ዶ/ር ኣቢጋይል ብርሃነ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኬምብሪጅ ፈላሚ ታሪኽ ዘመዝገበት ኤርትራዊት

ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ንላዕሊ ብምቊማት ሰማይ ደረት ከምዘይብሉ ዘስተውዓለት'ያ ትመስል። ቈልዓ እንከላ ጀሚራ ልዑል ርእሰ-ምትእምማንን ጥሙሕን ክትውንን ኣመና ኣይጸገማን።
ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ ዝተፈላለየ ሽልማት ክትረክብን ምስ ንጉስ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከቦም ኣገደስቲ ውልቀሰባት ክትራኸብን ዝበቕዐት ኣቓልቦ ዝሰሓበት በላሕ መንእሰይ እያ።
ኣቢጋይል ብርሃነ እያ ትበሃል። ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብቲ ፍሉጥ ዩኒቨርሲቲ ኬምብሪጅ ብናይ ፒ-ኤች-ዲ (ዶክተር ኦፍ ፊሎሶፊ) ተመሪቓ ብወግዒ "ዶ/ር" ኣቢጋኤል ተባሂላ።
ካብ ዊትል ላቦራቶሪ በቲ ኣካዳሚያዊ ማዕርግ ዝተመረቐት ፈላሚት ጸላም ጓለንስተይቲ ክትከውን ዝበቕዐት ምዃና'ውን ድርብ ዓወት'ዩ ነይሩ።
ንዶ/ር ኣቢጋይል ፍሉይ ዝገብራ ግን፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ብዝለዓለ ዲግሪ ምምራቓ ዘይኮነ፡ ዝተመረቐትሉ ዓውዲ፡ ዝሓፈሰቶ ዓወትን ዝጸረገቶ መንገዲን እዩ።
ዛንታ ናይዛ በላሕን ኣብነታዊን መንእሰይ ንምስናድ፡ ናብታ ብዘየቋርጽ ጥሚቕ ዝናብ ዓዲ-እንግሊዝ ጠልቅያ ዝጸንሓትና ንእሽቶ ከተማ ብምኻድ ረኺብናያ ኔርና።
ነጠበ-መቐይሮ፡ ናብዚ ንምብጻሕ ዝሓለፈቶ ጕዕዞ

ምንጪ ስእሊ, PA Media
ካብ ንእስነታ ኣትሒዛ ብምህንድስና ክትምሰጥ ዝጀመረት ኣቢጋይል፡ ነቲ ኣብ ውሽጣ ዝነበረ ብቚሊ እናተኸናኸነት ከተዕብዮ ጀሚራ።
"ካብ ቊልዕነተይ ጀሚረ፡ ፊዚክስ፡ ስነፍልጠትን ሕሳብን እፈቱ ነይረ" እትብል ኣቢጋይል፡ ኣብ መበል 11 ክፍሊ ምስበጽሐት ዘጋጠማ ዕድል ኣንፈት ዝቐጸለ ጕዕዞኣ ዘመላኸተ ምዃኑ ትዛረብ።
ምስ መማህርታ ናብቲ ኣብ ጀነቫ ስዊዘርላንድ ዝርከብ ዝዓበየ መደበር ፈተነ ፊዚክስ ምብጽሓ ዝያዳ ድርኺት'ዩ ፈጢሩላ።
"ገለ ክፋሉ ይዕረ ብምንባሩ ድማ፡ ንታሕቲ ወሪደ ክዕዘብ ክኢለ" ክትብል ተዘክሮታታ ተካፍል።
