እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰነት ኣመሪካ፡ ብዛዕባ 'ኢድ ኣእታውነት' ሓይልታት ትግራይ ኣብ ኲናት ሱዳን እንታይ ኢሉ?
ኣብ ሰነት ኣመሪካ ዝቐረበ ሓድሽ ረቂቕ ሕጊ፡ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ዝርከቡዎም ዝተፈላለዩ ዘይመንግስታውያን ዕጡቓት ጕጅለታት ኣብቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ግጭትን ክፍጸሙ ዝጸንሑ ግፍዕታትን ዘለዎም ተሳትፎ ዝምልከት መርመራ ተገይሩ ጸብጻብ ክቐርብ ሓቲቱ።
እቲ ብኽልተኦም ሰልፍታት ዝቐረበ ረቂቕ ሕጊ፡ ምምሕዳር ኣመሪካ ሓይልታት ትግራይን ኣርሚ 70ን ዝርከቡዎም፡ ዝተፈላለዩ መንግስታትን ዕጡቓት ጕጅለታትን ኣብ ሱዳን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ዘለዎም ኢድ ኣእታውነት ክምርመር እዩ ኣዚዙ ዘሎ።
እዚ "ኣብ ሱዳን ምርግጋእን ጸጥታን ንምምጻእ ዝግበሩ ጻዕርታት ንምድንፋዕ፡ ከምኡ'ውን ንካልኦት ዕላማታት፡" ዝብል ስም ዝተዋህቦ ረቂቕ ሕጊ፡ ኣብ ሰነት ኣመሪካ ብሰነተራት ሪሽ፡ ኩንስ፡ ኮርኒ ከምኡ'ውን ሻሂን ዝቐረበ እዩ።
እቲ ሕጊ ቀንዲ ዕላማኡ ኣብ ሱዳን ሰላምን ምርግጋእን ንምምጻእ ዝግበር ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ንምሕጋዝ ዝዓለመ ምዃኑ እቲ ሰነድ የብርህ።
እዚ ረቂቕ ሕጊ ዝቐርብ ዘሎ፡ እቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኣዕናዊ ውግእ ብዝገደደ ይቕጽል ኣብ ዘለወሉ እዋን እዩ።
እዚ ምስ ግዜ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ውግእ ሱዳን፡ በብቝሩብ ናብ ዞባዊ ናይ ውክልና ግጭት ይቕየር ኣሎ ዝብል ክስታት ክቐርቡ ጸኒሖም እዮም።
እቶም ሓድሕዶም ዝዋግኡ ዘለዉ ወገናት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ግዳማዊ ደገፍን ወተሃደራዊ ሓገዝን ከም ዝረኽቡ ብተደጋጋሚ ክኽሰሱ ጸኒሖም ኣለዉ።
እቲ ብጀነራል ቡርሃን ዝምራሕ ሃገራዊ ሰራዊት ሱዳን ብቐንዱ ካብ ግብጺ፡ ቱርኪ ከምኡ'ውን ካብ ኢራን (ብወተሃደራዊ ድሮናት) ወተሃደራዊ ኣጽዋርን ስልጠናን ከም ዝረክብ ብተደጋጋሚ ይኽሰስ።
ብተወሳኺ ስዑዲ ዓረብ፡ ቐጠርን ኤርትራን እውን ምስቲ ሰራዊት ዝወገኑ ከም ዝዀኑ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ ኣሎ።
ብኣንጻሩ፡ እቲ ብሕሜቲ ዝምራሕ ዳዕመ-ሰሪዕ ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሰፊሕ ናይ ኣጽዋርን ፋይናንስን ሓገዝ ከም ዝወሃቦ ብሰራዊት ሱዳንን ኣህጉራውያን መርመርቲ ትካላትን ሓያል ክሲ ብተደጋጋሚ ቀሪብሉ እዩ።
እዚ ንኢማራት ዝቐርብ ዘሎ ክሲ ንኣጽዋር ብመንገዲ ጫድ፡ ሊብያ (ብመንገዲ ሰራዊት ኸሊፋ ሓፍታር) ኡጋንዳን ኢትዮጵያን ናብ ሱዳን ከም እተሕልፎ ዘመልክት ኰይኑ፡ ኢማራት ግን ነዚ ክሲ እዚ ብተደጋጋሚ ክትነጽጎ ጸኒሓ እያ።
ዘይመንግስታውያን ጕጅለታትን ሱዳንን
ኣብቲ ረቂቕ ሕጊ ኣብ ዓንቀጽ 4 ከም ዝተመልከተ፡ እቲ ሕጊ ካብ ዝጸደቐሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 90 መዓልታት፡ ድሕሪኡ ድማ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ (በብመንፈቕ) ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ምስ ዳይረክተር ሃገራዊ መረዳእታ (DNI) ብምትሕብባር ንኮንግረስ ጸብጻብ ከቕርብ ይእዝዝ።
እቲ ጸብጻብ፡ ዝተፈላለዩ ዘይመንግስታውያን ዕጡቓት ጕጅለታት ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብምድጋፍ፡ ብምድላው (ምስላጥ) ወይ ብቐጥታ ብምስታፍ ዘለዎም ተራን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ኣብ ዝፍጸሙ ግፍዕታት ዘለዎም ኢድ ኣእታውነትን ብዕምቈት ዝምረምር ክኸውን ከም ዝግባእ ይገልጽ።
