እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንሜላንያ ምስ ትራምፕ ዘራኸባ ኤፕስተይን ድዩ፡ ብዛዕባ'ዚ እንታይ ኢላ?
ቀዳመይቲ እመቤት ሜላንያ ትራምፕ ምስ ጀፍሪ ኤፕስተይን ዝዀነ ይዅን ምትእስሳር ከም ዘይነበራ ብምግላጽ፡ ምስ ክልተኦም ዘተኣሳስር ዝዀነ ይዅን ጥርዓን "ሎሚ ከብቅዕ ኣለዎ" ክትብል ኣብ ዋይት ሃውስ ንዝነበሩ ጋዜጠኛታት ገሊጻ።
ኣብቲ ብሓሙስ ዝሃበቶ ትጽቢት ዘይተገብረሉ መግለጺ፡ እታ ቀዳመይቲ እመቤት ነተን ካብ ናይ ኤፕስተይን ገበን ጾታዊ ንግዲ ዝደሓና ደቀንስትዮ፡ ኣብ ኮንግረስ ክስማዓ ዕድል ክወሃበን ብምባል ንፍትሒ ጸዊዓ።
ኤፕስተይን ምስ ዶናልድ ትራምፕ ከም ዘላለያ ዝዝርጋሕ ዘሎ ናይ ኢንተርነት ወረታት'ውን፡ "ስመይ ንምጽላም ዝተገብረ እኩይ ፈተነ እዩ፡" ብምባል ነጺጋቶ።
ነዚ መግለጺ ክትገብር እንታይ ከም ዝደረኻ ንጹር ኣይኰነን። ካብ ቤትጽሕፈታ ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ ኤፕስተይን መግለጺ ክትህብ ምዃና ዝሕብር ዝዀነ ምልክት ኣይነበረን። ዋይት ሃውስ'ውን መግለጺ ክትህብ ኣብ ዕለታዊ መደብ ክተሓዝ እንከሎ፡ ብዛዕባ ምንታይ ምዃኑ ኣይፈለጠን ነይሩ።
ንሳ ግዳይ ኤፕስተይን ከም ዘይነበረት እሞ ከኣ ኣብ ዓመት 2000 ጥራይ ንሓጺር ግዜ "ከም ዝተራኸቡ" ገሊጻ።
"ኤፕስተይን ኣብ ልዕሊ ግዳያቱ ብዛዕባ ዝፈጸሞ ግፍዒ ዝዀነ ይዅን ኣፍልጦ ኣይነበረንን፡" ድሕሪ ምባላ፡ "ብዝዀነ ይዅን ዓቐን ኢድ ኣይነበረንን፣ ተሳታፊት'ውን ኣይነበርኩን፡" ኢላ።
ነታ ከም መሻርኽቲ ኤፕስተይን እትግለጽ ኣብ ማእሰርቲ እትርከብ ጊስለን ማክስወል'ውን ከም ዘይትፈልጣ ነጺጋ።
ኣብቲ ዝተዘርግሐ ፋይላት ኤፕስተይን፡ ኣብ መንጎኣን ማክስወልን ኣብ 2002 ዝተገብረ ኢመይል ብምጥቃስ፡ እቲ ኢመይል "ንቡር ናይ መልእኽቲ ልውውጥን ትሕትና ዝመልኦ መልስን፡" ጥራይ ምንባሩ ገሊጻ።
እቲ ንሳ ዝጠቐሰቶ ዝመስል ኢመይል፡ ናብ "G" (ምናልባት ንጊስለን) ዝተላእከ ኰይኑ፡ ኣብ መጽሔት ኒውዮርክ ብዛዕባ "JE" ዝወጽአ ጽሑፍን ምስኡ ዝነበረ ናይ G ስእልን ዝንእድ ትሕዝቶ ነበሮ።
ናብ ፓልም ቢች ንምኻድ "ተሃዊኸ ኣለኹ" ክትብል ድማ ጽሒፋ ነይራ። እቲ ኢመይል "ናብ ኒውዮርክ ምስ ተመለስኪ ደውልለይ፤ ጽቡቕ ግዜ ይግበረልኪ! ዘፍቅረኪ፡ ሜላንያ፡" ይብል።
እቲ ጽሑፍ መጽሔት ኒው ዮርክ፡ ዶናልድ ትራምፕ ንኤፕስተይን "ብሉጽ ሰብ" ከምኡ'ውን "ምስኡ ምዃን ኣዝዩ የዘናጋዕ እዩ፡" ዝበለሉ ቃላት ኣጠቓሊሉ ዝወጽአ እዩ።
እቲ ጽሑፍ፡ ንትራምፕ ብዝገልጽ መልክዑ፡"ከምቲ ኣነ ጽቡቓት ኣዋልድ ዝፈትዎ ከም ዝፈቱ - ብሕልፊ ድማ ንእስ ዝበላ - ፡" ከም ዝብል ይገልጽ። "ኤፕስተይን ብማሕበራዊ ህይወቱ ከም ዝሕጐስ ጥርጥር የሎን፡" ዝብል'ውን ኣለዎ።