ኣብ ከባቢ ዶብ ፈረንሳን ስዊዘርላንድ፡ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዝተደኮነ ሰርን (CERN) ካብ 50 ክሳብ 175 ሜትሮ ዕምቈት ዘለዎ ምሉእ ዓንኬል ኰይኑ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ፈተነ 'ሃድሮ ኮላይደር' (ግጭት) ዝካየደሉ እዩ።
"ናብኡ ምስ ወረድኩ፡ እቲ ዝተዘርግሐ ገመዳት ኤለክትሪክ ምስተዓዘብኩ፡ መሃንድስ ምዃን ኣዝዩ ደስ ዘብል ምዃኑ ክሓስብ እዝከረኒ።"
ብድሕሪኡ፡ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝተጠንሰ ሕልማ ጋህዲ ንምግባር፡ ኣብ ክረምቲ ተወሳኺ ናይ ፊዚክስ፡ ሕሳብን ኮዲንግን ጥሙር ትምህርቲ ክትቀስም ወሲና።
ናይ ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃታት ትምህርታ ኣብ ከተማ ለንደን ድሕሪ ምውዳእ ልዑል ናይ ዩኒቨርሲቲ ነጥቢ ብምምጻእ ናብ ዩኒቨርሲቲ ተሰጋጊራ።
ናብታ ኣብ ገማግም ባሕሪ መትረብ-እንግሊዝ እትርከብ ምጭውቲ ከተማ ብራይተን ብምኻድ ድማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳሰክስ መካኒካል ኢንጂነሬን ተማሂራ፡ ቀዳማይ ዲግሪ ሒዛ።
እንተኾነ ትብል ኣቢጋይል፡ "ብዛዕባ ፍሉድ መካኒክስ ዘይተመለሰ ሕቶታት" ሒዛ'ያ ካብ ሳሰክስ ተሰናቢታ።
'ፍሉድ መካኒክስ ንባህሪ ምንቅስቓስ ፈሳሲ ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ባይታ ዘጽንዕ ዓውዲ ኮይኑ ዓቢ ክፋል ኤሮስፔስ ኢንጂኔሪን (ምህንስና ኣየር)" ምዃኑ ተረድእ።
ነዚ ግድል ንምፍታሕ ድማ'ያ ተወሳኺ ናይ ማስተርስን ፒኤችዲን መጽናዕቲ ክትቅጽል ብምውሳን፡ ዕድላት ሃሰው ክትብል ጀሚራ።
ባህጋ ሰሚሩላ ድማ ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ምሉእ ማህደረ ትምህርቲ ናብ ዝህብ 'ሲዲቲ' (Centres for Doctoral Training (CDTs) ዝተባህለ ማእከል ዘቕረበቶ ሕቶ ተቐባልነት ብምርካቡ ናብቲ ብሉጻት ተምሃሮ ጥራይ ክኣትውዎ ዕድል ዝረኽቡ ዩኒቨርሲቲ ኣምሪሓ።
እቲ ናይ ዓበይቲ ነፈርቲ ሞተረታት (ኢንጂን) ብምስራሕ ዝፍለጥ ውሩይ ትካል ሮይስ-ሮልስ ነቲ ድርብ (ናይ ማስተርስን ዶክትሬትን) መጽናዕታ ከም ዝምውሎ ምፍላጣ'ውን ሓጐሳ ወሰን ኣይነበሮን። ምኽንያቱ ንኢንዱስትሪ ኣቪየሽን ዘጋጥሞ ዘሎ ብድሆታት ብቐረባ ከትርዳእን ተመራሚራ ፍታሕ ከተናዲን ባይታ ስለዝፈጠረላ።
ህይወት ኣብ ኬምብሪጅ ዩኒቨርሲቲ

ናብታ ብተምሃሮ፡ መምህራንን ሰራሕተኛታትን ዩኒቨርሲቲ ዝተዓብለለት፡ ካብ ለንደን ንደቡባዊ ምብራቕ ኣስታት 80 ኪሜ ርሒቓ እትርከብ ከተማ ኬምብሪጅ ብምኻድ ኢና ንኣቢጋይል ረኺብናያ።
