ሱዳን፡ ዓለማዊ ቤት ፍርዲ ኣብ መርመራ ገበናት ኲናት ዝረኸቦ ጭቡጥ መርትዖ እንታይ እዩ?

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን (ICC)፡ ንመራሕቲ ዳዕመ-ሰሪዕ ምስቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሱዳን ዞባ ዳርፉር ዝተፈጸመ ገበናት ኲናት ዘተኣሳስር "ጭቡጥ መርትዖ" ከም ዝረኸበ ምኽትል ዋና ዓቃብ ሕጊ እቲ ቤት ፍርዲ ናዝሃት ሻሚም ኻን ገሊጻ።

ናዝሃት ንቢቢሲ ከም ዝገለጸቶ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ገበን ኣብቲ ብዛዕባ ኣብ ከተማታት ኤል-ፋሸርን ኤል-ጀነይናን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቕትለት ዘካይዶ ዘሎ መርመራ "ርኡይ ምዕባለ " ከም ዘመዝገበ ኣፍሊጣ።

"ፍትሒ ንምርጋገፅ፡ ናብ ቤት ፍርዲ ምቕራብ ግዜ ክወስድ ይኽእል'ዩ፡ ኣብኡ ምብፃሕና ግን ዘይተርፍ እዩ" ዝበለት ካን፡ መራሕቲ ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ምስቶም ዝተፈፀሙ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ቀጥታዊ ምትእስሳር ከምዘለዎም ኣመልኪታ።

ኣብ ልዕሊ ኤል-ፋሸር ዝተፈፀመ ዕፅዋን ክባን ኣብ መወዳእታ ድማ ምቁፅፃር እታ ግዝኣት፡ ኣብ መንጎ 'ዞም ዕጡቓትን ሰራዊት ሱዳንን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ሓደ ካብቶም ዘስካሕክሑ ፍጻመታት ዝተራእየሉ ከባቢ እዩ።

ኣብ ጥቅምቲ ዝሓለፈ ዓመት እዞም ሓውሲ ምልሻ- ዕጡቓት ጕጅለታት፡ ነታ ከተማ ኣብ ዝተቘፃፀርሉ እዋን፡ ልዕሊ 6 ሽሕ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘረጋገፀ ዀይኑ፡ እቲ ጕጅለ ኣብ ኤል-ጀነይና ድማ ተመሳሳሊ ህልቂት ብምፍጻም ይኽሰስ።

እቲ ጕጅለ፡ ኣብ ዳርፉር ሰፊሕ ቅትለት ፈፂሙ ንዝብል ክሲ ይነፅግ።

ብተመሳሳሊ፡ ብረቡዕ ዝተዘርግሐ ጸብጻብ ጕጅለ መርማሪ ሕቡራት ሃገራት'ውን፡ ኣብ ግጭት ሱዳን ብሰራዊትን በቶም ዕጡቓት ጕጅለታትን ሰፊሕ ግፍዒ ከም ዝተፈጸመ መርትዖታት ረኺቡ ኣሎ።

መብዛሕትኡ እቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ብኣልማማ ዝፍጸም መጥቃዕቲ፡ ብፍላይ ኣብ ዳርፉር፡ ሰባት ብመሰረት ዓሌቶም ዒላማ ዝገበረ ዀይኑ፡ ዕጡቓት እቲ ጕጅለ፡ ተሓተትቲ ምዃኖምን፡ እዚ ድማ "ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ክኸውን ከምዝኽእልን" ገሊፁ።

ብመሰረት ጸብጻብ ልኡኽ ምጽራይ ሓቅታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕን ምስኦም ዝተኣሳሰሩ ጕጅለታትን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንከተማ ኤል-ፋሸር ኣብ ዝተቘጻጸሩሉ እዋን፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ብጕጅለ ምዕማጽ፡ ጾታዊ ባርነትን ካልኦት ዓይነታት ግህሰትን ዝርከቦም ጾታዊ ዓመጻት ፈጺሞም እዮም።

ካን ብዛዕባ መርመራ እቲ ዓለማዊ ቤት ፍርዲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ "ሕጂ ነቲ ኣብ ባይታ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ፡ ምስ ገለ መሪሕነት ብቐጥታ ምትእስሳር ከም ዝከኣል፡ ጭቡጥ መርትዖ ረኺብና ኣለና" ኢላ።

ይዅን እምበር፡ ኣብቲ ኣብ ምያዝያ 2023 ኲናት ኲናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ንዝተፈጸመ ግፍዕታት ተሓተትቲ ዝኾኑ ሰባት መዓስ ክሲ ክቐርበሎም ከም ዝኽእል ኣየነፀረትን።

"ከመይ ዝቕልጥፍን ክንደይ ግዜ ከም ዝወስድን ሕጂ ክንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና" ኢላ።

"ግን ጭቡጥ ምዕባለ ኣሎ፡ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ተሰጋጊርና ክንብል ድማ ንኽእል ኢና።"

ኣብ ሆላንድ ከተማ ሄግ ዝመደበሩ እቲ ቤት ፍርዲ ብምጽናት ዓሌት፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ገበናት ኲናትን ክሲ ናይ ምቕራብ ስልጣን ዘለዎ ዓለማዊ ቤት ፍርዲ እዩ።

