እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ቀጥታ, ናብ ወርሒ ዝተወንጨፈት ታሪኻዊት ኣርተሚስ 2 ፍሉይ ተልእኾኣ ጀሚራ

ናሳ ዝሰርሓ መንኰርኰር ኣርተሚስ 2 ናብ ወርሒ ተወንጪፋ። ድሕሪ ፍርቂ ዘመን ንፈለማ እዋን ጠፈርተኛታት ናብ ወርሒ ብምስዳድ፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣብ ጥቓ ወርሒ ዑደት ተካይድ ኣላ። ጠፈርተኛ ሪድ ዋይዝማን ክብገሱ ከለዉ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "ምእንቲ ኵሉ ወድ-ሰብ ኢና ንኸይድ ዘለና፡" ኢሉ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. እስራኤልን ኣመሪካን ኲናት ደው ከብላ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ

    እስራኤልን ኣመሪካን ምስ ኢራን ዘካይድኦ ዘለዋ ኲናት ደው ከብላ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ተማሕጺኑ።

    ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ኒውዮርክ ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኩሎም ወገናት ብቕልጡፍ ተጻብኦታት ደው ከብሉ ጸዊዑ።

    "ንመላእ ማእከላይ ምብራቕ ናብ ዝሰፍሐ ኲናት ክሸምም ዝኽእልን ኣብ መላእ ዓለም ዓቢ ጽልዋ ዝህልዎን ድርኲዂት ኢና በጺሕና ዘለና" ክብል'ውን ኣጠንቂቑ።

    "መጻብቦ ሆርሙዝ እንተ ተሓኒቑ፡ ድኻታትን ኣብ ሓደጋ ዝርከቡን ከተንፍሱ ኣይክእሉን እዮም"።

    ሰላማዊ ፍታሕ ክርከብ ዝጸወዐ እቲ ዋና ጸሓፊ፡ ሲቪላዊ ትሕተቅርጺን "ትካላት ኑክሌርን" ዒላማ መጥቃዕቲ ከይኮኑ ድ ማተማሕጺኑ።

    "እቲ መልእኽቲ ንጹር'ዩ። ኣመሪካን እስራኤልን፡ ነቲ ከቢድ ሰብኣዊ ስቓይን ኣዕናዊ ቁጠባዊ ሳዕቤናትን ኣኸቲሉ ዘሎ ኲናት ደው ዘብላሉ እዋን ሕጂ'ዩ"።

    "ኢራን'ውን፡ ንጐረባብታ ምጥቃዕ ደው ከተብሎ" ከምዘለዋ ጉተረዝ ጸዊዑ።

  2. 'ንኢራን ናብ ዘመነ-እምኒ ክንመልሶም ኢና' - ትራምፕ

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ መሊሱ ከምዝሕይል ድሕሪ ምጠንቃቑ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር ከቢድ ነትጒታት ተሰሚዑ።

    ኣብ ከባቢ ፍሉጥ መደበር ኑክሌር ኢራን ዝኾነ ኣስፋሃን ኣብ ዝርከብ ካልእ ማእከል ሚሳይላት እታ ሃገር ከቢድ ነትጒ ከምዝተሰምዐን ሃልሃልታ ሓዊን ጸሊም ትኪን ንሰማይ ክዓርግ ከምዝተራእየን ጸብጻባት ሓቢሮም።

    ኣብ ከባቢ መዓርፎ ነፈርቲ ምብራቓዊት ከተማ ማሻድ'ውን ተመሳሳሊ ነትጒን ትኪን ተኸሲቱ ኣሎ።

    ትራምፕ፡ ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኣብ ዝሃቦ ሃገራዊ መግለጺ፡ "ኣብ ዝመጽእ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ሰሙን ኣመና ክንሃርሞም ኢና" ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ።

    "ናብቲ ክህልውዎ ዝግባእ ዘመነ-እምኒ ክንመልሶም ኢና" ክብል'ዩ እቲ ኣመሪካዊ መራሒ ፈኪሩ።

    እቲ መግለጺ ንዕዳጋታት ዓለም ዘጋደደ ኮይኑ፡ ዋጋ ነዳዲ መሊሱ ክንህር ገይሩ'ሎ።

    ቴህራን ብወገና እስራኤልን ኣመሪካን ስዕረት ክጓናጸፋ ምዃነን ኣጠንቂቓ'ላ።

  3. ሶማላዊ ደራሲን ምሁርን ፕሮፌሰር ዓሊ ጅምዓለ ኣሕመድ ዓሪፉ

    ደራስን ምሁርን ፕሮፌሰር ዓሊ ጅምዓለ ኣሕመድ ብ31 መጋቢት 2026 ኣብ መበል 72 ዓመቱ ኣብ ኣመሪካ ዓሪፉ።

    እዚ ኣብ ስነጽሑፍ ኣፍሪቃ ብሕልፊ እኳ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍሉጥ ዝዀነ ምሁር፡ ብዛዕባ ስነጽሑፍ ሶማልያ፡ ዓሌትን ምህናጽ ሃገርን ምዕባለ ሃገረ-መንግስትነትን ዝትንትኑ ሓያሎ ስርሓት ዘበርከተ እዩ።

    ዓሊ ጅምዓለ ኣብ ታሕሳስ 1982 ናብ ኣመሪካ ቅድሚ ምግዓዙ፡ ኣብ ሶማልያ ብስነጽሑፉን ጋዜጠኝነትን ስም ኣጥርዩ ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣብታ ኣብቲ ግዜ'ቲ እንኮ ብእንግሊዝኛ እትሕተም ዝነበረት ሰሙናዊት ጋዜጣ `ቪጂላንስ` ከም ኣሰናዳኢ ኰይኑ ሰሪሑ።

    ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ ሎስ ኣንጀለስ ብስነጽሑፍ ናይ ዶክትረይት ትምህርቱ ድሕሪ ምጥንቓቑ፡ ድሒሩ ኣብ ኲንስ ኮለጅን ግራጅዌት ሰንተር ናይ ዩኒቨርሲቲ ኒውዮርክን ብዛዕባ ኣፍሪቃ፡ ስነጽሑፍ እስላም፡ ኣፋዊ ስነጽሑፍ፡ ስነግጥምን ካልእን እናመሃረ ብዙሕ ኣበርኪቱ።

    ፕሮፌሰር ግርማይ ነጋሽ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኦሃዮ ብሕልፈት ገጣሚ ፕሮፌሰር ዓሊ ኣብ ፈይስቡክ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ምሁራዊ ኣበርክቶኡን ሰብኣዊ ልግሱን ንህይወት ብዙሓት ዝጸለወ ምዃኑ መስኪሩ።

    ፕሮፌሰር ዓሊ ኣብ ርእሲ ኣካዳምያዊ ኣገልግሎቱ፡ ኣብ ሶማልያን ቀርኒ ኣፍሪቃን ሰላም ንምምጻእ ብዕምቈት ይሰርሕ ምንባሩ ፕሮፌሰር ግርማይ ወሲኹ ይገልጽ።

