እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጅቡቲ፡ ኢትዮጵያውያን ዝርከቡዎም 139 ስደተኛታት ብዝጠሓለት ጃልባ ህይወቶም ስኢኖም
ኣብ ገማግም ባሕሪ ጅቡቲ ሓንቲ ጃልባ ብምጥሓላ፡ 15 ቈልዑ ዝርከብዎም ብውሕዱ 139 ስደተኛታት ክሞቱ ከለዉ፡ ዓሰርተታት ካልኦት ድማ ሃለዋቶም ከም ዘጥፍኡ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።
እታ 305 ሰባት ዘሳፈረት ጃልባ፡ ካብ ጅቡቲ ናብ የመን ጕዕዞኣ እናገበረት ከላ፡ ሓሙስ ምሸት ኣብ ጥቓ ወደባዊት ከተማ ኦቦክ እያ ጥሒላ። ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ከም ዝገለጾ፡ ኣስታት 82 ሰባት ካብ ሞት ድሒኖም ኣለዉ።
ሓላፊ ልኡኽ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ኣብ ጅቡቲ ኣሌክሳንደር ኳሳክ፡ እዚ ሓደጋ፡ ስደተኛታት ሓድሽ ህይወት ንምድላይ ኣብ ዝገብርዎ ጕዕዞ ዘጋጥሞም ሓደጋታት "ብንጹር ዘዘኻኽር" ምዃኑ ገሊጹ።
በብዓመቱ ዓሰርተታት ኣሽሓት ስደተኛታት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ውሕስነትን ስራሕን ደልዮም ናብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ንምብጻሕ ብምትስፋው ሓደገኛ ጕዕዞ ከም ዝገብሩ እቲ ትካል ይሕብር።
እቲ ትካል ሰንበት ተወሳኺ 30 ሬሳታት ድሕሪ ምርካቡ፡ ቍጽሪ ዝሞቱ ሰባት ካብ 109 ናብ 139 ክብ ከም ዝበለ ኣነጺሩ ኣሎ።
ኳሳክ፡ "እዚ ኣዝዩ ዘሕዝን ክሳራ ህይወት እዩ፣ ሓሳብና ምስቶም ዝደሓኑን ዘፍቅርዎም ዝሰኣኑ ወይ ብዛዕባ ቤተሰቦም ዝዀነ ሓበሬታ ዘይብሎም ስድራቤታትን እዩ፡" ኢሉ።
ሰበ ስልጣን ናይቲ ከባቢ ነቶም ዝሞቱ ሰባት ናይ ምቕባር ስራሕ የካይዱ ኣለዉ፡ እቶም ዝደሓኑ ኵሎም ኢትዮጵያውያን ኰይኖም ሕክምናዊ ክንክን ይግበረሎም ኣሎ።
የመን ንልዕሊ ሓደ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ዝቐጸለ ኣዕናዊ ኲናት ሓድሕድ ተሸሚማ ትርከብ። እዚ ግጭትን ኣብቲ ዞባ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዘይምርግጋእን እናሃለወ ክነሱ፡ ስደተኛታት ብሰንኪ ድኽነት፡ ጸጥታዊ ስግኣትን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጽልዋታት ለውጢ ክሊማን ተደሪኾም ነቲ ጸቢብ ባሕሪ ባብ ኣል-መንደብ ብምቋረጽ ናብ የመን ይጓዓዙ ኣለዉ።
ካብ 10 መስከረም ኣትሒዙ፡ ስርዓት ምክትታል ምምዝባል ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት፡ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ጅቡቲ ልዕሊ 20,000 "ምንቅስቓሳት" ከም እተዓዘበ ኣፍሊጡ።
ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ኣብ ኦቦክ ኣብ ዝርከብ ማእከል ህጹጽ ግብረ-መልሲ ን64 ካብቶም ዝደሓኑ ሰባት ሓገዝ ይህብ ከም ዘሎን እዚ ከኣ ክንክን ጥዕናን "ምስ ስድራቤቶም ርክብ ንምግባር" ዝግበር ደገፍን ዘጠቓልል ምዃኑ ገሊጹ።
እቲ ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንስደተኛታት ንምሕጋዝን "ኣብ ባሕርን መሬትን ዘጋጥም ሞት ንምክልኻልን" ምስ ሰበ ስልጣን እቲ ከባቢ "ብቐረባ ተሓባቢሩ" ይሰርሕ ከም ዘሎ ወሲኹ ኣፍሊጡ።
ብመሰረት መረዳእታ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት፡ ብ2025 ቍጽሪ ናይቶም ነዚ ጕዕዞ ዝገብሩ ሰባት 18 ሚእታዊት ወሰኽ ኣብ ዘርኣየሉ እዋን፡ ልዕሊ 900 ስደተኛታት ብተመሳሳሊ መስመር ክጓዓዙ ከለዉ ሞይቶም ወይ ሃለዋቶም ኣጥፊኦም።
ብመጋቢት 2026፡ ምስ ናይ ሓሙስ ተመሳሳሊ ብዝዀነ ሓደጋ፡ ትሽዓተ ሰባት ክሞቱ ከለዉ 45 ድማ ሃለዋቶም ኣጥፊኦም ነይሮም።
እቲ ኣብ የመን ዘሎ ግጭት ንልዕሊ 130,000 ሰባት ኣብ ብምሉእ እታ ሃገር ከም ዘመዛበለ፡ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝሓለፈ ወርሒ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ኣሽሓት የመናውያን ካብቲ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ሑቲን ብስዑዲ ዓረብ ዝድገፍ መንግስቲ የመንን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ንምምላጥ ናብ ጅቡቲ ሃዲሞም ኣለዉ።
ጅቡቲ ብወገን ወሽመጥ ባሕሪ ዓደን ኣንጻር የመን እትርከብ፡ ንእሽቶን ቅድሚ ሕጂ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ፈረንሳ ዝነበረትን ሃገር እያ።