እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብቕትለት ኣሜን ተኽላይ ዝተኸሰሱ ኮተቴታት ደምዳሚ ፍርዲ ተዋሂብዎም
ኣብ ግላስጎው ስኮትላንድ ኣሜን ተኽላይ ንዝተባህለ ወዲ 15 ዓመት መዘናኦም ብገጀራ ኣፍልቡ ብምውጋእ ቀቲሎም ተባሂሎም ዝተኸሰሱ ክልተ ኮተቴ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ተዋሂብዎም።
ኣሜን ተኽላይ ኣብ መጋቢት 2025 ኣብ ከባቢ መስቀል ቅዱስ ጆርጅ ምስቶም ኣብቲ እዋን ወዲ 14ን 15ን ዓመት ዝነበሩ ክልተ መዛንኡ ድሕሪ ዝፈጠርዎ ባእሲ እዩ ሞይቱ።
ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ግላስጎው ዝቘመ ሽማግለ ፍርዲ (Jury) ንኽልቲኦም ተኸሰስቲ "ገበነኛታት ኣይኰኑን" ክብል ኣብ መደምደምታ ከም ዝበጽሐ ኣፍሊጡ፤ በዚ ድማ ናጻ ተባሂሎም።
እቶም ኣወዳት ሕጂ ወዲ 16ን 17ን ዓመት እኳ እንተዀኑ፡ ብሰንኪ ዕድመኦም ግን ስሞም ክግለጽ ኣይከኣልን እዩ።
እቲ ወዲ 16 ዓመት - ንሱን ኣሜንን ሴፍ ከም ዝነበሮም ብምግላጽ፡ ንነብሱ ንምክልኻል ኢሉ [ንኣሜን] ከም ዝወግኦ ተዛሪቡ። እቲ ዓቢኦም ድማ ርሕቕ ኢሉ ደው ኢሉ ከም ዝነበረን ንኣሜን ከም ዘየጥቅዖን ገሊጹ።
ስድራቤትን ኣዕሩኽን ኣሜን ነቲ ብይን ምስ ሰምዑ፡ ኣብቲ ቤት ፍርዲ ስምዒታውያን ክዀኑ ተራእዮም።
ውሳነ ዘፍለጠ ማእከላይ ዳኛ ሎርድ ኮልቤክ፡ ነቶም ኣባላት ሽማግለ ፍርዲ (ጁሪ) ቅድሚ ምፍናዉ፡ ነቲ ዝሃቡዎ ኣገልግሎት ኣመስጊኑ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ነታ ሽማግለ መምርሒ ክህብ እንከሎ እቲ ዳኛ፡ ጉዳይ ርእሰ-ምክልኻ ኣብ ግምት ከእትዉ ከለዉ፣ ተኸሳሲ ወይ ዓርኩ፡ መጥቃዕቲ ህጹጽ ሓደጋ ኣንጸልዩዎም ነይሩ ድዩ ኣይነበረን ኣብ ግምት ከእትዉ ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቡ ነይሩ።
እዚ ፍጻመ፡ ኣብ መንጎ ኣሜንን እቲ ንእሽቶ ወድን ብዝነበረ ጽልኢ ስዒቡ ከም ዘጋጠመ እቲ ቤት ፍርዲ ሰሚዑ እዩ።
እዚ ዝጀመረ ኣብ 2024 ኣሜንን ገለ ኣዕሩኽቱን ካራ ዓጢቘም ኣብ ግዜ ንግዲ ሓሺሽ ካብቲ ወዲ 16 ዓመትን ካልኦት ክልተ ኣወዳትን ሓሺሽ ድሕሪ ምስራቖም ምዃኑ ተገሊጹ።
