ሓይሊ ሰላም ትግራይ ንኤርትራ ይኸስስ፡ ኤርትራ'ውን ምላሽ ሂባ

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ መዳውብቲ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋርን ዳግም ዝተወልዐ ውግእ ቀዳማይ ሰሙኑ ኣብ ዘቝጸረሉ እዋን፡ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ተሰሊፉ ንሓይልታት ትግራይ ዝዋጋእ ዘሎ 'ሓይሊ ሰላም ትግራይ'፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ውግእ ብቐጥታ ይሳተፍ ኣሎ ክብል ከሲሱ።
መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ፡ ኣብቲ ንቢቢሲ ዝሃቦ ምላሽ እቲ ዝቐርብ ዘሎ ክሲ፡ ስርዓት ብልጽግና ካብ ውሽጣዊ ቅልውላዋቱ ኣቓልቦ ንምጥምዛዝ ዝፈጥሮ ልሙድ ምስምስ እዩ ክብል ነጺግዎ።
ምክትል ኣዛዚ እቲ 'ሓራ መሬት' ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ዝቃለሱ ዕጡቓት ኰሎኔል በርሀ ባራኺ (ወዲ ራያ) ካብ "ኣብ ዓውደ-ውግእ" ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት፡ እቲ ግጭት ካብ ተራ ጐንጺ ሓሊፉ ናብ ምሉእ ኲናት ከም ዝተሰጋገረ ገሊጹ።
ንሱ ኣብ ዝርከበሉ ግምባር ዓፋር፡ ብፍላይ ኣብ ከባቢ ኢረብትን በረኻታት ኣብዓላን፡ ኣርሚ 50ን 92ን ናይ ሓይልታት ትግራይ፡ ዕጡቓት ኡጉጉሞን ሰራዊት ኤርትራን ብሓባር ተሰሊፎም ይዋግእዎም ከም ዘለዉ ሓቢሩ።
ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ውግእ ብደረጃ ሓገዝ ድዩ ወይስ ከም ስሩዕ ሰራዊት ተሰሊፉ እዩ ዝዋጋእ ዘሎ? ናይ ኤርትራ ሓይልታት ምዃኖምከ መረጋገጺኹም እንታይ እዩ? ክብል ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ኰሎኔል በርሀ ክልቲኡ ዓይነት ተሳትፎ ከም ዘሎ ገሊጹ።
"ናይ መካናይዝድ ተዅሲ ደገፍ ዝህብ ሓይሊ ኣሎ፣ እቲ ካልእ ሓይሊ ድማ ተንቀሳቓሲ ዝተፈላለየ ሽም ዘለዎም ምስ ናይ ኡጉጉሞ ዝሓወሰ ሻዕብያ ዝተሓባበሩን ዝመርሑን ሓይልታት ኣለዉ" ዝበለ እቲ ምክትል ኣዛዚ፡ ኣብቲ ውግእ ናይ ዝተቐትሉ ወተሃደራት ወተሃደራዊ ክዳን ከምኡ'ውን ኣብ ገጾም ዘሎ ምልክት ናይ ኤርትራ ሰራዊት ምዃኖም ከም ዘረጋግጽ ተዛሪቡ።
እቲ ናይ ኤርትራ ሓይሊ "ሓላፍ-ዘላፍ ዘይኰነስ ስሩዕ ውግእ ዘካይድ ጥምር ዝበለ ሓይሊ" ምዃኑ እውን ወሲኹ ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ክልል ዓፈር፡ "ወተሃደራት ኤርትራ ዶብ ኢትዮጵያ ጥሒሶም ምስ ዕጡቓት ህወሓት ተሰሊፎም ይዋግኡ" ምህላዎምን፡ ወተሃደራትን ወተሃደራዊ ንብረትን ከም ዝተማረኹን ሓላፊ ኮሙኒኬሽን እቲ ክልል ኣቶ መሓመድ ዓሊ ንቢቢሲ ገሊጹ። ፕረዚደንት እታ ክልል ኣወል ዓርባ እውን ኣብ ኣልጀዚራ ቀሪቡ ተመሳሳሊ ክሲ ኣቕሪቡ።