ማሕበራዊ፡ ባህላዊን ቍጠባዊን መሰረት እዛ ከተማ ኣብቲ ኣብ ዓለም ብቐዳምነት ካብ ዝስርዑን ዝጠነቱን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝኾነ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ ዝምርኮስ'ዩ።
ካብቲ ብሉጻት ተምሃሮ ጥራይ ዝኣትውዎ ውሩይ ዩኒቨርሲቲ ምምራቕ ጥራይ ንባዕሉ ዘነይት'ዩ።
እቲ ኣብ 1209 ዝተመስረተ ዩኒቨርሲቲ መዘና ኦክስፈርድን ሃርቫርድን ድኰይኑ፡ ፈላሚ ቀዳማይ ምኒስተር ብሪጣንያ ዝርከቦም ሓያሎ መራሕቲ ሃገር፡ ኣይዛክ ኒውተን፡ ቻርለስ ዳርዊንን ስቲቨን ሃውኪንን ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ሊቃውንቲን ምርኡያት ስነጽሑፍን ግጥሚን ዘፍረየ ትካል'ዩ።
ንኣቢጋይል ግን፡ ቅልጥፍ ኢላ "ንፍራንክ ዊትልን ኣላን ቱሪንን ዘፍረየ ዩኒቨርሲቲ እዩ" ምባል'ዩ ዝቕድማ።
ኣብ 1996 ዝዓረፈ ፍራንክ ዊትል ፈለማ ኣብራሪ ነፋሪት ዝነበረን ኣብ ምህዞ ሞተረ ነፋሪት (ጀት ኢንጂን) መሪሕ ተራ ካብ ዝተጻወቱ ፍሉጣት መሃንድሳት ነፈርቲ እዩ።
ኣቢጋይል፡ ኣብቲ ብስሙ ዝጽዋዕ፡ ኣካል ክፍሊ ምህንድስና ዝኾነ 'ዊትል ላቦራቶሪ' ተማሂራ'ያ ዓቢ ክብሪ ተጓናጺፋ ዘላ።
ፈለማ ናብቲ ዩኒቨርሲቲ ክትኣቱ እንከላ ሓጐስን ህጡይነትን ከምዝሓደራ እትዛረብ እዛ ኣብነታዊት መንእሰይ፡ ዋላ'ኳ በዳሂ ጕዕዞ እንተነበረ፡ ሓያል ሓቦ ሰኒቓ ከምዝተበገሰት'ያ ትገልጽ።
"ኢምፖስተር ሲንድሮም [ብክእለትካ ምጥርጣር] ክስምዓካ ንቡር'ዩ፡ ንእሽቶ ከምኡ ዓይነት ስምዒት ነይሩኒ፡ ግና ንርእሰይ ብዛዕባ'ቲ ድሮ ዝተጓናጸፍክዎ ዓበይቲ ነገራት ብምዝኽኻር፡ ተቐባልነት ንኽትረክብ ብተሪር መስርሕ'ዮም ዘሕልፉኻ፡ እዚ ምሕላፈይ ንባዕሉ ቀሊል ኣይነበረን።"
ቅድሚ ናብ ጥርዚ ዓወት ምብጻሕ ንኣሽቱ ዓወታት እናሓፈስካ ዝግበር ገስጋስ ምዃኑ'ውን ከተዘኻክር ትፈቱ።
ቀልጢፋ ምስ ከምናታ ድሕረባይታ ዘለዎም ተምሃሮ ብምርኻብ ምሕዝነታት ምምዕባላ'ውን እቲ ዝነበረ ውሱን ተርባጽ ከምዝበንን ገይሩዎ'ዩ።
"እዚ፡ ፍልይ ዝበልካ ጥራይ ምዃንካ ኣብዚ ክትህሉ የብልካን ንዝብል ስምዒት ከምእትስዕሮ'ዩ ዝገብረካ" ብምባል ጕዕዞኣ እናሓደረ ምሉእ ርእሰ-ምትእምማን ዝዓሰሎ ከምዝነበረ ተካፍል።
"ፒ-ኤች-ዲ ምግባር፡ ሓያል ስራሕ ዝሓትት ክኸውን ይኽእል'ዩ፣ ግና ንሱ ድማ'ዩ ብሉጽ መጽናዕቲ ከተካይድ ዝሕግዘካ" እትብል ዶ/ር ኣቢጋይል፡ "ብኣድማዕነት ምእንቲ ክትሰርሕ'ውን ግቡእ ዕረፍቲ ክትወስድ" ኣገዳሲ ምዃኑ ትመክር።
