ኣብ መንጐ ትራምፕን ፕረዚደንት ዩክረይን ምስሕሓብ ፈጢሩ ዘሎ ስምምዕ

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ፕረዚደንት ዩክረይን፡ ብሚልዮናት ቶናት ዝቑጸር ናፍታ ሩስያ ናብ ኣመሪካ ንምእታው ዘኽእል ሓድሽ ስምምዕ፡ ንሞስኮ ኲናት ንምቕጻል ብገንዘብ ምሕጋዝ ማለት ከምዝዀነ ነቚፉ።

እቲ ፕረዚደንት ወሲኹ ድማ፡ እዚ ስምምዕ ንፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን 'ዓቢ ህያብ' ክብል ገሊፁዎ።

ትራምፕ ትማሊ ቀዳም፡ ኣብ ኣፍደገ ዋይት ሃውስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዘለንስኪ ኣብ ልዕሊ መጻረዪ ነዳዲ ሩስያ መጥቃዕቲ ብቀጻሊ ምፍጻሙ "ንዓለም ጸገም ክፈጥር ምድላይ" እዩ ኢሉ።

ትራምፕ፡ ንዩክረይን "ውዕል ክገብር ዝኽእል ሓድሽ መራሒ ክትረክብ" ኢሉ ቅድሚ ምዝራቡ፡ 'ደው ኢሉ ክሓስበሉ' ከምዘለዎ ገሊጹ።

ሩስያ ኣብ 2022 ንዩክረይን ካብ እትወርር ንደሓር፡ እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ሕጊ ትርከብ ኰይና ከይዲ መረፃ ደው ኢሉ ይርከብ።

ኲናት ኢራን ስዒቡ፡ ቀረብ ናፍታ ሓዊሱ ዓለማዊ ቀረብ ነዳዲ፡ ኣዝዩ ድሩት ኮይኑ፡ ነቲ ኣስታት ሓደ ሕምሲት ፍርያት ነዳዲ ዓለም ዝሓልፈሉ መጻብቦ ሆርሙዝ ብኣድማዒ መንገዲ ተዓፅዩ ይርከብ።

ከምኡ ድማ፡ ቀንዲ ኣፍራዪት ናፍታ ዝዀነት ሩስያ፡ ከምኡ'ውን ዩክረይን፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቅርጺ ጸዓትን መሳለጥያታት መጓዓዝያን ነንሕድሕደን ዘካይዳኦ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ኣብ ዕዳጋታት ጸዓት ዝያዳ ጸቕጢ ፈጢሩ ኣሎ።

ትራምፕ ኣስዒቡ፡ "ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝደለኻዮ ክትገብር ትኽእል ኢኻ፡ ነተን መጻረይቲ ነዳዲ ግን ኣይትህረም' ኢልናዮ ነይርና፡ ኣይሰምዐናን፡ ምኽንያቱ እዚ ዝፈጠሮ ዓለማዊ ጸገም ብዙሕ እዩ" ኢሉ።

"ብዙሕ ውዕላት ክገብር ድማ ይኽእል ነይሩ፡ ፈጺሙ ኣይገብሮን'ዩ።"

ልኡኽ ፑቲን ኪሪል ዲሚትሪየቭ፡ ንስጉምቲ ትራምፕ "ታሪኻዊን ኣምሳላውን" ክብል ገሊጽዎ።

ዩክረይን "ብሓቂ ኣብ ሰላም ዘትኩር መራሒ የድልያ" ክብል ድማ ንቓላት ትራምፕ ደጊሙ ኣቃሊሑ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ሰደድ ናፍታ ሩስያ ዝነበረ እገዳ፡ ክሳብ 7 ሚያዝያ ደው ንምባል ምስ ሞስኮ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ብዓርቢ ኣረጋጊጹ።

ዘሌንስኪ ኣብ ዝሃበ ግብረ መልሲ፡ ሞስኮ ነቲ ኲናት ንምቕጻል፡ ሓድሽ ወተሃደራዊ ኣፅዋር ንምዕዳግ፡ ተወሳኺ ገንዘብ ክትእክብ ከምዘኽእላ ስግኣቱ ገሊጹ።

ብተወሳኺ፡ እዚ ስምምዕ ምግባር ማለት፡ "ንሞስኮ ኲናት ቀፅሉ ማለት እዩ፣ ኣብ ከተማታት ቦምባታት ምድርባይ ቀፅልሉ ማለት እዩ" ክብል ከሲሱ።

