መጻብቦ ሆርሙዝ ብኸመይ ሓያል 'ኣጽዋር' ኢራን ኰይኑ?

ንባብ: 4 ደቓይቕ

ድሕሪ'ቲ ን40 መዓልታት ዝተኻየደ ግጭት ኢራንን ኣመሪካ-እስራኤልን፡ ሓደ ዘገርም መደምደምታ እዩ ተቐልቂሉ ወጺኡ፤ ኢራን ዝያዳ ብመንገዲ ኒዩክለሳዊ ዓቕሚ ዘይኮነስ፡ ነቲ ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ዘለዎ መጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ ምቍጽጻር ዘለዋ ዓቕሚ ብዘግሃደ መልክዕ።

ኣብ ምጅማር እቲ ኲናት፡ ንቐንዲ ቦታታትን መራሕትን ኢራን ዒላማ ዝገበረ ከቢድ ደብዳባት ብምግባር ለውጢ ስርዓት ንምስግዳድ ዝግበር ፈተነ ምዃኑ ብሰፊሑ ክትረኽ ጸኒሑ እዩ።

ኢራን ግን ኣብ ልዕሊ መሻርኽቲ ኣመሪካ ዝዀና ሃገራት ወሽመጥ፡ መጥቃዕቲ ሚሳይላትን ድሮናትን ኣዕሊባ፤

እቲ ተጻብኦታት እናገደደ ድሕሪ ምኻዱ ድማ፡ ኣተኵሮኣ ናብቲ ንወሽመጥ ፋርስ ምስ ዓለማዊ ዕዳጋታት ዘራኽብ ጸቢብ መስመር ማይ ብምዛር፡ ምንቅስቓስ መራኽብ ክትዘርግን ክትዓግትን ክኢላ።

እዚ ስጕምቲ እዚ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካን እተን ብመንገዲ እቲ መጻብቦ ብዝሓልፍ ዘየቋርጽ ዋሕዚ ነዳድን ጋዝን ዝምርኮሳ መሻርኽታን ብቕጽበት ዓቢ ጸቕጢ ፈጢሩ።

ሰበስልጣን እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ነዚ መስመር'ዚ ምቍጽጻር ካብቲ ንቡር ወተሃደራዊ ምዕባለ ብዝዓበየ መልክዕ ስትራተጂያዊ ረብሓ ከምጽእ ከም ዝኽእል ብግቡእ ተገንዚቦምዎ እዮም።

ኢራን ንዓለምለኻዊ ቀረብ ጸዓት ኣብ ሓደጋ ብምእታው፡ ዋሽንግተን ዳግማይ ክትሓስበሉ ኣገዲዳታ፤ ኣብ መወዳእታ ድማ ዳግማይ ምኽፋትን ምርግጋጽ ድሕነትን መስመር ማይ ከም ቅድመ ኵነት ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ኰይኑ ቀሪቡ።

ኢራን፡ መጥቃዕቲ እንተበጺሑዋ ጥራይ ነቲ መጻብቦ ክትዓጽዎ ምዃና ከተፈራርሕ እኳ እንተነበረት፡ ቅድሚ ሕጂ ግን ብኸምዚ ኣገባብ ምሉእ ብምሉእ ዓጽያቶ ኣይትፈልጥን። ኣብ እዋን ኲናት ኢራን-ዒራቕን 1980-1988 እውን እንተዀነ፡ መራኽብ ነዳዲ ኣብ ዝጥቃዓሉ ዝነበራ እዋን'ውን ብኸምዚ ናይ ሕጂ ኣይዓጸወቶን።

ሕጂ ግን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሰበስልጣንን ኢራን ብዛዕባ ኣብ መጻኢ ዝግበር ምቍጽጻር ኢራን ኣብ ልዕሊ እቲ መጻብቦ ብዕቱብ ይዛተዩ ኣለዉ። ባይቶ ኢራን ብፍላይ ድማ ኮምሽን ሃገራዊ ድሕነት እታ ሃገር፡ ኣብ ልዕሊ እተን ብእኡ ዝሓልፋ መራኽብ ክፍሊት ክሓትት ዝብል እማመ ኣዳልዩ ኣሎ።

ሓደ ኣባል ባይቶ፡ ኢራን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝተጓዕዘ ሰለስተ በርሚል ነዳዲ ሓደ ዶላር ክትሓትት ከም እትኽእል ሓሳብ ኣቕሪቡ።