ኣብ እዋን ዕረፍታ ናብ ዘይበጽሓቶ ሃገራትን ቦታታትን ምኻድ፡ ከምኡ'ውን ቡን ስለእትፈቱ ናብ ካፈታት እልይ ምባል ካብቲ ጽዑቕን ዕቱብን ህይወት ክውል ብምባል ሓድሽ ጸዓት ሰኒቓ ምምላስ'ውን ሓደ ካብ ሜላታታ እዩ።
ዊትል-ላቦራቶሪ፡ 'እንኮ ጸላም ምርቕቲ ፒ-ኤች-ዲ'
ኣብ 1973 ብፍራንክ ዊትል ብወግዒ ዝተመረቐ እቲ ቤተ-ፈተነ፡ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ዘካይዶም ዘሎ ምርምራትን መጽናዕትታትን ኣቓልቦ ኣገደስቲ ትካላት ኣቪየሺንን መራሕትን ስሒቡ ይርከብ።
ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ንጉስ ብሪጣንያ፡ ሰለስተ ግዜ ናብቲ ትካል ብምኻድ ንምዕባለታቱ ፍልይ ብዝበለ ጠመተ ክከታተሎ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ቻርለስ መበል ሳልሳይ ከም ልኡል ወራሲ ዘውዲን ንጉስን ንኣርባዕተ ግዜ ናብቲ ላቦራቶሪ ብምጻሕ ልዑል ጠመተ ክህቦ ዝገበሮ ምኽንያት፡ ምስቲ ዘለዎ ራእይ ግደ ምዕቡል ተክኖሎጂ ኣብ ምግታእ ክሊማዊ ለውጢን ምዕቃብ ኣከባቢን ዝተሓሓዝ'ዩ።
ዕላማ ናይቲ ኣብቲ ዘመናዊ ቤተ-ፈተነ ዝካየድ ዘሎ መጽናዕቲ፡ እቲ ንሰማያት ፕላነት ምድሪ ዝብክል ዘሎ ሞተረታት ኢንዱስትሪ ኣቪየሽን ንጹህ ጸዓት ተጠቂሙ ባዶ-ብከላ ዘረጋግጸሉ ኵነታት ምፍጣር'ዩ።
ነዚ ንምግባር ድማ ሞተረታት ዓበይቲ ነፈርቲ ተመሓይሾም ዳግማይ ክፍጠሩ ኣለዎም፡ ምርምር ዶ/ር ኣቢጋይል ድማ ነዚ ዓቢ ራእይ ናይቲ ኢንዱስትሪን እቲ ንጉስን ንምግሃድ ዝዓለመ እዩ።
ካብዚ ክፍሊ'ዚ ድርብ መዓርግ ማስተርስን ፒ-ኤች-ዲን ክትጓናጸፍ ዝበቕዐት እንኮ ጸላም ጓለንስተይቲ ምዃና ንዓኣ፡ ስድራቤታን መላእ ጸለምቲ ደቀንስትዮን ዓቢ ሓበን'ዩ።
"ዓቢ ክብሪ'ዩ፡ ግና ምስኡ ዝዳረግ ሓላፍነት ዘሰክም እውን'ዩ። ካብ ተመሳሳሊ ድሕረባይታ ዝመጹ ወለዶታት ኣብነት ብምዃን ዘደንቕ ምርምራት ክገብሩ ኣርኣያ ክትከውን ዝገብር እዩ"።
ብዓለም ደረጃ ተሳትፎ ደቂኣንስትዮ ኣብ ምህንድስና ኣቪየሽን ወይ 'ኤሮኖቲካልን ኤሮስፔስን" ምስ ናይ ደቂተባዕትዮ ክወዳደር እንከሎ ካብ 9 ክሳብ 15 ሚእታዊት ዘይሓልፍ'ዩ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ትምህርታ ዛዚማ ምስተመረቐት'ውን ኣብቲ ክፍሊ ናይ 'ፖስት-ዶክቶራል' ስራሕ ረኺባ ኣብቲ ብሮይስ-ሮልስ ዝለዓለ ቀዳምነት ተዋሂቡዎ ዘሎ ምስ ብቕዓትን ኣድማዕነትን ሞተረ ነፈርቲ ዝተሓሓዝ 'ኤሮ-ኢንጂን ተርባይን ኤሮዳይናሚክስ (aero-engine turbine aerodynamics) ዝተሓሓዝ ብድሆ ንምፍታሕ መጽናዕቲ ከተካይድ ጸኒሓ'ላ።
