እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምኒስተር ዜና ኤርትራ ብቐጻሊ ዝጠቕሳ 'ቍሸት ፖተምኪን' እንታይ'ያ?
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን እናዓረገ ክመጽእ ዝጸንሐ ወጥሪ ኣብቲ ዞባ ደበና ካልእ ደማዊ ኲናት ከም ዘንጸላሉ ገይሩ ኣሎ።
ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ኣብ ዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመታት ካብ ውሃ ዘበለ ፍሕፉሕ ፍቕሪ ናብ ምትፍናን ብምስጋር፡ ብግጥሚ፡ ዜማ፡ ውስጠዘን ምስላታትን ዝተሰነየ ዳርባ ቃላት ክለዋወጣ ጸኒሐን። ናብ ብሂልን ጽዋን ዝኸደ'ውን ኣይስኣንን።
ንሎሚ ግን ሓደ ካብ ሰበስልጣን ኤርትራ ዝዀነ ምኒስተር ዜና ዝጥቀመላ ሓዳሽ ሓረግ ከነላልየኩም ኢና።
ኣብ ኤክስ ወግዓዊ፡ ሓውሲ-ውግዓዊን ዘይውግዓዊን መግለጺታትን ርእይቶታትን ብምሃብ ዝፍለጥ ምኒስተር የማነ ገብረመስቀል ከም ኣፈኛ መንግስቲ ኤርትራ'ዩ ዝርአ።
እቲ ምኒስተር ኣብቲ ብቋንቋ እንግሊዝ ዘውጽኦ ጽሑፋት ዘይዝውተሩ 'ዓበይቲ ቃላት' ወይ ሓረጋት ዝጥቀም ኰይኑ፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ዳርጋ ዝበዝሕ ሰብ ሰሚዕዎ ዘይፈልጥ ፍሉይ ሓረግ ኣታኣታትዩ ኣሎ - 'ቁሸት ፖተምኪን'።
ናብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ብምንጽጻር ድማ'ዩ ነቲ ሓረግ፡ ብፍላይ ነቲ 'ፖተምኪን' ዝብል ቃል ብቐጻሊ ዝጥቀመሉ ዘሎ።
ንምዃኑ 'ፓተምኪን' እንታይ ወይ መን እዩ? 'ዓዲ-ፓተምኪን'ከ ኣበይ ትርከብ? መልሲ ንምርካብ 250 ዓመታት ንድሕሪት ክንመልሰኩም. . . ።
ዛንታ 'ቁሸት ፖተምኪን'
እዋኑ መበል 18 ክፍለዘመን'ዩ- 1787። ሃጸያዊት ሩስያ ኣብ ትሕቲ ንግስቲ 'ካተሪን ዓባይ' ዝነበረትሉ እዋን ተራእዩ ዘይፈልጥ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ለውጢ ዝተኸሰተሉ ነበረ። ብስነፍልጠታዊ ምርምርን ሓሳብን ዝድረኽ ዝነበረ 'መዋእል ኣብርሆት' (Enlightenment era) ዝተጋህደሉ ብምንባሩ፡ ኣብታ ንግስነት ሓደስቲ ስልጣነታትን ምዕባለታትን ክፍጠሩ ዕድል ረኺቦም።
ብዙሓት ከተማታት፡ ዩኒቨርሲታትን ከም ሲነማታት ዝበሉ ማእከላት ባህልን ሩስያ ኣብቲ ግዜ ዝተሃንጹ እዮም። ካተሪን ዓባይ፡ ንዝነበራ ውሱን ፍልጠትን ምርዳእን ንምምዕባል ምስ ከም በዓል ቮልቲየርን ዲደሮትን ዝበሉ ገለ ናይቲ እዋን ዓበይቲ ፍላስፋታትን ጸሓፍትን ትላዘብ ምንባራ ሰነዳት ታሪኽ ይምስክሩ።
ዋላ'ኳ ንሕጊታት እታ ሃገር ኣብ ምስናድን'ውን ኣገዳሲ ተራ እንተ ተጻወተት፡ ስልጣና ንምድልዳል ንመሳፍንቲ ናይቲ እዋን ኣብ ልዕሊ ገባራይ ህዝቢ ጽዕነት ከኽብዱ ዕድል ምሃባ ግን ሓደ ካብቲ ዝቐርበላ ነቐፌታታት'ዩ።
