'እዛ ዓዲ ኣብ ከምዚ ኵነታት ምውዳቓ የሕዝን' ኣቡነ ናትናኤል

Published
ንባብ: 5 ደቓይቕ

መንበረ ሰላማ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ትግራይ [ኦተቤት፡ ኣብ ከተማ ኣክሱም ኣብ ልዕሊ ክልተ ሊቃነ ጳጳሳት ፈተነ ቅትለት ከምዝተፈፀመ ብረቡዕ መግለጺ ኣውጺኡ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ክልተ ጳጳሳት - ብፁእ ኣቡነ ናትናኤል ከምኡ'ውን፡ ብፁእ ኣቡነ ኣረጋዊ [ዋና ፀሓፊ ቤት ፅሕፈት መንበረ ሰላማ] ዒላማ ዝገበረ ከምዝዀነ፡ እቲ መግለፂ የመልክት።

ነዚ ስዒቡ፡ ፖሊስ ከተማ ኣክሱም'ውን በቲ ገበን ዝተጠርጠሩ [ዋርድያ ዝርከቦም] ሰለስተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ገሊፁ ኣሎ።

ማሕበረ ቅዱስ ያሬድ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ትግራይ ብወገኑ፡ ነቲ ገበን ንምዅናን ንዝመጽእ ሰንበት ህዝባዊ ሰልፊ ፀዊዑ ኣሎ።

ምስዚ ብቐጥታ ብዝተኣሳሰር፡ ብፍላይ ኣቡነ ናትናኤል ኣብ ልዕሊ ተምሃሮ ቤተ ክህነት ኣብ ከተማ መቐለ ዝተፈፀመ ግፋ ብዝምልከት ኣብ ሚድያ ወፂኦም 'ኢድኩም ካብ ኢድ ቤተክርስትያን ኣልዕሉ' ምባሎም ከዘራርብ ቀንዩ እዩ።

ቢቢሲ ትግርኛ፡ ካብቶም ዒላማ እቲ መጥቃዕቲ ዝዀኑ፡ ሊቀጳጳስ ሃገረ ስብከት ሑመራ ኣቡነ ናትናኤል ቃለ መሓትት ኣካይዱ ኣሎ፤

ቢቢሲ፤ እንታይ እዩ ኣጋጢሙ፡ እንታይ ሰዓት እዩ ነይሩ?

ኣቡነ ናትናኤል፤ ሰዓት 6፡30 ተኹሲ ሰሚዐ እየ ነቒሐ፤ ብዙሕ'ውን ኣይደቀስኩን ነይረ፤

ቢቢሲ፤ ክንደይ ግዜ እዩ ተተዂሱ?

ኣቡነ ናትናኤል፤ ብሓፈሻ ሰለስተ ጥይት እዩ ተተኲሱ፣ ኣብቲ ዘለናዮ ገዛ ዝዓረፈ ጥይት ግን ሓደ እዩ።

ቢቢሲ፤ እቲ ጥይት ኣብ ናትኩም መደቀሲ ድዩ ዓሪፈ? እስቲ ዝርዝር ኣቢሎም የረድኡኒ።

ኣቡነ ናትናኤል፤ እቲ ጥይት ኣብቱ ናተይ ዘይኰነስ ኣብ ናይ ኣቡነ ኣረጋዊ ገዛ እዩ ዓሪፉ፤ ግን ምስ ኣቡነ ኣረጋዊ ብሓደ ኢና ንነብር፤ ነፃላ መንደቕ ኢና። ኣብቲ ናቶም መዕረፊ እዩ እቲ ጥይት ዓሪፉ። ኣብ መስኰት እዩ ዓሪፉ፤ ፍርቂ ብሎኬት ነዲዱ እዩ ዝርከብ፡ ሕዚ'ውን ሃህ ኢሉ እዩ ዝርከብ።

ቢቢሲ፤ ነቲ ተዅሲ ስዒቡ ኣብ ልዕሌኹም ዝወረደ ጉድኣት ኣሎ ዶ?

