እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ማህሌታይ ቅዱስ ያሬድ፡ ብዙሕ ዘይተነገረሉ ደራሲ ዜማታት ቤተክርስትያን - እንታይ ንፈልጥ?
ቅድሚ 1500 ዓመታት፡ 5 ሚያዝያ 497 ዓ.ም፡ ኣብ ሓምሻይ ክፍለ ዘመን ኣብ ሕምብርቲ ኣክሱም መደባይ ወለል ኣብ ዝተብሃለ ቦታ፡ ሙዚቃ ንዓለም ዘምሃረ ሊቅ ተወሊዱ፡ ማህሌታይ ቅዱስ ያሬድ።
ክቡራት ኣንበብቲ፡ እዚ ጽሑፍ ኣብ ግንቦት 2018 ኣብ ገጻት ቢቢሲ ተሓቲሙ ዝነበረ ኰይኑ፡ ብምኽንያት እቲ ዝተወልደሉ ቅንያትን፡ ቅንያት መንፈሳዊ በዓላትን ኣገዳስነቱን መጠናዊ ምምዕርራይ ተገይሩሉ ደጊሙ ዝሕተም ዘሎ እዩ።
ቅድሚ ሽሕ ዓመታት ዜማ ዝደረሰ፡ ኢትዮጵያዊ ማህሌታይ ቅዱስ ያሬድን ስርሓቱን ግን ኣብ ዓለም ኣፍልጦ ኣይረኸቡን።
ኣብ ዘመናዊ ሙዚቃ ምዕራባውያን ድማ ብ1980 (አ.ኤ) ዝተወለደ ኣውስትሪያዊ ሞዛርት ኣብ ዓለም ስሙይ ክኸውን ክኢሉ እዩ።
ግና ስምን ዝናን ሞዛርት፡ ካብ ፍልስፍና ኖታ ማህሌታይ ቅዱስ ያሬድ ድሕሪ 1200 ዓመታት ዝመፀ እዩ።
ኣብዚ እዋን ብደረጃ ዓለም ኣብ መዝገብ ውርሻታት ዓለም ዝተመዝገበ ዜማዊ ድርሰት ንሰዓታት ጥራይ ዝፀንሕ ምዃኑ ሰብ ሞያ ይዛረቡ።
ኣብ ሓምሻይ ክፍለ ዘመን ንዓለም ቀዲሙ ብማህሌታይ ቅዱስ ያሬድ ዝተደረሰ ዜማ ግና፡ ብሰዓታት ተኸፋፊሉ ንመዓልታት ዝዘልቕ እዩ።
እዚ ድማ ኢትዮጵያ ንዓለም ኣቡጊዳ ሙዚቃ ዘምሃረትን ዝፈለመትን ሃገር ምዃና ይምስክር።
ዓለም ብቴክኖሎጂ ሙዚቃን ጥበበኛታትን ጎልቢታ ፡ ነንባዕላ ኣብ እትወዳደረሉ ዘመን፡ ጥበበኛታት ጥበብ ኣብ ሓያል ውድድር ጥሒሎም፡ ንፃት፡ ሓድሽ ውልዶ ጥበብ ንምምሃዝ ንድሕሪት ኣብ ዘይብልሉ ግዜ፡ ቅድሚ ሽሕ ዓመታት ዜማ ዝደረሰ፡ ማህሌታይ ያሬድን ስርሓቱን ኣብ ዓለም ኣፍልጦ ኣይረኸበን።
እዚ ድማ ከም ንኢትዮጵያ መሰረት ዝኾነ ፈላማይ ስልጣነ፣ ባህልን ታሪኽን ብዙሕ እንከይተዳህሰሰ፡ እቲ መዝገብ ታሪኽ ተኸዲኑ ተቐሚጡ ከምዝነበረ የርኢ።
ታሪኽን መንነትን ማህሌታይ ያሬድ፡ ብብዙሓት ኢትዮጵያውያን ዝለዓል'ኳ እንተኾነ፡ ኣብዚ እዋን ግን ስርሓቱ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ጥራይ ተሓጺሩ ይርከብ።
ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ዜማታት ቅዱስ ያሬድ ክሳብ ሕጂ'ኳ ትጥቀመሉ እንተሃለወት፡ ካብ ኣፋዊ ዛንታ ሓሊፉ፡ ንዝርዝር ታሪኹን ስርሓቱን ኣመልኪቱ ዝተሰነደ ነገር እኹል የለን።
ነዚ ንኣሽሓት ዓመታት ዝቐጸለ ዛንታ ቅዱስ ያሬድ ኣብታ ሃገርን ኣብ መላእ ዓለምን ንኽጐልሕ ዓሊሙ ድማ ካብ ቀረባ ዓመታት ኣትሒዙ፡ ብምትሕብባር ዩኒቨርሲቲ ኣክሱምን ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይን፡ ኣብታ መበቆል ቅዱስ ያሬድ ዝኾነት ኣክሱም፡ ዓበይቲ ናይ ዝኽሪ በዓላት ተኻይዶም ነይሮም።
ኣብ ዓመተ 2018 (ኣ.ኤ) እውን ፡ ማህሌታይ ያሬድ ዘበርከቶም ትውፊታት ናብ ቀፃሊ ትውልዲ ንምሕላፍን ንዓለም ንምፍላጥን ዝዓለመ ንሰለስተ መዓልታት ዝቐጸለ ዝኽሪ ማህሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ኣክሱም ተኻይዱ ነይሩ።