    ፕሮፌሰር ዓሊ፡ ብ1995`The Invention of Somalia` እትብል መጽሓፍ ከሕትም እንከሎ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ድማ `Daybreak Is Near: Literature, Clans, and the Nation-State in Somalia እትብል ኣሕቲሙ። ብ2002 `Fear Is a Cow ከምኡ`ውን ብ2005 `Diaspora Blues` ዝብላ`ውን ኣስዒቡ።

  4. ምኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ፡ ኣመሪካ ኣብ ዘይብሉ ብዛዕባ ዳግማይ ምኽፋት መጻብቦ ሆርሙዝ ክዝትዩ እዮም

    መራሕቲ 35 ሃገራት ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሓበራዊ መግለጺ ክታሞም ድሕሪ ምንባር፡ "ብመጻብቦ ሆርሙዝ ብውሕስ መንገዲ ንምሕላፍ ግቡእ ጻዕርታት፡" ንምግባር ድልዋት ምህላዎም ገሊጾም።

    እቶም ምኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሎሚ ኣብ ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዝካየድ ብማንዛ ዝካየድ ዋዕላ ክሳተፉ እዮም።

    እቲ ኣገዳሲ መስመር ማይ ዳግማይ ንምኽፋት ኣብ ዘኽእል፡ "ዲፕሎማስያውን ፖለቲካውን" መፍትሒታት ኣተኲሮም ክዝትዩ ትጽቢት ይግበር።

    ቀዳማይ ምኒስተር ኬር ስታርመር፡ ኢራን ነቲ መጻብቦ "ንጸላእቲ ሃገርና" ዕጽው ኰይኑ ኣሎ ንዝበለቶ ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ዕማም ቀሊል ከም ዘይከውን ተዛሪቡ።

    ዓባይ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ኣውስትራልያን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ኣብቲ ዋዕላ ዝሳተፋ ክዀና እንከለዋ፡ ኣመሪካ ግን ኣይክትህሉን እያ።

    ትራምፕ፡ እቲ ግጭት ምስ ኣብቅዐ ብሓደ ለይቲ "ብቕጽበት" ክኽፈት ምዃኑ ደኣ ይግለጽ`ምበር፡ ካልኦት ህዝቢታት ግን ርግጸኛታት ኣይኰኑን።

    ንኣብነት፡ ምእላይ ነተጕቲ ኣድላዪ ክኸውን ይኽእል እዩ።

    ናይ ሓያሎ ሃገራት ወተሃደራውያን ክኢላታት ውጥን፡ ውግእ ደው ምስ በለ መጻብቦ ሆርሙዝ ውሑስ ብዛዕባ ዝዀነሉ ንምዝታይ ክራኸቡ ከድሊ እዩ።

    እቲ ቀዳምነት፡ መራኽብ ብውሑስ መንገዲ ንኽጓዓዛ፣ ከም ውጽኢቱ ድማ ዋጋ ነዳዲ ክጐድልን ቀረብ ድዅዒ ብምቕራብ ውሕስነት መግቢ ምርግጋጽን እዩ።

  5. ናሳ፡ ስለምንታይ ጠፈርተኛታት ኣብ ጥቓ ወርሒ ንኽዀልሉ ሰዲዱ?

    ኣፖሎ፡ ኣብ ሓምለ 1969 ንፈለማ እዋን ደቂ ሰባት ኣብ ወርሒ ካብ እተዕርፍ ልዕሊ 50 ዓመታት ሓሊፉ።

    ሰራሕተኛታት ኣርተሚስ 2 ኣብ ወርሒ ክዓልቡ እኳ እንተ ዘይከኣሉ፡ ኣብ ዝቕጽሉ 10 መዓልታት ዝገብርዎ ተልእኾ ግን ንዝቕጽል ኣሰር ደቂ ሰባት ኣብ ወርሒ መንገዲ ዝጸርግ'ዩ።

    እቶም ኣርባዕተ ጠፈርተኛታት ኣብ እዋን ጕዕዞኦም ካብቲ ኵሉ ግዜ ካብ ገጽ መሬት ዝተኸወለ ዳሕረዋይ ሸነኽ ወርሒ 10,299 ኪሎሜተር ርሒቘም ክጕዓዙ'ዮም።

    እዚ ንመጀመርታ ግዜ ክኸውን እዩ።

    ናሳ፡ ኣብዚ ሰለስተ ሰዓታት ዝወስድ ግዜ፡ እቶም ጠፈርተኛታት "ከም ጽልዋ ዘለዎም ጕድጓዳትን ጥንታዊ ዋሕዚ ላቫን ዝኣመሰሉ ጅኦሎጅያዊ ባህርያት ክትንትኑን ክስእሉን እዮም፡" ይብል።

    እዚ ድማ ኣብ መጻኢ ንደቡባዊ ዋልታ ወርሒ ንምድህሳስ ዝግበር ተልእኾታት ክሕግዝ እዩ።

    ብተወሳኺ፡ ኣብ ጥዕና እቶም ጠፈርተኛታት ዝግበር መጽናዕቲ፡ ናሳ ዓሚቝ ጕዕዞ ህዋ ኣብ ኣእምሮን ኣካላትን ወዲሰብ ብኸመይ ከም ዝጸልዎ ብዝበለጸ ንምርዳእ ክሕግዞ እዩ።

    እዚ ድማ ኣብ መጻኢ ተልእኾታት ወርሒ ከምኡ’ውን ናብ ማርስ ዝገሹ ጠፈርተኛታት ዝሓሸ ርድኢትን ድልውነትን ክህልዎ የኽእል።

    እቶም ጠፈርተኛታት ኣብዚ ጕዕዞ ኣብ ዙርያ ወርሒ ብሰላም እንተ ሓሊፎም፡ ዕላማ ናሳ ኣርተሚስ ራብዓይን ሓምሻይን ኣብ ወርሒ ምዕላብ ክኸውን'ዩ - ክልቲኡ ድማ ኣብ 2028 ከሳኽዖ መደብ ኣለዎ።

  6. ሓንቲ መዓልቲ፡ ኣብ ህይወት ጠፈርተኛታት እንታይ ትመስል?