'ደቂኣንስትዮ ኣብ ዓውዲ ተክኖሎጂን ምህድስናን ስነፍልጠትን ክደምቃ ይኽእላ እየን'

ውክልና ደቂኣንስትዮ ኣብ ዓውዲ 'ስተም' (ሳይንስ፡ ተክኖሎጂ፡ ምህንስናን ሕሳብን) ውሱን ምዃኑ ከዘራርብ ዝጸንሐ ጉዳይ እዩ።
ንኣብነት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብቲ ዓውዲ ዝነጥፋ ደቂኣንስትዮ ካብ 27% ዝሓልፍ ከምዘይኮነ'ዩ ዝግለጽ። ኣብ ምህንድስና ኣየርን ጠፈርን እሞ ኸኣ እቲ ደረጃ ተሳታፍነት ዳርጋ ባይታ ዝዘበጠ'ዩ ክብሃል ይክኣል።
እቲ ማሕለኻታት ግን እንታይ ክኸውን ይኽእል? ዝብል ሕቶ ንዶ/ር ኣቢጋይል ኣቕሪብናላ ኔርና።
"ሓያሎ ብድሆታት'ዩ ዘሎ፡ ሓደ ካብኡ ግን ወክልና ደቂኣንስትዮ ኣብ ስተም ብቐንዱ ኣብ ሶፍትዌር ዝተሓጸረ ብምዃኑ፡ ኣብ ሃርድዋር ዝሰርሓ ኣርኣያ ዝዀና ደቀንስትዮ ብዙሓት ኣይኮናን።
"ኣብቲ ግብራዊ ሸነኹ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ብድሆታት ኣለዎ። ዓበይቲ ማሽናት ክትርኢ እንከለኻ ዘይድፈር ክመስለካ ይኽእል'ዩ፡ ግና ሓደ ሓጋዚ ክኸውን ዝኽእል ደቀንስትዮ ክገብርኦ ዝኽእላ ምዃኑ ክርእያ ኣለወን።
"ኣነ ንባዕለይ፡ ይትረፍ ዓበይቲ ማሽናት ምምራሕ፡ ንኣሽቱ መሳርሒ እናተጠቐምኩ ኣይዓበኹን። ፒ-ኤች-ዲ ምስ ጀመርኩ'የ ንፈለማ ግዜ ተላልየ" ብምባል ብኸመይ ነቲ ምዕቡል ተክኖሎጂታት ምህንድስና ኤሮኖቲክስ ክትመልኮ ከምዝበቕዐት ተረድእ።
ነቲ ኵነታት ብቐረባን ብግብርን ክትርዳእ ዕድል ዝረኸበት ኣቢጋኤል ኣብቲ ዓውዲ ከም ዝግባእ ዘይተወከሉ ደቂኣንስትዮ ዝርከብኦም ማሕበረሰባትን ተምሃሮን ንምትብባዕ ኣብ ዝግበር ተበግሶታት ንምስታፍ'ውን ልዑል ድሌት ኣለዋ።
ቈልዑን ተምሃሮን ናብቲ እትሰርሓሉ ላቦራቶሪ ብምዕዳም ንሳ እትመርሖ ዓወደ-መጽናዕትታት ብምድላው፡ መሃዝነትን ፈጠራን ንምትብባዕ ኣብ ዝተኻየዱ ንጥፈታት መሪሕ ተራ ክትጻወት ጸኒሓ።
ካብ ቦታ ትምህርታን ስራሓን ብምውጻእ ኣብ ዝግበሩ ኣኼባታት ብምስታፍ'ውን ተመኵሮታታ ብምክፋል ንብዙሓት ኤርትራውያን ዝርከብዎም መንእሰያት ኣተባቢዓ።