እዚ ድማ ኣብ መንጎ ኣሜንን እቲ ወዲ 16 ዓመትን ተኸታታሊ ግጭታት ከም ዘስዓበን ገለ ካብዚ ግጭታት ድማ ዝተፈላለዩ ኣጽዋር ዝተሓወሶ ከም ዝነበረን ተሓቢሩ።
ሓያሎ ካብዞም ካሜራታት ጸጥታ (CCTV) ዝተቐርጹ ኣብታ ከተማ ዘጋጠሙ ፍጻመታት ኣብ ቤት ፍርዲ ተራእዮም እዮም።
ሓደ ምስክር እቶም ክልተ ኣወዳት "ኣብ ኲናት" እዮም ነይሮም ክብል ገሊጹ። ኣብ መንጎ እቲ ወዲ 16 ዓመትን ካልኦት መንእሰያትን ዝተለዋወጡዎም ተኸታታሊ መልእኽትታት ኣብቲ መስርሕ ፍርዲ ቀሪቡ።
ሓደ ካብኡ፡ እቲ ፍጻመ ቅድሚ ምግጣሙ ብኽልተ መዓልቲ ኣብ ዝተላእከ መልእኽቲ፡ እቲ ወዲ 16 ዓመት "ኣሜን ዳርጋ ማዕረ ናተይ ዝኸውን ዓቢ ሻንክ (shank)" ከም ዘለዎ ገሊጹ ነይሩ። ቤት ፍርዲ "ሻንክ" ማለት ካራ ማለት ምዃኑ ሰሚዑ።
እቲ ጕጅለ "ምስ ንኣሽቱ ሻንክታት ኣይዋጋእን እዩ" ዝብል ተወሳኺ ዝርርብ ምንባሩ እውን ርእዩ።
ካልእ ምስክር ድማ ቈጸራ ተገይሩሉ ዝነበረ ናይ ቅድሚ እቲ ናይ መወዳእታ ፍጻመ ዘነበረ ባእሲ ገሊጹ። እቲ ምስክር ከም ዝበሎ፡ ኣሜንን እቲ ወዲ 16 ዓመትን ክልቲኦም ገጀራታቶም ኣውጺኦም እኳ እንተ ነበሩ፡ ኣብቲ ከባቢ ንኣሽቱ ቈልዑ ምስ ተራእዩ ግን እቲ ባእሲ ደው ኢሉ።
እቲ ወዲ 16 ዓመት ርእሱ ንምክልኻል ምስክርነቱ ክህብ ከሎ፡ ነቲ መሳርሒኡ - ቀይሕ ስሕለት ዘለዎ ሴፍ - ኣብ ጥሪ 2025 ብ40 ፓውንድ ብኢንተርነት ከም ዝገዝኦ ንቤት ፍርዲ ነጊሩ።
ቅድሚ እቲ ዘሕዝን ፍጻመ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዛዕባ ዝተዘርግሐ ነቲ ሴፍ ሒዙ ዝረኣየሉ ቪድዮታት ተሓቲቱ ነይሩ።
እቲ ኰተቴ፡ "ኣብ ጻዕሪ ምህናጽ መንነተይ እየ ነይረ" ድሕሪ ምባል፡ "ዕሽነት እዩ ነይሩ፣ ወዲ 14 ዓመት እየ፣ ብዙሕ ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ሕጂ ንድሕሪት ተመሊሰ ክርእዮ ከለኹ ኣዝየ ዓሻ እየ ነይረ። ስለምንታይ እቲ ነገራት ከም ዝገበርኩዎ ኣይርድኣንን..." ኢሉ።
እንተዀነ፡ እቲ ወዲ 16 ዓመት ነቲ ገጀራኡ ኵሉ ግዜ ይማልኦ ከም ዝነበረ እውን ቤት ፍርዲ ሰሚዑ።