    ጠፈርተኛ ናሳ ስቲቨን ቦወን፡ ኣብ ጠፈር ቀዳማይ ካብ እተስተብህለሎም ነገራት ምሕንባብ ወይ ምንጽብላል ምዃኑ ይዛረብ።

    "ምሕንባብ ወይ ምንጽብላል ፈጺሙ ኣየሰልክን እዩ፡" ይብል።

    "ካብ ኣብ ምድሪ ንላዕሊ፡ ኣብ ጠፈር እየ ልዋም ድቃስ ዝድቅስ፡" ክብል ይውስኽ።

    ንልዕሊ 25 ዓመታት ጠፈርተኛ ኰይኑ ዝዓየየ ቦወን፡ ኣብ 10 ናይ ህዋ ጕዕዞን ካልኦት ዕማማትን ተሳቲፉ።

    ጠፈርተኛታት ምስታ መንኰርኰር ኣብ ዝተላገበ ክፋል ይድቅሱ።

    “እናተሓንበበት እንከላ ኢኻ ትድቅስ፡” ይብል`ሞ፡ “ክብን ለጠቐን ዝብል ስምዒት የሎን፡” ክብል የብርህ።

    መዓልትኻ ብቝርስን መዓልታዊ መደብ ብምርኣይን እዩ ዝጅምር፣ ብድሕሪኡ ምሉእ መዓልቲ ኣብ ስራሕ ትጽመድ።

    ቦወን፡ “ካብቲ ትበራበርሉ እዋን ኣትሒዝካ ክሳዕ እትድቅስ ትሑዝ ኢኻ፡” ይብል።

    ጠፈርተኛታት ኣካላዊ ምንቅስቓስ የዘውትሩ፣ ናይ ስነፍልጠት ፈተነታት ይገብሩን ነታ መንኰርኰር ይከናኸኑን።

    ኣብ ጠፈር ንኣሽቱ ነገራት ከይተረፉ ብዝተፈልየ መንገዲ እዮም ዝፍጸሙ፤ ንኣብነት፡ ንብዓት ኣይነጥብን እዩ፣ “ኣብ ኣዕይንትኻ ይጸንሕ፡” ይብል። ንብዓት እናተዀመረ ምስ መጽአ ብሰሓቕ ዝፈልሐ መሳርሕቱ ይዝክር።

    ንቦወን፡ኣብ ህዋ ምጓዓዝ መሳጢ ክፋል ናይ ስርሑ እዩ፤ ኢዱ ኣብቲ መንኰርኰር ሒዙ ፕላኔት መሬት ኣብ ትሕቲኡ እናተንቀሳቐሰት ከም ዝርኢ ይገልጽ።

    “እቲ ትርኢት ንምእማኑ ዘጸግም እዩ፡” ይብል።

  7. እቶም ጠፈርተኛታት መን'ዮም፤ እንታይ'ከ ተማሊኦም?

    ኣብ በረራ ኣርተሚስ ዝሳተፉ ዘለዉ ኣርባዕተ ጠፈርተኛታት ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ንወርሒ ክዘሩዋ እዮም።

    ቀንዲ ዕላማ ናይዚ በረራ ንምንቅስቓስ ናይታ 'ኦርዮን' ተባሂላ ትፍለጥ ተሽከርካሪት-ጠፈር ንምፍታን፡ ከምኡ'ውን ንመጻኢ ብኸመይ ናብ ገጽ ምድሪ ምዕላብ ከም ዝክኣልን ንምፍላጥ ዝሕግዝ ፈተነታት ምክያድ እዩ።

    ነዚ ንምግባር ኪኖ ወርሒ ብምሕላፍ ኣሽሓት ኪሎ ሜተራት ናብ ሃው ዝበለ ጠፈር ክበሩ ትጽቢት ይግበረሎም።

    ብዘይካ'ዚ፡ ነታ ካፕሱል ብኢዶም (ማንዋል) ብምዝዋር ድማ ኣብ ዙርያ ምድሪ ክሕምበቡ እዮም።

    ኣብዚ ፈታኒ ተልእኾ ኣርተሚስ፡ ጠፈርተኛታት ካብቲ ዝወስድዎ ዘይተርፍ ምርምራዊ ናውቲ፡ ብውልቆም ዘገድሶም ኣቚሑ'ውን ክማልኡ ወሲኖም ኣለዉ፤ መን እንታይ ወሲዱ።

  8. መስተንክራዊ ምውንጫፍ ኣርተሚስ 2 ብምስሊ

  9. ድሕሪ 50 ዓመት ናብ ወርሒ ዝተወንጨፈት ዳግማዊት ኣርተሚስ

    ብሰንኪ ኩነታት ኣየር ንመዓልታት ዝተዳናጐየ ጉዕዞ ናይታ 'ኣርተሚስ 2' ዝተባህለት መንኮርኮር ሃገራዊ ትካል ጠፈር ኣመሪካ ብረቡዕ ምሸት ናብ ከባቢ ወርሒ ተወንጪፋ።

    እዚ ድሕሪ ፍርቂ ክፍለ ዘመን ናብ ዙርያ ወርሒ ዝካየድ በረራ ኣርተሚስ ፍሉይ ዝገብሮ ጠፈርተኛታት ዘሳተፈ ብምዃኑ'ዩ።

    ናሳ፡ ድሕሪ 52 ዓመት ንፈለማ ግዜ ሓንቲ ጓልኣንስተይቲን ሓደ ጸሊምን ትርከቦም ኣርባዕተ ጠፈርተኛታት ናብ ከባቢ እታ ግርማ ለይቲ ዝዀነት ወርሒ ሰዲዱ ኣሎ።

    ብመሰረት ተታሒዙ ዘሎ መደብ፡ ድሕሪ ሰዓት 18፡24 ብኣቆጻጽራ ፍሎሪዳ፡ 23፡24 ለንደን፡ ከምኡ'ውን ሰዓት 01፡24 ናይሮቢ ናይ ምውንጫፍ መስርሕ እዩ ጀሚሩ።

    ወንጫፊ ሮኬት ናይታ መንኮርኮር ኣብቲ ቀንዲ መደበር ናሳ ዝዀነ ኣብ ክፍለሃገር ፍሎሪዳ (ኬፕ ካናቨራል) ዝርከብ ማእከል ጠፈር ከነዲ እዩ ተዳልዩ። እዚ ናሳ ዘካይዶ ዘሎ በረራ ኣካል ናይቲ ሰብ ናብ ገጽ ወርሒ ንምምላስ ተተሊሙ ዘሎ ውጥን እዩ።

    ጠፈርተኛታት ኣርተሚስ ብወግዒ ኣብ ዙርያ ወርሒ ን10 መዓልታት ዝጸንሕ ታሪኻዊ ተልእኾ ይገብሩ ኣለዉ፤ እዚ ድማ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝዀነ ሰብ ካብ መሬት ንላዕሊ ዝወሰደ ጉዕዞ ክኸዉን ይኽእል እዩ።

    እቶም ን10 መዓልታት ዝጸንሕ ተልእኾ ዝተዋህቦም ጠፈርተኛታት ኣብ ወርሒ ኣይዓልቡን እዮም፤ እንተዀነ ክኸቡዋ መደብ ተዋሂቡዎም ኣሎ።

