ናብ ትግራይ ዝተጓዕዙ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ፈደራል እንታይ ይብሉ?

ንኽልተ ሰሙን ተቛሪጹ ዝጸንሐ በረራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ መቐለ ሰንበት 11 ጥቅምቲ 2026 ምስ ጀመረ፡ ሰበስልጣን ፈደራልን መራሕቲ ሓይልታት ሰላም ትግራይን ናብ ትግራይ ኣምሪሖም።
እዚ ምብጻሕ፡ ኣብቲ ክልል ሓድሽ ወተሃደራዊ ወጥሪ ኣብ ዝዓረገሉን ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቑ ኣብ ዝበሃለሉን እዋን ዝተኻየደ እዩ።
ቀዳማይ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ዝነበረ ጌታቸው ረዳ፡ ዋና ዳይረክተር ሃገራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕነትን ሬድዋን ሑሴን፡ ከምኡ'ውን ኮምሽነር ኮምሽን ንዩክለሳዊ ሓይሊ ኢትዮጵያ ኣብርሃም በላይ፡ ናብቲ ክልል ካብ ዝተጓዕዙ ሰበ-ስልጣን ይርከብዎም።
ኣማኻሪ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ጌታቸው ረዳ፡ ምስቲ ብደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ጕጅለ ህወሓት ብዝተፈጥረ ዓሚቝ ናይ ስልጣን ምክፍፋልን ምስሕሓብን ስልጣኑ ገዲፉ ናብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምኻዱ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን፡ ሰንበት 11 ጥቅምቲ 2026 ናብ መቐለ ኣትዩ።
እቶም ሰበ-ስልጣን ኣብ መቐለን ዓዲግራትን ምስ ነበርቲ ከም ዝተራኸቡ ብምግላጽ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት መልእኽቶም ኣስፊሮም ኣለዉ።
ጌታቸው ብትግርኛ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ድሕሪ 18 ኣዋርሕ ናብ መቐለ ምምላሱ ዝገልጽ ሓጺር ተንቀሳቓሲ ስእሊ (ቪድዮ) ኣካፊሉ።
"ድሕሪ 18 ኣዋርሕ ሎሚ ኣብ መጀመርታ ጥቅምቲ [11 ጥቅምቲ 2026] ናብ መቐለ ተመሊስና፡" ዝበለ ጌታቸው፡ ብመጋቢት 2025 "ተገዲድና ኢና ወጺእና" ብምባል እቲ ዝነበረ ኵነታት ኣዘኻኺሩ።
ይዅን'ምበር፡ ኣብቲ እዋን ነበርቲ ንምምላሶም ብኸመይ ከም ዝተቐበልዎ ቢቢሲ ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይከኣለን።
ኣብ ጕዕዞኡ ናብ ዓዲግራት ከም ዝኸደ ድሕሪ ምግላጽ፡ "ቀጺልና ናብ ዓድዋ፡ ኣኽሱም፡ ሽረ፡ ማይጨው፡ ኣላማጣ፡ ብፍላይ ድማ ናብ ገጠራትን ከተማታትን ትግራይ ክንበጽሕ ኢና፡" ብምባል ንዅሉ ህዝቢ ናይቲ ክልል እናተዘዋወረ ከም ዘዘራርቦ ሓቢሩ።
ጌታቸው ቅድሚ ናብ መቐለ ምእታዉ ብትግርኛ ንተለቪዥን ቲቢኤስ ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መሕትት፡ ትግራይ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ትሕቲ ፈደራል ኮማንድ ፖስት ከም እትጸንሕን፡ ድሕሪኡ ድማ ክልላዊ ምርጫ ከም ዝካየድን ተዛሪቡ ነይሩ።