በታ ኣሜን ዝሞተላ ለይቲ፡ ምስቲ ወዲ 17 ዓመትን ሓደ ጕጅለ ኣዕሩኽቱን "ሜሪሂል" ኣብ ዝተባህለ ቦታ ኣብ ዝርከብ ማእከል ኩዕሶ እግሪ ከለዉ፡ ሓደ ካብኣቶም ኣሜን ኣብቲ ከባቢ ከም ዝተረኣየን ንገሊኦም ይደልዮም ከም ዘሎን ዝገልጽ ጻውዒት ተለፎን ተቐቢሉ።
ገለ ካብቲ ጕጅለ ናብ ገዛኦም እኳ እንተ ከዱ፡ ዓቃቢ ሕጊ ግን እቲ ወዲ 16 ዓመት ንኣሜን ይደልዮ ከም ዝነበረ ይምጕት፤ ነቲ ቀይሕ ሴፉ ኣብ ሰገባኡ ገይሩ ኣብ ውሽጢ ስረኡ ሓቢኡዎ ነይሩ።
እቲ ወዲ 17 ዓመት ድማ ንኣንፉ ናብ ፌርማታ ኣውቶቡሱ ስለ ዝነበረ፡ ምስቲ ኢ-ስኩተር ዝዝውር ዝነበረ ወዲ 16 ዓመት ብእግሩ ሓቢሩዎ ከም ዝኸደ ገሊጹ።
ንመከላኸሊ ክዀኖ ይኽእል እዩ ብምባል ድማ ካብ መንገዲ ሓንቲ ዝተደርበየት ባዴላ መጥበሲ ኣልዒሉ ነይሩ።
እቶም ክልተ ኣብ ከባቢ ጐደና "ክላረንዶን" ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ኣሜን ካራ ሒዙ ኣብ ድሕሪ ሓንቲ ደው ዝበለት መኪና ብሃንደበት "ዘሊሉ ከም ዝወጸ" ገሊጾም።
እቲ ወዲ 17 ዓመት ነቲ ኣሜን ሒዙዎ ዝነበረ እንክገልጽ፡ ከም "ካራ ሸፋቱ ባሕሪ" ዝመስል ጕበጥ ዝበለ ምዃኑ ገሊጹ። እቲ ወዲ 16 ዓመት ገጀራኡ መዚዙ፡ እቶም ክልተ ድማ "ንሓድሕዶም ክወጣወጡ" ጀሚሮም።
እቲ ወዲ 17 ዓመት ድሕር ኢሉ እዩ ነይሩ።
ኣሜን ነቲ ወዲ 17 ዓመት ምስ ረኣዮ ናብኡ ገጹ ምስ ከደ፡ እቲ ንእሽቶ ወዲ ኣብ ኣፍልቡ ከም ዝወግኦ ክልቲኦም ኰተቴታት ገሊጾም። እቲ ወዲ 16 ዓመት ኣሜን ነቲ ዝዓበየ ወዲ ከጥቅዖ መሲሉዎ ከም ዝነበረን ኣጽዋሩ ኣልዒሉ ከም ዝነበረን ተዛሪቡ።
እቶም ክልተ ኰተቴታት ቀልጢፎም ካብቲ ቦታ ብምውጻእ፡ ኣሜን ቍሩብ ርሕቕ ኢሉ ኣብቲ መንገዲ ወዲቑ ከም ዝነበረ ከም ዘይፈልጡ ገሊጾም።
እቲ ዝዓበየ ወዲ ናብ ኣውቶቡስ ክድይብ ከሎ፡ እቲ ወዲ 16 ዓመት ግን ነቲ ብደም ዝተላዕጠጠ ስረኡ ኣውጺኡ ብድሕሪ መንደቕ ደርብዩዎ። ገጀራኡ ኣብ ጥቓ ሓደ ሩባ ኬልቪንግሮቭ ፓርክ ድሕሪ ምድርባዩ፡ ናብ ገዛኡ ከይዱ፤ ግና ቀልጢፉ እንደገና ወጺኡ።
