ዋንጫ ዓለም 2026፡ ክሳብ ክንደይ ዓሌታውነት ይፍጸም ኣሎ?

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ኣብ 13 ሓምለ 1930 ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዩራጋይ ዝጀመረ ዋንጫ ዓለም መልክዑን ቅርጹን እናቐያየረ ኣብ ኣርባዕተ ዓመት ሓንሳእ እናተኻየደ ሎሚ ዓመት ንመበል 23 ግዜ ካብ 11 ሰነ ክሳብ 19 ሓምለ ይካየድ አሎ።

ዋንጫ ዓለም ኣብ ስፖርት እቲ ዝዓበየ ውድድር'ዩ ተባሂሉ እዩ ዝግለጽ።

ይዅን እምበር ኣብዚ ዓመት ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውድድር፡ ብኢንተርነት ዝፍጸሙ ኣዝዮም ከበድቲ ዓሌታዊ ግህሰት 'ዓቢ ወሰኽ' ከምዘርኣዩ ኣገልግሎት ምክልኻል ማሕበራዊ መራኸቢታት ፊፋ (SMPS) ረኺቡ ኣሎ።

ኣብ መላእ ናይ ምድብ መድረኽ ኣብ ዝነበሩ ጸወታታት ጥራይ ብድምር 89 ሽሕ ግህሰት ዘመልክቱ ጽሑፋት ተለልዮም እዮም።

እዚ ድማ ምስቲ ኣብ 2022 ካብ ዝተመዝገበ 6700 ጸርፊ ዝመልኦም ርእይቶታት ክነጻጸር እንከሎ ብ13 ዕጽፊ ወሰኽ ዘርኣየ ከምዝዀነ ይሕብር።

ዓሌትነት ካብ ኵሉ ኣብ ኢንተርነት ዝፍጸም ዝነበረ ግህሰት 11 ሚእታዊት ይሕዝ።

ኣገልግሎት ምክልኻል ማሕበራዊ መራኸቢታት ፊፋ ድማ፡ እዚ ኣሃዝ ካብቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ዝነበረ ብ3 ሚእታዊት ወሰኽ ዘርኣየ ምዃኑ ይገልጽ።

ልዕሊ 100 ኣብነታት ናይዚ፡ ስጕምቲ ንኽውሰድ ክሲ ናይ ምምስራት ሕጋዊ ደረት ዝሓለፉ እዮም።

እቲ ትካል፡ "ኣንፈታት ዳታ ብመንጽር ዓሌታዊ ምግሃስ ዘተሓሳስብ ኣንፈት ጕዕዞ ዘርኢ'ዩ" ይብል።

ገለ ካብ ዝተጠቐሱ ኣብነታት እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም።

ሓደ ኣብነት፡ ዓለማዊ ኣመሓዳሪ ኣካል ኵዕሶ እግሪ ፊፋ፡ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካዊ ጸላዊ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣይሾውስፒድ ካብ ሓደ ደጋፊ ኣርጀንቲና ዝተፈጸሞ ዝበሎ ዓሌታዊ ግህሰት ብዝምልከት መርመራ ከምዝኸፈተ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ተኸታተልቲ ዘለዎ ኣመሪካዊ ኣይሾውስፒድ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣርጀንቲና ኣንጻር ኬፕ ቨርደ ኣብ ዘካየደቶ ጸወታ ዓሌታዊ ግህሰት ከም ዝተፈጸሞ ይንገር።

ኣብ ዩትዩብ 57 ሚልዮን ኣብ ቲክቶክ ድማ 53 ሚልዮን ተኸታተልቲ ዘለዎ ኣይሾውስፒድ ኣብ ኣመሪካ ዝካየድ ጸወታታት ዋንጫ ዓለም ብቐጥታ የመሓላለፍ ኣሎ።