    ናሳ፡ ኣብ 2022 ሰብ ኣልቦ ኣርተሚስ 1 ሰዲዱ ነይሩ፤ ኣብ 2030ታት ናብ ማርስ ንምብጻሕ ናይ ዕላማ ኣለዎ።

  10. ሓይሊ ኣየር ብሪጣንያ ንድሮናት ኢራን ሃሪሙ የውድቕ

    ሓይልታት ኣመሪካ 10 ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ኢራን ሃሪሞም ከምዘውደቑ ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ሓቢሩ።

    እቲ ፍጻመ ኣበይ ምንባሩ'ኳ ብንጹር እንተዘይጠቐሰ፡ "ልዑል ስግኣት ኣብ ዘለዎ ቦታ" ከምዘጋጠመ የመልክት።

    ኣብቲ ኲናት ብቐጥታ ክትሳተፍ ከምዘይትደሊ ብወግዒ ዘፍለጠት ለንደን፡ ኣብ ምክልኻል ጥራይ ዝተሓጽራ ምዕቡላት ነፈርቲ ውግእ ናብ ደሴት ሳይፕረስ፡ ንግስነት ዮርዳኖስ፡ ባሕሬን፡ ቐጠርን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣዋፊራ ምህላዋ ይፍለጥ።

    ኣብቲ ኲናት ዝሳተፋ ነፈርቲ ኲናት ኣመሪካ ንመዓርፎ ነፈርታ ክጥቀማሉ'ውን ብሪጣንያ ኣፍቂዳ ምንባራ ይዝከር።

    ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኪር ስታርመር፡ ሃገሩ ሕጂ'ውን ብጥታ ናብቲ ኲናት ከምዘይትጽንበር ብምርግጋጽ፡ ቀልውላው ነዳዲ ንከብቅዕ ጻዕርታት የካይድ ከምዘሎ ተዛሪቡ።

    ብሪጣንያ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝኸፈተሉ ኩነታት ንምፍጣር ልዕሊ 35 ሃገራት ዝሳተፋሉ ዋዕላ መራሕቲ ከአንግድ ምዃና'ውን ጸሓፊት ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ዪቨት ኩፐር ሓቢራ'ላ።

  11. ኢራን ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበር ሓቲታ- ትራምፕ

    ኢራን ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበር ከምዝሓተተት ፕረዚደንት ኣመሪካ ገሊጹ።

    ዶናልድ ትራምፕ ኣብቲ ንሱ ዝውንኖ ማሕበራዊ መራኸቢታት 'ትሩዝ ሶሻል" ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ "ከምቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ኣዝዩ ሕሉፍ ዘይኮነ" መራሒ እታ ሃገር ነቲ ጠለብ ከምዘቕረበሉ ሓቢሩ።

    "ፕረዚደንት ሓድሽ ስርዓት ኢራን" ነቲ ሕቶ ምቁራጽ ተዂሲ ከምዘቕረበሉ'ዩ ትራምፕ ጠቒሱ ዘሎ።

    እንተኾነ፡ እቲ ኣብ 2024 ዝተመረጸ ፕረዚደንት እታ ሃገር ማሱድ ፐዘሽኪያን ክሳብ ትማሊ ንህዝቢ ተራእዩ ዝነበረ ብምዃኑ፡ መግለጺ ትራምፕ ናብ መን ዘነጻጸረ ምዃኑ ብንጹር ኣይተፈልጠን።

    ክሳብ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝኽፈት መጥቃዕቲ ኣመሪካ ክቕጽል ምዃኑ ግን እቲ ኣመሪካዊ መራሒኣጠንቂቑ ዘሎ።

    ንነዊሕ እዋን ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ዝነበረ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመነኢ ኣብ ፈለማ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምቕታሉ ብወዱ ሞጅታባ ኻመነኢ ከምዝተተክአ ይዝከር።

    ኢራን ነቲ ብትራምፕ ክቐርብ ዝጸንሐ ዝርርባት ይግበር ከምዘሎ ዘመልክት ሓበሬታ ሓቂ ከምዘይኮነ ብምግላጽ፡ መልእኽቲ ጥራይ ከምዝተለዋወጡ'ያ ትሕብር።

    ቴህራን ካብ ዋሽንግተን ዝቐረበላ ጠለባትን ቅድመኩነታትን "ዘይርትዓዊ" ብምዃኑ ክትቅበሎ ከምዘይትኽእል'ውን ኣፍሊጣ ነይራ'ያ።

  12. ወተሃደራዊት ነፋሪት ሩስያ ብምሕምሻሻ ብዙሓት ሰባት ሞይቶም

    ሓንቲ ወተሃደራዊት ነፋሪት ሩስያ ብምሕምሻሻ ኣባላታ ዝርከብዎም 29 ሰባት ከምዝሞቱ ሰራዊት እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

    እታ ኣን-26 ዝተባህለት ነፋሪት ኣብ 'ንቡር በረራ' እናሃለወት'ያ ኣብታ ሩስያ ብሓያሊ ካብ ዩክረይን ዝመንዝዓታ ዞባ ክሪምያ ወዲቓ።

    ሰራዊት ሩስያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ብቴክኒካዊ ምብልሻው" ዘጋጠመ ሓደጋ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ብሚሳይላት፡ ድሮናት ወይ ኣዕዋፍ ተሃሪማ ከምዘይወደቐት ኣሚቱ።

    ሸውዓተ ካብቶም ግዳያት ኣብረርቲ ዝርከብዎም ኣባላት ከምዝነበሩ እቲ ሓበሬታ የመልክት።

    ከምዚአን ዓይነት ነፈርቲ ካብ 1960ታት ኣትሒዘን ዘገልገላ ኮይነን፡ ህይወት ብዙሓት ዝቐዘፈ ተመሳሳሊ ሓደጋታት ከጋጥመን ምጽንሑ ይፍለጥ።

  13. ኣመሪካ እዚ ኲናት ክሳብ መዓስ ክጸንሕ እዩ ኢላ ነይራ?

