቍጽጽር ናይ ቍጠባን ቍጠባዊ ትካላትን ከም ባንክን ህዝባዊ ፋይናንስን ዝኣመሰሉ ጉዳያት ቀጺሎም።
ስምምዕ ፕሪቶርያ ነቲ ኣዕናዊ ኲናት ደው ኣቢልዎ እኳ እንተ ነበረ፡ ነዞም መሰረታውያን ጉዳያት ግን ምሉእ ብምሉእ ኣይፈትሖምን።
እቲ ሕጂ ብኣጋኡ ተቓውሞ ክገጥሞ ዝስማዕ ዘሎ ምሕደራ ኮማንድ-ፖስት እውን ነቶም ቅድሚኡ ብዝተራእዩ ምምሕዳራት ዘይተፈትሑ ሕቶታትን ተመሳሳሊ ብድሆታትን ክወርስ እዩ።
ብኸመይ ክሰግሮምን ክፈትሖምን እዩ፣ ትግራይ ብኸመይ እያ ናብ ንቡር ፈደራላዊ ክልላዊ ስርዓት እትምለስ ወይ ንኽትምለስ ዘኽእል ባይታ ክዋደድ ድዩ? እዚ ዝመጽእ መድረኽ ክርአ እዩ።