እዚ ህቡብ ጸላዊ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ኣብ ዝሓለፈ ጸወታታት ንፕረዚደንት ፊፋ ጂያኒ ኢንፋንቲኖን ተጻዋታይ ባርሴሎናን ኤሲ ሚላን ነበር ዝላታን ኢብራሂሞቪችን ዝርከብዎም ኣጋይሽ ብምዕዳም ትሕዝቶኡ ንተኸታተልቱ ከቕርብ ጸኒሑ እዩ።

እቲ ብቅኑዕ ስሙ ዳረን ጄሰን ዋትኪንስ ጁንየር ዝጽዋዕ ወዲ 21 ዓመት ኣይሾውስፒድ፡ ኣርጀንቲና ኣብ ስታድየም ኣብ ልዕሊ ኬፕ ቨርደ 3ብ2 ኣብ ዝሰዓረትሉ ግጥም፡ ማልያ ኬፕ ቨርደ ተኸዲኑ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ድማ ሓደ ኣርጀንቲናዊ ደጋፊ ኣብ ልዕሊ ሕብሪ ቆርበት ኣይሾውስፒድ ብቋንቋ ስጳኛ ከም ዝተጻረፈ ተነጊሩ። እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ዝተገብረ ናይ ቃላት ምልውዋጥ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተፈነወ ኰይኑ፡ ብድሕሪኡ እቲ ምትህልላኽ ከምዝተጋደደ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ሓቢረን ነይረን።

እቲ ኣርጀንቲናዊ ደጋፊ፡ ነቲ ጸወታ ኣብ ሚያሚ ኣብ ዝርከብ ሃርድ ሮክ ስታድዩም ዘመሓላልፍ ንዝነበረ ኣይሾውስፒድ ብቋንቋ ስጳኛ ዓሌታዊ መጥቃዕቲ ኣውሪዱሉ።

ነዚ ክሲ ስዒቡ ፊፋ፡ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብቲ ናይ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ጸወታ ዝካየደሉ ዝነበረ ስታድየም ዘጋጠመ ፍጻመ ኣፍልጦ ከም ዝተዋህቦን "ህጹጽ መርመራ ከምዝጀመረን" ገሊጹ ኣሎ።

ፊፋ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ፍጻመ ዓሌታዊ ምዃኑ፡ ኣስፊሑ ከይገለጸ፡ ዋንጫ ዓለም ግን "ጽምብል ሓድነትን ብዙሕነትን ምክብባርን'ዩ" ኢሉ።

"እዚ ውድድር ካብ መላእ ዓለም ንዝመጹ ባህልታትን ማሕበረሰባትን ዘራኽብ ኰይኑ፡ ኣንጻር እዞም ክብርታት ዝሰርሕ ሰብ ኣብ ሜዳ ቦታ የብሉን" ኢሉ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ኣይሾውስፒድ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ፈረንሳዊ ተጻዋታይ ኪልያን እምባፐ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኣባል ባይቶ ፓራጓይ ተመሳሳሊ ክስታት ድሕሪ ምቕራቡ እዩ ተፈጺሙ።

ሴሌስተ ኣማሪላ፡ ብመሳርሕታ ንመበቆል ሃገርን ትምህርትን ኪልያን ምባፐ ብምጥቃስ ዓሌታዊ መግለጺ ድሕሪ ምዝራባ ምባፐ፡ ነቲ ርእይቶ "ፍንፉን"ን ንኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዘይበቅዕን ብምባል እዩ ምላሽ ሂቡ።

ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ፈረንሳ፡ ሴሌስተ ኣማሪላ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ ገበናዊ መስርሕ ክኸፍት ምዃኑ ብምግላጽ፡ ርእይቶታታ "ፍጹም ኣጸያፍን ዘይቅቡልን" ክብል ገሊጽዎ።

ፊፋ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ፍጻመ ዓሌታዊ ምዃኑን፡ ዝርዝር ከይገለጸን፡ ዋንጫ ዓለም ግን "ሓድነት፡ ብዙሕነትን ምክብባርን ዘተባብዕ ውድድር" ምዃኑ ገሊጹ።

