እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ ካብ ሩስያ ነዳዲ ንምዕዳግ ዝገበሮ ስምምዕ ብርቱዕ ተቓውሞ ገጢምዎ
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብደረጃ ዓለም ቅልውላው ጸዓት ሰማይ ኣብ ዝዓረገሉ፡ ካብ ሩስያ ናፍታ ክዕድግ ምስ ሩስያ ዝገበሮ ስምምዕ ብርቱዕ ተቓውሞ የጋጥሞ'ሎ።
ዶናልድ ትራምፕ ብዓርቢ'ዩ፡ ቭላድሚር ፑቲን ነቲ ብደረጃ ዓለም ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ጽዓት ንምቕላል፡ 300 ሽሕ ቶን ናፍታ ናብ ዕዳጋ ከቕርብ ከምዝተሰማማዐ ሓቢሩ።
ኣመሪካ ቅድሚ ውሑዳት ሰሙናት ኣብ ልዕሊ እተን ካብ ሩስያ ጽዓት ዝዕድጋ ሃገራት እገዳን ዓቢ ቀረጽን ድሕሪ ምእዋጃ'ያ ንሳ ባዕላ ካብ ሩስያ ናፍታ ክትዕድግ ትሰማማዕ ዘላ።
እዚ ዶናልድ ትራምፕ ምስ ሩስያ ዝገበሮ ስምምዕ፡ ንሕጊ ኣመሪካ ዝጥሕስ'ዩ ብምባል ካብ ሓገግቲ ኣባላት ሪፓብሊካንን ዲሞክራትን ዓቢ ነቐፌታ ኣስዒብሉ ኣሎ።
ብመሰረት እቲ ትራምፕ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ዝገበሮ ስምምዕ፡ ሩስያ ኣብ መጀመርታ 300 ሽሕ ቶን ናፍታ ክትሸይጥ'ያ፤ ብድሕሪኡ ኣብ ሕዳር ፍርቂ ሚልዮን ቶን ናፍታ ጸኒሓ ከኣ ሓደ ሚልዮን ቶን ክትሸይጥ ከኽእላ'ዩ።
እቲ ብደብዳባት ዩክረይን ኣብ ልዕሊ መጻረዩ ጸዓት እታ ሃገር ዝወረደ ዕንወት ኣብ ግምት ብምእታው ከኣ ተወሳኺ ሰለስተ ሚልዮን ቶን ናፍታ'ውን ናብ ዕዳጋ ከተቕርብ'ያ።
ዶናልድ ትራምፕ ኣብቲ ባዕሉ ዝውንኖ 'ትሩዝ' ዝተሰመየ ማሕበራዊ ሚድያ ብጽሑፍ ከምዝሓበሮ "[እቲ ናፍታ] ኣመሪካውያን ብውሑድ ዋጋ ንኽረኽብዎ ከኽእሎም'ዩ፡ ብፍላይ ከኣ ሓረስቶትና፡ ጥሪት ዘራብሑን ወነንቲ ዓበይቲ መካይንን ቀዳምነት ክውሃቦም'ዩ" ኢሉ።
ምክትል ቀዳማይ ምኒስተር ሩስያ ኣሌክሳንደር ኖቫክ እቲ ምስ ኣመሪካ ዝተበጽሕ ስምምዕ ሓቅነቱ ነታ ብመንግስቲ ሩስያ እትውነን ማዕከን ዜና ታስ ብምርግጋጽ፡ እቲ ሩስያ እትገብሮ ሰደድ ናፍታ ኣብ ቀረባ መጻኢ ኣብ ወርሒ ሰለስተ ሚልዮን ከምዝበጽሕ ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ዩክረይን ቭሎድሚር ዘለንስኪ እቲ ስምምዕ ንሩስያ "ኣብቲ ክውዳእ ዘለዎ ኲናት ክንድዚ ዝኣክል ሰልዲ ከተፍስስ ከም ህያብ'ዩ ዝውሃባ ዘሎ" ብምባል ተቓውሞኡ ኣስሚዑ።
ቤት ግምጃ ኣመሪካ ከም ኣካል ናይቲ ስምምዕ ኣብ ልዕሊ ሰደድ ናፍታ ሩስያ ዝጸንሐ እገዳ ክሳብ 7 ሚያዝያ ደው ከምዘብሎ ተፈሊጡ'ኳ እንተሎ፡ ካልኦት ከም ኣብ ባንክታት ኣመሪካ ዘለዉ ንብረታት ሩስያ ግን ክሳብ ሕጂ ደስኪሎም'ዮም ኣለዉ።
7 ሰነተራት ዝሓቘፈ ጕጅለ - ኣርባዕተ ሪፓብሊካንን ሰለስተ ዲሞክራትን - ትማሊ ሰንበት እቲ ስምምዕ ንሕግታት ኣመሪካ ዝጥሕስ ምዃኑ ብምግላጽ ትራምፕ "መንገዱ ክቕይር" ተማሕጺኑ።
እቶም ኣባላት ባይቶ "[ኣመሪካ] ሩስያ ንሰለማውያን ሰባት ዩክረይን እናቐተለት፡ ፑቲን ፋይናንሳዊ መስተርሆት ክረኽበሉ ዝኽእል ባይታ ክፍጥረሉ የብሉን" ክብሉ ገሊጾም።
እቶም ሰኔተራት ብምስዓብ "ኣብ 2022 ነቲ ፑቲን ኣንጻር ዩክረን ዝገብሮ ኣረሜናዊ ኲናት ንምምዋል ዶላር ኣመሪካ ኣብ መዓላ ክውዕል የብሉን ካብ ዝብል መበገሲ፡ ኣብ ልዕሊ ሰደድ ጸዓት ሩስያ እግዳ ተነቢሩ'ዩ" ብምባል ኣዘኻኺሮም።
እቲ መግለጺ ሪፓብሊካን ሱዛን ኮሊንስ፡ ሊዛ ሙርኮቭስኪ፡ ቶም ቲሊስን ጆን ክርቲስን ከምኡ'ውን ዲሞክራት ጂን ሻሂን፡ ሪቻርድ ብሉመንታልን ሮን ዋይደንን'ዮም ፈሪመሙሉ።
