ሜዲካል ዳይሬክተር ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት፡ ዶ/ር የማነ ገብረማርያም፡ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ሓላፊ ኮሌጅ ሕክምናን ሳይንስ ጥዕናን፡ ዶክተር የማነ ገብረማርያም ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐረበ ጠበቓኡ ኣይተ ብርሃነ ገብረማርያም ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እቲ ዶክተር፡ ብመሰረት እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ክልል ትግራይ ዝወፀ ኣካታዓይ ኣዋጅ፡ ካብ 15 ዓመት ክሳብ ሞት ብዝቕፅዕ ገበን ብምጥሓስ ከምዝኸሰሰ ጠበቕኡ ወሲኹ ገሊጹ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ መርማሪ ፖሊስ፡ ዶክተር የማነ፡ ምስ "መንግስቲ ፌደራልን ዕጡቓት ሓራ መሬትን" ርክብ ኣለዎ ብምባል ናይ 14 መዓልታት ናይ ምርመራ ግዜ ክወሃቦ ከምዝሓተተ እውን ኣመልኪቱ'ሎ።

ዶክተር የማነ ኣብ ዝሓለፈ 27 ቀዳም ሰነ 2018 (ግእዝ) ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ መሳርሕቱ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

መሳርሕቱ ከምዝገለጽዎ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምጋሽ ካብ ከተማ ዓዲግራት ናብ መቐለ እናተጓዓዘ ነይሩ።

ኣብ ዋዕላ ትምህርቲ ሕክምና ኣፍሪቃ ንምስታፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ ይገይሽ ምንባሩ ጠበቓኡ እውን ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ዶክተር የማነ፡ "ኣብ ዓዲግራት ውጽእ ኢላ ኣብ እትርከብ ዕዳጋ ሓሙስ እትበሃል ከተማ እዩ ተኣሲሩ። ፈለማ ንምንታይ ከምዝተኣሰረ ዝተገልጸ ነገር ኣይነበረን። 'ካብ ላዕለዋይ ኣካል ብዝተወረደ ትእዛዝ' ዝብል ምኽንያት ጥራይ እዩ ተዋሂብዎ" ብምባል ኣብ ቀይዲ ዝኣተወሉ ኣገባብ ኣብሪሁ።

ማእሰርቲ ናይቲ ሜዲካል ዳይሬክተር፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ከዘራርብ ዝቐነየ ዀይኑ፡ ብቅልጡፍ ክፍታሕ ፃውዒታት ይቐርቡ ኣለዉ።

ማሕበር ሕክምና ትግራይ፡ ብሰንበት 28 ሰነ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፡ ዶክተር የማነ ኣብቲ ዋዕላ ንምስታፍ ይገይሽ ከምዝነበረ እዩ ኣመልኪቱ።

ነቲ ዶ/ር፡ "ኣብ ማሕበረሰብ ሕክምናን ኣካዳሚያዊን ትግራይ ኣዝዩ ፍሉጥ" ክብል ዝገለጾ እቲ ማሕበር፡ ኣብ ቀይዲ ዝወዓለሉምኽንያት "ሕጋዊ መብርሂ ኣይተዋህበን" ብምባል ነቒፉ።

እቲ ብፖሊስ ትራፊክን "ሓላፍቲ ጸጥታን" ኣብ ቀይዲ ዝወዓለ ክኢላ ህጻናት፡ "ንግዝያዊ ማእሰርቲ ናብ ቤት ጽሕፈት መደበር ፖሊስ ዓዲግራት ተወሲዱ" ።

ምስኡ ኣብታ መኪና ዝነበሩ ክልተ ሰባት ግን ሽዑ ንሽዑ ከምዝተፈትሑ እቲ ጠበቓ ሓቢሩ።

ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ከተማ ዓዲግራት፡ ነቲ ጉዳይ ትማሊ ሰኑይ ከምዝሰምዖ እቲ ጠበቓ ወሲኹ ኣመልኪቱ።

ኣብቲ መስርሕ ፍርዲ፡ መርማሪ ፖሊስ፡ እቲ በዓል ሞያ ጥዕና "ምስ ጸላኢ ብምትሕብባር ገበን ስለዝፈጸመ" ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወ ከምዝገለጸ እቲ ጠበቓ ኣመልኪቱ።

