ካብ መርዓ ኣማኢት ክሳብ ዋንጫ ኣፍሪቃ - ናይዚ ሰሙን ውቁባት ኣሳእል ኣፍሪቃውያን

Published

ኣብ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝተኻየደ መርዓ ኣማኢት መጻምድቲ ክሳብ ጸወታታት ዋንጫ ኣፍሪቃ፡ ኣብዚ ዘሕለፍናዮ ሰሙን ብዙሓት ፍጻመታት ተራእዮም እዮም።

ገለ ካብቶም ካብ 12 ጥሪ ክሳዕ 18 ጥሪ ዘጋጠሙ ፍጻመታት ድማ ብዞም ዝስዕቡ ውቁባት ኣሳእል ተሰኒዶም ኣለዉ’ሞ ተዓደሙታ...

ሰንበት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ‘የሺ ጋብቻ’ ኣብ ዝብል ጃምላዊ መርዓ ብኣማኢት ዝቑጸሩ መጻምድቲ ሓዳር መስሪቶም...
መግለጺ ስእሊ, ሰንበት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ‘የሺ ጋብቻ’ ኣብ ዝብል ጃምላዊ መርዓ ብኣማኢት ዝቑጸሩ መጻምድቲ ሓዳር መስሪቶም...
ሰንበት፡ ኣብቲ ብሰንበት ዝተኻየ መደብ መርዓ ባህላዊ ቡን ቀሪቡ ነይሩ...
መግለጺ ስእሊ, ሰንበት፡ ኣብቲ ብሰንበት ዝተኻየ መደብ መርዓ ባህላዊ ቡን ቀሪቡ ነይሩ...
ሰንበት፡ እዚ ገዚፍ ኬክ እውን ካብቶም ኣብ ‘የሺ ጋብቻ’ ዝቐረቡ እዩ
መግለጺ ስእሊ, ሰንበት፡ እዚ ገዚፍ ኬክ እውን ካብቶም ኣብ ‘የሺ ጋብቻ’ ዝቐረቡ እዩ
ሰንበት፡ ብዙሕ ግምት ዘይተወሃባ ኬፕ ቨርደ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ውጽኢት ኣመዝጊባ...
መግለጺ ስእሊ, ሰንበት፡ ብዙሕ ግምት ዘይተወሃባ ኬፕ ቨርደ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ውጽኢት ኣመዝጊባ...
ኣብ ምድብ ጸወታ ንጋና 2ብ1 ብምርታዕ ንደገፍታ ኣሰንቢዳ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ምድብ ጸወታ ንጋና 2ብ1 ብምርታዕ ንደገፍታ ኣሰንቢዳ
ሰኑይ፡ ደገፍቲ ብሰኑይ ኣብ መንጎ ኣልጀርያን ኣንጎላን ኣብ ዝተኻየደ ጸወታ ዋንጫ ኣፍሪቃ ኒሕኦም የርእዩ
መግለጺ ስእሊ, ሰኑይ፡ ደገፍቲ ብሰኑይ ኣብ መንጎ ኣልጀርያን ኣንጎላን ኣብ ዝተኻየደ ጸወታ ዋንጫ ኣፍሪቃ ኒሕኦም የርእዩ
ሰኑይ፡ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ኮሜድያን ትሬቨር ኖዋ ብሰኑይ ኣብ ኣሜሪካ ከተማ ሎስ ኣንጀለስ ሽልማት ኤሚ ተዓዊቱ
መግለጺ ስእሊ, ሰኑይ፡ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ኮሜድያን ትሬቨር ኖዋ ኣብ ኣሜሪካ ከተማ ሎስ ኣንጀለስ ሽልማት ኤሚ ተዓዊቱ
ሰኑይ፡ ቱኒዝያዊት ኦንስ ጃቡር
መግለጺ ስእሊ, ሰኑይ፡ ቱኒዝያዊት ኦንስ ጃቡር ኣብ ውድድር ኣውስትራልያን ኦፐን ንዩክሬናዊት ዩሊያ ስታሮዱብሰቫ ረቲዓ
ሰሉስ፡ ወከልቲ ኣገልግሎት እንስሳ ዘገዳም ኬንያ ንሓደ ሓሪሽ ኣህዲኦም ካብ ማይ ኣውጺኦምዎ፤ ኣብ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ናብ ዝርከብ ሃገራዊ ፓርክ ሎይሳባ ኮንሰርቫንሲ ተወሲዱ ድማ ኣብኡ ዘሎ ብዝሒ ሓሪሽ ንኽብርኽ ይስራሕ ኣሎ
መግለጺ ስእሊ, ሰሉስ፡ ወከልቲ ኣገልግሎት እንስሳ ዘገዳም ኬንያ ንሓደ ሓሪሽ ኣህዲኦም ካብ ማይ ኣውጺኦምዎ፤ ኣብ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ናብ ዝርከብ ሃገራዊ ፓርክ ሎይሳባ ኮንሰርቫንሲ ተወሲዱ ድማ ኣብኡ ዘሎ ብዝሒ ሓሪሽ ንኽብርኽ ይስራሕ ኣሎ
ረቡዕ፡ ሓደ ቱኒዝያዊ ጥበበኛ ኣብ ጻሕሊ ሓጺን ይቐርጽ - እዚ ንዘመናት ዝጸንሐ ልምዲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝርዝር ዘይጭበጥ ባህላዊ ትውፊት ዩኔስኮ ተመዝጊቡ’ዩ
መግለጺ ስእሊ, ረቡዕ፡ ሓደ ቱኒዝያዊ ጥበበኛ ኣብ ጻሕሊ ሓጺን ይቐርጽ - እዚ ንዘመናት ዝጸንሐ ልምዲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝርዝር ዘይጭበጥ ባህላዊ ትውፊት ዩኔስኮ ተመዝጊቡ’ዩ
ዓርቢ፡ ሓወልቲ ነፍስሄር ሊቀ ጳጳስ ዴዝሞንድ ቱቱ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ኬፕታውን ተመሪቑ
መግለጺ ስእሊ, ዓርቢ፡ ሓወልቲ ነፍስሄር ሊቀ ጳጳስ ዴዝሞንድ ቱቱ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ኬፕታውን ተመሪቑ
ወዲ 25 ዓመት ግብጻዊ ሓኪም እንስሳታት ዔድ ኣቡ ናጅም፡ ኣብ ራፋሕ ካብ ኲናት ቃዛ ዝሃደሙ እንስሳ ዘቤት ዝሕክመሉ ክሊኒክ ከፊቱ
መግለጺ ስእሊ, ወዲ 25 ዓመት ግብጻዊ ሓኪም እንስሳታት ዔድ ኣቡ ናጅም፡ ኣብ ራፋሕ ካብ ኲናት ቃዛ ዝሃደሙ እንስሳ ዘቤት ዝሕክመሉ ክሊኒክ ከፊቱ

መሰል ቅዳሕ ኵሎም ኣሳእል ዝተሓለወ እዩ።