ካን፡ ኣብ ምብራቓዊ ጫድ ኣብ ዝርከቡ መዓስከራት ስደተኛታት ብምብጻሕ፡ ካብቲ ኣብ ዳርፉር ዝተኻየደ ውግእ ዝሃደሙ ሰባት፡ ብዛዕባ እቲ ዝወረዶም ግፍዒ ነጊሮምዋ ኣለዉ።

ኣብ ኤል-ፋሸር ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ካብ ገዛኦም ክወጹ ከም ዝተገደዱን ሕቡራት ሃገራት ድማ ኣብኡ ዝፍጸም ዓመጽ፡ ገበናት "ምጽናት ዓሌት" ከምዝዀነን ኣንፊቱ እዩ።

እቲ ዕጡቕ ጕጅለ፡ ኣብታ ከተማ ዝፍጸም ቅትለት፡ ዓሌት መሰረት ዝገበረ እዩ ዝብል ሰፊሕ ክስታት ይነፅግ።

እቲ ክሲ፡ ዕጡቓት ኣዕራብ ኣብ ልዕሊ ዓረብ ዘይኰኑ ዓሌታት ዒላማ ዝገበረ እዩ ዝብል እዩ።

ዕምቈት ናይቲ ግፍዒ ከምዝተጋነነ ዝገልጽ እቲ ጕጅለ፡ ኣብታ ከተማ ግን ገለ ጥሕሰት መሰላት ከምዘጋጠመ ብኽፊል ክኣምን ጀሚሩ ኣሎ።

ድሕሪ ምሓዝ ኤል-ፋሸር ነዊሕ ከይጸንሐ፡ መራሒ ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ [ሕመቲ] ፡ እቲ ጕጅለ ዝዀነ ይዅን ግፍዒ ይምርምር ከምዘሎ ገሊጹ።

እቲ ጕጅለ፡ እቲ መርመራ ይቕፅል ከምዘሎ ኣብ ቀረባ እዋን ኣመልኪቱ እዩ።

ኣምባሳደር ሰብኣዊ መሰላት ዓባይ ብሪጣንያ ኤሌኖር ሳንደርስ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ንከተማ ኤል-ዑበይድ ምስቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኤል-ፋሸር ዝተራእየ ግፍዒታት ብተመሳሳሊ፡ ከጋጥም ከምዝኽእል ኣጠንቂቓ ነይራ።

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ብሰኑይ ኣብ ኤል-ዑበይድ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ተፈጺሞም ዝበሃሉ ገበናት ህጹጽ መርመራ ክካየድ ኣዚዙ።

"እዚ ንርእዮ ዘለና፡ ቅድሚ 20 ዓመት እዚ ​​ኵነታት ንመጀመርታ ግዜ ብባይቶ ጸጥታ ናባና ኣብ ዝተመሓላለፈሉ ዝነበረ እዋን፡ ተመሳሳሊ መልክዕ ዘለዎ ጥሕሰት በደል'ዩ" ኢላ።

ካን፡ መርመራ ቤት ፍርዲ፡ ምስክርነትን መሰኻኽር ዓይኒ፡ ከም ቪድዮታት፡ ስእልታትን ፎረንሲክ መርመራታትን ዝኣመሰሉ መርትዖታት ዘጠቓለለ ምዃኑ ገሊፃ።

ቅድሚ ሕጂ ዝተኻየዱ መርመራታት፡ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ፈጺሞም ዝበሃሉ 7 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉን ብሽዱሽተ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐረቡን ተገሊጹ።

ካብቶም ተኸሲሶም ዘለዉ፡ ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር ይርከብዎም።

እቲ ፕረዚደንት ነበር፡ ኣብ 2019 ብዕልዋ መንግስቲ ካብ ስልጣኑ ምስ ተኣለየ፡ ኣብ ሱዳን ኣብ ውሑስ ሕክምናዊ ትካል ተኣሲሩ ከምዘሎ ይግመት።

ካልኦት ኣርባዕተ ድማ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ይጽበዮም ኣሎ፡ እንተኾነ ኣብ ቀይዲ ኣይኣተዉን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ እቲ ቤት ፍርዲ ንሓደ መራሒ ሚሊሻ ነበር፡ ካብ 2003 ክሳብ 2004 ኣብ ዳርፉር ብዝፈጸሞ 27 ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ድሕሪ ምፍራዱ፡ ን20 ዓመታት ክእሰር ፈሪድዎ።

ዓሊ መሓመድ ዓሊ ዓብዱራሕማን ኣብቲ ብመንግስቲ ዝድገፍ ዝነበረ ጕጅለ ጃንጃዊድ ላዕለዋይ መሪሕ ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣካል ናይቲ ዓረብ-ዘይኰኑ ሲቪላት ዳርፉር ዒላማ ዝገበረ ጕጅለ እዩ።

ጃንጃዊድ፡ ሓደ ካብቶም ናብ ዳዕመ-ሰሪዕ ዝማዕበሉ ጕጅለታት ኰይኑ፡ ኣብ ሓደ እዋን ምስ ሰራዊት ሱዳን ተሰሊፉ ዝነበረ፡ ሕጂ ግን ምስኡ ኣብ ሓያል ግጭት ዝርከብ፡ ንኡስ-ወተሃደራዊ ሓይሊ እዩ።