    ዶናልድ ትራምፕን ላዕለዎት ሰበስልጣንን ኣመሪካ፡ ካብ ኢራን ብቕልጡፍ ክወጽኡ ዝደልዩ ይመስሉ።

    እቲ ፕረዚደንት ብሰሉስ እታ ሃገር ካብቲ ግጭት ኣብ ቀረባ እዋን ከም እትወጽእ ኣአንፊቱኣሎ።

    ንሱን ካልኦት ሰብመን እቲ ኲናት መዓስ ከም ዝውዳእ ዝበልዎ ንድሕሪት ተመሊስና ንርአ።

    • ብ9 መጋቢት፡ ትራምፕ ንሲቢኤስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ኲናት “ዳርጋ ተወዲኡ'ዩ፡" ክብል ከሎ፡ ድሒሩ ድማ እቲ ኲናት “ኣዝዩ ቀልጢፉ” ክውዳእ ምዃኑ ገሊጹ
    • ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩቢዮ፡ ኣመሪካ ኣብ ኢራን እትገብሮ ስርሒታት “ኣብ ዝቕጽሉ ክልተ ሰሙናት” ክትውድእ ትጽቢት ከም ዘለዋ ገሊጹ ነይሩ
    • ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ካሮሊን ሊቪት እውን ነዚ ደጊማቶ። ንሳ ኣቐዲማ እቲ ኲናት ክሳብ ሽዱሽተ ሰሙን ክጸንሕ ከም ዝኽእል ገሊጻ ነይራ
    • ብሰኑይ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣመሪካ ኣብ ኢራን ትወስዶ ዘላ ወተሃደራዊ ስርሒት ንምውዳእ ምስ ሓድሽ ስርዓት ኢራን "ዕቱብ ዘተ" ትገብር ከም ዘላ ገሊጹ - እንተኾነ፡ ኣብ ስምምዕ ምስ ተበጽሐን መጻብቦ ሆርሙዝ ብቕጽበት "ንንግዲ ክፉት" ምስ ዝኸውን ተዛሪቡ። ኢራን ምስ ኣመሪካ ዝኾነ ይኹን ዝርርብ ከም ዘይተኻየደ ትገልጽ
    • ብወገን እስራኤል ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ኔታንያሁ ብሰኑይ እቲ ኲናት “ብርግጽ ልዕሊ ፍርቂ በጺሑ ኣሎ፡" ኢሉ
    • ብሰሉስ ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ፒት ሄግሰት፡ ነቲ ስርሒት ንምውዳእ “ህጹጽነት” ከም ዘሎ ገሊጹ
    • ትማሊ ምሸት ድማ፡ ትራምፕ፡ ስርዓት ኢራን "ንዓመታት" ኑክሌራዊ ኣጽዋር ከፍሪ ከም ዘይክእል ኣብ ዝተረጋገጸሉ እዋን፡ ኣመሪካ፡ "ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ሰሙን" ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ኢራን ክትወጽእ እያ ኢሉ
  14. ትራምፕ፡ ኣመሪካ ካብ ኔቶ ንከውጽኣ ይሓስብ ምህላው ይግለጽ

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣመሪካ ካብ ወተሃደራዊ ልፍንቲ ሰሜን ኣትላንቲክ -ኔቶ- ጠቕሊሉ ንምውጻእ "ብዕቱብ ይሓስበሉ፡" ከም ዘሎ ንቴሌግራፍ ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣመልኪቱ።

    እታ ጋዜጣ ኣብ ዝዘርግሓቶ ጸብጻብ፡ ትራምፕ ነቲ ኪዳን "ናይ ወረቐት ነብሪ" ብምባል ክገልጾ እንከሎ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ሓይሊ ባሕሪ የብላን ኢሉ።

    ትራምፕ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝተኻየደ ግጭት ንኣባልነት ኣመሪካ ኣብቲ ኪዳን ዳግማይ ክሓስበሉ ድዩ ተባሂሉ ምስ ተሓተተ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ "እወ፡ [እዚ] ኪኖ ዳግመ-ግምት'ዩ ምበልኩ... ብዛዕባ ኔቶ ተሰሓሒተ ኣይፈልጥን። ወትሩ ናይ ወረቐት ነብሪ ምዃኖም እፈልጥ'የ፤ ፑቲን'ውን ይፈጥ'ዩ።

    “ሓይሊ ባሕሪ’ውን የብልካን። ኣዝዩ ኣረጊትካ፡ ዘይሰርሓ መራኽብ ጽዕነት ነፈርቲ’የን ዘለዋ፡” ክብል ንኹነታት መርከብ ውግእ ብሪጣንያ ብምጥቃስ ወሲኹ ተዛሪቡ።

    ኣብዚ እዋን ቀዳማይ ሚኒስትር ብሪጣኒያ፡ ብዛዕባ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ምዕባለታት መብርሂ ይህብ'ዩ ዘሎ።

    ስታርመር ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ይቨት ኩፐር፡ መጻብቦ ሆርሙዝ ንምኽፋት ዝግበር መደባት ንምዝታይ ዋዕላ ኣህጉራውያን መራሕቲ ከተአንግድ ምዃና ኣፍሊጡ።

    እቲ መጻብቦ ኢራን ንመጥቃዕቲ እስራኤልን ኣመሪካን መልሲ ምሃብ ካብ እትጅምር ኣትሒዙ ተዓጽዩ ኣሎ።

    ብሰንኩ ድማ፡ ዓለማዊ ዋጋ ነዳዲ ክውስኽ ተራእዩ።

    ስታርመር፡ ዓባይ ብሪጣንያ ናብቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ከም ዘይትስሓብን፡ ንዝውስኽ ወጻኢታት መነባብሮ ንምፍታሕ እቲ ዝበለጸ መገዲ፡ ምህዳእ ምዕባለ እቲ ኲናትን መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ከም ዝኽፈት ምርግጋጽን ምዃኑን ደጊሙ ገሊጹ።

    ኩሉ ኣማራጺታት ዲፕሎማስያዊ መንገዲ ይርኢ ከም ዘሎ'ዉን ይዛረብ።

  15. ኣብ 1970ታት ዝነበረ ቅልውላው ነዳዲ እንታይ'ዩ፣ ካብኡ ናብ ዝኸፍአ ዲና ነምርሕ ዘለና?

    ንዓለማዊ ቀረብ ነዳዲ ወሳኒ ዝዀነ መስመር - ወሽመጥ ሆርሙዝ- ካብ ዝዕጾ ሓደ ወርሒ ገይሩ ኣሎ።

    እዚ ድማ፡ ዓለም ኣብቲ ኣብ 1970ታት ዝነበረ ቅልውላው ነዳዲ ዘስዓቦ ጸገማት ንላዕሊ ናብ ዝኸፍአ ቅልውላው ትሽመም ከም ዘላ ስግኣታት ከሕድር ጀሚሩ ኣሎ።

    ኣብ ኢትዮጵያ ድሮ ሕጽረት ነዳዲ ኣጋጢሙ ኣሎ፤ ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ገለ ኣብያተ ዕዮ ዓመታዊ ዕረፍቲ ክወስዱ ይግበር ኣሎ።

    ኢንጅነሪን ኢንዳስትሪ ግሩፕ ሰራዊት ምክልኻል ቅድሚ ሓደ ሰሙን ሰራሕተኛታቱ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ዕረፍቲ ክወጽኡ ከም ዝኣዘዘ ቢቢሲ ዝርኣዮ ሓበሬታ የረድእ።

    ክልል ትግራይ፡ ቅድሚ እዚ ቅልውላው ኣትሒዙ ብልዑል ቀረብ ሕጽረት ነዳዲ ክሳቐያ ካብ ዝጸንሓ ክልላት እታ ሃገር እያ፤ ኣብዚ ትካላት ጥዕና ሓዊሱ ብሕጽረት ነዳዲ ኣገልግሎታት ዝሰናኸሎም ትካላት ብዙሓት ምዃኖም ይግለጽ።