ኣብቲ ረቂቕ ሕጊ ብስም ካብ ዝተጠቕሱ ዝተፈላለዩ ዘይመንግስታውያን ዕጡቓት ጕጅለታት "ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ" እዩ።
ካብ ሓይልታት ትግራይ ብተወሳኺ፡ ከም ጕጅለ ዋግነር፡ ሃገራዊ ሰራዊት ሊብያ (LNA)፡ ከምኡ'ውን ከም ግንባር ሰውራ ሱዳን፡ ሓይልታት ዋልታ ሱዳን ዝኣመሰሉ ዕጡቓት ሱዳን ከምኡ'ውን ዞባውያን ዕጡቓት ጕጅለታት ኣብቲ ዝርዝር ተገሊጾም ኣለዉ።
እዞም ዞባውያንን ኣህጉራውያንን ሓይልታት፡ ነቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ክፍተት ጸጥታ ብምጥቃም፡ ምስቶም ክልተ ተዋጋእቲ ወገናት ዝተፈላለዩ ናይ ፋይናንስን ኣጽዋርን ርክባት ብምምስራት ነቲ ውግእ የጋድዱዎን ይረብሕሉን ከም ዘለዉ እዮም ዝኽሰሱ።
እቲ ምስ ሩስያ ዝተኣሳሰር ጕጅለ ዋግነር ኣብ ምስግጋር ወተሃደራዊ ኣጽዋርን መዓድንን ኢዱ ከም ዘእተወ ይንገር።
እዚ ረቂቕ ሕጊ ድማ እዞም ወገናት'ዚኦም ንህዝቢ ሱዳን ዘጋጥሞ ዘሎ መከራ ኣብ ምስፋሕ ዘለዎም ግደ ንምድራትን ንምግዳድን ዝዓለመ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ግንቦት 2026 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ህወሓት ካብ ሱዳን ወተሃደራውን ገንዘባውን ደገፍ ከም ዝረክብ ብምኽሳስ፡ ምዕራባዊ ዶባት ኢትዮጵያ ከም ዝተጣሕሰን ትዕግስቲ ክገብሩ ከም ዝመረጹን ገሊጹ ነይሩ።
ህወሓት ነቲ ዝቐረበሉ ክሲ፡ "ወጥሪ ንምውላዕ" ዝዓለመ'ዩ ክብል ብምቅዋም፡ እቲ ውድብ፡ "ኣብ ዝዀነ ንዞባዊ ምርግጋእ ዝዘርግ ንጥፈታት ኣይተሳተፈን ኣይደገፈን፡" ክብል ገሊጹ።
ሮይተርስ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ወርሒ ለካቲት 2026 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ምዕራባዊ ዶባታ ኣብ ክልል በኒሻንጉል ጉሙዝ ሓደ ምስጢራዊ መሰልጠኒ ማእከል ዳዕመ-ሰሪዕ ከም ዝሃነጸት ጸብጺቡ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብ ግንቦት 2026 ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣብ ቀንዲ መዓርፎ ነፈርታ ንዝተኻየደ መጥቃዕቲ ድሮን 'ወዲበን' ክትብል ከሲሳተን፤ ነቲ መጥቃዕቲ ከኣ "ቀጥታዊ ወራር" ክትብል ኰኒናቶ ምንባራ ኣይርሳዕን።
ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 'ኢድ ኣለዋ' ንዝብል ክሲ "መሰረት ኣልቦ" ክትብል ነጺጋቶ እያ።
ስዒቡ ዝመጽእ ስጕምቲ እንታይ እዩ?
እቲ ዝቐርብ ጸብጻብ፡ እዞም ዕጡቓት ጕጅለታት ዝረኽቡዎ ናይ ኣጽዋርን ፋይናንስን ደገፍ፡ ዘካይዱዎ ወተሃደራዊ ስልጠናታትን ዝጥቀሙሎም መርበባት ንግድን ዝርዝር ሓበሬታ ከጠቓልል እዩ።
እዚ ረቂቕ ሕጊ ጸዲቑ ናብ ሕጊ እንተ ተቐይሩ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብቲ ኲናት ኢድ ዘለዎም ሓይልታት ወተሃደራዊ፡ ፋይናንሳውን ቪዛን እገዳታት ክትውስድ ምሉእ ስልጣን ዝህብ እዩ።
ኣብዚ እዋን'ዚ እቲ ረቂቕ ሕጊ ኣብ ሰነት ኣመሪካ ናብ ኮሚቴ ወጻኢ ርክባት ተመሪሑ ኣብ ዘተን ምጽዳቕን ይርከብ።
እዚ ረቂቕ ሕጊ ናብ ሕጊ ቅድሚ ምቕያሩ፡ ብኽልተኡ ባይቶታት ኮንግረስ ኣመሪካ (ሰነትን ባይቶ ወከልቲ ህዝብን) ክጸድቕን ብፕረዚደንት ክፍረምን ኣለዎ።
ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ኣብ ምያዝያ 2023 ኣብ መንጎ ንሃገራዊ ሰራዊት ሱዳን ዝመርሕ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል-ቡርሃንን ኣዛዚ ዳዕመ-ሰሪዕ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕሜቲ)ን ብዝተፈጥረ ናይ ስልጣን ቍርቍስ ዝጀመረ ኰይኑ፡ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመት ቀጺሉ ይርከብ።
ኣብዚ ኲናት፡ ልዕሊ 14 ሚልዮን ሰባት ካብ መረበቶም ክመዛበሉ ከለዉ፡ 28 ሚልዮን ሰባት ድማ ንኸቢድ ጥሜት ተቐሊዖም እዮም።