እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትግራይ፡ ዕድመ ግዝያዊ ምምሕዳር ንዘይተወሰነ ግዜ ከምዝተናውሐ ይግለጽ ኣሎ
ዕድመ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ "ንዘይተወሰነ" ግዜ ከምዝተናውሐ ይግለጽ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት እቲ ንሓደ ዓመት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ናይቲ ክልል ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምኻድ ምስ ሰበስልጣን ፌደራላዊ መንግስቲ ክዘራረብ ምቕናዩ ይፍለጥ።
ሎሚ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ብምርኻብ ናይ ሓደ ዓመት ጸብጻብ ኣፈጻጽማ ስራሕ ከምዘቕረበ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።
እቲ ጀነራል ቅድሚ ሓደ ዓመት ንጌታቸው ረዳ ብምትካእ'ዩ ስልጣን ናይቲ ክልል ሒዙ።
ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎን ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ትግራይ ተሪር ነቐፌታ ከቕርብ ዝስማዕን ጌታቸው'ውን ኣብቲ ሎሚ ምስ ሰበስልጣን ትግራይ ዝተኻየደ ርክብ ተሳቲፉ ነይሩ።
"ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ሎሚ መጋቢት 29/2018 ዓ/ም ናይቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ናይ ሓደ ዓመት ኣፈፃፅማ ግምገማ ሪፖርት ኣቕሪቦም" ይብል እቲ በወገን መቐለ ዝወጸ ዜናዊ ጸብጻብ።
"ኣብቲ ዓመታዊ ኣፈፃፅማ መሰረት ብምግባር ድማ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምይይጥ ኣካይዶም።"
እዚ ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ ዝተፈጥረ ዘይምቅዳው ኣብ መንጎ ኣዲስ ኣበባን መቐለን ወጥሪ ሰፊኑ ከምዘሎ ይፍለጥ።
ብወገን ሰብመዚ ትግራይ፡ ስሩዕ ባጀታዊ ደገፍ ካብ ፈደረላዊ መንግስቲ ብዘይምርካቦም እኹል ኣገልግሎት ንህዝቢ ክህቡ ከምዘይክኣሉ'ዮም ክዛረቡ ጸኒሖም።
መራሕቲ ትግራይ ምስ ኤርትራ ዘካይድዎ ዘለዉ "ጽምዶ" እውን ንሰብ-መዚ ፌደራል ባህ ዘበለ ኣይኮነን።
ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ኣዲስ አበባ ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ፣ ኣባላት ተቓወምትን ተወከልቲ ሲቪክ ማሕበራትን ዝተሳተፍሉ፡ ኣብ ዙርያ ትግራይ ዝምልከት መድረኽ ዘተ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ተኻይዱ ነይሩ። እቲ መድረኽ ብወገን ትግራይ ተቓውሞ ገጢሞ እዩ።
ቅድሚ ሕጂ፡ ልዕሊ 22 ቅድመ-ምድላው መድረኻት ኣብ ኣዲስ ኣበባን መቐለን ከም ዘካየደ ዝገልጽ እቲ ኮሚሽን፡ ኣብ መላእ ሃገር ካብ ወረዳ ጀሚሩ ክሳብ ላዕሊ ሰፋሕቲ ምይይጣት ከምዘካየደ፡ ኣብ ትግራይ ግን ኣብዚ ሕጂ እዋን ዘተ ንምክያድ ዘኽእል ምቹእ ኩነታት ከምዘየለን ሓቢሩ'ዩ።
ኢትዮጵያ ኣብ ዝመጽእ ግንቦት መበል 7ይ ሃገራዊ መረጻ ንምክያድ ኣብ ምድላው ትርከብ። ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት እታ ሃገር ሰልፊታት ብኽትዕን ጐስጓስን ይወዳደሩ ኣለዉ። ሃገራዊ ቦርድ መረጻ፡ ነቝጣታት የዳሉ፡ ምዝገባ መረጽቲ ድማ ይቕጽል ኣሎ።
ትግራይ ግን ሕጂ'ውን ገና ናብ ንቡር ፖለቲካዊ መስርሕ ብዘይምምላሳ ካብዚ መረጻ እዚ'ውን ትግለል እያ ትመስል።
እታ ንልዕሊ ሽድሽተ ዓመታት ኣብ ሃገራዊ ባይቶታት ውክልና ዘይብላ፡ ብሰንኪ ኲናት ዝዓነወት ክልል ትግራይ፡ ሕጂ'ውን ካብዚ ሃገራዊ መስርሕ ወጻኢ እያ ዘላ።
ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና እውን እንተኾነ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ንሃገራዊ ባይቶ ይዅን ክልላዊ ቤትምኽሪን ሕጹይ ከም ዘየቕረበ ቢቢሲ ዝረኣዮ ዝርዝር ሕጹያት የመልክት።
እቲ ክልል ብሕጽረት ባጀትን ነዳድን ኣብ ትካላት ትምህርትን ጥዕናን ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ትካላት ህዝባዊ ኣገልግሎት፡ ቅልውላው ከም ዝገጠሞ ሰብ መዚ ከማርሩ ጸኒሖም ኣለው።
ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ትግራይ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ዝተጸገሙ ኣባላት ማሕበረሰብ ናይ መግቢን ካልኦት ሃለኽቲ ቀረባት ደገፍ ክገብር ንፈደራል ኮምሽን ስግኣት ሓደጋ ጻውዒት ኣቕሪቡ ነይሩ።
እቲ ኮምሽን፡ ብ10 መጋቢት 2018 ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ኣብ ትግራይ ኣስታት 2.3 ሚልዮን ሰባት መዓልታዊ ሓገዝ ከምዝጠልቡ ይጠቅስ።
ካብዚኦም ተመዛበልቲ፡ ተመለስቲ ተመዛበልቲ፡ ተጠቀምቲ ስሩዕ ደገፍ ('ሴፍትነት') ዝርከብዎም ኰይኖም፡ ብሰንኪ ሰብ-ሰርሖን ናይ ተፈጥሮን ሓደጋታት ኣብ ከቢድ ጸገም ወዲቖም ከም ዝርከቡ እቲ ደብዳበ የመልክት።
ብዙሓት ሰራሕተኛታት መንግስቲ'ውን ንዓመታት ስሩዕ ደሞዝ ከምዘይተኽፍሎም ክገልጹ ጸኒሐም እዮም።
ካብዚ ሓሊፉ'ውን እቲ ኣብ መንጎ መራሕቲ ትግራይን ፌደረላዊ መንግስቲን ዘሎ ምትፍናን ናብ ካልእ ደማዊን ኣዕናዊን ኲናት ከየምርሕ ዓቢ ስግኣት'ዩ ፈጢሩ ዝርከብ።
ክልል ትግራይ ኣብቲ ኣብ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ክልተ ዓመት ከቢድ ሰብኣዊ ክሳራን ዕንወት ትሕተ-ቅርጽታትን ከምዝወረዳ ይዝከር።