    እዚ ክሳብ ክንደይ ከሻለቕና ይግባእ?ሙሉእ ሓበሬታ ንምርካብ ነዚ መላግቦ ሰዓቡ።

  16. ባብኤል መንደብ፡ እቲ ካልእ ኢራን 'ክዓጽዎ እየ' ትብሎ ዘላ መጻብቦ

    መጻብቦ ሆርሙዝ ምስ ተዓጸወ፡ ኣገዳስነት ቀይሕ ባሕሪ ኣብ መጓዓዝያ ባሕሪ መሊሱ'ዩ ዓዚዙ።

    ስዑድ ዓረብ ብምብራቕ ብወሽመጥ ዓረብ ተፍርዮ ነዳዲ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ገይራ ከተሕልፎ ስለዘይከኣለት ነቲ ኣብ ምብራቕ ቀይሕ ባሕሪ ወይ ምዕራብ ስዑድያ ዝርከብ ወደብ ያንቡ እናተጠቐመት መዓልታዊ ሚልዮናት በራሚል ነዳዲ'ያ ብመትረብ ስወጽን ባብኤል መንደብን ተመሓላለፍ ዘላ።

    ስዑድ ዓረብ ካብቲ ኣብ ምብራቕ እታ ሃገር ዘሎ ዒላታት ናይ ነዳዲ ናብ ምዕራብ እታ ሃገር ዝዝርጋሕ ትቦታት ተኺላ ስለዝጸንሓት ምዕጻው መጻብቦ ሆርሙዝ መንገዲ ድኣሉ ኣንዊሕላ'ምበር ከምተን ካልኦት ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ምሉእ ንምሉእ ኣይዓጸዋን።

    ባብኤል መንደብ ብዘይካ ጋዝን ነዳድን ዝጽዓን መራኽብ፡ ካልእ ናይ መጓዓዝያ፡ እኽእልን ካልእ ሃለኽቲ ነገራትን ዝጸዓን መራኽብ'ውን ብዘይ ምቍራጽ ዝመሓላለፋሉ ኣገዳሲ መራኸቢ ምዕራባውን ምብራቓውን ክፋል እዛ ዓለም'ዩ።

    ባብኤል መንደብ እንተ ተዓጽዩ ልክዕ ከምቲ ኣብ 2021 ባንዴራ ናይ ፓናማ ዘለዋ ኮንቲነራት እትጽዕን ዓባይ መርከብ ኣብ ማእከል መትረብ ስወጽ ተሸኺላ ነቲ መስመር ምስ ዓጸወቶ ዝሰዓብ ቅልውላው'ዩ ክስዕብ።

    ምዕጻው ባብኤል መንደብ፡ መራኽበን ካብ ኤስያ ተበጊሰን ብደቡብ ኣፍሪቃ ተኳሊለን ንክኸዳ ስለዘገድደን ምድንጓይ ቀረባትን ዓቢ ምውሳኽ ዋጋን ከኸትል ግድን እዩ።

  17. ቻይና ሽምግልና ኣመሪካ-ኢራን ትፍትን - ይሰልጣ ዶ?

    ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ካልኣይ ወርሑ ረጊጹ፡ ርኡይ ምዝንባዕ ቀረብ ጸዓትን ምውሳኽ ዋጋ ነዳዲን ኣስዒቡ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ቻይና ኣብ ጐድኒ ፓኪስታን ብምዃን ቀንዲ መንጐኛ ኰይና ተቐልቂላ ኣላ።

    ብሓባር ድማ ተዅሲ ደው ንምባልን ነቲ ወሳኒ መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ንምኽፋትን ዝዓለመ ሓሙሽተ ነጥብታት ዝሓዘ ውጥን ሰላም ኣቕሪበን ኣለዋ።

    እዚ ዲፕሎማስያዊ ድፍኢትዚ ድሕሪ’ቲ በይጂን ንኲናት ዝሃበቶ ወግዓዊ ምላሽ ትሑት እዩ ጸኒሑ።

    እቲ ውጥን ሰላም ዝተነድፈ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፓኪስታን ነዚ ግጭት ደው ንምባል እታ ሃገር ንዘተ እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ ደገፍ ቻይና ክሓትት ናብ በይጂንግ ድሕሪ ምጋሹ እዩ።

    ጻዕሩ ዝሰርሐ ይመስል ድማ፡ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና፡ ክልቲኦም “ንሰላም ዝጕስጕስ ሓድሽ ጻዕርታት” ይገብሩ ከም ዘለዉ ገሊጹ።

    እቲ ሓባራዊ መግለጺ፡ “ንግርጭታት ንምፍታሕ እቲ እንኮ ግብራዊ ኣማራጺ” ዘተን ዲፕሎማሲን ምዃኑ ብምንጻር፡ እቲ ዝተዓጽወ መጻብቦ ሓዊሱ መስመራት ማይ ውሕስነቱ ክረጋገጽ ይጽውዕ።

    እዚ ቅልውላው እንተቐጺሉ፡ እታ ከም ፋብሪካ ዓለም ኮይና እተገልግል “ኢንዱስትርያዊት ልቢ” ተባሂላ እትግለጽ ቻይና፡ ኣብ ዝተናውሐ ክትጽሎ ከም እትኽእል ስግኣት ኣሎ።

    ቍጠባዊ ኵነታት ቀንዲ ድርኺት ተበግሶ ሰላም ቻይና’ዩ።

    ፕረዚደንት ሺ ጂንፒን፡ እቲ ሕጂ ተጸልዩ ዘሎ፡ ኣብ ዓለማዊ ንግድን ርጉእ ዋሕዚ ጸዓትን ኣመና ዝምርኮስ ውሽጣዊ ቍጠባ ኣብ ምሕያል ዘተኮረ እዩ።

    ቻይና ኣብ ዓለም ዝዓበየት ኣምጻኢት ዘይተጻረየ ነዳዲ ብምዃና፡ ንኢንዱስትርያዊ ንጥፈታታ ከሰናኽል ንዝኽእል ቅልውላው ጸዓት ብፍሉይ ተቓላዒት’ያ።

    ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ቅልውላው ንሰንሰለት ቀረብ ስርሓት ቻይና ንዝዀኑ ኣቝሑ፡ እንተላይ ኤሌክትሮኒክስ፡ ሰሚኮንዳክተራትን ኤሌክትሪክ ተሽከርከርትን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ።

    ካብዚ ሓሊፉ ማእከላይ ምብራቕ ንቻይና -ንሰደድን ፕሮጀክትታት ትሕተ ቅርጽን - ካብ መጽረዪ ማይ ጨው ክሳብ ህንጸት ሓይሊ ኤሌክትሪክ - ኣገዳሲ ዕዳጋ ኰይኑ ጸኒሑ እዩ።