ካተሪን፡ ነቲ ብዓል ቤታ ዝነበረ ሃጸይ ጴጥሮስ ብምዕላው'ያ ኣብ 1762 ዘውዲ ደፊኣ። ናይታ ኣካል ፕራሺያ (ጀርመን) መበቆል ዝነበሮ ፒተር ብይኒ ጥርጠራ ተራእዩ ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ'ዩ ካብ ዝፋኑ ወሪዱ፡ ሞይቱ። ካተሪን'ውን ኣብ ሞቱ ኢድ ኣለዋ ተባሂላ ክሳብ ሎሚ'ያ ትሕመ።
እዛ መበለት ዝዀነት ንግስቲ ድሕሪ ሞት ሰብኣያ ብዙሓት ኣፍቀርቲ ነይሮማ፣ ንዅሎም ድማ ናብኣ ብምጽጋዕ ዝለዓለ ስልጣን ትምጥወሎም ከም ዝነበረት'ዩ ዝንገር።
እቲ ዝያዳ ኣብሊጻ ትርእዮ ዝነበረት ግን፡ ግሪጐሪ ፖተምኪን ዝተባህለ ሓያል ወተሃደራዊ መራሒን መስፍንን እዩ ዝነበረ።
እዚ ኣብቲ ዕልዋ ከም ዝወዓለ ዝንገረሉ፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ዝነበረ ፖተምኪን፡ ግዝኣት ንግስነት ካተሪን ኣብ ደቡብ ከስፋሕፍሕን ከደልድልን ፍሉይ ዕማም ተዋሂቡዎ ነበረ። ኣብ 1783 ከኣ ንዞባ ክረሚያ ብዘይውግእ ካብ ኦቶማን ቱርኪ ወሲዱ ኣካል ሩስያ ገበራ (ኣብ 2014 ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ነቲ ታሪኽ ብምድጋም ነታ ድሓር ኣካል ዩክረይን ዝዀነት ዞባ ጐቢጡ ኣካል ሃገሩ ገይሩዋ ምህላዉ ይፍለጥ)።
ሓደ እዋን፡ ኣብ 1787፡ እታ ምስጢራዊት ኣፍቃሪቱ ዝነበረት ንግስቲ ካተሪን ምስቶም ካብ ሃገራት ኣውሮጳ ዝመጹ ኣጋይሻ ናብታ ንሱ ዘመሓድራ ዝነበረ "ሓዳስ ሩስያ" (ክረሚያን) ክትበጽሕ ተበገሰት።
ፖተምኪን፡ ብሓደ ወገን ነታ ሓለቓኡን ፈታዊቱን ዝዀነት ሃጸይ ከሐጕስ፡ በቲ ካልእ ድማ ንምስሌነታት ናይተን 'ማዕቢልና' ኢለን ዝንየታ ንግስነታት ምዕራብ ኣውሮጳ ብስልጣነን ብልጽግናን ሩስያ ከም ዝምሰጡ ንምግባር ላዕልን ታሕትን ክብል ነይሩዎ- ጋሻ ክቕበል ገዛኡን ከባቢኡን ዘየጸራሪ መን ኣሎ?
እቲ ጽዋ፡ ፖተምኪን ንካተሪን ንምሕጓስን ዝና ሩስያ ንምዕባይን ብዘመናዊ ቅዲ ዝተሰርሐ ዝመስል ስኑዕ ቁሸታት ሃኒጹ ዝብል'ዩ።
ብዕንጸይቲ ወይ ሳዕሪ ዝተሰርሐ ክልተ ወይ ሰለስተ ገጻት ጥራይ ዘለዎ ተንቀሳቓሲ 'ህንጻታት' ብምድላውን ብዝተፈለለየ ሕብሪታት ብምውቃብን ብኽልተ ወገን ናይቲ ሰረገላታትን ኣፍራስን እታ ንግስትን መሰነይታኣን ዝሓልፍሉ ከምዝቘሙ ይግበር። እቶም ኣጋይሽ ምስ ሓለፉ ድማ ከይተራእየ ንቕድሚት ይውሰድ እሞ፡ ዘይውዳእ መስርዕ ህንጻታት ብሉጽ ከተማ መሲሉ ከምዝቐርብ ይግበር።
ናብቲ ከባቢ ብርክት ዝበሉ ጥሪትን (ዝተፈላለዩ እንስሳ ዘቤት) ብምምጻእ ወዛሕዛሕ ከም ዝብሉ ብምግባር'ውን 'ዓዲ መዓርን ጸባን' ምዃኑ ዘንጸባርቕ ነበረ። ነበርቲ ናይቲ ከባቢ'ውን ካብዚን ካብትን ብዝመጸ ጽሩይ ልብስታት ገሪሞም ኣብ ንቡር ናብራ ከምዘለዉ ተመሲሎም ላዕልን ታሕትን ክብሉ ይራኣዩ። ነቲ ምርኢት ዝያዳ ንምድማቕ ከኣ ዝተቐንጠበ ዕምባባታት ይትከልን ዳሜራታት ሓዊ ይውላዕን።