ምስሊ ዓወት

መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን፡ ድሕሪ እቲ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል፡ ምስሊታት ዓወት ኣንቢረን ኣለዋ።

ኤምባሲ ኢራን ኣብ ኩዌት፡ "ዓወት ኣላህ ምስ መጸን እቲ ስዕረትን" ዝብል ኣርእስቲ ዝተዋህቦ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ነበር ዘርኢ ቪድዮ ለጢፉ። ኣብ ውሽጢ ኢራን ዘሎ ናይቲ - እታ ሃገር ንጸቕጢ ባዕዳዊ ሓይሊ ብዓወት ከም ዝመከተት - ዘርኢ ሰፊሕ ትረኻ ዘንጸባርቕ እዩ።

ምስ ሓለዋ ሰውራ እታ ሃገር ምትእስሳር ዘለዋ ማዕከን ዜና 'ፋርስ ኒውስ'፡ "እቲ ውጥን ምቍራጽ ተዅሲ፡ ምልዓል እገዳ፣ ካሕሳ ብኲናት ዝወረደ ዕንወት፣ ምንስሓብ ሰራዊት ኣመሪካን ዘጠቓልል'ዩ" ብምባል ነቲ ምዕባለ ኣቃሊሓቶ።

ላዕለዎት ሰበስልጣን ኢራን ነዚ ስምዒት የቃልሑ ኣለዉ። ምክትል ፕረዚደንት ኢራን ዝሃቦ መግለጺታት፡ ነቲ ተዅሲ ደው ምባል ከም ዓወት "ሰረተ እምነት ኻሜነይ" - ነቲ ኣብ መጀመርታ መዓልታት ኲናት ዝተቐትለ ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ እታ ሃገር ነበር ዓሊ ኻሜነይ - ዘንጸባርቕ ምዃኑ ጠቒሱ።

ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ሓላፊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ነበርን ኣማኻሪ ሓድሽ መራሒ ኢራንን ሞሕሰን ሬዛይ፡ ሓይልታት ኢራን ኣብ ልዑል ተጠንቀቕ ከምዘለዉን፡ "ኣጻብዕቲ ኣብ ቃታ" ከምዘለዋን ኣጠንቂቑ።

ኣብ ትሕቲ'ዚ ናይ ዓወት መቓልሕ ተኣፋፊ ክውንነት እዩ ዘሎ።

እቲ ኣቐዲሙ ብናይ ዓመታት እገዳ ኣመሪካ ተዳኺሙ ዝጸንሐ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኢራን ርኡይ ክሳራታት ኣጋጢምዎ እዩ።

ኣብቲ ግጭት መብዛሕትኦም ብስለያ ዝተኸሰሱ፣ ገሊኦም ድማ ኣብቲ ኣብ ጥሪ ዝተኻየደ ሃገር-ለኸ ተቓውሞታት ብዝተኣሳሰር ጉዳያት ብውሕዱ 13 ሰባት ተቐቲሎም እዮም።

እዚ ተግባራት እዚ፡ ሰበስልጣን ዳግማይ ቍጽጽር ንምርግጋጽ ዝገብርዎ ዘለዉ ኰይኑ፡ ነቲ ዘሎ ውሽጣዊ ተቓውሞታት ዘንጸባርቕ ምዃኑ ይርአ።

ዳግማይ ምኽፋት እቲ መጻብቦ፡ ቅድሚ እቲ ዘተ ሰላም ቀንዲ ጠለብ ኣመሪካ ዝነበረ እዩ፤ ነዚ ንምዕዋት ግን ቀሊል ኣይነበረን።

ኢራን፡ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ ብዘይ ፍቓድ ኮር ሓለዋ ሰውራ ዝሓልፋ መራኽብ "ዒላማ ተገይረን ክዓንዋ" ምዃነን ኣጠንቂቓ።

ጸሓፊት ፕረስ ዋይት ሃውስ ካሮሊን ሊቪት ድሒራ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ብዛዕባ'ቲ "ዘይቅቡል" ጸብጻባት ከም ዝተሓበረ ብምግላጽ፡ ካብቲ ብውልቂ ዝዝረብ ዘሎ ግን ዝተፈልየ ምዃኑ ገሊጻ።