ከም መግለጺኡ፡ ቀንዲ ዕማም እቲ ኮማንድ ፖስት ነቲ ክልል ንዕማማት ምምሕዳር ምቹእ ምግባር፡ ጸጥታ ምርግጋጽ፡ ከምኡ'ውን ቍጠባዊ ሕውየትን ዳግመ-ህንጸትን ምጥጣሕ እዩ።
ሓይልታት ፈደራልን መሻርኽቶምን ንነፍሲ-ወከፍ ከተማ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ከእትዉ ከለዉ ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዝቐርብን ሓለዋ ጸጥታ ድማ ብሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ካብ ህወሓት ተፈንጪሉ 'ሓይሊ ሰላም ትግራይ' ብዝብል ብዝቘመ ከም ዝካየድን ኣብሪሁ።
"ህዝብና ናብ መረበቱ ክምለስ፡ ትግራይ ብምሉኡ ሰላም ክትረክብ ናይ ግድን እዩ፤ እዚ ድማ ክኸውን እዩ፡" ብምባል ጌታቸው መልእኽቱ ዛዚሙ።
ብወገን ህወሓት ብዛዕባ'ዚ ምብጻሕን ናይ ኮማንድ ፖስት ውሳነን ዝተዋህበ ቀጥታዊ ወግዓዊ ምላሽ እንተ ዘይሃለወ'ኳ፡ እቲ ውድብ ንምቛም ፈደራል ኮማንድ ፖስት ከም ምግሃስ ስምምዕ ፕሪቶርያን ሕገ-መንግስታዊ ርእሰ-ምምሕዳር ትግራይ ናይ ምጥሓስ ስጕምትን ገይሩ ከም ዝወስዶ ይፍለጥ።
ቢቢሲ ካብ ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት ርእይቶ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ንግዜኡ ኣይሰለጠን።

ምንጪ ስእሊ, Redwan Hussien
እንተዀነ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ (ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት) ብ3 ጥቅምቲ 2026 ኣብ ዘውጽኦ ወግዓዊ መግለጺ፡ ስርዓት ብልጽግና ብ23 መስከረም 2026 ብሓይሊ ምድርን ኣየርን ዝተሰነየ "ካልእ ዙር ጀኖሳይዳዊ ወራር" ከም ዝኸፈተሉ ከሲሱ።
እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ ዕላማ እቲ ወራር "ንህዝቢ ትግራይ ካብ ገጸ-ምድሪ ንምጥፋእ" ምዃኑ ብምግላጽ፡ ህዝብን ሰራዊትን ትግራይ ህላወኡ፡ ድሕንነቱ፡ ልዑላውነቱን ሕገ-መንግስታዊ መሰል ዓርሰ-ውሳነኡን ንምውሓስ ዘድሊ መስዋእቲ እናኸፈለ ቃልሱ ከም ዝቕጽል ኣፍሊጡ።
ብወገኑ ኣብርሃም በላይ፡ "ነቲ ሰላም ዝጸምአ ህዝብና በጺሕናዮ። ብዘላቕነት እውን ኣብ ጐድኑ ኴንና ከነረጋግጸሉ ኢና፡" ብምባል ኣብ መቐለን ዓዲግራትን ብዛዕባ ዝነበሮ ጻንሒት ጽሒፉ።
ብ11 ጥቅምቲ 2026 ኣብ መንጎ መቐለን ዓዲግራትን ንዝርከቡ ነበርቲ እናተዛራረበ ከም ዝኸደ ብምግላጽ፡ "ናይ ከተማታትናን ከባቢታትናን ጭቡጥ ኵነታት ተዓዚበ... ህዝብና ንሰላም ዘለዎ ሃረርታን ድሌትን ንምርኣይ ዕድል ረኺበ፡" ኢሉ።
እቲ ኮምሽነር ኮምሽን ንዩክለሳዊ ሓይሊ ወሲኹ፡ ህዝቢ ተስፋ ከም ዝሰነቐን ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዘርኣዮ ህዝባውነትን ልዑል ዲስፕሊንን ብልጫ ዘለዎ ምዃኑ ገሊጹ።
እንተዀነ፡ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ተቓወምትን ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ፈደራልን መሻርኽቱን ዝቐርብ ዝነበረ ናይ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ክስታት ብተደጋጋሚ ከልዕሉ ምጽንሖም ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ቢቢሲ እቲ ኣብ መሬት ዘሎ ናይ ዲስፕሊን ኵነታት ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይከኣለን።
