'ዘይተፈትሑ ዓበይቲ ምስጢራት ስነ-ፍልጠት'፡ መደንዘዚ ብዛዕባ ኣእምሮና እንታይ ይገልጽ?

ሓንቲ ጓል ናይ ሕክምና ክዳን ገይራ፡ መደንዘዚ ብኣፋን ኣፍንጫኣን እናወሰደት
Published
ንባብ: 5 ደቓይቕ

ሓፈሻዊ መደንዘዚ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ዛጊት ምሉእ ብምሉእ እኳ እንተ ዘይተፈልጠ፡ ብዛዕባ ባህሪ ንቕሓት (consciousness) ግን ሓደስቲ ኣንፈታት ይሕብር ኣሎ።

ብ1797 ሆራሾ ኔልሰን የማናይ ኢዱ ክቝረጽ ከሎ፡ እቲ መብጣሕቲ ህይወቱ ዘድሓነ እኳ እንተ ነበረ፡ ብመሰረት እቲ ዝንገር ዛንታ ግን ከም መደንዘዚ ዝተዋህቦ ሮም (rum) ጥራይ ነይሩ።

ኣብ መብዛሕትኡ ታሪኽ ወዲሰብ፡ ምቝራጽ ኣካላት ሓዊሱ ዝዀነ መብጣሕቲ ዝካየድ ዝነበረ ተሓከምቲ ምሉእ ብምሉእ ነቒሖም እንከለዉ እዩ።

ብ1846 ሓፈሻዊ መደንዘዚ ኣብ ጥቕሚ ምውዓሉ ግን ነቲ ኵነታት ብመሰረቱ ቀይርዎ። ካብ ሽዑ ንደሓር፡ ንቕሓት ኣብ ዝዀነ እዋንን ቦታን ብግዝያውነት ከም ዝጠፍእ ምግባር ተኻኢሉ።

ሎሚ ኣብ ኵሉ ዓለም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ልዕሊ 350 ሚልዮን መብጣሕትታት ብመደንዘዚ ይካየድ። እንተዀነ፡ እዞም ምስጢራውያን መድሓኒታት ብኸመይ ከም ዘደቅሱና ክሳዕ ሕጂ ምሉእ ብምሉእ ዝተፈልጠ ነገር የሎን።

ሕጂ ግን ዝረኣዩ ዘለዉ ሓደስቲ መረዳእታታት ንተመራመርቲ ብዛዕባ መሰረታዊ ኣሰራርሓ ኣእምሮናን መበቈል ንቕሓትናን ይምህርዎም ኣለዉ።

ሓፈሻዊ ድቃስ

ዝተፈላለዩ ዓይነታት መደንዘዚ ኣለዉ። ገሊኦም ንቓንዛ ብቐጥታ ብምዕጋት ዝሰርሑ ኰይኖም፡ ካልኦት ከኣ ድቃስን ምዝንጋዕን የምጽኡ። ሓፈሻዊ መደንዘዚ ግን ካብዚ ንላዕሊ እዮም ዝኸዱ።

እዞም መድሓኒታት ንቕሓትካ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝጠፍእ ብምግባር፡ ኣብ ከባቢኻ እንታይ ይካየድ ከም ዘሎ ዝዀነ ዓይነት ኣፍልጦ ከይህልወካ ይገብሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ንቕሓት ከጥፍኡ ዝኽእሉ ብዙሓት መድሓኒታት ኣለዉ። እዚኣቶም ካብቶም ዳርጋ ኣብ ግብሪ ዘይውዕሉ ካብ ከም ዜኖን ዝኣመሰሉ ጋዛት ጀሚርካ፡ ክሳብ እቲ ብብዝሒ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል ፕሮፖፎል ዝበሃል መደንዘዚ ይዝርግሑ።

እዞም ሓፈሻዊ መደንዘዚታት ዝተፈላለየ ከሚካላዊ ቅርጺ ክህልዎም ይኽእል እዩ። ኣብ ኵሉ ግን እቲ ሓፈሻዊ ጽልዋኦም፡ ዋህዮታት መትኒ ኣእምሮ ንሓድሕዶም ከይራኸቡ ምዕጋት እዩ።