    ቻይና ኣብዚ ተራ ሽምግልና ብምእታዋ፡ ንምምሕዳር ኣመሪካ ከም ግብራዊት ኣማራጺት ትቐርብ ከም ዘላ እዩ ዝግለጽ።

    ቤጂንግ ነቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ቍጠባዊ ምትእስሳራ ተጠቒማ ምስ መሓዙትን መወዳድርትን ኣመሪካ ዝምድናታት ትሕሉ፤ ንኣብነት ቻይና ቀንዲ መሻርኽቲ ንግዲ ኢራን ኰይና ኣስታት 80% ካብ ነዳዲኣ ትዕድግ።

    እዚ ናይ መወዳእታ ተበግሶ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝረኸበቶ ዲፕሎማስያዊ ዓወታት ዝተሃንጸ ኰይኑ፡ ቻይና ኣብ 2023 ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን ኢራንን ዝምድና ንምምላስ ብመንጐኝነት ሰሪሓ ነይራ።

    ኣብ መንጎ 14 ውድባት ፍልስጤም እውን ዝርርብ ንምእንጋድ ጻዕሪታት ኣካይዳ እያ።

  18. ኢራን፡ ወሽመጥ ሆርሙዝ ክኽፈት ከሎ ንኣመሪካ፡ እስራኤልን መሓዙተንን ከም ዝዕጾ ኣፍሊጣ

    ኢራን፡ መጻብቦ ሆርሙዝ ከም ዝኽፈት፤ ንኣመሪካ፡ እስራኤልን ደገፍተንን ግን ክዕጾ ምዃኑ ፕረዚደንት ኢራንን ሓላፊ ኮሚተ ሃገራዊ ድሕነት’ቲ ባይቶን ገሊጾም።

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ምስ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ድሕሪ ሒደት ሰሙናት ክዛዘም ምዃኑ ኣብ ዝገለጸሉ ዘሎ እዋን፡ ፕረዚደንት ኢራን ማሱድ ፔዜኪያን፡ መጻብቦ ሆርሙዝ ን“ጸላእትን ደገፍቶምን” ተዓጽዩ ክጸንሕ ምዃኑ ገሊጹ።

    ሓላፊ ኮሚቴ ሃገራዊ ድሕነት ባይቶ ኢራን ኢብራሂም ዓዚዝ’ውን እቲ መስመር ንኻልኦት ሃገራት ክኽፈት’ኳ እንተዀነ ንኣመሪካ ግን ክዕጾ ምዃኑ ገሊጹ።

    ፕረዚደንት ፔዜሽኪያን ምስ ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ኤውሮጳ ኣንቶንዮ ኮስታ ብዛዕባ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ ዝገበሮ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ፡ ብዘይካ ኣመሪካን እስራኤልን ነቲ ኲናት ዝደገፋ ሃገራት ብመጻብቦ ሆርሙዝ ክሓልፋ ከም ዘይፍቀደለን መንግስታዊ ማዕከን ዜና ኢርና ጸብጺቡ።

    እቲ ፕረዚደንት፡ እቲ ካብ ወሽመጥ ፋርስ ብዝሒ ነዳድን ጋዝን ዝሓልፈሉ መጻብቦ ሆርሙዝ፡ ንኣመሪካን እስራኤልን ከምኡ’ውን ንደገፍተን ተዓጽዩ ክቕጽል ምዃኑ ኣስሚሮምሉ።

    በዓል ስልጣን ፓርላማ ኢራን ኢብራሂም ዓዚዝ’ውን ኣብ ኤክስንፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ “መጻብቦ ሆርሙዝ ብርግጽ ክኽፈት’ዩ፤ እንተዀነ ንዓኹም ክዕጾ’ዩ፤ ነቶም ሓድሽ ሕጊ ኢራን ዘኽብሩ ክፉት ክኸውን’ዩ፡” ኢሉ።

    እቲ በዓል ስልጣን ወሲኹ “ኣብ መወዳእታ ትራምፕ ‘ናይ ስርዓት ለውጢ ንክመጽእ ገይሩ'ዩ፤ እዚ ለውጢ ግን ኣብ ምጥቃም መስመራት ባሕሪ እቲ ዞባ ዝመጽአ’ዩ” ክብል ነቲ ኢራን ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ዘውጽኣቶ ሓድሽ ሕጊ ጠቒሱ።

    ኮሚቴ ሃገራዊ ድሕነት ባይቶ ኢራን ብኑይ ንመጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቁጽጽር መንግስቲ ኢራን ዘእቱን ብእኡ ዝሓልፋ መራኽብ ንኢራን ክኸፍላ ዝጠልብን ሕጊ ከም ዘጽደቐ ማዕከን ዜና ፋርስ ሓቢሩ።

    ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፕረዚደንት ትራምፕ ምስ ኢራን ንምዝርራብ ዝዓለመ 15 ነጥብታት ዝሓዘ ውጥን መጻብቦ ሆርሙዝ ኣህጉራዊ ናጻ ንግዳዊ ዞባ ክኸውን ዝጽውዕ ውጥን ኣካቲቱ ነይሩ።

    ኣመሪካን መሻርኽታ ማእከላይ ምብራቕን ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ንጽልዋ ኢራን ብዓቢኡ ክድርትኦ ክደልያ እንከለዋ፡ ኢራን ግን ኣብ ልዕሊ እቲ መሕለፊ ዘለዋ ቁጽጽር ትሕሉ ኣላ።

  19. ፕረዚደንት ኢራን፡ ኲናት ደው ንምባል ዳግም መጥቃዕቲ ከም ዝፍጸም መተኣማመኒ ክቐርብ ኣለዎ ኢሉ

    ፕረዚደንት ኢራን ማሱድ ፔዜሽኪያን፡ ገለ ቅድመ ኩነታት እንተተማሊኦም፡ ሃገሩ ምስ ኣመሪካን እስራኤልን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደው ንምባል "ኣድላዪ ቅሩብነት" ከም ዘለዋ ተዛሪቡ።

    እቲ ፕረዚደንት ምስ ፕረዚደንት ባይቶ ኤውሮጳ ኣብ ዝገበሮ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ እዩ ነዚ ርእይቶ ሂቡ።

    "ኣድላዪ ቅድመ ኩነት ክሳብ ዝተማልአ፡ ብፍላይ ድማ መጥቃዕቲ ንከይድገም ንምልኻል ዘኽእል መተኣማመኒ እንተተማሊኡ፡ ነዚ ጎንጺ ደው ንምባል ዘኽእል ኣድላዪ ተበግሶ ኣለና፡" ኢሉ።