ኣብ ተለፎኑ ዝተገብረ መርመራ ከም ዘርኣዮ፡ ኣብ ኢንተርነት "ወዲ 14 ዓመት ኣብ ብሪጣንያ ንዝፈጸሞ ናይ ምውጋእ ቅትለት ዝወሃብ መቕጻዕቲ" ከምኡ'ውን "ኣብ ግላስጎው ብኻራ ኣብ ዘጋጥም ባእሲ ብርእሰ-ምክልኻል ካብ መቕጻዕቲ ድሒንካ ክትወጽእ ትኽእል ዲኻ፡" ዝብሉ ቃላት ኣናድዩ ነይሩ።
ድሕሪ ሞት ኣሜን ሒደት መዓልታት፡ ኣቦኡ ወደይ ኢድ ኣለዎ ኢሉ ብምስጋእ ናብ ፖሊስ ደዊሉ። እቲ ወዲ 17 ዓመት እውን ድሕሪ ሒደት መዓልታት ብፍቓዱ ናብ መደበር ፖሊስ ብምኻድ ዘጋጠመ ዝበሎ ነገራት ንፖሊስ ነጊሩ።
ድሕሪ ሞት ዝተገብረ መርመራ ሬሳ ከም ዘረጋገጾ፡ እቲ ጠንቂ ሞት ዝዀነ ጕድኣት ብ19 ወይ 20 ሰንቲ ሜተር (ንውሓት ዘለዎ ስሕለት ዝወረደ እዩ ነይሩ።
ቤት ፍርዲ፡ ኣሜን ቅልጡፍ ምፍሳስ ደም ከም ዘጋጠሞን፡ ጕድኣቱ "ብህይወት ዘትርፍ" ከም ዘይነበረን ሰሚዑ።
መበቈሉ ካብ ኤርትራ ዝዀነ ኣሜን፡ ኣብ ግላስጎው ምስ ኣቦኡ ይነብር ከም ዝነበረን ኣብ ጆርዳንሂል ዝርከብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ቅዱስ ቶማስ ኣኲይናስ ይመሃር ከም ዝነበረን ተገሊጹ። ቅድሚ ሞቱ ሒደት እዋናት ኣቐዲሙ መንበሪ ፍቓድ ብሪጣንያ ተዋሂቡዎ ነይሩ።
ድሕሪ ሞት ኣሜን፡ ንዕኡ ንምዝካር ኣብ ስኮትስቶን ኣብ ጥቓ ገዛኡ ኣብ ዝርከብ ሜዳ ኵዕሶ እግሪ ስነስርዓት ምብራህ ሽምዓ ተኻይዱ ነይሩ።
ኣብቲ መስርሕ ክሲ፡ ዓቃብ ሕጊ ኣድሪያን ስታልከር ነቲ ወዲ 16 ዓመት ዘቕረቦ ምኽንያት ርእሰ-ምክልኻል ብምንጻግ፡ "ቅትለታዊ መጥቃዕቲ" ክብል ሰይምዎ። ንሽማግለ ጁሪ ድማ፡ "[እቲ ወዲ 16 ዓመት] ንኣሜን ክወግኦ ከሎ ኣበይ ይወግኦ ከም ዝነበረ ወይ እንታይ ይገብር ከም ዝነበረ ዘይፈልጥ ድዩ ዝመስለኩም?" ክብል ሓቲቱ።
እቲ ካብኦም ዝዓበየ ኰተቴ፡ "ሓደ ሰብ ብኸቢድ ክጕዳእ ኣብ ዝኽእለሉ ግጭት ምስታፍ ልዑል ሓደጋ ከም ዘለዎ እናፈለጠ ክንሱ ብፍቓዱ ከም ዝተሳተፈ ክግንዘብ ነይሩዎ፡" ኢሉ።
እንተዀነ፡ ጠበቓ ናይቲ ወዲ 16 ዓመት ዝዀነ ብራያን ማኮናቺ፡ እቲ ዓሚሉ ንኣሜን፡ "እዋኑ ሮሞዳን እዩ፡ ነዚ ክንገብር ኣየድልየናን እዩ፡" ብምባል ነቲ ኵነታት ንምህዳእ ፈቲኑ ነይሩ ኢሉ።
እቲ ጠበቓ፡ እቲ ወዲ 16 ዓመት "ፍጹም መልኣኽ" እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ኣሜን ግን "ይሃድኖ" ከም ዝነበረ ተማጒቱ።
