እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ከም ንቡር ድኻም ወይ ኣለርጂ ዝሕሰቡ፡ ሓደገኛታት ምልክታት መንሽሮ ቈልዑ
መንሽሮ ቈልዑ ሳሕቲ ዘጋጥም እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ብሪጣንያ ትሕቲ 15 ዓመት ንዝዕድመኦም ቈልዑ ንሞት ካብ ዘቃልዑ ሕማማት ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ይስራዕ። ይዅን`ምበር፡ ካብ ሰለስተ ሓደ ዝዀኑ ወለዲ ጥራይ እዮም ነቲ ምልክታት ብምትእምማን ከለልይዎ ከም ዝኽእሉ ዝዛረቡ።
ብመሰረት ጸብጻብ ትካል መጽናዕቲ መንሽሮ ብሪጣንያ፡ ዓመታዊ ኣስታት 1,900 ትሕቲ 14 ዓመት ዝዕድመኦም ቈልዑ መንሽሮ ከም ዘለዎም ይረጋገጽ።
ሕጂ ካብቲ ሕማም ሓውያ ዘላ ጓል 13 ዓመት ኣሜልያ ካሮል፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብርቱዕ ሕማም መንሽሮ ደም (Acute myeloid leukaemia - AML) ከም ዘለዋ ተረጋጊጹ።
ኣደኣ ጀማ፡ እቶም ፈለማ ዝረኣዩ ምልክታት ብቐሊሉ ከም ዘይተስተብሃለሎም ትዝክር። ኣሜልያ ድኻምን ድሕሪ ፈኵስ ምንቅስቓስ ምስትንፋስ ምሕጻርን ከም ዝነበራ፡ ግናኸ እዚ ኵሉ ብሰንኪ ድኻም ድሕሪ ትምህርትን ዘይምልምማድን ዝመጽአ ኰይኑ ይስምዓ ከም ዝነበረ ትገልጽ።
ኣሜልያ ኣብ ኣካላታ ምቕያር ሕብሪ ቈርበት ከተርኢ ምስ ጀመረት ጥራይ እያ ጀማ ሓደ ጸገም ከም ዘሎ ዝተረድኣ። ኣብ ውሽጢ 10 መዓልታት ድማ ኣሜልያ መንሽሮ ደም ከም ዘለዋ ተረጋገጸ።
ከተስተብህለሎም ዝግባእ ምልክታት እንታይ እዮም?
ሓኪም መንሽሮ ቈልዑ ዝዀነ ፕሮፌሰር ቦብ ፊሊፕስ፡ ወለዲ ብቐጻሊ ዝረኣዩ፡ እናገደዱ ወይ እናዓበዩ ዝኸዱ ምልክታት ቈልዑ ብጥንቃቐ ክከታተሉ ከም ዝግባእ ይገልጽ።
ብሰንኪ እዞም ዝስዕቡ ምልክታት ሓኪም ምውካስ የድሊ፤
ብርቱዕ ድኻም
ዘይተለምደ ምጽዕዳው ቈርበት ወይ ገጽ
ዘይፍለጥ ጠንቂ ዘለዎ ስምባደታት
እናዓበዩ ዝኸዱ ወይ ዘይጠፍኡ ሕበታት
መንሽሮ ቈልዑ፡ ምናልባት'ውን ኣብ ግዜ ዕብየት ብምህላዎም ክኸውን ይኽእል፡ ምስ ናይ ዓበይቲ ክወዳደር ከሎ ብዝቐልጠፈ ይላባዕ።
ከም ብዓል ፊሊፕስ ዝኣመሰሉ ኣባላት ማሕበር መንሽሮ ቈልዑን መንእሰያትን ዝዀኑ ክኢላታት፡ ህዝቢ ነቲ ግንዛበ ንምዕባይን ግዜ መርመራ ንምምሕያሽን ዝዓለመ ሃገራዊ ጐስጓስ ክካየድ ይጽውዑ።