"ምድንፋዕን ምትብባዕን ብዙሕነት ኣብ ምህንድስና ልዑል ኣገዳስነት ኣለዎ፣ እንተዀነ ብዝቐልጠፈ ክረጋገጽ ዘለዎ እዩ" ብምባል "ደስ ዝብለኒ ነገር፡ ናይ ቈልዑ ኣድህቦ ንምስሓብ፡ ኣዘናጋዒ ብዝኾነ ኣገባብ፡ ከይሓላለኽካ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ብኸመይ ከምእትጥቀመሉ ምርኣዮም እዩ" ትብል።
ኣብቲ ዓውዲ ተሳቲፈን ዝተዓወታ ደቀንስትዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ወጺአን ሰሓቢ ብዝኾነ መንገዲ ርእሰን ብምፍላጥ ንኻልኦት ብዛዕባ ተክኖሎጂ ይዅን ካልኦት ከም ፋሽን ዝበሉ ዓውድታት እናመሃራ ኣርኣያ ይኾና ምህላወን'ውን ተስፋ ዝህብ ምዃኑ ኣቢጋኤል ትገልጽ።
ንኻልኦት፡ ከምዚ ናታ ኣብ ዓውዲ ስተም ይዅን ካብኡ ወጻኢ ናይ ማስተርስ ወይ ፒ-ኤች-ዲ ዕድላት ንኽረኽቡ እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ? ክንብል'ውን ተወኪስና'ያ ኔርና።
ቅድሚ ኣፕሊኬሽን ምቕራቦም፡ ንመርበባት ሓበሬታ (ወብሳይታት) ናይቶም ትካላት ትምህርቲ ክውከሱን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ዋላ ኣብ ቲክቶክ ሓበሬታ ሃሰው ክብሉን ከምዘለዎም'ያ ትመክር።
"ኣነ ናይ ንፒ-ኤች-ዲ ኣፕሊኬሽን ቅድሚ ምቕራበይ ዝሓገዘኒ ድማ ኣብቲ ዓውዲ ምስ ዝነጥፉ ፕሮፌሰራትን መምህራንን ተራኺበ ሱፐርቫይዘርስ ክዀኑኒ ዝኽእሉ እንተዀይኖም ኣመት ምርካብ'ዩ ነይሩ።
"እዚ ኣዝዩ ሓጋዚ ኰይኑ'የ ረኺበዮ፣ ምኽንያቱ መጽናዕቲ ዘካይድሉ ዓውዲ ይዅን ኣነ ክሳተፈሉ ዝኽእል ናይ መጻኢ መጽናዕቲ ዝህልዎም እንተዀይኑ ክፈልጥ ዕድል ስለዝሃበኒ።"
ካብ ክልተ ኣብ ኤርትራ ተወሊዶም ዝዓበዩ ኣቦን ኣደን ዝተወልደት ኣቢጋኤል፡ ኣብ ውሽጢ ስድራቤታ ዝነበረ ኣርኣያነት'ውን ቀሊል ከምዘይነበረ ትዛረብ።
"ወለደይ፡ ንናጽነት ኤርትራ ኲናት ኣብ ዝግበረሉ ዝነበረ'ዮም ተሰዲዶም" ድሕሪ ምባል "ኣቦይ ፒ-ኤች-ዲ ዘለዎ ምዃኑ ዕድለኛ ነይረ፣ ፒ-ኤች-ዲ እንታይ ማለት ምዃኑ ጓል ሓሙሽተ ዓመት እንከለኹ እፈልጥ ነይረ፣ ናይ ላቦራቶሪ ኲናት ኣፍልጦ ሂቡኒ።
"ኣደይ'ውን፡ ናይ ሕሳብ [ማተማቲክስ] ሰብ'ያ ነይራ። ናይ ሕሳብ [ዕዮ ገዛ ክህልወኒ እንከሎ ኵሉሳዕ ትሕግዘኒ ነይራ። ነገራት ከተረድእ ልዑል ክእለት ኣለዋ" ብምባል ካብ ስድራቤታ ንዝረኸበቶ ደገፍ ትንእድ።
ተራ ደቀንስትዮ ኣብቲ ንናጽነት ኤርትራ ዝተገብረ ቃልሲ እናሰምዐት ምዕባያ'ውን፡ ደቀንስትዮ ብሰንኪ ጾታአን ካብ ዝኾነ ነገር ክበዅራ ከምዘይክእላ ክትርዳእ ክኢላ'ያ።
ሽልማትን ኣፍልጦን

