ኣብ ኤርትራ ዝበጽሐ ፍሉይ ወኪል ቻይና ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተራኺቡ

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ፍሉይ ወኪል ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ኤርትራ ብምብጻሕ ምስ መራሕቲ እታ ሃገር ተዘራሪቡ።

ሎሚ ናብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝኣተወ ሁ ቻንግቹን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተራኺቡ'ሎ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ከምዝበሎ፡ ተራ ቻይና ኣብ ዓለምለኻዊን ዞባዊን ጉዳያት ክዓቢ ከምዘለዎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቲ ቻይናዊ ዲፕሎማሰኛ ገሊጽሉ።

"ኣብቲ እናገደደ ዝኸይድ ህውከትን ዘይምርግጋእን ዝርከበሉ እዋን፡ ግደ ቻይና ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለማዊን ዞባዊን ጉዳያት ዝለዓለ ክኸውን ዝግባእ'ዩ" ከምዝበለ፡ ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ጠቒሱ።

ምስ ኤርትራ ዘለዎም ክልተኣዊ ሽርኽነት፡ ኣካል ናይቲ "ኣብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓባራዊ ሰላምን ምርግጋእን ናይ ምድንፋዕ ስትራተጂ ልምዓት" ምዃኑ ኣምባሳደር ቻንግቹን ከምዝተዛረበ'ውን እቲ ብወገን ኣስመራ ዝወጸ ሓበሬታ የመልክት።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ'ውን ኣብቲ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ርክብ ተሳቲፉ ነይሩ።

እቲ ምብጻሕ ኣብቲ ዞባ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያ ወጥሪ ሰፊንሉ ኣብ ዘሎ እዋን'ዩ ናብቲ ዞባ ኣትዩ ዘሎ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ዓበይቲ ሃገራት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወከልቲ ምውፋረን ኣድላይነት ከምዘይብሉ'ዩ ክነቅፍ ጸኒሑ።

ኣብ ሕዳር 2025 ኣብ ግብጺ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ ብሰበብ ምፍታሕ እዚ ሽግራት ዝኣቱ፡ በብእዋኑ "ፍሉይ ልኡኽ" እናተባህሉ ዝስደዱ ዲፕሎማሰኛታትን፡ ዓቐኑ ዝሓለፎ ተገዳስነት ኣብዚ ዞባን ነቲ ኵነታት መመሊሱ ይሓላልኾን ዘይፍታሕ ይገብሮን ከምዘሎ ገሊጹ ነይሩ።

"ካብ ዝዀነ ይዅን ውድብ፡ ዓቢ ይዅን ንእሽቶ፡ ዞባዊ ይዅን ዓለማዊ ሓይሊ ዝዀነ ይዅን ምትእትታው ዝሓትት የለን፡" እንተዀነ እዚ ከምዚ ዝበለ ጉዳይ ንኣዝዩ ነዊሕ ግዜ - ንልዕሊ ን80 ዓመት፡ ክቕጽል ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገርን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ብሄርን ዘሎ ውሽጣውን ከባብያውን ኵነታት፣ ክሓላልኹ እንተዘይኰይኑ ጣልቃ ክኣትዉ ካብኦም ዝድለ ኣይኰነን"።

"ምትሕልላኽ እዞም ጉዳያት ግዳማዊ ምትእትታው ዝፈጠሮ እዩ፣ ዝዀነ ኣካል ልኡኻት - ልኡኻት፡ ልኡኻት፡ ልኡኻት - ክመጹ ዝሓትት የለን፣ ኣብዚ ዞባ ንዘጋጥም ጸገማትን ባዕላቶም ሰብ ጉዳይ ክፈትሕዎ ከም ዝግባእ።"

"ናይ ደገ ልኡኻት ከም ኣማራጺ ኣብ ዝውሰደሉ እዩ ነገራት ዝያዳ ዝተሓላለኹን ንኽፍትሑ ዝያዳ ግዜ ዝወስዱን" ብምባል'ዩ ፕረዚደንት ኣትሪሩ ክምጉት ተሰሚዑ።

ሁ ቻንግቹን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳብ ናብ ዓዲ ሃሎ ብምኻድ ምስቲ ፕረዚደንት ተራኺቡ ምንባሩ ይዝከር።

ሽዑ'ውን በይዢንግ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዘሎ ግጭታት ኣብ ምፍታሕ 'እወታዊ ኣበርክቶ" ክትገብር ከምእትኽእል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቲ ፍሉይ ልኡኽ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ገሊጽሉ ነይሩ። እቲ ቻይናዊ ዲፕሎማሰኛ፡ "ክልተኣዊ ምክብባር፡ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነት ኣብ ምኽባር ዝምርኮስ ምዃኑ" ከምዝተዛረበ'ውን እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።

እቲ ንፈለማ እዋን ፖለቲካዊን ወተሃደራዊ ትምህርቲን ኣብ ቻይና ዝወሰደ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብተዛማዲ ምስ በይዢንግ ዝሓሸ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ከምዝጸንሖ ይፍለጥ። ንዕብየት ቻይና ዘለዎ ሰናይ ትምኒት ብምግላጽን ነቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝካየድ ናይ "ምድራት" ተጻብኦታት ዘለዎ ተቓውሞ ብቕሉዕ ክዛረብ'ዩ ዝስማዕ።

መንግስታዊ ኩባንያታት ቻይና ኣብ ዕደና ኤርትራ ዝዓበየ ተራ ከምዘለወን ይፍለጥ። በይዢንግ'ውን ንብዙሓት ኤርትራውያን ተመሃሮ ናይ ማህደረ ትምህርቲ ዕድላት ብምሃብ ዘለዋ ምስ ኣስመራ ዘለዋ ዝምድና ንምትራር ፈተነታት ከተካይድ ጸኒሓ'ያ።