ህወሓት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዕድመ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምንውሑ ተቓዊሙ

ምንጪ ስእሊ, TPLF
ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ሎሚ ኣብ ፌስቡክ ገጹ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዕድመ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ምንውሑ ንውዕል ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝጥሕስ'ዩ ብምባል ተቓዊምዎ።
ኣብቲ መግለጺ እቲ ንሰለስተ ዓመታት ዝጸንሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ "ብመሰረት እቲ ስምምዕ ዘቐመጦ ብዝርርብ ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተጣየሸ'ዩ" ኢሉ።
ብምስዓብ "እንተዀነ ግን መንግስቲ ኢትዮጵያ መቐጸልታ እቲ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ብምጥሓስ ክፍጽሞም ዝጸንሐ ተግባራት፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብዝወጸ ሕግን ነቲ ስምምዕ ምሉእ ብምሉእ ብምጥሓስን ንሓደ ዓመት ክናዋሕ" ምውሳኑ ተቓዊሙ።
ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ዕድመ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምንውሑ፡ "ክልተኣዊ ፖለቲካዊ ዝርርብ ኣሰማማዕቲ ኣካላት ዘይተገበረሉን ካብ ኣፍልጦን ተሳትፎን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ወጻኢ ዝተመሓለፈን በይናዊ ውሳነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምዃኑ ንመላእ ህዝብና፡ ኣደራደርቲ ስምምዕ ፕሪቶርያን ማሕበረሰብ ዓለምን ከነፍልጥ ንፈቱ" ኢሉ።
ዕድመ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንሓደ ዓመት ከም ዝተናውሐ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ብሰሉስ'ዩ ኣፍሊጡ።
ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት እቲ ንሓደ ዓመት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ናይቲ ክልል ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምኻድ ምስ ሰበስልጣን ፌደራላዊ መንግስቲ ክዘራረብ ምቕናዩ ይፍለጥ።
ብሰሉስ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ብምርኻብ ናይ ሓደ ዓመት ጸብጻብ ኣፈጻጽማ ስራሕ ከም ዘቕረበ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ሓቢረን። እቲ ጀነራል ቅድሚ ሓደ ዓመት ንጌታቸው ረዳ ብምትካእ'ዩ ስልጣን ሒዙ።
ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኰይኑ ዝሰርሕ ዘሎን ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ትግራይ ተሪር ነቐፌታ ከቕርብ ዝስማዕን ጌታቸው'ውን ኣብቲ ሎሚ ምስ ሰበስልጣን ትግራይ ዝተኻየደ ርክብ ተሳቲፉ ነይሩ።
ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ትማሊ 8 ምያዝያ ብማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ኣብ ዘውጽኦ ሓጺር ሓበሬታ፡ ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ዓንቀጽ 62(9) ከምኡ'ዉን ኣዋጅ ቁጽሪ 359/1995 ዓንቀጽ 14 ንዑስ ዓንቀጽ 2(ለ) ፡ ቤት-ምኽሪ ሚኒስትራት፡ ንግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣመልኪቱ ብዘጽደቘ ደንቢ 479/2013 ዓንቀጽ 4(2)ን ብመሰረት ዘቕረቦ ጸብጻብ ሓደ ዓመትን ካብ ሚያዝያ 1 2018 ዓ.ም ጀሚሩ "ሹመት ሌ/ጄኔራል ታደሰ ወረደ ንሓደ ዓመት ከም ዘናውሐ፡" ኣመልኪቱ።
እዚ ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ ዝተፈጥረ ዘይምቅዳው ኣብ መንጎ ኣዲስ ኣበባን መቐለን ወጥሪ ሰፊኑ ከምዘሎ ይፍለጥ።
ብወገን ሰብ-መዚ ትግራይ፡ ስሩዕ ባጀታዊ ደገፍ ካብ ፈደረላዊ መንግስቲ ብዘይምርካቦም እኹል ኣገልግሎት ንህዝቢ ክህቡ ከምዘይክኣሉ'ዮም ክዛረቡ ጸኒሖም።
መራሕቲ ትግራይ ምስ ኤርትራ ዘካይድዎ ዘለዉ "ጽምዶ" እውን ንሰብ-መዚ ፌደራል ባህ ዘበለ ኣይኮነን።
ኢትዮጵያ ኣብ ዝመጽእ ግንቦት መበል 7ይ ሃገራዊ መረጻ ንምክያድ ኣብ ምድላው ትርከብ። ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት እታ ሃገር ሰልፊታት ብኽትዕን ጐስጓስን ይወዳደሩ ኣለዉ። ሃገራዊ ቦርድ መረጻ፡ ነቝጣታት የዳሉ፡ ምዝገባ መረጽቲ ድማ ይቕጽል ኣሎ።
እታ ንልዕሊ ሽድሽተ ዓመታት ኣብ ሃገራዊ ባይቶታት ውክልና ዘይብላ፡ ብሰንኪ ኲናት ዝዓነወት ክልል ትግራይ፡ ሕጂ'ውን ካብዚ ሃገራዊ መስርሕ ወጻኢ እያ ዘላ።

ምንጪ ስእሊ, EBC
ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና እውን እንተኾነ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ንሃገራዊ ባይቶ ይዅን ክልላዊ ቤትምኽሪን ሕጹይ ከም ዘየቕረበ ቢቢሲ ዝረኣዮ ዝርዝር ሕጹያት የመልክት።
እቲ ክልል ብሕጽረት ባጀትን ነዳድን ኣብ ትካላት ትምህርትን ጥዕናን ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ትካላት ህዝባዊ ኣገልግሎት፡ ቅልውላው ከም ዝገጠሞ ሰብ መዚ ከማርሩ ጸኒሖም ኣለው።
ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ትግራይ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ዝተጸገሙ ኣባላት ማሕበረሰብ ናይ መግቢን ካልኦት ሃለኽቲ ቀረባት ደገፍ ክገብር ንፈደራል ኮምሽን ስግኣት ሓደጋ ጻውዒት ኣቕሪቡ ነይሩ።
እቲ ኮምሽን፡ ብ10 መጋቢት 2018 ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ኣብ ትግራይ ኣስታት 2.3 ሚልዮን ሰባት መዓልታዊ ሓገዝ ከምዝጠልቡ ይጠቅስ።
ካብዚኦም ተመዛበልቲ፡ ተመለስቲ ተመዛበልቲ፡ ተጠቀምቲ ስሩዕ ደገፍ ('ሴፍትነት') ዝርከብዎም ኰይኖም፡ ብሰንኪ ሰብ-ሰርሖን ናይ ተፈጥሮን ሓደጋታት ኣብ ከቢድ ጸገም ወዲቖም ከም ዝርከቡ እቲ ደብዳበ የመልክት።
ብዙሓት ሰራሕተኛታት መንግስቲ'ውን ንዓመታት ስሩዕ ደሞዝ ከምዘይተኽፍሎም ክገልጹ ጸኒሐም እዮም።
ካብዚ ሓሊፉ'ውን እቲ ኣብ መንጎ መራሕቲ ትግራይን ፌደረላዊ መንግስቲን ዘሎ ምትፍናን ናብ ካልእ ደማዊን ኣዕናዊን ኲናት ከየምርሕ ዓቢ ስግኣት'ዩ ፈጢሩ ዝርከብ።
ክልል ትግራይ ኣብቲ ኣብ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ክልተ ዓመት ከቢድ ሰብኣዊ ክሳራን ዕንወት ትሕተ-ቅርጽታትን ከምዝወረዳ ይዝከር።












![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


