ሰሓብቲ ንምዃን ዝሕግዙ 5 ቀለልቲ ሳይንሳዊ ለበዋታት

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ከም ቶም ክሩዝ ወይ ከም ተይለር ስዊፍት ሰሓብቲ ክንከውን እንደሊ ሰባት ሒደት ኣይኰንናን።

መልክዕ ብርግጽ ኣብ መጀመርታ ከም ማግኔት ናይ ስሕበት ሓይሊ ክህልዎ ይኽእል'ዩ።

እንተዀነ ምስ ሓደ ሰብ ብዝተራኸብናን ብዝተፋለጥናን መጠን፡ ስብእናኦም ከምኡ'ውን ኣብ መንጎና ዘሎ ከሚስትሪ ዝያዳ ኣገዳሲ ይኸውን።

ካብ ቀንዲ መለክዒታት ከሚስትሪ ሓደ ስምዒታዊ ምትእስሳር እዩ። እዚ፡ ብዘይ ፍርዲ ብግልጺ ክንዛረብ፡ ክንርአ፡ ክንረዳዳእን ምቹእነትን ከምዝስምዓና የመልክት።

ካልኣይ ኣእምሮኣዊ ምትእስሳር ኰይኑ፡ ምስቲ ሰብ ብዘይ ጻዕሪ ምዕላል ምውዛይ ምኽኣል የጠቓልል።

ኣካላውን ስነህይወታውን እውን ቀንዲ መለክዒ እዩ። ከም ቅልጡፍ ህርመት ልቢ፡ ፍናን ዝኣመሰሉ ውሽጣዊ ምላሻትና ተራ ኣለዎም።

ኣብ መንጎና ዘሎ ጸዓትን ኣካላዊ ምልክታትን እውን ኣካል ከሚስትሪ እዩ።

ነዚኦም ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንናይ ገዛእ ርእስና ሰሓብነት ንምዕባይ ዝሕግዙ ሓሙሽተ ቀለልቲ ስነ-ኣእምሮኣዊ ለበዋታት እነሆ።

ሕውሳት ንዅን

ኤክስትራቨርት (ኤክስትሮቨርት እውን ይበሃል እዩ) ካብ ግዳማዊ ዓለም፡ ማሕበራዊ ርክባትን ንጡፍ ሃዋህው፡ ጸዓት፡ ትኹረትን ኒሕን ዝረክብ ሰብ እዩ።

ኤክስትራቨርት (ምስ ሰባት ሕውስ ዝብል ሰብ) ዝያዳ ሰሓብቲ ተገይሮም ከምዝውሰዱ መጽናዕትታት የመልክቱ።

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ዝያዳ እወታዊ ስምዒታት ስለዘርእዩ'ዩ። ንኣብነት ዝያዳ ጸዓት ዘለዎም ይመስሉ። ብብዝሒ ፍሽኽ ምባልን ዝያዳ ተስፋ ዝህብን ርእሰ ተኣማንነት ዘለዎን ቃና ድምጺ ኣለዎም።

ኣብ ማሕበራዊ ርክባት ንምስታፍ ኣይከብዶምን።

ዋላ'ውን ብተፈጥሮ ምስ ሰባት ሕውስ እንብል እንተዘይኰንና፡ እዚኦም ኵሎም ብቐሊሉ ብንእሽቶ ጻዕሪ ክንገብሮም እንኽእሎም ነገራት'ዮም።

ተገደስትን ተቐበልቲን ንዅን

ብቶም ክሩዝ ዝሰሓቡ ሰባት፡ ቶም ክዛረብ እንከሎ ንዓታቶም ዘዛርቦም ዘሎ ኰይኑ ክስምዖም ከምዝገብር ዓይነት ትዅረት ይዛረቡ።

ኮሜድያንን ኣዳላዊ መደብ ቶክ ሾው ነበርን ስቲቨን ኮልበርት፡ ቴይለር ስዊፍት ምስታ ሽዑ ጓል 14 ዓመት ጓሉ ኣብ ዝተራኸበትሉ እዋን ክሳብ ክንደይ ትዅረት ከምዝገበረት ይንእድ።

እዚ ድማ ምስቲ ሰባት ትዅረት ክህቡን ሕቶታት ክሓቱን እንከለዉ ዝያዳ ተፈተውቲ ተባሂሎም ከም ዝምዘኑ ዘርኢ መጽናዕቲ ዝሰማማዕ እዩ።

ስለዚ፡ ስሕበትና ንምዕባይ ዝሕግዝ ካልእ ቀሊል መገዲ፡ ኣብ ካልኦት ሰባት ልዑል ተገዳስነት ምርኣይን ብትዅረት ምዝታይን እዩ።

ሕያዎት ንዅን

ካልእ መጽናዕትታት ዘመልክትዎ ሓጋዚ መንገዲ ድማ፡ ዝያዳ ሕያዎትን ንኻልኦት ደገፍትን ምዃን እዩ።

እዚ ብዝተፈላለየ መንገዲ ተራእዩ እዩ።

ንኣብነት፡ ሰባት ንፍቕራዊ መጻምድቲ ዘለዎም ምርጫታት ብዝምልከት ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ሕያውነት እቲ ዝበዝሐ፡ ወይ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ተደለይቲ ባህርያት ኰይኑ ከምዝተገልጸ ይጠቅስ።

ስለዚ ለጋስ፡ ሓጋዝን ንኻልኦት ሰባት ንምቕዳም ድሉው ምዃንን፡ ከም ዝያዳ ሰሓብቲ ኴንና ክንርአ ክሕግዘና ይኽእል እዩ።

ንነብስና ኣይነጨንቃ

ኣብ ፍቕራዊ ርክብ፡ ሰባት ጽቡቕ ዋዛ ከምዝደልዩ ክንገር ጸኒሑ እዩ።

መጽናዕትታት እውን ነዚ ይድግፉ። ሰባት፡ ብቐሊሉ ዝዋዘዩ ሰባት ዝያዳ ሰሓብቲ ጌሮም ክምዝርእይዎም የመልክቱ።

እንተዀነ ብግዲ ንምውዛይ ኣዚና ምፍታን እውን ጐድናዊ ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል እዩ።

ስለዚ ቅልል ብዝበለ መገዲ ምውዛይን ንነብስና ዘይምጭናቕን እቲ ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ።

ፈጠራዊ ንዅን

ሓደ ክልሰ-ሓሳብ፡ ዋዛ ከም ምልክት ፈጠራን ብልሕን ስለ ዝሰርሕ ሰሓቢ እዩ ይብል። እዚ ድማ ብግደኡ ኣብ ከባቢና ጠቓሚ ሰብ ከምዝዀንና ዘመልክት ስለዝዀነ ሰሓቢ እዩ ተባሂሉ ይእመን።

እዚ ከኣ ገጠምትን ስነጥበባውያንን ዝያዳ ሰሓብቲ ኰይኖም ከም ዝረኽብዎም ዘርኢ ግዝያዊ መርትዖ እዩ።

ኣብ ሓደ መጽናዕቲ፡ ሓደ ዓይነት ገጻት ምስቲ እቲ ወናኒ ገጽ ዝጸሓፎ ዝበሃል ዝያዳ ፈጠራዊ ዛንታ ክጽምበር ከሎ፡ ዝያዳ ሰሓብቲ ተባሂሎም ከም ዝተገለጹ የመልክት።

ስለዚ ምናልባት ሓደ ወይ ክልተ ግጥሚ ምክፋል፡ ካልእ ስሕበትና ንምውሳኽ ዝሕግዝ መንገዲ ክኸውን ይኽእል እዩ።