ኣቡነ ናትናኤል፤ ኣብ ልዕሌና ዝበፅሐ ኣካላዊ ጉድኣት የለን፤ እቲ ኵነታት የሕዝነካ ምበር ኣብ ልዕሌና ዝበፅሐ ነገር የለን፤ ኣብ ከውታ ለይቲ፡ ኡይ ኢልካ'ኳ ዝረድአካ ዘይብሉ ሰዓት። እሞ ድማ ምንም ኣብ ዘይብሉ ገዛ። ክንድዚ ዓይነት ፈተና ምናልባት ራዕዲ ንምፈጣር ድዩ፤ ንምፍርራሕ ድዩ ንምንታይ ምዃኑ ኣይተፈልጠን፤ እዛ ዓዲ ኣብ ከምዚ ዓይነት ኵነታት ምውዳቓ የሕዝን፤ 'ምበር ኣብ ልዕለይ ይዅን ኣብ ልዕሊ ኣቡነ ኣረጋዊ ዝበፅሐ ነገር የለን።

ቢቢሲ፤ ኣክሱም ንዘይፈልጡዋ ሰባት፡ ምስሊ ክንፈጥረሎም ምእንታን፡ እቲ መሕደሪኹም ኣበይ ከባቢ እዩ ዝርከብ? ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያን ድዩ፣ ኣብቲ ከባቢ ድዩ?

ኣቡነ ናትናኤል፤ እቲ ከባቢ ቅድስቲ ማርያም ኣክሱም ፅዮን ኰይኑ፡ ኣብ እንዳፅዮን ማርያም ቤተ ክርስትያን ውሽጢ ኣይኰነን። ላዕላይ ኣብ ይሓ ሆቴል ዝበሃል ኣሎ፤ ኣብ ማይ ሹምን ኣብ ኣክሱም ፅዮንን ኣብ ማእከል፡ መንበረ ሰላማ ዝብል ናይ ባዕሉ ቢሮ ኣለዎ። ብሓደ ገፁ መንበሪ ኣቦታት ብሓደ ገፁ ድማ ናይቲ ቤት ፅሕፈት እዩ።

ካብ ኣክሱም ፅዮን ቤተክርስትያን ንሰሜን ኣንፈት ፅዮን እዩ። ማይ ሹም ዝበሃል ታሪኻዊ ናይ ነገስታት መሐመሲ ዝነበረ እዩ። ብሓደ ገፅ ይሓ ሆቴል ኣሎ፣ መንበረ ፅሕፈት መንበረ ሰላማ ኣብ ማእኸል እዩ ዝርከብ።

ቢቢሲ፤ ሓለዋ ኣለዎ'ዶ እቲ ቀፅሪ? ነቲ ፍፃመ ስዒቡ ምላሽ ዝተወሃበሉ ኵነታት ነይሩ ዶ ?

ኣቡነ ናትናኤል፤ ሐለዋ፡ ክልተ ዋርድያ ኣለዉ እዮም፤ ከምኡ ምስተፈጥረ ንሕና'ውን ተሲእና ንሳቶም'ውን ተሲኦም። እቲ ሓደ ጥይት እቲ ዋርድያ ግበረ መልሲ ዝተኰሱዎ እዩ። ብድሕሪኡ ኣካላት መንግስቲ እቶም ምሕዳር ይዅን ሰራዊት ፖሊስ ብምሉኦም መፂኦም፣ ዝተተኰሰ ጥይት ዝተነደለ ገዛ ርእዮም፤ ከፃርዩ ሙከራ ጀሚሮም። ኣፃሪና መልሲ ክንህብ ኢና ኢሎም ኣለዉ።

ቢቢሲ፤ ኣካላት ፀጥታ ምስ ወግሓ ድዮም መፂኦም ኣሻቡ እዮም መፂኦም?

ኣቡነ ናትናኤል፤ ንሳቶም ምስ ወግሐ እዮም መፂኦም፤ ኣሻዒትኡ ኣነ ናብ ፀሎተይ ተመሊሰ ኣለኹ።

ቢቢሲ፤ ቀጥታ ነቲ ተዅሲ ስዒቡ ሸዑ ንሽዑ ምስተልዓልኩም፡ ኣብቲ ከባቢ ዝዀነ ነገር ወይ ድማ ዒላማ ዝገበረኩም ኣካል ተዓዚብኩም ዶ?