"ህዝቢ ሰላም ይደሊ፡ መንእሰይ ልምዓትን ዕብየትን ይደሊ፡ ሃገር ድማ ዘላቒ ሰላምን ስልጣነን ትምነ፤ ብግብሪ ከነተግብሮ ኢና፡" ብምባል ኣብርሃም ጽሑፉ ዛዚሙ።
ብ23 መስከረም 2026 ህወሓት ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከባ ሰለስተ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ምእታዉ ስዒቡ፡ ኣብ መዳውቦ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ኲናት ተወሊዑ።
እቲ ኲናት ምስ ጀመረ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ብህወሓት ዝምርሑ ሓይልታት ትግራይ ንመቐለ ገዲፎም ብምውጻእ ኣብ ካልእ ከባቢታት ውግእ ከካይዱ ጸኒሖም እዮም።
ኣብ መንጎ ሓይልታት ህወሓትን ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ብወግዒ ግጭት ድሕሪ ምጅማሩ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ኲናት ይሳተፍ ከም ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከሲሱ።
መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘለዉ ዕጡቓት ብምሕጋዝ ሰላም እታ ሃገር ንምዝራግ ይጽዕር ኣሎ ኢሉ እኳ እንተ ከሰሰ፡ መንግስቲ ኤርትራ ግና ነቲ ክሲ 'ኣቓልቦ ካብ ውሽጣዊ ጸገማት ንምጥምዛዝ ዝዓለመ እዩ' ብምባል ይነጽጎ።

ምንጪ ስእሊ, Dr. Abraham Belay
ማዕከን ዜና ፈረንሳ (ኤኤፍፒ) ሓይልታት ሰላም ትግራይ ናብ ከተማታት ዓዲግራትን ሽረን ከም ዝኣተዉ ጸብጺቡ። ካብ ዶብ ኤርትራ 35 ኪሎ-ሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ዓዲግራት ሰራዊት ኤርትራ ኣትዮም ከም ዝነበሩ፡ ነበርቲ ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም።
ኣብታ ከተማ ብናይ ጽዕነት መካይን ይንቀሳቐስ ኣብ ዝነበረ ሰራዊት ኤርትራ መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝተፈጸመ፡ ኤኤፍፒ ምንጭታትን ግጭት ዝከታተል ትካልን ብምጥቃስ ሓቢሩ።
እዚ መጥቃዕቲ ድሮን ብወገን ፈደራል መንግስቲ ይዅን ኤርትራ ብወግዒ ኣይተረጋገጸን።
ዕጡቓት ህወሓት ንኸተማ ሽረ ገዲፎም ዝወጽኡ ብረቡዕ 7 ጥቅምቲ 2026 ምዃኑ ዝሓበረ ኤኤፍፒ፡ ኣብታ ከተማ ስርቂ ከም ዝተፈጸመ ኣመልኪቱ።
ኣብ መንጎ ኣብ ራስያ ዝተዋፈሩ ሰባትን ነበርቲ ከተማ ሽረን ብዝተኻየደ ናይ ተዅሲ ልውውጥ ድማ፡ ኣርባዕተ ሰባት ክቕተሉ ከለዉ፡ 11 ከም ዝቘሰሉ እቲ ማዕከን ዜና ዘዘራረቦም ነበርትን ሰራሕተኛታት ረድኤትን ኣረጋጊጾም።
ቢቢሲ ነዚ ቍጽሪ ምዉታትን ቍሱላትን ብናጻ ወገን ከረጋግጾ ኣይከኣለን።
