ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝምድናኦም ብኸመይ የዕብዩ ኣለዉ?

ዕጡቓት ሑቲ
Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ምንቅስቓስ ሑቲ የመን ኣንሳር ኣላህ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ጥቓ መጻብቦ ባብ ኤል መንዳብ ዝርከቡ ስትራተጅያዊ ከባቢታት ድሕሪ ምቁጽጻሮም፡ ዝያዳ ዝሓየለ ጽልዋ ዘለዎም ይመስል። እዚ ፍጻመታት እዚ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ኣብ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ሑቲ ዝተራእየ ርኡይ ምዕባለ ዘንጸባርቕ እዩ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ኣብ ስግር ቀይሕ ባሕሪ ህላወን ምትእስሳርን ሑቲ እናሰፍሐ ይኸይድ ከምዘሎ መርትዖታት እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን'ዩ።

ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ወርሒ፡ 'ዘ ሴንቸሪ ፋውንዴሽን' ዝተባህለ ኣብ ኒውዮርክ ዝመደበሩ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ትካል ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ መንጎ ምንቅስቓስ ሑቲን ዕጡቓት ጉጅለታት ቀርኒ ኣፍሪቃን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ርክብ የመልክት።

እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ መንጎ ሑቲን ሓደ ካብ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጉጅለን ምስ ኣልቃዒዳ ዝምድና ዘለዎ ሶማልያዊ እስላማዊ ጉጅለ ኣልሸባብን ዝተሰጋገረ ኣጽዋርን ሰራሕተኛታትን ስልጠና ዘርኢ መርትዖታት እውን ዘጠቓለለ እዩ።

ዕምቆት ናይቲ ሑቲ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝመስረቶ ምትእስሳር ክሳብ ክንደይ ሓያል እዩ?

ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከቡ ዕጡቓት ጉጅለታት ዝምድናታት ምምዕባሎም፡ ናብ ምውህሃድ ዝሰፍሐ ግጭት ክዝርጋሕ ይኽእል ድዩ?

ዝምድናታት ሑቲ

እቲ ዝነጸረ መርትዖ ናይቲ ኣብቲ ዞባ ዝሰፍሕ ዘሎ ዝምድናታት ሑቲ፡ ምስ ሶማልያ ዝተኣሳሰር እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ርክብ ሑቲን ምንቅስቓስ ኣልሸባብን፡ ኣዝዩ ከምዝማዕበለ ጸብጻብ ሴንቸሪ ፋውንዴሽንን ከምኡ'ውን ጸብጻብ ክኢላታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን የመልክት።

ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ዝተሓትመ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ከምዘመልክቶ፡ ምትሕብባር ክልቲኦም ወገናት ኣዝዩ ከምዝዓሞቐን፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ኣጽዋርን ቴክኒካዊ ስልጠናን ዘጠቓለለ ምዃኑን እዩ ዝጠቅስ።

እዚ ድማ ኣብ ስርሒታዊ ሜላታት፡ ምልውዋጥ ወተሃደራዊ ክእለትን ሎጂስቲካዊ ደገፍን ሓዊሱ ንመላእ ዞባ ስግኣት ክኸውን ከምዝኽእል ይሕብር። እቲ ጸብጻብ እዚ ምስ ኣልሸባብ ዝግበር ምትሕብባር፡ ሑቲ ኣብቲ ዞባ ዘለዎም ጽልዋ ንምስፋሕ ዝዓለመ ስትራተጂ ምዃኑ ይገልጽ።

ብተወሳኺ ሰበስልጣን ሶማልያ፡ ካብ የመን ብኮንትሮባንድ ዝመጸ ኣጽዋርን ነታጒን ከም ዝረኸቡን፡ ምስ ኣልሸባብ ዝምድና ምስ ዘለዎ ሑቲ ከም ዝተዋደደን ኣስታት 400 ሶማላውያን ኣብ ትሕቲ ሑቲ ዝቆጻጸርዎ ከባቢታት የመን ወተሃደራውን ስነ-ሓሳባውን ስልጠና ንኽወስዱ ከም ዘመቻቸወን ይጠቅስ።