ኣቡነ ናትናኤል፤ ኣብቲ ከባቢ ምንም ነገር ኣይረአናን፤ እቶም ክልተ ዋርድያ ንሳቶም ኢና ሪእና 'ምበይ፡ ካልእ ሰብ ኣይነበረን።

ቢቢሲ፤ ቤት ፅሕፈት መንበረ ከሳቴ ብርሃን፡ ነቲ ክስተት ፈተነ ቅትለት እዩ ኢሉዎ ኣሎ፤ ናብ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ወይ ድማ ናብ ከምዚ ዓይነተ ፈተነ ቅትለት ከብፅሕ ዝኽእል ምኽንያት ተሓስብዎ ክህሉ ይኽእል ዶ?

ኣቡነ ናትናኤል፤ ኣነ ብወገነይ ሽንኳይ ንፈተነ ቅትለት ዝኸውን ንሰላምታ ዘከላላእ ዝዀነ ዘቀያያም ነገር ኳስ ኣሎ ኢለ ዝጥርጥሮን ዝሓምዮን ነገር የለን፤ ፈተነ ቅትለት ግን ከብል የዕኽእል እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዘነፃፀረ ጥይት እንድሕር ተተኲሱ፡ እቲ ተኳሲ ኣካል በቃ ቅትለት ፈፂሙ ማለት እዩ። ንዓና ዋላ ኣይርክበ 'ምበር፡ ናብ ሰብ ኣነፃፂሩ እንድሕር ተኵሱ እቲ ተግባር ካብ ፈተነ'ውን ንላዕሊ እዩ።

ናብዚ ዘብፀሕ ምኽንያት ይህሉ'ዶ ዝብል ግን፡ ኣነ ብወገነይ ዝፀልኦ ይዅን ዝፀልኣኒ ኣካል ኣሎ ኢለ ዝግምቶ ዝጥርጥሮ የብለይን። ናብዚ ዘብፅሕ ኵነታት ኣሎ ኢለ ኣይግምትን እየ።

ቢቢሲ፤ ኣብዚ ቕነ ኣብ ትግራይ ይካየድ ዘሎ ግፋ ደው ክብል 'ካብ ቤተክርስትያን ኢድኩም ኣልዕሉ፤ ግፋ ደው ይበል ኢሎም' ክቃወሙ ተራእዮም፣ ንዕኡ ስዒቡ ድማ ኣብ ገለ ዩቲበራት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት ይቕረታ ክትብሉ ኣለኩም ዝብሉ ሰባት መፂኦም ነይሮም። ምስዚ ክተሓሓዝ ዶ ይኽእል? ምስዚ ብዝዛመድ ስግኣት ነይሩዎም ዶ?

ኣቡነ ናትናኤል፤ ኣብ ሚድያ ዝፀሓፍን ዝንገርን ኣነ'ውን ይርኢ እየ። እቶም ኣካላት ደኣ ከምኡ ይበሉ 'ምበር ኣነ ናብዚ ክበፅሕ ይኽእል እዩ፤ ንዓይ ክቐትል ዝኽእሉ ኣካላት ኣለዉ ኢለ ክግምት ኣይክእልን።

ምኽንያቱ ኣነ ዝተናገርኩዎ፡ ክናገሮ ዝግበአኒ 'ምበር፡ ምስ ዝዀነ መንግስታዊ ወይ ድማ ምስ ዝዀነ ኣካል ኣነፃፂረ ክብሎ ዝደሊ ነገር ኣይነበረን። ሓቂ መሲሉ ዝተረእየኒ ኵነታት፡ ሰብ ክመሃረሉ ይኽእል እዩ ኢለ ዝሓሰብኩዎ፡ ዝኣመንኩሉ ነገር እንተዘይኰኑ፡ ናይ ማንም መንግስቲ ውክልና የብለይን፤ ፅግዕተኛ'ውን ኣይኰንኩን። ንሓደ ክድግፍ ንኻልእ ክነቅፍ ኢለ'ውን ኣይኰንኩን፣ ኣይግብአንን'ውን።

ቢቢሲ፤ ካብ ቤተክርስትያን ኢድኩም ኣልዕሉ ኢልኩም ምሰተዛረብኩም፡ ብኣካል መፂኡ ፀቕጢ ዝፈጠረልኩም ኣካል ነይሩ ድዩ?