ነቲ ወዲ 17 ዓመት ዝወከለ ጠበቓ ኢያን ማክስፖራን ድማ ዓሚሉ "ዝዀነ ድራኸ... ከምኡ'ውን ብቐንዱ ካራ" ከም ዘይነበሮ ገሊጹ። እቲ ወዲ "ንኣሜን ተኽላይ ብኣጻብዕቱ እኳ ኣይተንከፎን" ብምባል፡ ኣብቲ ቦታ ምርካብ ጥራይ ገበነኛ ከም ዘይገብሮ ኣረዲኡ።
ኣሜን 'ክቡርን ፍትውን' እዩ ነይሩ
ብስም ቤተሰብ ኣሜን መግለጺ ክንበብ ከሎ፡ ገለ ኣዝማድ ኣሜን ኣብ ደገ ናይቲ ቤት ፍርዲ ኰይኖም ይበኽዩ ነይሮም። ጀሚ ኦኒል ካብ ማሕበረሰብ ኪንግስወይ፡ ቅድሚ ሞት ኣሜን ንዕኡን ስድራቤቱን ይድግፍ ነይሩ።
እቲ መግለጺ፡ "ሓሳብና ኵሉሳዕ ምስ ስድራቤት ኣሜን እዩ፣ ዋላ ሓደ መስርሕ ቤት ፍርዲ ድማ ነቲ ውሉድ ብምስኣን ዝመጽእ ቃንዛ ክድብስ ኣይክእልን እዩ።
ሎሚ ኣብ ሓሳብና ኣለዉ። ኣሜን ካብ ኵነታት ሞቱ ዝዓቢ እዩ ነይሩ። ንሱ ብብዙሓት ዝፍለጥ፡ ክቡርን ፍትውን መንእሰይ እዩ ነይሩ። ሞቱ ብቐረባ ብዝፈልጡዎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ መላእ ማሕበረሰብና ብዝርከቡ ሰባት ብዕምቈት ተሰሚዑ እዩ።"
ድሕሪ ሞት ኣሜን ሰባት ንሓድሕዶም ንምድግጋፍ ብሓባር ከም ዝቘሙ ኦኒል ገሊጹ። ብተወሳኺ "ዓመጽ ዝፈጥሮ ፍርሒ፡ ሓዘንን ዘይርግጸኝነትን እውን ርኢና ኢና፡" ኢሉ።
"ጽልዋኡ ካብቶም ኣብቲ ጉዳይ ዝተሳተፉ ሰባት ዝሓለፈ ኰይኑ፡ ብስድራቤታት፡ ኣዕሩኽ፡ ጐረባብትን ኣብ መላእ ሃገርና ብዝርከቡ መንእሰያትን ዝስማዕ እዩ።
ሎሚ መዓልቲ፡ መንእሰያት፡ ስድራቤታት ከምኡ'ውን ማሕበረሰባት ከምዚ ዓይነት ክሳራ ምእንቲ ከየጋጥሞም፡ እንታይ ክግበር ከም ዝከኣል ብዝያዳ ከነስተንትን ከተባብዓና ተስፋ ንገብር፡" ይብል እቲ መግለጺ።
ኦኒል ብተወሳኺ፡ እታ ስድራቤት፡ መንእሰያት ኣወዳት "እወታዊ መንገዲ ክኽተሉን ካብ ዓመጽ ክርሕቁን" ንምትብባዕ ዝዓለመ ብስሙ ዝጽዋዕ ትካል (foundation) ንምምስራት መደብ ከም ዘለዋ ኣረጋጊጹ።
እቲ መግለጺ ኣብ መወዳእታ፡ "ዝዀነ ብይን ነቲ ዘጋጠመ ቃንዛ ክመልሶ እኳ እንተ ዘይከኣለ፡ ሓድጊ ኣሜን ግን ንመጻኢ ወለዶታት ናይ ርሕራሐ፡ ዕድልን እወታዊ ለውጥን ክኸውን ተስፋ ንገብር፡" ክብል ይዛዝም።