ብመሰረት እቲ ጠበቓ፡ ዶክተር የማነ፡ በቲ ብኢደ -ወነን ውሳነ ህወሓት፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት ናብ ስልጣን ዝተመልሰ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ፡ ዘሕለፎ "ኣዋጅ" ብምጥሓስ ገበን እዩ ተኸሲሱ ዘሎ።

መርማሪ ፖሊስ፡ "ምስ ፌደራል መንግስቲን ምስቶም ብሓራ መሬት ዝፍለጡን ብሰራዊት ሰላም ትግራይ ዝጽውዑን ዕጡቓትን ምትእስሳር ከምዘለዎም" ንቤት ፍርዲ ከምዝገለጸ እቲ ጠበቓ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ እቲ ዶክተር "ናብቶም ዕጡቓት ዝጽንበሩ ሰባት ይምልምልን ይምውልን" ነይሩ ኢሉ ከምዝኸሰሶ ገሊጹ።

ብመሰረት እቲ ጠበቓ፡ እቲ ዶክተር ዓንቀፅ 44 ናይቲ ኣዋጅ ከምዝጠሓሰ እዩ መርማሪ ፖሊስ ጠቒሱ።

እዚ ዓንቀጽ'ዚ "ዕላማታት ጸላኢ ንምዕዋት፡ ንጸላኢ ንምምዓድ፡ ንምምራሕ፡ ንምውፋር፡ ንምምልማል ወይ ብንጥፈት ንምድጋፍ" ዝፍጸሙ ገበናት ይጠቅስ።

ብመሰረት እዚ ዓንቀፅ፡ ገበነኛታት ኰይኖም ዝተረኸቡ ሰባት ካብ 15 ክሳብ 25 ዓመት ብፅኑዕ ማእሰርቲ፡ እቲ ገበን "ከቢድ" እንተዀይኑ ድማ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ወይ ሞት ይቕፅዑ።

ብተወሳኺ እቲ ሕጊ ንልዕሊ 15 ዓመት ማእሰርቲ ዝቕጽዑ ገበነኛታት፡ ዋሕስ ከምዝኽልክል እቲ ጠበቓ ኣብሪሁ።

እቲ ጠበቓ፡ "እቲ ዝተኸሰሰሉ ተግባርን እቲ ኣዋጅን ርክብ ስለዘይብሉ እኹል ምኽንያት ጥርጣረ የለን" ክብል እውን መከላኸሊ ሞገት ከምዘቕረበ ሓቢሩ።

እቲ ኣዋጅ ንሰብኣዊ መሰላት ዝድርት፡ ሐሳብካ ብናፃነት ናይ ምግላፅ መሰል'ውን ዝግድብ ከምዝዀነን፡ ዝፀደቐሉ ኣገባብ ድማ 'ሕገ-መንግስታዊ መገዲ ተኸቲሉ ኣይኰነን" ዝብል መካትዒ ሓሳብ ከምዝቕረበ'ውን ገሊፁ።

ንሱ፡ ስለዝዀነ ዓሚሉ፡ ናይቲ ዶክተር "ኣካል ነፃ ናይ ምውፃእ መሰሉ ክኽበረሉ"ን፡ ብዋሕስ ክፍታሕ ንቤት ፍርዲ ከም ዝሓተተን ወሲኹ ኣመልኪቱ።

የማነ ፀጋም ክትዕ ክልቲኦም ወገናት ዝሰምዐ፡ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ከተማ ዓዲግራት፡ እቲ ጉዳይ ንሎሚ ረቡዕ 1 ሓምለ ክቐርብ መደብ ከምዝነበሮ እኳ እንተተገለጸ፡ እቲ መስርሕ ፍርዲ ግን ናብ ዝመጽእ ሰሙን ሰኑይ ከምዝተሰጋገረ እዩ ሓቢሩ።

ይኹን'ምበር፡ እቲ ዝተመደበ ዕለት "ነዊሕ ስለዝዀነ፡ በቲ ዝቐረበ መመልከቲ መሰረት፡ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ካልእ መስርሕ ፍርዲ ተታሒዙ'ሎ" ክብል እቲ ጠበቓ ኣብሪሁ።

[ሎሚ ድሕሪ ቀጥሪ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ እንተዀይኑ ኣረጋጊፅና፡ ነዚ ሓበሬታ ክነማዕብሎ ምዃንና ነፍልጥ]።