ኣቡነ ናትናኤል፤ ብኣካል መፂኡ ዝዀነ ዝበለኒ ሰብ የለን። ምናልባት ዝቐርበኒ፤ ዘኽብረኒ ሰብ ኣሕዋተይ መሳርሕተይ፡ "ግዜኡ ኣይኰነን"፡ "ሱቕ ዶ ምበልኩምን ግዜኡ ኣይኰነን"፡ ዝበሉኒ ነይሮም።

"ዝዀኑ ዝተወሰኑ ኣካላት እዛ ጉዳይ እዚኣ ይቕረታ እንተትሓቱላ" ኢሎም፡ ብስልኪ ዘውረዩኒ'ውን ነይሮም።

ቢቢሲ ትግርኛ፤ ኣብዚ ኵነታት ዝብሎ ነገር ኣለኒ ዝብልዎ ዶ ይህሉ?

ኣቡነ ናትናኤል፤ ኣወ ኣሎ፤ ኣብ ዙርያ መራሕቲ ሃይማኖት ዝግበር ዘሎ ነገራት ክብሎ ዝኽእል ነገር፡ እዚ ንመጀመርታ ግዜ ኣይኰነነን ዘጋጥም ዘሎ። ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ'ውን ኣብ ልዕሊ ሓደ ኣባል ፈፃሚት ስራሕ ከምዚ ዓይነት ክስተት ኣጋጢሙ ነይሩ። ጥይት ተተኲሱ ተወቒዑ'ውን ሕክምና ከይዱ እዩ ድሒኑ። ሕዚ'ውን ከምዚ ዓይነት ኣብ መንበረ ሰላማ ደረጅኡ ኣዕቢዩ ናብ ልዕሊ ጳጳሳት ኣንዊሑ ኣሎ። ስለዚ ምስዚ ተተሓሒዙ ኣንፃር መንበረ ሰላም ምስ ዝሰርሑ ኣካላት፡ ትግራይ ናይ ባዕላ ቤተክህነት ከይህልዋ ዝፅዕሩ ኣካላት ብዙሓት እዮም።

ስለዚ ንምፍርራሕ ንምድንጋፅ እዚ መሪሕነት ንምብታን፡ ዝሰርሑ ኣካላት ክሳብ ዘለዉ፡ከምዚ ዓይነት [ሚድያ ሓዊሱ] ዝምልከቱም ኣካላት ትዅረት እንተ ትገብሩሉ፣ ሰብ ንሰብ ቀቲሉ ኣይነብርን። መራሒ ሃይማኖት ስለዝዀነ ጥራይ ኣይኰነነ፣ ሰብ ሰብ እዩ፣ ሰብ ክቡር እዩ፣ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝግበር ፀለመ ይዅን፡ ከምዚ ዓይነት ተዅሲ ጠጠው ክብል ኣለዎ።

ጥይት ማለት ብጣዕሚ ነውሪ መስነውርን እዩ፣ ግፍዒ'ውን እዩ።

ናይ ወለድና ብሂል'ውን ዝጠሓሰ እዩ። ወለድና ነዛ ዓደና እንተረክቡና ብኽንደይ ፍቕሪ፡ ብኽንደይ መንፈሳዊ ትውፊት፡ሰብኣዊ ትሕትናን፡ ክብርን ዝተላበሰት ዓዲ እያ።

ኣባና ምስ በፅሐ ግን ከምዚ ዓይነት ይኽሰት ኣሎ። ስለዚ ከም ዓዲ፡ በዚ መገዲ ዝዕረ ኵነታት ኣይክህሉን።

እቲ ዝሐሽ ሕዘ'ውን ተናቢብና ተስማሚዕና፣ ተረዳዲእና እሂን ምሂና ተባሂልና 'ምበር ንሓደ እናፈራራሕኻ፤ ንሓደ እናተኰስካ፡ ዘይስሙ እናፀለምካ ኣይከውንን።

ብፍላይ ድማ ኣብ ሚድያ ዝነጥፉ ዘለዉ ውሳናት ኣካላት፡ ዝገበርካዮን ዘይገበርካዮን ኣብ ሚድያ ወፂኻ ፀሪፍካ ንጸራፊ ምሃብ ፅቡቕ የዀነን፣ ዓገብ ክገብሩ ይግባእ።