እቲ ጸብጻብ ሴንቸሪ ፋውንዴሽን፡ ሑቲ ኣብ የመን ንዝተመልመሉ ሶማላውያን ንምስልጣን ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕሪ ዝገልጽ ኰይኑ፡ ክኢላታት ሑቲ ኣብ ሶማልያ ናብ ብኣልሸባብ ዝቆጻጸሮ ከባቢታት ከምዝተጓዕዙ ይገልጽ።

ብተወሳኺ ኣብ ምፍራይ ነተጉቲ፡ ፍሉይ ጠለባት ንምምላእ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ምቕያርን ጽገና ኣጽዋርን ዝኣመሰሉ መዳያት ስልጠና ከምዝተዋህበ ይሕብር።

ኣብ ሰንዓ ኣባል ፖለቲካዊ ቢሮ ምንቅስቓስ ሑቲ ዝዀነ ሓዘም ኣል ኣሳድ፡ ገለ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ኣብ "ዘደናግርን ተጻባእን ሓበሬታን ምንጭታትን ስዑዲ ዓረብ" ዝተመርኮሰ ምዃኑ እዩ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ዕጡቕ ጉጅለ ሶማልያ ኣልሸባብ
መግለጺ ስእሊ, ዕጡቕ ጉጅለ ሶማልያ ኣልሸባብ፡ ንኣስታት 20 ዓመታት ምስ መንግስቲ ሞቃድሾ ክቃለስ ጸኒሑ'ዩ

ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ ሑቲን ኣልሸባብን ዝተፈላለየ ዕላማ ዘለዎምን ኣብ ዝተፈላለየ ሃዋህው ዝንቀሳቐሱን ምዃኖም እዩ።

ሑቲ ካብ ጨንፈር ዛይዲ ሺዓ እስልምና ክኾኑ እንከለዉ፡ ኣባላት ኣልሸባብ ድማ ሱኒ እዮም። ኣብ መንጎ ክልቲኦም ዘሎ ርክብ ብቐንዱ ኣብ ረብሓታት ዝተመርኮሰ ክውንነታዊ ኰይኑ ክቕጽል ድዩ ወይስ ናብ ዝያዳ ነገር ክምዕብል ይኽእል ዝብል ሕቶ ይለዓል።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳይንስ ህይወት ኖርወይ ፕሮፌሰር ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠትን ደራስን "ኣልሸባብ ኣብ ሶማልያ: ታሪኽን ስነ-ሓሳብን ዕጡቕ እስላማዊ ምንቅስቓስ" ዝዀነ ፕሮፌሰር ስቲግ ጃርል ሃንሰን ንቢቢሲ ኒውስ ዓረብኛ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ከምዚ ዓይነት ዝምድና ኣብ መሳርዕ ኣል-ሸባብ ንዝርከቡ መልመልቲ ከጓንዮም ዝኽእል ተኽእሎ ሓዊሱ፡ ናይ ስነ-ሓሳብ ፍልልያት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ረብሓ ዘለዎ ይመስለኒ" ይብል።

"ኣብ ውሽጢ ምንቅስቓስ ኣልሸባብ ገለ መራሕቲ ክህልዉ ይኽእሉ እዮም፡ ንሳቶም ድማ ነቲ ሑቲ ኣብ ምፍራይ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዘለዎም ክእለት ክጥቀሙሉ ዝደልዩ እዮም። ብሓፈሻ ኣልሸባብ ርኡይ ፋይናንሳዊ ትርፊ ከስዕብ ክኢሉ'ዩ፡ እዚ ድማ ንሑቲ ሰሓቢ ረቛሒ ክኸውን ይኽእል'ዩ።"

ስግር ቀይሕ ባሕሪ

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣቓልቦ ሑቲ ዝሰሓበት ሃገር ሶማልያ ጥራይ ኣይኰነትን።

ጸብጻብ ሴንቸሪ ፋውንዴሽን ጅቡቲ ከምዘመልክቶ፡ ሱዳንን ኤርትራን ከም ካልኦት ንጥፈታትን መርበባትን ሑቲ ዝዓብየለን ዘሎ ሃገራት ይጠቕሰን። እቲ ጉጅለ ኣብ መጻኢ ኣብዘን ሃገራት ጽልዋኡ ከስፍሕለን ዝኽእለሉ ኵነታት ከምዘሎ ይጠቅስ።

ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ ሑቲ ንሰራዊት ሱዳን ኣብ መፋርቕ 2024 ምስ ሓይልታት ዓደመ ኣልሰሪዕ ኣብ ዝገበሮ ግጭት ክድግፉ ጀሚሮም። ብስም ኢራን ቀለልቲ ኣጽዋር ከም ዘቕርቡ እውን የመልክት።

እቲ ጸብጻብ፡ ንብዙሓት ምንጭታት ብምጥቃስ፡ ኣብታ ከም ሎጂስቲካውን ፋይናንሳውን ማእከል ዝጥቀሙላ ፖርት ሱዳን ባእታታት ሑቲ ምህላዎምን፡ ብኽልቲኡ ኣንፈት ኣጽዋርን ኣባላት እቲ ጉጅለ ብቐይሕ ባሕሪ ይሰግሩ ከምዘለዉን የመልክት።

ነዚ ኣበሃህላታት ዝድግፍ መርትዖታት እናዓበየ ይኸይድ ከምዘሎን እንተዀነ፡ እቲ ጸብጻብ ግን ውዱእ ከምዘይኰነን ወሲኹ ይሕብር።

ጸብጻብ ሴንቸሪ ፋውንዴሽን ከም ዝሕብሮ፡ ሑቲ ምስ ኤርትራ ዘለዎም ርክብ ብሓገዝ ኢራን ዳግማይ ክሃንጽዎ ይኽእሉ እዮም።

ምናልባት'ውን ናብ የመን ዝዓለመ ኣጽዋር ከም መተሓላለፊ ነጥቢ ክጥቀሙሉ ተኽእሎ ኣሎ።

ዞባዊ ምትእስሳር ይምስረት ኣሎ ድዩ?

ጸብጻብ ሴንቸሪ ፋውንዴሽን፡ ምስፍሕፋሕ ሑቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ጎኒ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ንምድልዳል ዝግበር ጻዕሪ ከምዝዀነ ይምጉት።

ተራ ኢራን ግን ነቲ ስእሊ ዝያዳ ዘተሓላለኾ ነገር እዩ።

ኣብ መንጎ ቴህራንን ሑቲን ጥቡቕ ምሕዝነት ኣሎ፤ እንተዀነ ካብ ወተሃደራዊ ደገፍ ኢራን ተረባሕቲ እኳ እንተዀኑ፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ስርዓተ ኣጽዋር ኣብ ምምዕባል ግን ዝያዳ ዝተራቐቑ እዮም።

ምስ ቴህራን ዘለዎም ርክብ፡ ኢራን ኣብ ልዕሊኦም ምሉእ ብምሉእ ቁጽጽር ኣለዋ ማለት ኣይኰነን።

እቲ ሕቶ ግን፡ ዝምድና ሑቲ ምስ ዕጡቓት ጉጅለታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ክጸንዕን ክስስንን ዝኽእል ዞባዊ ምትእስሳር ይምዕብል ከምዘሎ ዘርኢ ምልክታት ኣሎ ድዩ ዝብል እዩ።

ኣብ ወሽመጥ ዓደንን ምዕራባዊ ህንዳዊ ውቅያኖስን ዝካየድ ስርሓት፡ ወይ ድማ ዝዓበየ ህላወ ሑቲ ኣብ ሶማልያ፡ ወይ ድማ ስርሓት ኮንትሮባንድ፡ ስልጠናን ሎጂስቲክስን ዝያዳ ዝተራቐቐን ዝተዋደደን ክኸውን ተኽእሎ ከምዘሎ ክኢላታት ይጠቕሱ።

እቶም ምትእስሳራት እንተዓሚቖም ድማ፡ ኣብ ባብ ኤል-መንዳብን ወሽመጥ ዓደንን ንጸጥታ ባሕሪ ዘስግእ ሓደጋታት ዝያዳ ሰፊሕን ዝያዳ ተዓጻጻፍን ክኸውን ይኽእል እዩ።