ሆላንድ ብሞሮኮ ኣብ ዝተሳዕረትሉ ጸወታ ፍጹም ቅላዕ ዝሰሓቱ ተጻወትቲ እታ ሃገር ኵሎም ዓሌታዊ ግህሰት ኣጋጢምዎም እዩ።

ጃስቲን ክላይቨርት፡ ኲንተን ቲምበርን ክሪሰንስዮ ሳመርቪልን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣድልዎ፡ ዓሌታውን ጽልእን ዝመልኦ ርእይቶታት ከም ዝተዋህቦም ሮያል ሆላንድ ኩዕሶ እግሪ ማሕበር (KNVB) ገሊጹ።

ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ግብጺ (ፈርዖናውያን)፡ ኣብ ዋንጫ ዓለም ኣንጻር ሻምፒዮና ዓለም ኣርጀንቲና ኣብ ዘካየደቶ ናይ ርብዒ ፍጻመ ግጥም፡ ልዕሊ ክልተ ሸቶታት መሪሓ ከላ፡ ኣብ መወዳእታ ደቓይቕ ብዘጋጠማ ዘይተጸበየቶ ውድቀት 3 ብ 2 ተሳዒራ።

እቲ ጸወታ ብብዝሒ ተለዋዋጢ ፍጻመታት ዝተመልአ ዝነበረ ኰይኑ፡ እዚ ዘገርም ዘይትጽቢታዊ ውድቀት ድማ ኣብ መላእ ጐደናታት ካይሮን ካልኦት ከተማታትን ከቢድ ቍጥዐን ጓህን ፈጢሩ ኣሎ።

ግብጺ ብያስር ኢብራሂም ዝተመዝገበት ሸቶ ሓዊስካ፡ ክሳዕ መበል 79 ደቒቕ 2 ብ 0 ትመርሕ ነይራ።

ኣብቲ ኣዝዩ ተኣፋፊ እዋን፡ ሓላዊ ልዳት ግብጺ ሙስጠፋ ሾቤር ሊዮነል ሜሲ ብፍጹም ቅላዕ ንዝሃረማ ኩዕሶ ብብቕዓት ብምድሓን ንጋንታኡ ናብ ጸወታ መሊሱዋ ነይሩ።

ይዅን'ምበር፡ ኣርጀንቲና ብክርስትያን ሮሜሮ (79 ደቒቕ)፡ ብሊዮነል ሜሲ (83 ደቒቕ) ከምኡ'ውን ብኤንዞ ፈርናንደዝ ኣብ ናይ ወሰኽ ግዜ ብዘመዝገቡወን ተኸታተልቲ ሸቶታት፡ ነቲ ጸወታ ብምቕያር ስትራተጅያዊ ዓወት ጨቢጣ እያ።

ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ግብጺ ሓሳም ሓሰን ድሕሪ'ቲ ጸወታ፡ "ፍትሒ ኣይረኸብናን፡" ክብል ነቒፉ።

ሖሳም ብውሳነታት ዳኛ ከም ዘይዓገበ ብምግላጽ፡ "ካብ ሕጂ ንደሓር ነዚ ዋንጫ ዓለም ዝከታተሎ የሎን፡" ክብል ቍጥዐኡ ገሊጹ።

ቢቢሲ ስፖርት ኣብዚ ጉዳይ ርእይቶ ንምርካብ ናብ ፊፋ ሕቶ ኣቕሪቡ እዩ።

እቲ ጸወታ ብፍላይ ብሰንኪ ውሳነታት ቪድዮ (VAR) ንግብጻውያን ቍጥዐ ፈጢሩ እዩ።

እዚ ጥራይ ዘይኰነ ካልኦት ብዙሓት ዝጥቀሱ ኣብነታት እውን ኣለዉ።

እስኪ ካብቶም ብፍላይ ክለዓሉ ኣለዎም እትብልዎም ዓሌታዊ ፍጻመታት ናይዚ ውድድር ጥቐሱልና።