ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናአንን ዝሓለፎ መድረኻትን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓሙስ 1 ጥቅምቲ 2026፡ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲኣ ዓጽያ፡ ዓሰርተ ኤርትራውያን ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ካብ ሃገራ ክወጹ ኣዚዛ።
ኤርትራ ብወገና ኵሉ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ብምብታኽ ግብረመልሲ ሂባ። እዚ ምብታኽ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና እዚ፡ ነጸብራቕ ናይቲ ንልዕሊ ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመታት ኣብ መንጎ ምሕዝነትን ቅሉዕ ኲናትን ተጻብኦን ክብን ለጠቕ ክብል ዝጸንሐ ዝምድና እዩ።
ኣብ ነፍሲ-ወከፍ መድረኽ፡ እቲ ዝምድና ኣብ ጥቡቕ ምሕዝነት፡ ኲናት፡ ኣይኲናት ኣይሰላም፡ ዕርቂ፡ ዘይምትእምማንን ድርኵኺት ሓድሽ ኲናትን ሓፍ ኮፍ ክብል ጸኒሑ እዩ።
በዚ ድማ እዘን ክልተ ሃገራት ኣብዚ ዝሓለፈ 36 ዓመታት ዝተፈላለየ መድረኻት ዝተሓልፎ ዝምድናአን ሰጊረን፣ ናብ ካልእ ሓድሽ ድርኵኺት ኲናት ተገማጊመን፤ ነቲ ክኽፈት ክዕጾ ዝጸንሐ ኤምባሲታት ሕጂ'ውን ዓጽየን፡ ኣምባሳደራት ሰጕጐንን... ኣለዋ።
ኤርትራ፡ ኣብ ፈለማ ናጽነታ 1991 ኣትሒዛ፡ ብሳላ'ቲ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ዓወቶም ዘረጋገጹ ውድባት ዝነበሮም ጥቡቕ ዝምድና፡ ብዘይሓርጐጽጐጽ ናብ ዝምድና ክልተ ሃገራት እዩ ቀጺሉን ማዕቢሉን።
ናጽነት ኤርትራ ብወግዒ ኣብ 1993 ምስ ተረጋገጸን፡ ኤርትራ ከም ሃገር ኣህጉራውን ዓለምለኻውን ተቐባልነት ድሕሪ ምርካባ ድማ ወግዓዊ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታተን መስሪተን።
ነዚ ዝምድናታት እምበኣር በብመድረኻቱ ብኸምዚ ዝስዕብ ዳህሲስናዮ ኣለና።
1991-1998 ካብ መሓዙት ውድባት ናብ ጐረባብቲ ሃገራት
መሰረት ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ኣብ 1991፡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ንኣስመራ ምስ ተቘጻጸረን፡ ወያናይ ደሞክራስያዊ ግንባር ህዝብታት ኢትዮጵያ (ኢህወደግ) ብወገኑ ንኣዲስ ኣበባ ብምእታው ንስርዓት ደርግ መወዳእታ ምስ ገበረሉን እዩ ተነጺፉ።
መሪሕነት ክልቲኡ ውድባት ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ብሓባር ሰሪሖም ስለ ዝነበሩ፡ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርግ፡ ሰላምን ንኻልኦት ሃገራት ዘይልሙድ ዝዀነ ጥቡቕ ዝምድና ፈጢሮም ክቕጽሉ ክኢሎም ዓለም ኣዛሪቦም ነይሮም እዮም።
ድሕሪ እቲ ኣብ ግንቦት 1993 ዝተረጋገጸ ናጽነት ኤርትራ፡ ክልቲኦም መንግስታት ወግዓዊ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ብምምስራት ኣብ ርእሰ-ከተማታት ሕድሕድ ኤምባሲታት ከፊቶም።
ካብ መንጎ እቶም ቀዳሞት ላዕለዎት ዲፕሎማሰኛታት፡ ኣብ እዋን ምስግጋር ናብ ናጽነት ንኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝወከለን፣ ከም ወኪል ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ደሓር ከም ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኰይኑ ዘገልገለን ሃይለ መንቀርዮስ፡ ከምኡ'ውን ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ኣምባሳደር ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ኣውዓሎም ወልዱ ብቐዳምነት ዝዝከሩ እዮም።