ብዛዕባኡ መፅናዕቲ ዘካየዱ፡ ዳይሬክተር ግልጋሎት ማሕበረሰብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዶክተር ሙልጌታ ፍስሃ እዚ ወለዶ ካብ ቅዱስ ያሬድ ዝወረሶ ፀጋታት ከምዘሎ ይዛረቡ።
ፀጋታት ማህሌታይ ቅዱስ ያሬድ
እዚ ወለዶ ብዋናነት ፅንዓት፡ ሓቦ፡ ጥንካረ፡ ልዑል ናይ ምስትውዓል ክእለትን ኣብ ግዜ ፀገም ናይ ባዕልኻ መፍትሒ ምንዳይን ክምሃር ከም ዝኽእልን፤ እዚ ንዘመናዊ ሳይንስ ዓብይ እታወት ከምዝዀነ እምነት ዶክተር ሙልጌታ ፍስሃ እዩ።
ቅዱስ ያሬድ ዝደረሶም መንፈሳዊ ኖታታት፡ ቤተ-ክርስትያን ኦርቶዶክስ ንዘመናት ትጥቀመሉ ዘላ ዜማ እዩ። እዚኦም ዜማታት ባህላዊ መሳርሕታት ሙዚቃ ንኽዓቢ መሰረታዊ ግደ ከምዘበርከቱ ዝገልፅ ዶክተር ሙልጌታ፡ "እቲ ማሕበረሰብ እውን ንኣሽሓት ዓመታት እናተጠቐመሉ መፂኡ እዩ" ይብል።
ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ንዘመናት እትጥቀመሉ ዘላ ሃይማኖታዊ ኖታታት ሙዚቃ፡ ቅኔ፡ ዜማን ወረብን ብማህሌታይ ቅዱስ ያሬድ ዝተማህዙ እዮም። ነዚ ድማ እዩ ካብ ካልኦት ብዝተፈለየ በብዓመቱ 11 ግንበት ንቅዱስ ያሬድ እትዝክሮ።
ብቋንቋ ግእዝ ዝተፅሓፉ መፅሓፍቲ ድጓ፡ ፆመ ድጓ፡ ዝማሬ፡ መዋስእትን ምዕራፍን ከምኡ እውን ኖታታት፣ ዜማ ማህሌትን ወረብን፡ ሓድግታት ቅዱስ ያሬድ እዮም።
እዞም ስርሓት ማህሌታይ ቅዱስ ያሬድ፡ ንዕብየት ቱሪዝም ዕዙዝ ግደ ከምዘለዎም ዝገልፅ ዶክተር ሙልጌታ፡ እዚ ንክኸውን ስራሕቲ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ሃይማኖታውን ባህላውን ሙዚቃታት ዝህልዎ ግደ ክፅናዕ፣ ስርሓቱ ኣብ ሙዝየም ክዕቀቡን ኣብ ከተማ ኣክሱም ድማ ብሽሙ ናይ ሙዚቃ ሳይንስ ቤት-ትምህርቲ ክኽፈት ከምዝግባእ የተሓሳስብ።
ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ያሬድ ኣብ ኣክሱም ኣብ ዝኽበረሉ፡ ካብ 300 ዓመተ ዓለም ክሳብ ዓስራይ ዓ.ም ዝነበሩ ታሪኻዊ መስሕባት ኣክሱም ብምልላይ ቍፅሪ በፃሕቲ ዓዲ ክውስኽን ፍልፍል ቁጠባ ክኸውን ዝኽእለሉ ፀጋ ከም ዘሎ'ውን ዶክተር ሙልጌታ ይዛረብ።
ጋዜጠኛን ምምህርን በላቸው ስራው ድማ፡ ኣብ መዝገብ ሓድግታት ዓለም (ዩኔስኮ) ዝተመዝገበ ዜማ ሓፂር ሰዓት ማለት እውን በዓል 12 ሰዓት ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ዜማታት ማህሌታይ ያሬድ ግን "ነዋሕትን በዓል 24 ሰዓታት ብምዃኖም ኣብ መዝገብ ሓድግታት ዓለም ክምዝገቡ ይግባእ" ብምባል ክሳብ ሕጂ ዘይምምዝጋቦም ዝደንጎየ ምዃኑ ድማ ይሕብር።
"ዜማታት ቅዱስ ያሬድ ንነዊሕ ሰዓታት ዝዝመሩ እዮም፣ ብሰዓታት ጥራይ እውን ኣይኮነን፤ ቤተ-ክርስትያን ትጥቀመሎም ኣብ ዝተፈላለዩ ሰዓታትን መዓልታትን እንታይ ዓይነት መንፈሳዊ ዜማ ክዝመር ከምዘለዎ ዝሕብሩ ብርክት ዝበሉ መፃሕፍቲ ቅዱስ ያሬድ ኣለዉ።
ብፍላይ ድማ እቲ ኣብዚ እዋን ኣብ መዝገብ ዓለም ተመዝጊቡ ዘሎ ዜማ ቅድሚ ምድራሱ፡ ቅድሚ 1200 ዓመታት ዝተደረሰ ዜማ ማህሌታይ ያሬድ ኣብ መዝገብ ቅርስታትን ሓድግታትን ዓለም ንምምዝጋብ ኣይሰራሕናሉን" ይብል።
ዜማታት ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዩኔስኮ ንምምዝጋብ "ፈለማ ዜማታት ቅዱስ ያሬድ ካብ መንፈሳዊ ኣግልግሎት ብተወሳኺ ናብ ዓለማዊ ወፅዩ ብስምዒት ሙዚቃ ክረኣይ ይግባእ።