መንግስቲ ፈደራል ብዛዕባ እዚ እዋናዊ ጉዳይ ብቐጥታ እኳ እንተ ዘይተዛረበ፡ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ግን "ብግብጽን ሱዳንን ምስ ዝድገፉ ሻዕብያን ህወሓትን" ይዋግኡ ምህላዎም ጠቒሱ ነይሩ።
ይዅን እምበር፡ ምኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ነዚ ዝቐርብ ዘሎ ክስታት ኣመልኪቱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ነቲ ክሲ ነጺግዎ።
ኣቶ የማነ፡ "ስርዓት ብልጽግና፡ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት እታ ሃገር ባዕሉ ካብ ዝፈጥሮም ዘሎ ብዙሓት ውሽጣዊ ግጭታት ኣቓልቦ ንምጥምዛዝ፡ ንጐረባብቱ ምኽሳስ ልምዲ ገይርዎ እዩ" ክብል መሊሱ።
ኣቶ የማነ ኣቐዲሙ ብመንገዲ ኤክስ ዝሃቦ መገለጺ፡ እቲ "ፖተምኪን" ኢሉ ዝጽውዖ ሰልፊ ብልጽግና፡ ኣፍደገ ባሕሪ ብሓይሊ ንምውናን ኣንጻር ኤርትራ ተጻባኢ ጐስጓስ ብምክያድን ምስ ሶማሊላንድ ዘይሕጋዊ ስምምዕ ብምኽታም ልዑላውነት ጥሒሱ፣ ንረብሓ ኢማራት ኣብ ቤኒሻንጉል-ጉሙዝ ንዳዕመ-ሰሪዕ ወተሃደራዊ መዓስከር ብምሃብ ድማ ኲናት ሱዳን የጋድድ ኣሎ፤ "ስለዚ፡ ንኤርትራ ቀንዲ ዒላማ ዝገበረ ምንጪ ዞባዊ ወጥሪ ባዕሉ እቲ ስርዓት እዩ፡" ክብል ከሲሱ ነይሩ።
ኵነታት ዓውደ-ውግእን ዝተፈላለዩ ግምባራትን
ብዛዕባ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ኣመልኪቱ፡ ሓይሊ ሰላም ትግራይ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ፍሉይ ሓይሊ ምልሻን ዓፋር ተወሃሂዱ ኣብ ኣርባዕተ ክሳብ ሓሙሽተ ግምባራት ይዋጋእ ከም ዘሎ ኰሎኔል በርሀ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ብወገን ዓፋር ኣብ መጋለ፡ ቶንሳን ካላን ዝነበሩ ሓይልታት ትግራይ ወጺኦም እቶም ከባቢታት ናጻ ከም ዝዀኑን፡ ኣብ ከባቢ ኢረብቲ ድማ ነቶም ሓይልታት ኣብ ክባ ኣእትዮም የጥቅዕዎም ምህላዎምን እዩ ዝገልጽ።
ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም ንኣንፈት ሚለን ኣፍዴራን ይግስግሱ ከም ዘለዉ ይገልጹ እዮም እሞ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ እንታይ እዩ? ክብል ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ "ኣፍዴራ ይትረፍ ካብቲ ኣትዮምዎ ተዓጽዮም ዘለዉ ከባቢ ኢረብቲ ኣብ ዝተፈላለየ በረኻታት ተበታቲኖም ኣለዉ" ብምባል፡ "መውጽኢ ስኢንና፣ ስንቂ ስኢንና" ክብሉ ናብ ላዕለዎት መራሕቶም ዘመሓላልፍዎ ናይ ራድዮ ርክባት ከም ዝጠለፉ ተዛሪቡ።