ብኣፍራስ፡ ብረታት፡ ድርዕታትን ዋልታታትን ዝተሰነዩ ወተሃደራት'ውን ፍሉይ ምርኢት ብምውዳብ ዘመናዊ ብቕዓት ዘለዎ ሰራዊት ከም ዝሃነጸ ከርኢ ከም ዝፈተነ ይንገር።
ሓቅነት ዘለዎ ታሪኻዊ ፍጻመ ድዩ ግን? ዝበዝሑ ተመራመርቲ ታሪኽ ናይቲ እዋን፡ ብፍላይ ድማ እቶም ብዛዕባ ንግስቲ ካተሪን፡ ትንሳኤ ዘመናዊ ስልጣነ ሩስያ፡ ከምኡ'ውን ግሪጐሪ ፖተምኪን ዝዳህሰሱ ጸሓፍቲ ዝሰማምዕሉ ጉዳይ እንተሎ፡ ፍጻመ "ቁሸት ፖተምኪን" ካብ ብሂል ዝሓልፍ ከም ዘይኰነ እዩ።
ነቲ ጉዳይ ብዝምልከት ዕቱብ ምርምር ዘካየዱ ኣለክሳንደር ፓንቸንኮን ማይክል ዴቪድ-ፎክስን ዝርከብዎም ሊቃውንቲ ታሪኽ ጭብጢ ዘይተረኽቦ "ባህላዊ ብሂል" ብምባል'ዮም ዝገልጽዎ።
እቲ ኣብ መንጐ ኣውሮጳን ሩስያን ዝነበረ ውድድርን ምቅንናእን ንነዊሕ ዓመታት ነቲ ብሂል ህይወት ከም ዘዘርኣሉ ኸኣ ይእመን።
ሓቂ'ዩ፡ ፖተምኪን ናይቲ ብዓይኒ ትሕተቅርጺ ድሒሩ ዝነበረ ከባቢታት "ሓዳስ ሩስያ" ገዛኢ ካብ ዝኸውን ንድሓር ዓቢ ለውጥታት ከም ዝገበረ ታሪክ ዝኽሕዶ ኣይኰነን።
እታ ንግስቲ ክትበጽሖ ዝመጸትሉ እዋን'ውን ሓደስቲ ከተማታት፡ ትካላት ትምህርቲን ዓበይቲ መንግስታዊ ህንጻታትን ተሰሪሖም እዮም ጸኒሖማ። ንንግስቲ ዝበቅዕ ኣቀባብላ'ውን ከም ዝገበረላ'ውን ዝከሓድ ኣይኰነን- ከምቲ ብሂል ዘዳመቖ ኣይኰነን ድኣ'ምበር።
ሕብረት ሶቭየት፡ ደግሲ ብሂል 'ቁሸት ፖተምኪንን'
ሕሉፍ ማርክሳዊ ሰልፊ ቦልሸቪክ ብመሪሕነት ቭላድሚር ለኒን ኣብ 1917 ኣብ ሩስያ ስልጣን ምስተቘጻጸረ፡ ኣብ ዝቐጸለ ሒደት ዓመታት ማሕበርነታዊት ሕብረት ሶቭየት ተመስሪታ።
እቲ ንሕዝቶ መሬት፡ ዋነንት ንብረትን ኣቃውማ ሕብረተሰብን ዝቐየረ ሰውራ ቦልሸቪክ፡ መርኣያ ብሉጽነት ማሕበርነታዊ ስነሓሳብን ክልሰሓሳብን ዝኸውን ሰፈራታትን መነባብሮን ንምርኢት ከቕርብ ዝጀመረሉ ፈላሚ ዓመታት ነበረ።
ነቲ ኣብነታዊ ዝተባህለ ዓድታት፡ ከተማታት፡ ትካላትን ፕሮጀክትታትን ንምዕዛብ ካብ ርእሰማላውነት (ካፒታሊዝም) ዝዓብለሎ ምዕራባዊ ኣውሮጳ ዝመጹ ዲፕሎማሰኛታት፡ ጸሓፍቲን ጋዜጠኛታትን ዝርከብዎም በጻሕቲ ነቲ ካድረታት ሶቬት ዘጋንንዎ ዝነበሩ ገስጋስ ብዓይኒ ጥርጠራ ክርእይዎ ጀሚሮም።
"ንሃመማ ከም ሓርማዝ ኣጒሊሑ ዘርኢ፡ ኣብ ካልእ እዋን ድማ ንላም ናብ ኣንጭዋ ዝቕይር ዓይኒ እዩ" ክብል ሓደ ጊዩላ ኢልየስ ዝተባህለ ሃንጋርያዊ ገጣማይ ናይቲ እውን ነቲ " 'ፖተምኪን ኮምፕለክስ' ገሊጽዎ ነይሩ።
እዚ'ውን ካብቲ በቈላዊ ብሂል ዘይፍለ ኰይኑ፡ እቲ ንሕብረተሰብ ንምትብባዕ ዝተበገሰ ምርኢታት ግዳይ ናይቲ እናተኻረረ ዝኸደ ወጥሪ ምዕራብን ምብራቕን ኰይኑ'ዩ። ገለ'ውን ናብ 'ነብሰ-ጥበራ' ገጹ ኣምሪሑ ምባባሩ'ዮም ዝምጕቱ።