እተን ቀዳሞት ዓመታት ብሰፊሕ ቍጠባውን ማሕበራውን ውህደት ዝተለለያ ነይረን። ኢትዮጵያ ወደባት ኤርትራ ምጥቃም ቀጺላ፣ ምንቅስቓስ ዶባት ብተዛማዲ ክፉት ነይሩ፣ ክልቲኦም መንግስታት ድማ ድሕሪ ናጽነት ምትሕብባር ዝመልኦ ዝምድና ቀጺሎም ነይሮም።
ይዅን እምበር፡ ዘይተፈትሑ ሕቶታት ዶብን ኣብ ልዕሊ ቍጠባዊ ስርዓታት ዝነበረ ዘይምስምማዓትን ነቲ ዝምድና እና'ሻሕከሮ ከይዱ።
ምትእትታው ባጤራ ናቕፋ ኤርትራ ኣብ 1997ን መዕለቢ ዘይተገብረሎም ግዝኣታዊ ክትዓትን፡ ኣብ ዶባት ክርኣዩ ዝጀመሩ ምዕባለታትን ነቲ ንዓመታት ኣብ ፖለቲካዊ ሰናይ ድሌት ተኸዊሉ ዝነበረ ወጥርታት ንግዳም ኣውጺኡዎ።
1998-2000 - ኲናትን ምፍራስ ዲፕሎማስን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ምስሕሓብ ኣብ ግንቦት 1998፡ ኣብ ከባቢ እታ ኣካታዒት ዝነበረት ባድመ ውግእ ምስ ተወልዐ ናብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ።
እቲ ግጭት ብቕልጡፍ ናብ ምሉእ ኲናት ክልተ ሃገራት ተሰጋጊሩ፡ ህይወት ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ቀዚፉን ንዝምድና ክልቲአን ሃገራት ድማ ሃንደበትን ኣብ ሓጺር ግዜን ብመሰረቱ ቀዪርዎ።
ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ምስቲ ወተሃደራዊ ኵነታት ማዕረ-ማዕረ እናተበላሸወ ከይዱ። ኣብ እዋን እቲ ቅልውላው፡ እቲ ንኣምባሳደር ሃይለ መንቀርዮስ ዝተክአ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ግርማ ኣስመሮም፡ ሓደ ካብቶም ዝያዳ ጐሊሖም ዝረኣዩ ሰባት ኰይኑ፡ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ከም ዝተራእየ ይንገር። እቲ ግጭት እናበርተዐ ምስ ከደ፡ ዲፕሎማስያዊ መስመራት ጸቢቦም፡ ስሩዕ ዝምድናታት ድማ ምሉእ ብምሉእ ደው ኢሉ።
ኣብ ለካቲት 1999፡ ኢትዮጵያ ንግርማ ኣስመሮም 'ዘይተደላዪ ሰብ' (persona non grata) ብምባል ካብታ ሃገር ክወጽእ ትእዛዝ ኣሕሊፋ። እዚ ስጕምቲ እዚ ድማ ዓቢይ ስጕምቲ ኣብ ምፍራስ ዲፕሎማሲ ክልቲአን ሃገራት ዘመልክት ኰነ።
እቲ ኲናት ኣብ 2000 ኣብ ዘብቅዓሉ እዋን፡ እቲ ነተን ቀዳሞት ዓመታት ድሕሪ ናጽነት ዘለልየን ዝነበረ ሩፍታን ተስፋን፡ ብናይ ሕድሕድ ዘይምትእምማንን ስትራተጂካዊ ንሕንሕን ተተኪኡ ነይሩ።
2000-2018 - 'ኣይሰላም ኣይኲናት'
እቲ ንኲናት ክልቲአን ሃገራት ዘብቅዐ፡ ኣብ ታሕሳስ 2000 ዝተፈረመ ስምምዕ ኣልጀርስ ንንጡፍ ተጻብኦታት ደው ኣቢልዎ እኳ እንተ ዀነ፡ ነባሪ ፖለቲካዊ መዕለቢ ግን ከምጽእ ኣይከኣለን።
እቲ ብመሰረት ውዕል ኣልጀርስ ዝዀነ ኮምሽን ዶብ ክልቲአን ሃገርት ባድመ ንኤርትራ እኳ እንተ ወሰነ፡ ኢትዮጵያ ንኣተገባብራኡ ስለዘይተቐበለቶ ብዝተፈጥረ ዘይምስምማዕ ግን ንነዊሕ እዋን ዝቐጸለ ወጥሪ ፈጢሩ። ኤርትራ እቲ ብይን ምሉእ ብምሉእ ክትግበር ከም ዝግባእ ክትማጐት እንከላ፡ ኢትዮጵያ ድማ ቅድሚ ምትግባሩ ተወሳኺ ዘተታት ክግበር ሓቲታ።
ውጽኢቱ ድማ እቲ 'ኣይኲናት ኣይሰላም' ተባሂሉ ዝግለጽ ናይ ዓሰርተ-ሾመንተ ዓመታት ሃዋሁ ፈጢሩ።
ኣብ ምሉእ እዚ 18 ዓመታት፡ ዶብ ተዓጽዩ፡ ቍጠባዊ ርክባት ብዓቢኡ ተበቲኹ፡ ቀጥታዊ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ድማ ድሩት ነይሩ። ነፍሲ-ወከፍ መንግስቲ ነቲ ካልእ፡ ንተቓወምቲ ጉጅለታት ብምድጋፍን ተጻባኢ ንጥፈታት ብምክያድን ይኸስስ ነይሩ።