መርመራታት ማግኔታዊ ስእሊ (MRI) ከም ዘረድእዎ፡ ኣብ ትሕቲ መደንዘዚ ሓፈሻዊ ምንካይ ንጥፈታት ኣእምሮ ይርአ። ይዅን'ምበር፡ እዚ መስርሕ ብኸመይ እዩ ሓደ ሰብ ከም ዝድቅስ ዝገብሮ ኣማእዝዩ ንምርዳእ ኣይተኻእለን።

መደንዘዚ ንቕሓት ንኸጥፍእ ምሉእ ኣእምሮ ክዕጾ ኣለዎ ድዩ፡ ወይስ ገለ ክፋላት ካብ ካልኦት ንላዕሊ ኣገደስቲ እዮም ዝብል ሕቶ ገና ንጹር ኣይኰነን።

ኒክ ፍራንክስ፡ "ምሉእ ኣእምሮ እኳ እንተ ተዓጽወ፡ ኣእምሮ ኣዝዩ ዝተኣሳሰረ ብምዃኑ፡ ነቲ ሓፈሻዊ ምዕጻው ዘበግሶ እንታይ ምዃኑ ፈሊኻ ምፍላጥ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። ኣብ መርመራታት ኣእምሮ ስእሊ እንተ ተዓዚብካ፡ ቀዲሞም ዝዕጸዉ ተነቀፍቲ ዝዀኑ ክፋላት ኣለዉ፡ እዚ ድማ 'እዞም ክፋላት ድዮም ነቲ ሓፈሻዊ ምዕጻው ዘበግስዎ ዘለዉ?' ዝብል ሕቶ የልዕል፡" ይብል።

ፍራንክስ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኣእምሮ ዝርከብ ቅርጺ እንቋቝሖ ዘለዎ 'ታላመስ' ዝበሃል ክፋል የመልክት። እዚ ክፋል እዚ ከም ማእከል መራኸቢ ብምዃን ዘገልግል ኰይኑ፡ መደንዘዚ ክወሃብ ከሎ ቀዲሙ ዝድቅስ ይመስል። ታላመስ ኣብ ምጅማርን ምዕቃብን ድቃስ ዓቢ ተራ ኣለዎ።

ኒክ ፍራንክስ፡ "ንሓደ እንስሳ ኣደንዚዝካ ፍሉይ ክፋል ታላመስ እንተ ኣነቓቒሕካዮ፡ ነቲ እንስሳ ከተንቅሖ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ከቢድ ድቃስ (ኮማ) ዝኣተዉ ሰባት እውን ብምንቕቓሕ ታላመስ ክበራበሩ ከም ዝኽእሉ መጽናዕትታት የርእዩ። ስለዚ ንምንቕቓሕ ወሳኒ ክፋል እዩ፡" ይብል።

ካልኦት ተመራመርቲ ድማ እቲ ድርብራብ ዝመስል ላዕለዋይ ክፋል ኣእምሮ (cerebral cortex) ቀንዲ "መንበሪ ንቕሓት" ብምዃኑ፡ መደንዘዚ ቀንዲ ጽልዋኡ ኣብኡ ዘዕርፍ ይመስሎም።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ግንባር ዝርከብን ንዓበይቲ ናይ ምሕሳብ ንጥፈታት ሓላፍነት ዝወስድን ናይ ግንባር ክፋል (frontal lobe)፡ ከምኡ'ውን ንስምዒታት ዝጥርንፍ ናይ ድሕሪት ክፋል (parietal lobe) እውን ኣብዚ መስርሕ ኢድ ከም ዘለዎም ይእመን።

ሳልሳይ ደረጃ ንቕሓት

እዚ ይዅን'ምበር፡ ኣእምሮና ኣብ መንጎ ድቃስን ንቕሓትን ዝርከብ 'ሳልሳይ ደረጃ' ንቕሓት ናይ ምፍጣር ክእለት ክህልዎ ከም ዝኽእል ዝሕብሩ መረዳእታታት ይወጽኡ ኣለዉ።