ምክትል ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ስዒድ ኻጥብዛደ፡ ኢራን በቲ ቅድሚ ኲናት ንዘመናት ክፉት መተሓላለፊ መስመር ዝነበረ መጻብቦ ንዝሓልፋ መራኽብ "ውሑስ ምትሕልላፍ ክህልወን ውሕስነት ክትህብ እያ" ክብል ብሓሙስ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ይዅን እምበር፡ እዚ ዳግመ ምኽፋት "ኣመሪካ ብጭቡጥ ካብዚ ተጻብኦታት ምስ እትስሕብ" ጥራይ ከም ዝፍጸም ገሊጹ። ዘረብኡ ነቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ እትፍጽሞ ዘላ መጥቃዕቲ ዝኣመተ ድማ ይመስል።

ኻጥብዛደ ኣብ መግለጺኡ፡ ኢራን "ንዓለምለኻዊ ስርዓታትን ሕጊታትን" ምእዝዝቲ ምዃና ብምግላጽ፣ ይኹን እምበር፡ እቲ መጻብቦ ግን ኣብ ዓለምለኻዊ ማያት ከምዘይኰነን፣ ውሑስ ምሕላፍ ኣብ "ሰናይ ድሌት ኢራንን ዖማንን" ዝምርኮስ ምዃኑን ገሊጹ።

እቲ መጻብቦ ብዓለምለኻዊ ሕጊ ባሕሪን ንሲቪላዊ ትራፊክ ባሕሪ ውሑስ ምሕላፍ ንምርግጋጽ ዝዓለመ ውዕል ሕጊ ባሕሪ ሕቡራት ሃገራትን ዝመሕደር እዩ።

ሓደገኛ ቅድመ-ኵነት

ስለዚ፡ ኢራን ቀጺላ እንታይ ክትገብር ትኽእል? እቲ ኣብ ባይቶ ኢራን ቀሪቡ ዘሎ መጻብቦ ንምቍጽጻር ዝቐረበ እማመ ትሽዓተ ነጥብታት ዝሓዘ እዩ።

ሓደ ካብቶም ቀንዲ ድንጋገታት "መራኽብ ጸላኢ ክሓልፋ ኣይፍቀድን" ይብል። ከም ኣማራጺ ድማ ኢራን ኣገልግሎት መሕለፊ ክትህብ፣ ኩባንያታት ብባጤራ ኢራን ክኸፍላን ናይ ኢራን ባንክ ሕሳብ ክሕዛን ትጠልብ። መራኽብ እውን ጽዕነተን ክእውጃ ተገድድ።

ኣዝዩ ዝተሓላለኸ እማመ ኰይኑ ክሳብ ሕጂ ንድምጺ ኣይቀረበን።

ኢራን ብመጻብቦ ሆርሙዝ ንዝሓልፋ መራኽብ ክፍሊት እንተድኣ ኣገዲዳ፡ እቲ ቀንዲ ሕቶ ኣመሪካ፡ ምዕራባውያንን ዞባውያንን መሻርኽታን ይቕበላኦ ዶ ዝብል እዩ ክኸውን።

ኣብ ቀረባ እዋን ዝተዋህበ ግብረ መልሲ ሓያል ተቓውሞ ከምዘሎ ዘመልክት እዩ። ምኽንያቱ፡ ቀንዲ መትከል ኣመሪካን መሻርኽታን ናጻ ምንቅስቓስ መራኽብ ንኽረጋገጽ እዩ። ዝኾነ ስርዓተ ክፍሊት ድማ ሓደገኛ ቅድመ ኵነት ምዃኑ ይግምገም።

ኢራን ኣብዚ መዳይ እንተ ተዓዊታ፡ ንሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ኣዝዮም ኣገደስቲ ዝኾኑ መስመራት ናይ ምቁጽጻር ዓቕማ ዘርኢ ርኡይ ስትራተጂያውን ትእምርታውን ዓወት ክኸውን እዩ።

ይዅን እምበር፡ እቲ ሓደጋ ናይ ከምዚ ዓይነት ስኍምቲ መሓዙት ኣመሪካ፡ ኣባላት ኔቶን ዞባዊ ሓይልታትን ኣንጻር ኢራን ሓቢረን ደው ክብላ ክገብር ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ዝተዋደደ ዲፕሎማስያዊ፡ ቍጠባዊ ወይ ወተሃደራዊ ግብረመልሲ ከስዕብ ይኽእል።