እዚ ከኣ ነቲ ናይ ሰብ ሞያ "ሕጊ ሰለስተ" ዘጠቓልል እዩ። ሓደ ቈልዓ ሰለስተ ቀጸልቲ ምልክታት እንተ ኣርእዩ ወይ ሰለስተ ግዜ ናብ ሓኪም እንተ ከይዱ፡ ወይ ድማ ጠንቆም ዘይተፈልጠ ምልክታት ንሰለስተ ሰሙን እንተ ጸኒሖምዎ፡ ናብ ዝለዓለ ሓኪም ክመሓላለፍ ኣለዎ ዝብል መምርሒ እዩ።
ይዅን`ምበር፡ ካብ 1970ታት ኣትሒዙ ተስፋ ብህይወት ምጽናሕ ብዓቢ ደረጃ ከም ዝተመሓየሸ ምፍላጥ ኣገዳሲ ኰይኑ፡ ካብ 10 ቈልዑ እቶም ሸሞንተ ድሕሪ መርመራ ካብ ሓሙሽተ ክሳብ 10 ዓመት ወይ ካብኡ ንላዕሊ ብህይወት ይነብሩ እዮም።
ጀማ ከም እትገልጾ፡ ሕማም መንሽሮ ኣሜልያ ብሓደ ጠንቁ ዘይተፈልጠ ቀይሕ ስምብራት እዩ ጀሚሩ።
ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ፡ ኣብ ክልተኡ ኣእጋራ፡ ቃንዛ ዘለዎምን ዝሓበጡን ነድሪታት ተራእዮም።
ጀማ ብተወሳኺ፡ "ንልሙድ መርመራ ናብ ክሊኒክ ዓይኒ ከይድና ነይርና፡ እቶም ሰብ ሞያ ድማ ገለ ዝተበጠሰ መትኒ ደም ከም ዘሎ ኣስተብሂሎም፡ ግናኸ ስለምንታይ ምዃኑ ኣይፈለጡን ነይሮም፡" ትብል።
ኣብ ውሽጢ 10 መዓልታት፡ ሓካይም ኣሜልያ እንታይ ዓይነት መንሽሮ ደም ከም ዘለዋ ኣረጋገጹ፣ ሕክምና ንምጅማር ድማ ናብ ሆስፒታል ኣተወት።
"ነቲ ሕማም ኣብ ዘረጋገጽሉ መዓልቲ፡ ኮፍ ኣቢለ ኣዘራሪበያ። ንሳ ድማ 'መንሽሮ ድዩ ሒዙኒ ዘሎ?' ኢላ ሓተተትኒ። ኣነ ከኣ እወ በልክዋ። ክመውት ድየ ክትብል`ውን ሓቲታትኒ፡" ትብል ኣደኣ።
"ኣነ ድማ ኣይፋልክን፡ ኵሉ ዝከኣሎም ይገብሩ ኣለዉ፡ መደብ ኣውጺኦም ኣለዉ። ነቲ መንሽሮ ንምስዓር ድማ ዝከኣሎም ዘበል ክገብሩ እዮም ኢለ መለስኩላ።"
ኣሜልያ ኣብዚ እዋን'ዚ ካብቲ ሕማም ሓውያ ኣላ። ኣብ ሰሰለስተ ወርሒ ስሩዕ መርመራ ኣንጕዕን ደምን እናገበረት ድማ ናብ ትምህርታ ተመሊሳ ኣላ።
ኣብ ብሪጣንያ ቈልዑ ካብ ሕማም መንሽሮ ዝድሕንሉ ደረጃ ልዕሊ 80 ሚእታዊት ምዃኑ ፊሊፕስ ይገልጽ። ይዅን`ምበር፡ ካብዚ ብዝቐልጠፈ መርመራ ምግባር፡ ነቲ ከቢድ ሕክምናታት ንምቅላል ክሕግዝ ምዃኑ የረድእ።
"ግንዛበ ምዕባይ፡ እቲ ንሱ ዝሓደጎ ሓድጊ እዩ"
ኣብ መላእ ብሪጣንያ፡ መንሽሮ ከም ዘለዎም ዝረጋገጽ ኣስታት ፍርቂ ካብቶም ቈልዑ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን መርመራኦም ከም ዝረኽቡ ይገልጽ።
"እዚ ኣዝዩ ቅልጡፍ እዩ፣ ግናኸ እቶም ዝተረፉ ፍርቂ፡ ካብቶም ቀዳሞት ምልክታት ኣትሒዞም ውጽኢት መርመራኦም ንምርካብ፡ 16፡ 18፡ 20 ወይ 25 ሰሙናት ክጽበዩ ኣይንደልን ኢና፡" ይብል።