መብዛሕትኦም ሰባት መደንዘዚ ምስ ወሰዱ ምሉእ ብምሉእ ንቕሓቶም ስኢኖም ናይቲ እዋን ዝኽሪ ኣይህልዎምን። እንተዀነ፡ ካብ 15,000 ተሓከምቲ እቲ ሓደ፡ ድሕሪ መብጣሕቲ ምብራባሩ ገለ ክፋል ናይቲ መብጣሕቲ ክዝክር ይኽእል እዩ፤ እዚ ድማ ሃንደበታዊ ንቕሓት ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ጃይዲፕ ፓንዲት፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብ መንጎ ድቃስን ንቕሓትን ዝርከብ "ሳልሳይ ደረጃ ንቕሓት" ከም ዘሕልፉ ይኣምን። ኣብ ዘካየዶ ፈተነ፡ ንተሓከምቲ መደንዘዝን ጭዋዳታት ዘዛኒ መድሓኒትን ድሕሪ ምሃብ፡ ሓደ መእሰሪ (tourniquet) ብምጥቃም ነቲ ጭዋዳታት ዘዛኒ መድሓኒት ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ኢዶም ከይበጽሕ ገይሩ ነይሩ።

እዚ ድማ እቶም ኣብ ንቕሓት ዘይነበሩ ተሓከምቲ እንተ ደልዮም ኢዶም ከንቀሳቕሱ ኣኽኢልዎም። ኣብቲ ፈተነ፡ ሓደ ሲሶ ዝዀኑ ተሓከምቲ ኣብ እዋን መብጣሕቲ ዝዀነ ናይ ንቕሓት ወይ ቃንዛ ምልክት ዘየርኣዩ ክነሶም፡ ብትእዛዝ መሰረት ኣጻብዕቲ እቲ መርማሪ ክጭብጡ ክኢሎም እዮም።

እዚ ድማ ሳልሳይ ደረጃ ንቕሓት ከም ዘሎ ዘረድእ እዩ ይብል ፓንዲት።

ናይ ሓንጎል ስእሊ ብኢላስትረሽን ይርአ
መግለጺ ስእሊ, ሓፈሻዊ መደንዘዚ ዓመታዊ ኣብ ልዕሊ 350 ሚልዮን መብጣሕትታት ኣብ ጥቕሚ ይውዕል

ፍሉይነት ተመኵሮ ንቕሓት

እቲ "ጽንኩር ጸገም ንቕሓት" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጉዳይ፡ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ዘይተፈትሑ ምስጢራት ስነ-ፍልጠት ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ። ንቡር ድቃስ'ውን ምጥፋእ ንቕሓት ዘጠቓልል እኳ እንተዀነ፡ ሓፈሻዊ መደንዘዚ ግን ኣብ ዝዀነ ህሞት ንቕሓት ንኸተጥፍኦ ስለ ዘኽእል ንምጽናዑ ዝቐለለ ይገብሮ።

ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ወይ እንስሳ ናይ ንቕሓት ተመኵሮ ፍሉይን ውልቃውን እዩ።

ኣንድረያ ሉፒ፡ ሓፈሻዊ መደንዘዚ ነዚ ጉዳይ ኣብ ምብራህ ክሕግዝ ዝኽእል እንተዀይኑ መርሚሩ። ንሱ ብመርመራ ተግባራዊ ማግኔታዊ ስእሊ (fMRI) ገይሩ ኣብ ትሕቲ መደንዘዚ ዘለዉ ሰባት ኣእምሮ ብምዕዛብ፡ እቲ መድሓኒት ዘሕድሮ ጽልዋ ንምፍላጥ ዋሕዚ ደም መዝጊቡ።

ሉፒ ብፍላይ ኣብቲ "ተግባራዊ ምትእስሳር" (functional connectivity) ዘተኰረ ኰይኑ፡ እዚ ድማ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኣእምሮ ብኸመይ ከም ዝተሓላለኹን ንጥፈታቶም ከም ዘወሃህዱን ዝዕቅን እዩ። ብንቡር እዋን፡ እዚ ንጥፈታት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከም "መለለዪ ኣሰር ኣጻብዕቲ" ፍሉይ እዩ።

