እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ህወሓት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንስልጣን ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ ምንውሑ ተቓዊሙ
ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ሎሚ ኣብ ፌስቡክ ገጹ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዕድመ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ምንውሑ ንውዕል ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝጥሕስ'ዩ ብምባል ተቓዊምዎ።
ኣብቲ መግለጺ እቲ ንሰለስተ ዓመታት ዝጸንሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ "ብመሰረት እቲ ስምምዕ ዘቐመጦ ብዝርርብ ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተጣየሸ'ዩ" ኢሉ።
ብምስዓብ "እንተዀነ ግን መንግስቲ ኢትዮጵያ መቐጸልታ እቲ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ብምጥሓስ ክፍጽሞም ዝጸንሐ ተግባራት፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብዝወጸ ሕግን ነቲ ስምምዕ ምሉእ ብምሉእ ብምጥሓስን ንሓደ ዓመት ክናዋሕ" ምውሳኑ ተቓዊሙ።
ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ዕድመ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምንውሑ፡ "ክልተኣዊ ፖለቲካዊ ዝርርብ ኣሰማማዕቲ ኣካላት ዘይተገበረሉን ካብ ኣፍልጦን ተሳትፎን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ወጻኢ ዝተመሓለፈን በይናዊ ውሳነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምዃኑ ንመላእ ህዝብና፡ ኣደራደርቲ ስምምዕ ፕሪቶርያን ማሕበረሰብ ዓለምን ከነፍልጥ ንፈቱ" ኢሉ።
ዕድመ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንሓደ ዓመት ከም ዝተናውሐ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ብሰሉስ'ዩ ኣፍሊጡ።
ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት እቲ ንሓደ ዓመት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ናይቲ ክልል ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምኻድ ምስ ሰበስልጣን ፌደራላዊ መንግስቲ ክዘራረብ ምቕናዩ ፀብፃባት ይሕብሩ።
ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ብምርኻብ ናይ ሓደ ዓመት ጸብጻብ ኣፈጻጽማ ስራሕ ከም ዘቕረበ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።
ነቲ ዝቐረበ ዓመታዊ ገምጋም ኣመልኪቱ ብመንግስታዊ ሚድያታት ፌዴራል ዝቐረበ ፀብፃብ፡ ዘዘራርብ ዘሎ ዀይኑ፡ እቲ ፕረዚደንት ንካቢኔ እቲ ቀዳማይ ሚኒሰተር ዘቕረቦ ፀብፃብ፡ ዛጊድ ንህዝቢ ዕላዊ ኣይኰነን።
እቲ ጀነራል ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ብዕጡቓት ካብ ሓላፍነቱ ንዝተኣለየ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብምትካእ፡ ብምርጫ ህወሓት እዩ ስልጣን ሒዙ። እንተዀነ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ነበርቲ'ቲ ክልል ኣብ ሻቕሎትን ጭንቅን እዮም ኣሕሊፎምዎ።
ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኰይኑ ዝሰርሕ ዘሎን ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ትግራይ ተሪር ነቐፌታ ከቕርብ ዝስማዕን ጌታቸው'ውን፡ ኣብቲ ኣብ ኣዲስ አበባ ምስ ሰበስልጣን ትግራይ ዝተኻየደ ርክብ ተሳቲፉ ነይሩ።
ኣብ መንጎ ኣዲስ ኣበባን መቐለን ወጥሪ ሰፊኑ ከምዘሎ ይንገር።
ብወገን ሰብ-መዚ ትግራይ፡ ስሩዕ ባጀታዊ ደገፍ ካብ ፈደረላዊ መንግስቲ ብዘይምርካቦም እኹል ኣገልግሎት ንህዝቢ ክህቡ ከምዘይክኣሉ'ዮም ክዛረቡ ጸኒሖም።
መራሕቲ'ቲ ሕጋዊ ሰብነቱ ካብ ዝስእን ዓመቱ ዝሓለፎ ህወሓት፡ ምስ ኤርትራ ዘካይድዎ ዘለዉ ርክብ፡ ንሰብ-መዚ ፌደራል ባህ ዘበለ ኣይኮነን።
ኢትዮጵያ ኣብ ዝመጽእ ግንቦት መበል 7ይ ሃገራዊ መረጻ ንምክያድ ኣብ ምድላው ትርከብ።
እታ ንልዕሊ ሽድሽተ ዓመታት ኣብ ሃገራዊ ባይቶታት ውክልና ዘይብላ፡ ብሰንኪ ኲናት ዝዓነወት ክልል ትግራይ፡ ሕጂ'ውን ካብዚ ሃገራዊ መስርሕ ወጻኢ እያ ዘላ።
እዚ ከምዚ እናሃላወ እዩ፡ መንግስቲ ፌዴራል ንስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብሓደ ዓመት ኣነዊሑዎ ዘሎ።