ብመሰረት መረዳእታ ትካል መጽናዕቲ መንሽሮ ብሪጣንያ፡ ኣብታ ሃገር በብዓመቱ ልዕሊ 400,000 ሓደስቲ መልከፍቲ መንሽሮ ይረጋገጽ። ይዅን`ምበር፡ ብመሰረት መጽሔት ሕክምና ብሪጣንያ (BMJ)፡ 54 ሚእታዊት ጥራይ እዮም ኣብ ውሽጢ እቲ ትካል ጥዕና ሃገር (NHS) ዝሰርዖ ናይ 28 መዓልታት ዒላማ፡ ውጽኢቶም ዝነግሮም።
ብተወሳኺ፡ በብዓመቱ 2,300 መንእሰያት (ካብ 15-24 ዓመት ዝዕድመኦም) መንሽሮ ከም ዘለዎም ይረጋገጽ።
ሊንዚ ስዊንስኮ፡ ኣደ ናይቲ ብመንሽሮ ልስሉስ ኣካላት ኣብ መበል 13 ዓመቱ ዝሞተ ጄክ እያ። ጄክ ብሓምለ 2023 ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ዝርከብ መንሽሮ ከም ዘለዎ ተረጋጊጹ ነይሩ።
ነቲ መርመራ ቅድሚ ምግባሩ፡ እቶም ፈለማ ዘርኣዮም ምልክታት ማለት ምዕባስ ኣፍንጫን ንብዓት ዓይንን ብሰንኪ ኣለርጂ ዝመጽአ ምዃኑ እዩ ተገሚቱ ነይሩ። ድሕሪ ትምህርቲ ዝስምዖ ዝነበረ ድኻም`ውን ናይ መወዳእታ ዓመት ትምህርቲ ድኻም ጥራይ ኰይኑ እዩ ተወሲዱ።
ሊንዚ ክትገልጽ ከላ፡ "ኣፍንጭኡ ምስ ሓበጠ ጥራይ ኢና ሓደ ጸገም ከም ዘሎ ተረዲኡና፡ ናብ ሓኪም ክንወስዶ ከም ዘለና ዝተሰማዓና፡" ትብል።
"ግናኸ ሽዑ እቲ ድኻምን ናይ ኣለርጂ ምልክታትን ምስቲ ሕበጥ ምትእስሳር ኣለዎ ኢልና ብሓቂ ኣይሓሰብናን ነይርና።"
ኣብ ውሽጢ ኣፍንጫ ጄክ ሕበጥ ምስ ተረኽበ፡ መንሽሮ ልስሉስ ኣካላት (Soft tissue sarcoma) ከም ዘለዎ ተረጋገጸ። ንትሽዓተ ዙር ዝኣክል ሕክምና ኬሞተራፒን ናይ ጸረርታ ሕክምናን ድማ ወዲኡ።
ይዅን`ምበር፡ ብሰንኪ እቲ ሕክምና ኬሞተራፒ ብርቱዕ ቃንዛን ምምዝባዕን ምስ ኣጋጠሞ፡ ጄክ ነቲ ሕክምና ንምቍራጽ መረጸ።
ብ26 ምያዝያ 2024፡ መበል 14 ዓመት ልደቱ ከብዕል ክልተ ሰሙን ጥራይ ምስ ተረፎ፡ ኣብ ገዛኡ ብሰላም ዓረፈ።
"ብዛዕባ ጄክ ክዝክር ከለኹ፡ ሞት ኣይፈርሕን እዩ ነይሩ። ብዛዕባ ሞትን ምስ ሞትካ ዝስምዓካ ስምዒትን ብዙሕ ተዘራሪብና ነይርና። እቲ እንኮ ዘፍርሖ ዝነበረ ነገር 'ሰባት ክዝክሩኒ ድዮም? ኵሉ ሰብ ክርስዓኒ ድዩ?' ዝብል እዩ ነይሩ።
"ስለዚ ከኣ እየ ነዚ ዝገብር ዘለኹ፡ ሰባት ጄክ መን ምዃኑ ክፈልጡን ክሳዕ ክንደይ ብሉጽ ቈልዓ ከም ዝነበረ ክርድኡን እደሊ። እዚ ግንዛበ ናይ ምዕባይ ስራሕ ከኣ፡ ሓድጉ እዩ ኢለ እየ ዝኣምን።"