ይዅን'ምበር፡ ሉፒን መሳርሕቱን ኣብ ዘካየድዎ መጽናዕቲ፡ ኣብ ትሕቲ መደንዘዚ ዘሎ ኣእምሮ ፍሉይነቱ እናነከየ ንሓድሕዱ ዝመሳሰል ኰይኑ ረኺቦሞ።

እቲ ዘገርም ድማ እቲ ዝደቀሰ ናይ ሰብ ኣእምሮ ካብ ናይ ካልኦት ፕራይሜት (ኣእምሮኦም ዝተቐራረበ እንስሳታት) ኣእምሮ ብዙሕ ዘይፍለ ኰይኑ ተረኺቡ፤ እዚ ከኣ እቶም ብመደንዘዚ ብብዝሒ ዝጽለዉ ክፋላት ኣእምሮ ሰብ፡ ብፍልቀት (evolution) ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝማዕበሉ ምዃኖም የመልክት።

ሉፒ፡ ቀንዲ መለለዪ መደንዘዚ ነቶም ዝተፈላለዩ ክፋላት ኣእምሮ ንሓድሕዶም ከይዘራረቡ ምዕጋቱ እዩ ኢሉ ይኣምን። ኣብ እዋን ንቕሓት፡ ዝተፈላለዩ ክፋላት ብቐጥታ እኳ እንተ ዘይተራኸቡ ጽልዋ ክለዋወጡ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ትሕቲ መደንዘዚ ግን ብቐጥታ ዝተኣሳሰሩ ክፋላት ጥራይ እዮም ዝዘራረቡ።

ሉፒ ብ2024 ኣብ ዝጸሓፎ ትንታነ፡ "ኣብ እዋን ንቕሓት፡ እቲ ዋሕዚ ንቕሓት ነቲ ኣእምሮና ዝሓልፎ መስርሓት ይመርሖ፤ ኣብ ትሕቲ መደንዘዚ ግን ንጥፈታት ኣእምሮ መሪሕነት ኣልቦ ይኸውን" ኢሉ ነይሩ።

እዚ ርኽበት'ዚ፡ ንቕሓት ካብ ሓደ ፍሉይ ክፋል ኣእምሮ ዝፍጠር ዘይኰነስ፡ ካብ ምውህሃድ ዝተፈላለዩ ማእከላት ዝመጽእ መርበብ እዩ ንዝብል ኣተሓሳስባ ዝድግፍ እዩ። እዚ፡ ልክዕ ከምቲ ስርዓተ-ርክብ ሓንቲ ሃገር ብምዕጻው ንሓደ መንግስቲ ካብ ስራሕ ወጻኢ ከም ምግባር ይቝጸር።

ብተወሳኺ፡ ሓፈሻዊ መደንዘዚታት ከም ኤል.ኤስ.ዲ (LSD)ን ሳይሎሳይቢን (psilocybin) ዝኣመሰሉ ኣእምሮ ዘነቓቕሑ መድሓኒታት ብኸመይ ንቕሓት ከም ዝቕይሩ ንምርዳእ ብርሃን ክህብ ከም ዝኽእል ሉፒ ይኣምን።

መደንዘዚታት ርክብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኣእምሮ ከደስክኑ ከለዉ፡ እቶም ኣእምሮ ዘነቓቕሑ መድሓኒታት ግን ሓደስቲ መስመራት ርክብ ብምኽፋት ተጻራሪ ስጕምቲ ይወስዱ።

ኣብ መወዳእታ ግን፡ ንቕሓት ኣብ ኣየናይ ክፋል ኣእምሮና ከም ዝሰፍር ንምፍላጥ ገና ብዙሕ ዝጽበየና ጕዕዞ ኣሎ።

ቦሪስ ሃይፈትስ፡ "ብዛዕባ ንቕሓት ዘለና ርድኢት ገና ኣዝዩ መባእታዊ እዩ። ስለዚ ንቕሓት ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ከረድእ ዝኽእል ሰብ እንተ ረኺብኩም፡ ብኽብረትኩም ሓብሩኒ፤ ኣነ ምስኣታቶም ክዘራረብ ኣዝየ ምደለኹ ነይረ፡" ብምባል እቲ ምስጢር ገና ከም ዘይተፈትሐ ይገልጽ።