ፕረዚደንት ዩክረይን ትማሊ ቀዳም፡ ምስ ሓያሎ መሓዙት ሃገራት ብምዝርራብ ብዛዕባ እዋናዊ ምዕባለታት ዘትዩ ኣሎ።

"ህይወት ዩክረይ ንምሕላው ሓቀኛ ውሳነታት ክውሰድ" ከምኡ'ውን ድሕነት ኤውሮጳ ክሕሎ ጸዊዑ።

ወሃቢ ቃል ዳውኒንግ ስትሪት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ኣንዲ በርንሃም፡ ምስ ዜለንስኪ ከምዝተዘራረበን "ምሉእ ድጋፍ" ንምግባር ቃል ከምዝኣተወሉን ገሊጹ። ስምምዓት ድማ ፈሪሞም ኣለዉ።

እዚ ስምምዕ ናፍታ ኣመሪካን ሩስያን፡ ካብ ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ካጃ ካላስ እውን ነቐፌታታት ኣጋጢምዎ እዩ።

ንሳ ንዜለንስኪ ደጋፋ ተመሳሳሊ ስግኣት ገሊፃ ኣላ።

እገዳ ምድስካል "ሞስኮ ኲናት ንምክያድ ዝያዳ ኣታዊታት ይህባ" ክትብል ተዛሪባ።

ኣስዒባ ድማ፡ "እዚ እዋን፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ጸቕጢ እተቃልለሉ ግዜ ኣይኮነን፡ ኤውሮጳ ድማ ኣይክትገብሮን እያ" ክትብል ወሲኻ ተቓውምኣ ገሊፃ።

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤውሮጳ፡ ፅባሕ ሰኑይ፡ ሩስያ ምሉእ ወራር ካብ እጅምር ኣትሒዙ፡ እቲ ዝዓበየ መጠን እገዳ ከፅድቑ ከምዝሓሰቡ ድማ ገሊፃ።

እዚ ምስ ሩስያ ዝተገብረ ስምምዕ፡ ቅድሚ እቲ ኣብ ቀረባ ዝካየድ ናይ ፍርቂ መረፃ፡ ኣብ ኣመሪካ ዋጋ ነዳዲ ንምንካይ ካብ ትራምፕ ዝተገብረ ናይ መወዳእታ ፃዕሪ ይመስል።

ንሱ ንኣዋርሕ ምስ ፖለቲካዊ ሳዕቤናት ኲናት ኢራን ኣብ ምቅላስ ኣሕሊፉዎ ኣሎ።

እቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት ዝጀመረ ግጭት፡ ዋጋ ነዳዲን ብፍላይ ድማ ናፍታ ሰማይ ዓሪጉ፡ ምስቲ ብሰንኪ ልዑል ዋጋ ነዳድን ዝቕባበ ዋጋ ንብረት ምስ ህዝቢ ኣመሪካ ዘለዎ መርገጺ ኣበላሽዩዎ ይርከብ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ዋጋ ናፍጣታብማእከላይ ገምጋም ፡ ንሓደ ገንኢ 6.28 ዶላር ምዃኑ ጸብጻብ AAA ይሕብር።

እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝነበረ ብማእከላይ ዋጋ 5.94 ዶላር ከምኡ'ውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝነበረ 3.68 ዶላር ክብ ዝበለ እዩ።

ብመሰረት እቲ ሓድሽ ስምምዕ፡ ሩስያ ኣብ መጀመርታ 300 ሽሕ ቶን ናፍጣ "ናብ ዕዳጋ ኣመሪካን ዓለምን" ክተቕርብ እያ፡ ድሕሪኡ ድማ ኣብ ወርሒ ሕዳር ተወሳኺ 500 ሽሕ ቶን ናፍታ ናብ ዕዳጋ ክተቕርብ እያ።

ተወሳኺ ሚልዮን ክስዕብ ምዃኑ ትራምፕ ኣብቲ ናይ ባዕሉ ማሕበራዊ ሚድያ 'ትሩዝ' ጽሒፉ።

ድሕሪኡ ድማ ካልእ 3 ሚልዮን ቶን "ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ" ከምፅእ ምዃኑ ኣንፊቱ።