ፀጋታት ቅዱስ ያሬድ ካብ ቤተ-ክርስትያን ብተወሳኺ ሃብቲ ህዝቢ'ውን ከምዝዀነ ክፍለጥ ኣለዎ" ዝብል ርእይቶኡ ድማ የቕርብ - መምህርን ጋዜጠኛን በላቸው ስራው።
ተስፋ ዝህቡ ምንቅስቓሳት
ኣብ ከተማ ኣክሱም ብዩኒቨርሲቲ ኣክሱምን ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን፡ ኣብቲ ዓመት ዝተዳለወ መድረኽ ዝኽረ ቅዱስ ያሬድ እውን ፀጋታት ማህሌታይ ያሬድ ተሰኒዶም ናብ ወለዶ ክሓልፉን መስሕብ ቱሪዝም ብዝብል ዕላማ እዩ።
ኣብቲ መድረኽ ዝተፈላለዩ መፅናዕታዊ ፅሑፋት፡ ያሬዳዊ ዜማን ዝማረን፡ ኣብ ጎደናታት ኣክሱም ድማ ምርኢት ስርሓት ቅዱስ ያሬድን ይሳለጡ ኣለዉ። ማህሌታይ ቅዱስ ያሬድ ደኺሙ ዘዕረፈላ ማይ ኪራሕ ናብ ትበሃል ቦታ እውን ናይ እግሪ ጕዕዞ ተካይዱ ምንባሩ ይፍለጥ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም እውን ስርሓት ቅዱስ ያሬድ ንኽስነዱን ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ እቲ ዩኒቨርሲቲ ንኽወሃብን፣ ሕብረተሰብ እውን ተጠቃሚ ዝኾነሉ ዕድል ንምፍጣር ጻዕሪታት ተጀሚሩ ምንባሩ ኣይርሳዕን።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ዝኽረ በዓል ቅዱስ ያሬድ ብዝተፈላለዩ ምሁራት ዝቐረቡ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ብምስናድ ናብ ሕብረተሰብ ክቐርብን ናብ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ እታ ሃገር ብምልኣኽ ከም ዝስነድ ምግባር እውን ካብቲ መደባት እታ ዩኒቨርሲቲ እዩ ነይሩ።
መብዛሕትኦም ስርሓት ቅዱስ ያሬድ ብቋንቋ ግእዝ ዝተደረሱ ብምዃኖም፡ ትምህርቲ ቋንቋ ግእዝ ኣተተኣታቲካ እቶም ስርሓት ብቐሊሉ ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ከም ዝኣትዉ ንምግባር እውን ጻዕሪታት ክካየድ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ዩኔስኮ ንምምዝጋብ...
ስርሓት ማህሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዩኔስኮ ንምምዝጋብን ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ንምእታውን ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ይሰርሓሉ ከም ዝነበረ ዝፍለጥ እዩ።
ሓደ ካብቲ ጻዕሪታት ኣቐዲምካ ብዛዕባኡ ሰፊሕን ጕሉሕን ህዝባዊ ተፈላጥነት ንኽህሉ ምስራሕ ምዃኑ እቲ ቤት ጽሕፈት ካብ መደባቱ እዩ ዝነበረ። ብክልልን ሃገርን፡ ጉዳይ ቅዱስ ያሬድን ስራሕቱን ኣብ ሰፊሕ ህዝቢ ከም ዝፍለጥ ብምግባር ድማ ስራሕቱ ብምስናድን ኣብ ዩኔስኮ ብምዝጋብ፡ መስሕብ ቱሪዝም እታ ሃገር ንክኸውን እዩ።
ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን እታ ክልል፡ "ቅዱስ ያሬድ ደኺሙ ኣብ ዘዕረፈላን ካብ ሓንቲ ደቃቕ ሓሰኻ ፅንዓትን ተስፋ ዘይምቝራፅን ዝተምሃረላን ማይ ኪራሕ" ኣብ ትበሃል ከባቢ መዘከርታ ሓወልቲ ክስራሕ፣ ኣብ ዝተንቀሳቐሰሎም ከባቢታት ዝነበሩ ታሪኻትን ፍፃመታትን ክዕቀቡን ክሰርሕ ከም ዝጸንሐ ተሓቢሩ ነይሩ።