እንተዀነ እቲ ትራምፕ ንሰደድ ናፍታ ኣብ ዝምልከት ምስ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዝምልከት ተቓውሞ ጥራይ ኣይኰነን ኣጋጢምዎ።
ምስ ትራምፕ ኣብ ብርክት ዝበሉ ጉዳያት ብዙሕ ዘይምስምማዕ ዘሕለፈ ኣባል ሰልፊ ሪፓብሊካን ቶማስ ማሲ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኵሎም ፍርያት ነዳዲ ዘንበረቶ እገዳታት ከተልዕል ኣለዋ ኢሉ።
ጸሓፊ ክፍሊ ገንዘብ ስኮት ቤሰንት ንፎክስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ስምምዕ ኣመሪካ ብዘለዋ ሕጋዊ መስመራት ኣቢሉ ክሰርሕ ምዃኑን፡ ዋጋታት ንምንካይ ከምዝሕግዝ ብሕባር፡ ኣብ ኮንግረስ ከምኡ ኣይክኸውንን እዩ ዝበለ ዝዀነ ሰብ ጌጋ ምዃኑን ገሊጹ።
ኲናት ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን ኣብ መወዳእታ ለካቲት ካብ ዝጅምር ንደሓር ዓለማዊ ዋጋ ነዳዲ ብናህሪ'ዩ ወሲኹ፡ እቲ ውግእ ንቐረብ ዘይተጻረየ ነዳዲ ብኸቢድ'ዩ ጸልይዎ።
ዋጋ ነዳዲ ምውሳኹ ብፍላይ ነቲ ኣብ ናፍታ ዝምርኰስ ጽላት ሕርሻ ኣመሪካ ብኸቢድ'ዩ ሃስይዎ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ዋጋ ናፍታ ብማእከላይ ገምጋም ፡ ንሓደ ጋሎን 6.28 ዶላር ምዃኑ ጸብጻብ AAA ይሕብር።
እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝነበረ ብማእከላይ ዋጋ 5.94 ዶላር ከምኡ'ውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝነበረ 3.68 ዶላር ክብ ዝበለ እዩ።
እቲ ብዙሓት ዝሓትዎ ዘለዉ ግን ሩስያ ክንድ'ዚ ተፈቒድዋ ዘሎ ናፍታ ናይ ምፍራይን ሰደድ ናይ ምግባርን ዓቕሚ ኣለዋ ድዩ ዝብል'ዩ።
እዚ እንተዀይኑ ግን ነቶም ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ ብብዝሒ ናፍታ ዘህልኹ ሓረስቶት እፎይታ ዝህብ ይመስል።
ኣመሪካ ብማእከላይ ገምጋም ኣብ መዓልቲ 3.6 ሚልዮን በርሚል ናፍታ'ያ እተህልኽ፡ ዋላ ሩስያ ነዚ ተፈቒድዋ ዘሎ 300 ሽሕ ቶን ናፍታ ናብ ኣመሪካ ትስደዶ፡ ንፍርቂ መዓልታ ጠለብ ኣመሪካውያን ጥራይ ዝሽፍን'ዩ ክኸውን።
ትራምፕ ንሰደድ ናፍታ ኣብ ዝምልከት ምስ ሩስያ ዝገበሮ ስምምዕ ግን ካብ ውሽጢ ኣመሪካ ጥራይ ኣይኰነን ተቓውሞ ዘጋጥሞ ዘሎ፡ ብዙሓት መራሕቲ ሃገራት'ውን ነቲ ስምምዕ ይቃወምዎ ኣለዉ።
ገለ ካብኦም ቀዳማይ ምኒስተር ካናዳ ማርክ ካርኒ ከምኡ ከኣ ጸሓፊ ምክልኻል ዓባይ ብሪጣንያ ይርከብዎም።
እዞም ሓለፍቲ፡ ኣመሪካን እተን ካልኦት መላፍንቲ ዩክረይንን ዝዀና ሃገራት፡ እቲ ኲናት ደው ንኽብል ኣብ ልዕሊ ሩስያ ጸቕጢ ዝፈጥር ነገራት'የን ክገብራ ዘለወን ብምባል'ዮም ንውሳነ ትራምፕ ዝቃወምዎ ዘለዉ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዶናልድ ትራምፕ ትማሊ ሩስያን ዩክረይን ንሓድሕደን ኣብ ልዕሊ ትካላት ጸዓት ዘገብራኦ ምጥቕቓዕ ደው ከብላ ምስምምዐን ኣፍሊጡ።
ነዚ ስዒቡ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ንሓበሬታ ትራምፕ ሓንጎፋይ ኢሉ ከምዝተቐበሎ ክገልጽ እንከሎ ካብ ሩስያ ግን ክሳብ ሕጂ ነዚ ትራምፕ ትማሊ ዝበሎ ዝምልከት ዝተሰምዐ ነገር የለን።