ስሩዕ ናይ ኣምባሳደራት ዝምድና ብዘይምንባሩ፡ ካብ ሓደ ዲፕሎማስያዊ ዘይንቡርነት ሓሊፉ፡ ነቲ ሰፊሕ ፖለቲካዊ ክውንነት ዘንጸባርቕ እዩ ነይሩ፤ እዚ ማለት ክልቲአ ሃገራት ብወግዒ ኣብ ሰላም እኳ እንተ ነበራ፡ ብስትራተጂያዊ መዳይ ግን ጸላእቲ እየን ነይረን።
2018 - ዕርቀ ሰላም ወረደ

ምንጪ ስእሊ, YEMANE G/MESKEL/TWITTER
ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ምያዝያ 2018 ቀዳማይ ምኒስትር ኢትዮጵያ ኰይኑ ናብ ስልጣን ምስ ደየበ ሓደ ወሳኒ ነጥበ-መቐይሮ ተፈጥረ።
ኣብ ሰነ፡ ኣዲስ ኣበባ ነቲ ብይን ዶብ- ምሉእ ብምሉእን ብዘይቅድመ ኵነትን ከም እትቕበሎ ኣፍሊጣ። እዚ ውሳነ ኣብ መንጎ እቲ ቀዳማይ ምኒስተርን ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስን ቀጥታዊ ርክብን ዘተ ንኽካየድ መንገዲ ጸሪጉ።
ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ሓምለ 2018 ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ብምኽታም፡ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ብወግዒ መሊሶምዎ።
ነዚ ምምላስ ዝምድና ስዒቡ፡ ተኸታተልቲ ግብራውን ስጕምትታት ተወሲዶም። ኤርትራ ብ16 ሓምለ 2018 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኤምባሲኣ ዳግም ክትከፍት እንከላ፡ ኢትዮጵያ ድማ ብ6 መስከረም 2018 ኣብ ኣስመራ ኤምባሲኣ ከፊታ። ቀጥታዊ በረራታት ነፈርቲ ተጀሚሩ፡ መስመራት ተሌኮሙኒኬሽን ተመሊሱ፡ ዶባት ድማ ተኸፊቱ።
ብመሰረት እቲ ዝተሓደሰ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናአን ድማ፡ ኤርትራ ንምኒስተር ትምህርቲ ዝነበረ ሰመረ ርእሶም ከም ኣምባሳደራ ኣብ ኤርትራ ተደራቢ መዝነት ሂባ ክትሰዶ እንከላ፡ ኢትዮጵያ ድማ ንሬድዋን ሑሴን ኣምባሳደራ ኰይኑ ክውክላ ናብ ኣስመራ ልኢኻ።
ይዅን እምበር፡ ነቲ ናይ ነዊሕ እዋን ኣተገባብራ ስርዓታት ዶብን ነቲ ሰፊሕ ስትራተጂያዊ መሰረት ናይቲ ዕርቅን ሓዊሱ፡ እቲ ዝምድና እውን ብዓቢኡ ከይዓሞቐን ኣገደስቲ ሕቶታት ከይተፈትሑን ተሪፎም።
2020-2022 ኲናት ትግራይ
ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት፡ ነቲ ዝምድና ብኻልእ መንገዲ ቀዪርዎ።
ኤርትራ ኣብ ጐድኒ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምስላፍ ኣንጻር ህወሓት ናብቲ ውግእ ኣትያ፤ እዚ ድማ ኣብ መንጎ እተን ተጻባእቲ ዝነበራ ሃገራት ወተሃደራዊ ምሕዝነት ፈጢሩ።
እቲ ምትሕብባር፡ ጸጥታዊ ስግኣታት ንኽልተኣዊ ዝምድናታት ክሳዕ ክንደይ ከም ዘብልሎ ዘርኣየ ነይሩ። ንገለ እዋን፡ ክልቲኦም መንግስታት ብናይ ሓባር ዕላማ ተጠርኒፎም ነይሮም።
ይዅን እምበር፡ እቲ ምሕዝነት ምስቲ ግጭት ዝተኣሳሰረ ስለዝነበረ፣ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ሕዳር 2022 ነቲ ቀንዲ ምዕራፍ ናይቲ ኲናት ምስ ዛዘሞ፡ እቲ ንኽልቲኦም መንግስታት ዘቀራረበ ዝነበረ ናይ ሓባር ስትራተጂያዊ ዕላማ ክደክም ጀሚሩ።
2023-2026 ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያን ወጥሪን
ድሕሪ ግጭት ትግራይ፡ እቲ ዝምድና ብፍላይ ኣብቲ ፈለማ እዋናቱ ብወግዒ ብዘይተገልጸ ምኽንያታት እናተዳኸመ ከይዱ።
ኣብ ልዕሊ ዞባዊ ጸጥታ፡ ህርፋን ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተፈጥሩ ምዕባለታትን ዝተላዕሉ ምስሕሓባት፡ ተመሊሶም ምንጭታት ምትፍናን ዘይምትእምማንን ኰይኖም።