ሜላንያ ትራምፕ ብተወሳኺ፡ እተን ግዳያት ኣብ ቅድሚ ኮንግረስ ቀሪበን ብማሕላ ምስክርነተን ክህባ ብሓገግቲ ኣካል ዕድል ክወሃበን ጸዊዓ።
"ነፍሲወከፍ ጓለንስተይቲ እንተ ደልያ ዛንታኣ ንህዝቢ ክትነግር ዕድል ክወሃባ ኣለዎ። ምስክርነታ ድማ ኣካል መዝገብ ኮንግረስ ክኸውን ኣለዎ፡" ኢላ። "ሽዑ፡ ሽዑ ጥራይ ኢና ድማ ናብ ሓቂ ክንበጽሕ እንኽእል።"
ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ፡ ምስ ኤፕስተይን ዘለዎም ምትእስሳር ዝገልጽ ሓድሽ ዝርዝራት ምስ ወጽአ፡ ሓያሎ ላዕለዎት ሃብታማት ካብ መዝነቶም ክለቁ ተገዲዶም እዮም። ሜላንያ ትራምፕ ድማ ኣብ ዘረባኣ ነዚ ነጥቢ እዚ ጠቒሳቶ እያ።
"እዚ ማለት ገበነኛታት እዮም ማለት ኣይኰነን፣ ሓቂ ንምውጻእ ግን ብግሉጽነት ክንሰርሕ ኣለና፡" ኢላ። ንሕቶታት ጋዜጠኛታት ግን ኣይመለሰትን።
ንሳ ዘረባኣ ምስ ወድአት ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣብ ሽማግለ ቍጽጽር ቤትምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ሓያል ጽልዋ ዘለዎ ደሞክራት ሮበርት ጋርሲያ፡ "ምስቲ ሜላንያ ትራምፕ ዘቕረበቶ ናይ ህዝባዊ ሳምዕ ጻውዒት ንሰማማዕ ኢና፡" ዝብል መግለጺ ኣውጺኡ።
እታ ቀዳመይቲ እመቤት ምስ ደራሲ ማይክል ዎልፍ እውን ናይ ሕጊ ክርክር ኣለዋ። ኣብ "Fire and Fury" ዝተባህለ መጽሓፉ፡ መላንያ ምስ ሰብኣያ ዝተላለየት ብመንገዲ ምስ ኤፕስተይን ምትእስሳር ዘለዎ ናይ ሞደሊንግ ወኪል ኣቢላ ምዃና ገሊጹ ነይሩ።
ሜላንያ ብናይ 1 ቢልዮን ዶላር ናይ ስም ምጽላም ክሲ ምስ ኣፈራርሓቶ፡ ዎልፍ ብወገኑ ክሲ መስሪቱላ ኣሎ።
"ኣነን ጠበቓታተይን ነዚ መሰረት ዘይብሉ ሓሶት ብዓወት ተቓሊስናዮ ኢና፣ ንመጻኢ'ውን ስመይ ንምክልኻል ድሕር ኣይክንብልን ኢና፡" ክትብል ብሓሙስ ገሊጻ።
እዚ ሜላንያ ኣብ ዋይት ሃውስ ዝሃበቶ መግለጺ፡ እታ ብዓልቤታ ዳግማይ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ብዙሕ ዘይተራእየትን ግን ከኣ ሓያል ጽልዋ ከም ዘለዋ እትግለጽን ቀዳመይቲ እመቤት፡ ካብቲ ሳሕቲ ናብ ህዝቢ ዝቐረበትሉ ግዜ ኰይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።
እዚ መግለጺኣ፡ ኣብቲ ምኒስትሪ ፍትሒ ኣብ ልዕሊ ኤፕስተይን ዝገበሮ መርመራን ድሕሪኡ ፋይላት ዝተዘርግሓሉ ኣገባብን ዳግማይ ርሱን ህዝባዊ ክትዓት ክፈጥር ተኽእሎ ኣለዎ።
ዶናልድ ትራምፕ ንኤፕስተይን ንዝተወሰነ ግዜ ይፈልጦ ከም ዝነበረ እኳ እንተ ኣመነ፡ ጸኒሑ ግን "ዘይጥዑይ" ብምዃኑ ካብቲ ኣብ ፓልም ቢች ዘሎ ማር-ኣ-ላጎ ክለቡ ከም ዝሰጐጎ ገሊጹ እዩ።
ስም ናይቲ ፕረዚደንት ኣብ ፋይላት ኤፕስተይን ሓያሎ ግዜ ተጠቒሱ እኳ እንተ ሃለወ፡ ዝዀነ ገበን ከም ዝፈጸመ ዘርኢ ምልክት ግን የሎን።