ኣቢጋይል ኣብዚ ብተዛማዲ ሓጺርን ብኣሳልጦ ዝዘቕበበን ጕዕዞኣ ንብሉጽነታ ዝዳረግ ሓያሎ ሽልማት ክትዓትር በቒዓ እያ።
ሓደ ካብኡ፡ እቲ ዶክትሬት ከጽንዓ ንዝደልያ ደቀንስትዮ ጥራይ ዝወሃብ ገንዘባዊ ሽልማት 'ኣሚሊያ ኢርሃርት ፌሎውሺፕ' እዩ።
ኣመሪካዊት ኢርሃርት ሓንቲ ካብ ፈለምቲ ደቂኣንስትዮ ኣብረርቲ ነፋሪት ኰይና ኣብ 1932 ነፋሪት ሒዛ ንኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ዝሰገረት ፈላሚት ጓልኣንስተይቲ እያ። ኣብ 1937 ምስ ሓደ ፍረድ ኑናን ዝተባህለ ተሓጋጋዚኣ ንምድሪ ክትዞራ ምስ በረረት ኣብ ሰላማዊ ውቅያኖስ ምስጠፍኡ ደግማይ ዘይምርካቦም ሓደ ካብ ዓበይቲ ግድላት ዓለም ምዃኖም ይፍለጥ።
እታ ኣመሪካዊት ከፋቲት በሪ፡ ሓያሎ ካልእ ምስ በረራ ኣየር ዝተሓሓዝ ታሪኻት'ውን ዘመዝገበት'ያ።
"ኣሚሊያ ኢርሃርት ሓንቲ ካብ ዘድንቐን ትእምርትታት ዓወት እያ፣ ሓያል ኣርኣያ ድማ ኰይናትኒ'ያ. . .ስለዚ ድማ ነቲ ሽልማት ምብቅዐይ ኣዝየ እየ ተሓጒሰ" ብምባል'ያ ኣቢ ትገልጻ።
ብዘይካ'ዚ፡ ኣቢጋይል፡ ንውሑዳት ብሉጻት ተምሃሮ ኬምብሪጅ ዩኒቨርሲቲ ዝውሃብ ሽልማት 'ሲ-ኤስ-ኤ-ኣር (CSAR PhD Students Award) እውን ተዓዊታ'ያ። እቲ ጉንዖ፡ ዘካይድዎ መጽናዕቲ ንዝተፈላለየ ብድሆታት ዓለም ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ጻዕርታት ግብራዊ ጽልዋ ምስዝህልዎ'ዩ ዝምጦ።
ዘካየደቶ መጽናዕቲ ንሞተረታት ሮይስ-ሮልስ ከመሓይሽን ከማዕብልን ትጽቢት ስለዝተገብረሉ ድማ'ያ ነቲ ሽልማት በቒዓ።
ካልኦት ሽልማትን መተባብዕን ከምዝረኸበት'ውን ዶ/ር ኣቢጋኤል ገሊጻትልና ነይራ።
"ኣፍልጦ ምርካበይ ዕድለኛ እየ፡ ዓቢ መተባቢዒ ኰይኑ እዩ፣ ብፍላይ ክዕወት ድየ ኣይክዕወትን ርግጸኛ ኣብ ዘይነበርኩሉ እዋን።"
ኣብተን ዝጸንሓትለን ዓመታት ናብቲ ዝተማህረትሉን ዝሰርሓትሉን ፍሉይ ላቦራቶሪ ዝመጹ ንጉስ ብሪጣንያ ዝርከቦም መራሕቲ፡ ሊቃውንቲን ተመራመርቲን ብኣካል ክትረክብን ክትዘራረብን ምብቅዓ'ውን ድርኺት ዝፈጥር ኣጋጣሚታት'ዩ ነይሩ።
![ኣብዚ ስእሊ ዝረአ ዘሎ ስእሊ ድሮን ዝፀንሐ ካብ ሰነድ [ፋይል] ዝተረኽበ እዩ](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/8b19/live/e6f14090-9587-11f1-a7ab-8b30adf0800a.png.webp)











![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)



