ካብ ኢሬቻ ክሳብ ዕደና ወርቂ፡ ሕሩያት ኣሳእል ኣፍሪቃ

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣፍሪቃ ኣብዚ ሰሙን ከመይ ትመስል ነይራ? ዝመረጽናልኩም ብሉጻት ኣሳእል እታ ኣህጉር ነዞም ዝስዕቡ ይመስሉ።

ሰንበት ኣብ ማእከላይ ኢትዮጵያ ከተማ ቢሾፍቱ ዝርከቡ ኣባላት ብሄረ ኦሮሞ በዓል ኢሬቻ ይጽብሉ...
መግለጺ ስእሊ, ሰንበት ኣብ ማእከላይ ኢትዮጵያ ከተማ ቢሾፍቱ ዝርከቡ ኣባላት ብሄረ ኦሮሞ በዓል ኢሬቻ ይጽብሉ...
እዚ በዓል ብህዝቢ ኦሮሞ ዝኽበር ዓመታዊ በዓል ምስጋና እዩ...
መግለጺ ስእሊ, እዚ በዓል ብህዝቢ ኦሮሞ ዝኽበር ዓመታዊ በዓል ምስጋና እዩ...
እዞም ሰባት ኣብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ጽምብል ተጸንቢሮም...
መግለጺ ስእሊ, እዞም ሰባት ኣብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ጽምብል ተጸንቢሮም...
ሓደ ካብቶም ባህላዊ ንጥፈታት፡ ንዋካ (ኣምላኽ) ንምምስጋን ሓድሽ ዝተቖርጸ ሳዕርን ዕምባባታትን ኣብ ማይ ምጥሓል የጠቓልል
መግለጺ ስእሊ, ሓደ ካብቶም ባህላዊ ንጥፈታት፡ ንዋካ (ኣምላኽ) ንምምስጋን ሓድሽ ዝተቖርጸ ሳዕርን ዕምባባታትን ኣብ ማይ ምጥሓል የጠቓልል
ሰኑይ ኣብ ጋና ኣብ ዝርከብ ፋብሪካ መጻረዪ ወርቂ ኣብ መስርሕ ምምካኽ፡ ወርቂ ይሓጽብ
መግለጺ ስእሊ, ብሰኑይ ኣብ ጋና ኣብ ዝርከብ ፋብሪካ መጻረዪ ወርቂ ኣብ መስርሕ ምምካኽ፡ ወርቂ ይሓጽብ
ብሰኑይ ኣብ ርእሰ ከተማ ማዳጋስካር ኣንታናናሪቮ፡ ንእሽቶ ቅዳሕ ኣይፍል ታወር ትርአ - 12 ሜትሮ ቁመት ዘለዎ ሞዴል'ያ
መግለጺ ስእሊ, ብሰኑይ ኣብ ርእሰ ከተማ ማዳጋስካር ኣንታናናሪቮ፡ ንእሽቶ ቅዳሕ ኣይፍል ታወር ትርአ - 12 ሜትሮ ቁመት ዘለዎ ሞዴል'ያ
እዚ ኣብ ርእሰ ከተማ ቻድ ኢንጃሚና ዝነብር ሰብኣይ ብታንኳ ካብ ምዝዋር ሓሊፉ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበሮን ምኽንያቱ ከባቢኡ ብሰንኪ ሩባ ቶጎድ ኣዕለቕሊቕዎ ነይሩ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ርእሰ ከተማ ቻድ ኢንጃሚና ዝነብር ሰብኣይ ብታንኳ ካብ ምዝዋር ሓሊፉ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበሮን፡ ምኽንያቱ ከባቢኡ ብሰንኪ ሩባ ቶጎድ ኣዕለቕሊቕዎ ነይሩ
ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ፕረዚደንት ሞሪታንያ መሓመድ ኦልድ ጋዞዋኒ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ቤተ መንግስቲ ቤልቪው ጀርመን ኣብ ዝተረኸበሉ እዋን ሓንቲ ውኻርያ በረኻ ብቅድሚ እቶም ሓለውቲ ትሓልፍ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ፕረዚደንት ሞሪታንያ መሓመድ ኦልድ ጋዞዋኒ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ቤተ መንግስቲ ቤልቪው ጀርመን ኣብ ዝተረኸበሉ እዋን ሓንቲ ውኻርያ በረኻ ብቅድሚ እቶም ሓለውቲ ትሓልፍ