ቅድሚ ሰሙን ኣዛዚ ኣርሚ-33 ሓይልታት ትግራይ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ፡ ነቶም ኣብ ዶብ ዓፋር ዝነበሩ ዕጡቓት ሓይሊ ሰላም ትግራይ ከም ዝጸራረግዎም ገሊጹ ምንባሩ ቢቢሲ ንዘልዓለሉ ነጥቢ እውን፡ ኰሎኔል በርሀ እቲ ኣርሚ-33 ዝበሃል ሓይሊ ባዕሉ ኣብ ከባቢ ራያ ፈራሪሱ ከም ዘሎ ብምጥቃስ ነጺግዎ።
ኣብ ካልኦት ግምባራት ድማ፡ ካብ ሰቖጣ ዝተበገሰ ናይ ሓባር ሓይሊ ጸረ-መጥቃዕቲ ብምግባር ንኮረም፡ ፊናርዋን ከባቢ ሳምረን ከም ዝበጽሐ፡ ካልእ ክፋል ድማ ብሸነኽ ራያ ንጨርጨርን ኣላማጣን ሓሊፉ ናብ ኣንፈት መኾንን ወጀራትን ይግስግስ ምህላዉ ገሊጹ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ግምባር ጸለምቲ ዘሎ ሓይሎም እውን ምድላዋቱ ወዲኡ ናብ ኣንፈት ሽረ ንምግስጋስ ልኡኽ ከም ዝተቐበለ ሓቢሩ።
ምስሕሓብ ኣላማጣን ሕቶ ምዕራብ ትግራይን

ምንጪ ስእሊ, SM
ሰራዊት ምክልኻልን ሓይሊ ሰላም ትግራይን ንከተማ ኣላማጣ ምስ ኣተዉ፡ "ራያ ኣምሓራ እዩ፡ ሰሜን ወሎ እዩ" ምስ ዝብሉ ምሊሻታት ምስሕሓብ ተፈጢሩ ካብታ ከተማ ክወጹ ከም ዝተገደዱ ዝገልጽ ሓበሬታ ከም ዘሎን እንታይ ከም ዝተፈጥረን ክብል ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ እቲ ዘጋጠመ "ቴክኒካዊ ጉዳይ" ምዃኑን ዓቢ ነገር ከም ዘየጋጠመን ገሊጹ።
ብሰራዊት ምክልኻል ኣቢሉ ናይ ጸጥታን ምምሕዳርን ልኡኻት ከም ዝተነጸረን፡ ካብ ኣላማጣ ወጺኦም ናብ ቅድሚት - ከባቢ መኾኒ - ይግስግሱ ምህላዎምን ኣረዲኡ።
ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ግምባር ጸለምቲ ምስቲ ብፈደራል መንግስቲ ዝተመስረተን ኣብ ልዕሊ ምዕራብ ትግራይ ፍሉጥ መርገጺ ዘለዎን 'ተከዘ-ዘብ' ዝተባህለ ሓይሊ ተላፊኖም ክዋግኡ ከለዉ፡ ኣብ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ዘለዎም ቅዋም እንታይ ምዃኑን ምስ መንግስቲ ፈደራል ዝገበርዎ ዝርርብ እንተ ሃልዩን ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ "ሉኣላውነትና ኣብ ምኽባር ምስ ናይ ፈደራል መንግስቲ ድርድር የብልናን፣ ሉኣላውነትና ኣሕሊፍና ንህበሉ ድርድር የለን ክሳዕ ሕዚ" ክብል መሊሱ።
ኣስዒቡ፡ "ርእስና ክኢልና ልኡኻትና ብንጹር - ምክልኻል እንታይ ይገብር፣ ንሕና እንታይ ንገብር - ብምሉኡ ኣብ ናይ ንጽረት ልኡኽ ኴንና ኢና ንፍጽም ዘለና። ስለዚ ተዓሽኪርና ኣይንፍጽምን ዘለና" ብምባል፡ ድሕሪ እቲ ውግእ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ከም ዝምለሱ ተዛሪቡ።























![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