    ፔሽኪያን፡ “ብዝዀነ መገዲ ዝግበር ኢድ ኣታውነት ሓይልታት ወጻእ ኣብቲ ዞባ ልዑል ሓደጋ ከም ዝህልዎ፡" ካብ ቤት ጽሕፈቱ ዝወጽአ መግለጺ ኣጠንቂቑ።

    እቲ ፕረዚደንት ወሲኹ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝኽተልኦ “ኣዕናዊ መገዲ” እውን ብኣህጉራዊ ሕግን ሃናጽን ሞያውን ዝምድናታትን ዝተመስረተ ፖሊሲታትን ክትክእኦ ከም ዘለወን ሓቢሩ።

    ኢራን ልኡላውነት ጎረባብታ ከም እተኽብርን ናይ ምጥቃዕ ዓላማ ከም ዘይብላን እውን ተዛሪቡ ተባሂሉ ኣሎ።

    "ኣብ ገለ ካብዘን ሃገራት ዝርከባ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካ ንኢራን ንምጥቃዕ ይውዕላ ኣለዋ፤ እተን ሃገራት ድማ ከምዚ ዓይነት ተግባራት ንምክልኻል ዘለወን ሓላፍነተን ኣይፈጸማን፡" ኢሉ።

    ፔዘሽክያን ወሲኹ፡ “ኣመሪካ ብፍጹም ኣብ ዲፕሎማሲ ኣይትኣምንን እያ። ኢራን ሕጋዊ መሰል ርእሰ-ምክልኻል ኣለዋ፡" ይብል እቲ መግለጺ።

    ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ኤውሮጳ ኣንቶንዮ ኮስታ፡ ድሕሪ’ቲ ብቴለፎን ዝተገብረ ዝርርብ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኩነታት ማእከላይ ምብራቕ “ኣዝዩ ሓደገኛ” ክብል ገሊጽዎ።

    እቲ ዝርርብ፡ ኢራን ነቲ ወጥሪ ከተቃልልን ካብ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክትቑጠብን ጻውዒት ንምቕራብ ዝዓለመ ምንባሩ'ዉን ሓቢሩ።

    ብተወሳኺ “ሲቪላዊ ትሕተ ቅርጺ ሓለዋ ክግበረሎም” ከምኡ’ውን “ኩሎም ወገናት ኣህጉራዊ ሕጊ ከኽብሩ፡” ጸዊዑ።

    "ነቲ ኩነታት ንምህዳእ ኢራን ኣብ ልዕሊ ሃገራት እቲ ዞባ እትፍጽሞ ዘይቅቡል መጥቃዕቲ ደው ከተብሎን ብዲፕሎማስያዊ መገዲ ብእወንታ ክትዋሳእን እላቦ፡" ኢሉ።

    ብተወሳኺ ኢራን ብመጻብቦ ሆርሙዝ ናይ ምጉዓዝ ናጽነት ንምርግጋጽ ምስ ሕቡራት ሃገራት ክትሰርሕ ጸዊዑ።

  20. ትራምፕ፡ ምስ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ ውሽጢ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ሰሙን ክውዳእ'ዩ ኢሉ

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝኸፈተቶ ኲናት፡ ድሕሪ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ሰሙን ዘሎ ግዜ ከም ዝውዳእ ገሊጹ።

    ምስ ኢራን ኣብ ስምምዕ ምብጻሕ እቲ ኲናት ንምውዳእ ቅድመ ኩነት ከም ዘይኰነ እውን ሓቢሩ።

    ትራምፕ ትማሊ ኣብ ዋይት ሃውስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣመሪካ ምስ ኢራን እትገብሮ ኲናት “ኣብ ቀረባ እዋን” ከም ዘብቅዕ ብምምልኻት፡ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ኣመሪካ “ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ሰሙን” ኣብ ዘሎ ግዜ ክዛዘም እዩ ክብል ተሰሚዑ።

    ብመሰረት እቲ ፕረዚደንት፤ ኣመሪካ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ምስ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ምጅማራ ኣብ ዘቐመጠቶ ዕላማ በጺሓ እያ።

    እቲ ቀንዲ ዕላማ፡ ኢራን ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ንምምዕባል ዘለዋ ዓቕሚ ምድራት ምዃኑ ዝገለጸ ትራምፕ፡ ኣመሪካ ሕጂ “እቲ ስራሕ ትውድኦ ኣላ” ኢሉ።

    ብተወሳኺ ኣመሪካ ንሰማያት ኢራን ትቆጻጸሮ ከም ዘላን ናይ ስርዓት ለውጢ ብቕትለት ሓያሎ ላዕለዎት ፖለቲካውን ወተሃደራውን መራሕቲ ከም ዝተረጋገጸን ገሊጹ።

    እቶም ሓደስቲ መራሕቲ ኢራን ካብቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ መራሕቲ "ኣዝዮም ዝተለሳለሱ"ን "ዝያዳ ርትዓውያንን" ክብሉ ገሊጽዎም።

    ንሱ፡ መራሕቲ ኢራን ነቲ ኲናት ዘብቅዕ ስምምዕ ክግበር ንኣመሪካ “ይልምኑዋ” ከም ዘለዉ፡ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ኢራን ዝነጸገቶ ርእይትኡ ደጊሙ።

    ትራምፕ፡ እቲ ኲናት ሕጂ’ውን ምስ ኢራን ስምምዕ ከይተገብረሉ ክዛዘም ከም ዝኽእል ገሊጹ።

    “ኢራን ግድን ውዕል ክትገብር የብላን። ምሳይ ውዕል ክገብሩ ኣየድልዮምን’ዩ፡” ኢሉ።

    ብፓኪስታን ኣቢሉ ናብ ኢራን 15 ነጥብታት ዝሓዘ እማመ ስምምዕ ዝለኣኸ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ቴህራን ነተን ነጥብታት እንተዘይተቐቢላ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክሕይል'ዩ ክብል ኣፈራሪሑ።

    ቀንዲ ነጥብታት ናይቲ ውጥን ኢራን ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ከም ዘይህልዋ መብጽዓ ክትኣቱ ምግባርን ኩሉ ምንቅስቓሳት ምህብታም ዩራንየም ምቁራጽን ዝብሉ ይርከብዎም።

    ምሉእ ምኽፋት መጻብቦ ሆርሙዝ እውን ኣካል ናይቲ ስምምዕ እዩ።

    ምዕጻው እቲ ኣስታት 20 ሚእታዊት ካብ ነዳዲ ዓለም ዝሓልፈሉ ኣገዳሲ መስመር መራኽብን ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ ትሕተ ቅርጺ ጸዓት ዘስዓቦ ዕንወትን፡ ዋጋታት ነዳዲ ክውስኽ ተራእዩ'ዩ።

    ትራምፕ፡ ኣመሪካ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ምውሳድ ደው ምስ ኣበለት፡ ኣብ ልዕሊ ዋጋ ነዳዲ ዝተፈጥረ ጸቕጢ ከም ዝሃድእ ተዛሪቡ።