ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ 'ከም ገበን ኲናት' ክምርመር
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብ20 ነሓሰ 2026 ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ መንበሪ ኣባይቲ ብዘካየዶ ደብዳብ ነፈርቲ፡ ሸውዓተ ቈልዑ ዝርከብዎም 13 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝቘሰሉ እቲ ጸብጻብ የረድእ።
ትካል ተሓላቒ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ እዚ መጥቃዕቲ ብኣልማማ ዝተፈጸመ ዘይሕጋዊ ተግባር ብምዃኑ፡ ከም ገበን ኲናት ተወሲዱ ብቕልጡፍ ክምርመር ጸዊዑ ኣሎ።
እቲ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ርእሰ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ 'ዳዕሮ' ዝተባህለ ሰፈር ዝተፈጸመ ኰይኑ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝዀነ ግሁድ ወተሃደራዊ ዒላማ የሎን።
እቲ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፡ እዚ ኵነታት ነቲ መጥቃዕቲ ዘይሕጋውን ኣብ መንጎ ሰላማውያንን ወተሃደራውያንን ዘየመዛዝን ገይሩዎ ኣሎ። ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ነዚ መጥቃዕቲ ብግልጽን ብዘይሻርነትን ክምርምርዎ፡ ንፈጸምቲ ናብ ሕጊ ከቕርብዎምን ንግዳያት ድማ እኹል ካሕሳ ክኸፍሉን ተላብዩ።
ምክትል ሓላፊት ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ኣፍሪቃ ላቲሽያ ባድር፡ "ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዳግማይ ተዅሲ ምጅማሩ፡ ብዛዕባ ዘይሕጋዊ መጥቃዕትታትን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዘንጸላሉ ዘሎ ከቢድ ሓደጋን ዘለና ስክፍታ ዘዕቢ እዩ፡" ክትብል ገሊጻ።
ቀጺላ፡ "ሰራዊት ኢትዮጵያ ህይወት ሰላማውያን ሰባት ንምድሓን፡ ሕግታት ኲናት ከኽብርን ቅድሚ ዝዀነ መጥቃዕቲ ምክያዱ ኵሉ ዝከኣል ጥንቃቐታት ክገብርን ኣለዎ፡" ኢላ።
ሂዩማን ራይትስ ዎች ነዚ ኣመልኪቱ ናብ ወሃቢ-ቓል ሰራዊት ኢትዮጵያን ምኒስትሪ ምክልኻልን ሕቶታት እኳ እንተ ኣቕረበ፡ ክሳብ ሕጂ ዝዀነ ምላሽ ከም ዘይረኸበ ሓቢሩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝሃቦም መግለጺታት፡ ሰራዊቱ ወተሃደራዊ ዒላማታት ጥራይ ከም ዝወቅዕን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት መጥቃዕቲ ከም ዘይፍጽምን ክገልጽ እኳ እንተ ጸንሐ፡ ተሓለቕቲ መሰላት ግና ተደጋጋሚ ግህሰታት ይፍጸም ከም ዘሎ ይገልጹ። ሂዩማን ራይትስ ዎች