በቲ ኮነ በቲ ግን፡ ከምቲ ዝብሃል፡ ምሉእ ብምሉእ ንምድንጋር ዝተሰርሐ ናይ ሓሶት 'ቁሸት ፖተምኪን' ዓዲ ወይ ከተማ ኣይነበረን።
'ቁሸት ፖተምኪን' ኣብ ኢትዮጵያ?
ኣብ ሚያዝያ 2018 ሃንደበት ናብ ስልጣን ዝደየበ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ንኢትዮጵያ ናብ ብልጽግና ከም ዘሰጋግራ'ዩ ቀልጢፉ ክዛረብ ጀሚሩ።
ኣብ ሕዳር 2019 እውን ስም ናይቲ ንኢትዮጵያ ንልዕሊ 27 ዓመት ዝመርሐን ብህወሓት ዝቕለስ ዝነበረ ገዛኢ ውድብ ኢህወደግ ናብ "ሰልፊ ብልጽግና" ቀይሩዎ'ዩ። ህወሓት ነቲ ጥምረት ብሄራውያን ውድባት ዝነበረ ኢህወደግ ናብ ሓደ ውሁድ ሰልፊ ምስግጋሩ ብምቅዋም ገና ስም ከይቀየረ ኣንሳሒቡ ናብ ክልል ትግራይ ተሓጺሩ ምትራፉ ይዝከር።
ኣቢይ ዝተረከባ ኢትዮጵያ፡ ብህዝባዊ ተቓውሞታት ኣብ ወጥሪን ከቢድ ጎንጽታትን ተሸሚማ ዝነበረት'ያ። እቲ ተኸታሊ እምነት ጴንጠኮስታል ምዃኑ ዝንገረሉ መንእሰይ መራሒ ሃገር ንቁስሊ እታ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዓበየት ሃገር ንምሕዋይ ብዛዕባ ሰላም፡ ምክብባርን ሓድነትን ብምስባኽ ክሳብ 'መደመር' ዝተባህለ መጽሓፍ ደሪሱ'ዩ።
ሓደ ካብቲ ቀልቢ ብዙሓት ዝሰሓበ ፖሊሲታት እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ግን ንከተማታት፡ ብፍላይ ንኣዲስ ኣበባ ንምውቃብ ዝገበሮ ምንቅስቓስ'ዩ። ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ፡ ነታ ርእሰከተማ ንምሕዳስ ናይ ድራር እንግዶት ብምድላው ሓደ ቢልዮን ዶላር ንምእካብ ፈተነ ኣካይዱ። ኣብ ዝቐጸሉ ዓመታት ድማ ካብ ውሽጥን ደገን ብዝረኸቦ ደገፍ መናፈሻታት ዝርከቦ ሓያለ ናእዳን ነቐፌታን ዘትረፈ ትሕተ ቅርጽታት ከም ዝህነጽ ገበረ።
"ኣዲስ ኣበባ፡ ልዕሊ ርእሰከተማ እያ። ተንቀሳቓሲት ራእይ፡ ኣፍደገ መጻኢት ኢትዮጵያ እያ" ክብል'ዩ ኣቢይ ነታ መዲና ኣህጉር ኣፍሪቃ ዝዀነት ከተማ ዝገልጻ።
ብደገን ውሽጢን "ደረጃኡ ዝሓለወ" መንግስታዊ ህንጻታት ክህሉ ኣለዎ ብዝብል'ውን ንመልክዕ እታ ከተማ ዝቐየረ ስርሓት ህንጻ ኣዊጁ።
"ናይ ልምዓት ኮሪደር" ብዝብል ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ዝተሃንጸ መዘናግዒ ማእከላትን ፕሮጀክት ኣባይትን'ውን ካብቶም ጸቒጡ ዝዛረበሎም ቀዳምነታቱ እዮም።
ብዙሓት፡ ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ እታ ሃገር ርእያቶ ናብ ዘይትፈልጥ ደማዊ ኲናት ሓድሓድ ተሸሚማ ኣብ ዘላትሉ እዋን እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብ ከምዚኦም ዝበሉ ፕሮጀክትታት ምትኳሩ ንምስሉ ንምጽብባቕ ዝዓለመ'ዩ ብምባል'ዮም ዝነቕፍዎ።