ጉዳይ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ስትራተጂያዊ ኣተሓሳስባ ኢትዮጵያ እናወሰኸ ቀንዲ ትረኻ እታ ሃገርን መራሕታን እናዀነ፡ ኤርትራ ድማ ነቲ ኣብ ዙርያ ወደባትን ኣፍደገ ባሕርን ዝግበር ዘረባታት ብመንጽር ሉኣላውነትን ሃገራዊ ድሕነትን ሰበብ ሓድሽ ኲናትን ምትዅታዅን ገይራ ክትርእዮ ጀመረት።
ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ንሶማልያ፡ ግብጺ፡ ሱዳንን ስዑድያን ኢማራትን ዘሳተፈ ተለዋዋጢ ምሕዝነታት፡ ነቲ ተኣፋፊ ዝነበረ ዝምድና ተወሳኺ ሕልኽላኽ ወሲኹሉ።
ኤምባሲታት ክልቲአን ሃገራት ክፉታት ኰይነን እኳ እንተ ቐጸላ፡ እቲ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ግን ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዝነበረ ዘይምትእምማን እዩ ብዝያዳ ዘንጸባርቕ ነይሩ።
ኤርትራ፡ ድድሕሪ'ቲ ክልተ ዓበይቲ መዝነታት ጸይሩ ዝነበረ ኣምባሳደር/ምኒስተር ሰመረ ርእሶም ወግዓዊ ኣምባሳደር ኣይመዘዘትን።
ኢትዮጵያ'ውን ድሕሪ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ኣምባሳደራ ኣብ ኤርትራ ኣየፍለጠትን። ምሕረትኣብ ሙሉጌታን ዝተባህለ ውልቀሰብ ግን ሕጹይ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ፈጻሚ ጉዳያት ኤርትራ ኰይኑ ከም ዝነበረ ጸብጻባት የመልክቱ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ እውን ቢንያም በርሀን ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኰይኑ፡ ብኽልቲኡ ወገን ዝነበሩ ዲፕሎማሰኛታት፡ ኣብቲ ወጥሪ ዝነገሶ ሃዋህው ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ክሰርሑ ከም ዝጸንሑ ይፍለጥ።
ጥቅምቲ 2026 - ዳግም ምብታኽ ዲፕሎማሲ
እቲ ናይ መወዳእታ ምፍራስ ዝምድና ብ1 ጥቅምቲ 2026 ብወግዒ ተኣዊጁ።
ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲኣ ከም ዝዓጸወቶ ብምሕባር፡ ንዓሰርተ ኤርትራውያን ዲፕሎማሰኛታት ንሃገራዊ ድሕነት ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ኣብ ዘውድቕ ንጥፈታት ተዋፊሮም ብምባል፡ 'ዘይተደለይቲ ሰባት' (persona non grata) ክትብል ኣዊጃ።
እቲ መንግስቲ ነቲ ናይ ኤርትራ "ተግባራት ተጻብኦን ኲናት ናይ ምጽሕታር ባህርን" ዝበሎ እውን ከም ምኽንያት ጠቒሱ።
ኣስማት ናይቶም ዓሰርተ ዲፕሎማሰኛታት ብወግዒ ኣይተገልጸን።
ኤርትራ ብወገና ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ምሉእ ብምሉእ ብምብታኽ ግብረ-መልሲ ሂባ፤ ነቲ ብኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት ክግበር ዝጸንሐ ምትዅታዃት ብትዕግስቲ ክትሓልፎ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሕጂ ግን ተመሳሳሊ ግብረመልሲ ካብ ምሃብ ወጻኢ ካልእ ኣማራጺ ከም ዘይብላ ገሊጻ፤ ብእኡ ኣቢላ ድማ ነቲ ኣብ 2018 ዝተመልሰ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናኣ መኽተያ ገይራትሉ'ላ።
ድሕሪ ልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ናጽነት ኤርትራ፡ እቶም መሰረታውያን ዛዕባታት ሕጂ እውን ኣብ ጉዳይ ዶባት፡ ልዑላውነት፡ ኣፍደገ-ባሕሪ፡ ጸጥታን ሚዛን ሓይሊ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝተሰረቱ ኰይኖም ይቕጽሉ።



















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