ዋና ዳይረክተር ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕነትን ሬድዋን ሑሴን ብወገኑ፡ ኣብ መቐለን ዓዲግራትን ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት "ሓድሽ መንፈስ፡ ዝተፈለየ ሃዋህውን ዝተፈለየ ንፋስ ለውጥን" ከም ዝተዓዘበ ተዛሪቡ።
"ዕምቈት ዘለዎ ጽምኣት ሰላም" ከም ዝረኣየ ብእንግሊዝኛን ኣምሓርኛን ኣብ ዘካፈሎ ጽሑፍ ዝገለጸ ሬድዋን፡ እዚ ኣብ ኵሉ ኵርናዓት ትግራይ ዝረአ ምዃኑ ኣስሚርሉ።
ንስነ-ምግባር ሰራዊት ምክልኻል ዝነኣደ ሬድዋን፡ "ስግኣት ዓበይቲን ሃረርታ መንእሰያትን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ትግራይ ሓድሽ መንፈስን ዝተፈለየ ድባብን ተዓዚበ፡" ኢሉ።
ትንዓመታት ኣብቲ ክልል ዝተረኣየ "ከቢድ ስቓይ፡ ምምራርን ርግጸኛ ዘይምዃንን" ስዒቡ፡ ሕጂ ምስ ኵሉ እቲ ስግኣት ዝተሓወሰ ስምዒት ዕረፍቲ ይፍጠር ከም ዘሎን ህዝቢ ትግራይ ብስሙ ከቢድ ምዝመዛን መከራን እናወረዶ መስዋእቲ ክኸፍል ከም ዝጸንሐን ጽሒፉ።
"ሓቂ፡ ፍትሕን ሓቀኛ ፖለቲካዊ ለውጥን ክሰፍን እንተ ተገይሩ፡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ መወዳእታ ብናጽነትን ብኽብርን ክነብር፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ምርጫ ክገብርን መጻኢ ዕድሉ ክውስንን ይኽእል እዩ፡" ዝበለ እቲ ሓላፊ ድሕነት፡ እዚ ድሌት ካብ ናይ ነዊሕ ዓመታት ስቓይን ንዝሓሸ ጽባሕ ካብ ዘለዎ ተስፋን ዝተበገሰ እምበር ንግዜኡ ዝመጽአ ስምዒት ከም ዘይኰነ ገሊጹ።
እዚ ሓድሽ ድሌት "ክሕሎ ኣለዎ" ዝበለ ሬድዋን፡ ኣብ ጐደና ሰላም ዕንቅፋት ዝኸውን ወይ ድሌት ህዝቢ ዘዳኽም ዝዀነ ይዅን ስጕምቲ ወይ ድማ ናይ ፖለቲካ ጸወታ፡ ምትላል፡ ምስምስን ስሱዕ ድሌትን ክፍቀድ የብሉን ኢሉ።
ኣስዒቡ እውን፡ ድሌት ሰላም ህዝቢ ትግራይ "ክስማዕ ኣለዎ፤ ክብሩ ክሕሎን ንመጻኢ ዘለዎ ተስፋ ጋህዲ ንክኸውን ሓቀኛ ዕድል ክወሃቦን ኣለዎ፡" ኢሉ።
"ማንም ኣካል ብተንኰል ነዚ ሓድሽ ተስፋ ከጸልምቶ [ከምክኖ] ክፍቀድ የብሉን፡" ዝበለ ሬድዋን፡ ኣብ ትግራይ `ይፍጠር ኣሎ` ዝበሎ ሓድሽ መንፈስ "ክጒልብት እምበር ክዳኸም፡ ክሕሎ እምበር ክምዝመዝ፡ ከምኡ'ውን ንዅሉ ዘላቒ ሰላም፡ ናጽነትን ክብርን ዘውሕስ ኰይኑ ክቕጽል ኣለዎ፡" ብምባል መልእኽቱ ኣጠቓሊሉ።
ጌታቸው ረዳ ዝርከቦም ሰበ-ስልጣን ፈደራል ትግራይ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ትሕቲ ኮማንድ ፖስት ከም እትጸንሕ ብምእዋጅ ናብ መቐለ ድሕሪ ምእታዎም፡ ብዛዕባ ሓድሽ ምዕራፍ ሰላም ኣዊጁ ኣሎ።
እንተዀነ፡ እቲ ምስ ካልኦት ሽዱሽተ ዕጡቓት ሓይልታት ኢትዮጵያ ጥምረትን መስሪቱ ዘሎን፡ ነቲ ክልል ንነዊሕ ዓመታት ዝመርሐ ህወሓት ካብ ፖለቲካዊ ሜዳ ብቐሊሉ ክእለ ዘይምዃኑ ተንተንቲ ይእምቱ።
ስለዚ፡ እቲ ኣብዚ ግዜ`ዚ ብዘይ ተሳትፎ ካልኦት ሓይልታት ዝውሰድ ዘሎ ስጕምቲ፡ ንትግራይ ናብ ዘላቒ ምርግጋእ ዘብጽሕ ጕዕዞ ድዩ ወይስ ንኻልእ ሓድሽ ዙርያ ቅልውላው መበገሲ ኰይኑ ክተርፍ፡ ዝብል ሕቶ ገና ንጹር ኣይኰነን።























![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