እታ ኣስታት 29 ቢልዮን ዶላር ናይ ወጻኢ ዕዳ ከምዘለዋ ዝንገረላ ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣስታት 13 ቢልዮን ዶላር ወፍሪ ከምዝሰሓበት ሮይተርስ ዘውጽኦ ጸብጻብ ይጠቅስ።
ምኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ድማ ናብዚ ነቐፌታን ተቓውሞን ብምጽንባር'ዩ ነቲ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግን "ሰልፊ ፖተምኪን" ክብል ዝጽውዖ ዘሎ።
"ሕሉፋት ደገፍትን ግናያትን ሰልፊ ብልጽግና (ነቲ ኣብዚ እዋን'ዚ ተቐባልነት እናረኸበ ዝኸይድ ዘሎ ሰልፊ ፖተምኪን ዝብል ኣነዋሪ ሓድሽ መጸውዒ ክጥቀም ኣይደሊን እየ) ኣንጻር ኤርትራ ኣብ ዝግበር ናይ ምክፋእን ምስይጣንን መዓልታዊ ወፍሪ ተሸኺሎም ኣለዉ" ክብል'ዩ ንመጀመርታ እዋን ኣብ ፈለማ ነሓሰ 2025 ነቲ ሓረግ ተጠቒምሉ።
ብድሕሪኡ፡ ንልዕሊ 30 ግዜ ነቲ ሓረግ ብምጥቃም ነቲ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ክትውንን ይግባኣ'ዩ ብምባል ዝጕስጕስ ዘሎ ገዛኢ ሰልፊ በቲ "ኣነዋሪ" ዝበሎ ሓረግ ገይሩ ክሃርሞ ከምዝደሊ ብተደጋጋሚ ኣመስኪሩ ኣሎ።
ኣብ ኤርትራኸ?
ብዙሓት ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራን ማዕከናት ዜናታቱን ንዓመታት ኣብታ ሃገር ዝንኣድ ልምዓታዊ ንጥፈታት ይካየድ ከም ዝነበረ ንምርኣይ ብስእልን ምስልን ዝተሰነየ ምጕት ከቕርቡ ጸኒሖም'ዮም።
ብፍላይ እቲ ብመሪሕነት ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝተሃንጸ ዲጋታትን ሓጽብታትን ክሳብ ሎሚ'ውን ከም መርኣያ ልምዓታዊ ዓወታት እዩ ዝርአ።
ብፍላይ እታ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ቤት ጽሕፈቱ ደኲኑላ ዘሎ ዲጋ ዓዲ ሃሎ፡ መራሕቲ ሃገራት ወጻኢን ደገፍቱን ዝበጽሕዎ "ቦታታት ልምዓት" እዩ።
እንተኾነ ኣሰር ሲንጋፖር ብምኽታል ቅልጡፍ ልምዓታዊ ለውጢ ንምምጻእ ኣብ ፈለማ ዓመታት ናጽነት ዝነበረ ተስፋን ምልዕዓልን ሎሚ ዳርጋ ቅሂሙ ተባሂሉ'ዩ ዝግለጽ።
ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንባዕሉ ብዘይንሕስያ ነቲ ምንቍልቋል ክእመነሉ ጀሚሩ'ዩ። ኣብ ዘካይዶ ስሩዕ ቃለመሕትታት ንዕንወት ከተማታትን ትሕተቅርጺ እታ ሃገርን ብዘየወላውል ቃላት ክገልጾ'ዩ ዝስማዕ።
ንኣብነት፡ ሓደ እዋን ምስ ቲቪ ኤረ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት፡ "ባጽዕ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ሉል ትበሃል ነይራ፣ ሎሚ ግን ናይ ቀይሕ ባሕሪ ሉል ኣላዶ እንተ ኢልና - የላን፡ ሉል'ውን ኣይኰነት። ሎሚ ባጽዕ የላን። ዓሰብ እውን የላን'' ክብል እቲ ዝነበረ ናይ ልምዓት ተስፋን ትጽቢትን ከም ዝቐሃመ ጠቒሱ ነይሩ።
ብዛዕባ ኣብ ጸዓት፡ ሃብቲ ባሕሪ፡ ጽርግያን ወደባትን ዝተመዝገበ ፍሽለት ዝበሎ'ውን ክጥቀስ ይኽእል'ዩ።
ብወገን ኢትዮጵያ'ውን ነዚ ድኻማት ኤርትራ ብምልዓል ክነቕፉ ዝስምዑ ሰበስልጣን መንግስቲን ደገፍቱን ውሑዳት ኣይኰኑን። ቅዋም፡ ሃገራዊ ባይቶን ሰልፍታትን ዘይምህላዋ'ውን ገለ ካብቲ ዝሕጭጭሉ'ዩ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ኣቢይ ጸቡቕ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ መመረቕታ ፋብሪካ ሽኮር ኩራዝ 3 ናይ ኢትዮጵያ ተረኺቡ "ንዓይ ዓይኒ ዝኸፍቱ" ክብል ንኢድዎ ምንባሩ ግን ኣይርሳዕን።
ኣብዚ እዋን'ዚ ግን፡ ክልቲኦም መራሕቲ ከይተረፈ ብስሞም ከይተጠቓቐሱ ጸርፍታት ዝሓዘለ ነቐፌታታት ክለዋወጡ ይስምዑ ኣለዉ።
እታ "ንእሽቶ ሮማ" ተባሂላ ብበጻሕታን 'ኣዝማሪኖታት' ነበርታን ትውደስ ዝነበረት ኣስመራ፡ ሎሚ ምስላ ተደዊኑ በብቕሩብ ትፈርስ ምህላዋ ዘሕዝን ክውንነት ኰይኑ ይርከብ- ግልባጥ ቁሸት ፖተምኪን።
እቲ ኤርትራዊ መራሒ ኣብ ጥሪ ናይዚ ዓመት ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ ንናይ ኢትዮጵያ ጠለባት መሰል ኣፍደገ ባሕሪ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ "ናብ ከምዚ ድኣመሰለ ቅልውላው ዘምርሕ ሰብ ሰነፍ፡ ነዳይ፡ ፈራሕ፡ ስሱዕ ጥራይ'ዩ" ኢሉ ነይሩ።
ኣቢይ ብወገኑ፡ ኣብ ፈለማ መጋቢት ብትግርኛ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት 'ዛ ዳዋ፡ ተምጽኦ ኣለዋ' ብምባል ንኤርትራ ኣጠንቂቑ።
"[ምስ መንግስቲ ኤርትራ] ቀሪብና ክንሰርሕ ፈቲንና ነይርና፤ ግን ካብዚ ሓይሊ ዝዀነ ጽቡቕ ነገር ክርከብ ዘይሕሰብ እዩ፤ ዓቕሚ እንተረኺቡ ካብ ምዝራግ ዓዲ ኣይውዕልን። ግን ደጊሙ ንህዝብና ክብድል ዕድል ኣይረክብን። ምናልባት እንተፈቲኑ ድማ ናይ መወደእታ ፈተነ እያ ትኸውን።"
ኣብ ክረምቲ 2018 ናብ ኣስመራ ብምኻድ "ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን" ኣብ ዝፈረምሉ እዋን'ውን ግን፡ "ፕረደዚንት ኢሳይያስ ብርሑቕ ካብ ዝፈልጦን ዝግምቶን ኣዝዩ ብዝተፈልየ መልክዕ፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዓቢ ክብርን ፍቕርን ኣለዎ" ክብል ኣቢይ ነቲ ብዕድመን ዕምሪ ስልጣንን ዝዓብዮ መራሒ ኤርትራ መጕስዎ ከም ዝነበረ ዘይርሳዕ'ዩ።