ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኣለምዋጭ ብዝተፈጸመ ናይ ሞርታር ደብዳብ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ጉድኣት ወሪዱ

ምንጪ ስእሊ, FANA BROADCASTING CORPORATION
ኣብቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከብ ኤርትራውያን ስደተኛታ ተዓቑቦምሉ ዘለዉ ምዓስከር ስደተኛታት ኣለምዋጭ ብዝተፈጸመ ናይ ሞርታር መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ጉድኣት ከምዝበጽሐ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
እቲ ብሰሉስ ዝተፈጸመ ናይ ሞርታር መጥቃዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ መዕቖቢ ክልተ ስደራ ብምዕላቡ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኣደን ሰለስተ ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ከቢድ ጉድኣት ኣውሪዱ።
ኣብ ሓንቲ ስድራ ኣደ ምስ ክልተ ደቃ ክትህረም እንከላ ኣብዚ እዋን ምስ ክልተ ደቃ ንዝልዓለ ሕክምና ኣብ ከተማ ጎንደር'የን ዝርከባ።
ንስደተኛታት ኣብ ምሕጋዝ ንዝነጥፍ ትካል ሓያዋይ ሳምራዊ መስራትን ኣካያድን ከምኡ ኣብቲ መዓስከር ስደተኛታት ብኣካል እናኸደ፡ ስነ ኣእምሮኣዊ ሃስያታት ንዝወረዶምን ንዝወረደንን ስነ-ኣእምሮኣዊ ሓገዛት ዘበርከት ኣቶ ሃብተኣብ የማነ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብቲ መዓስከራት ኤርትራውያን ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ክፍጸም ከምዝጸነሐ ብምሕባር፡ ኣብቲ ቦታ ንስደተኛታት ከም "መከላኸሊ" ምጥቃም ልሙድ ኰይኑ ምህላዉ ገሊጹ።
ሓደ ነባሪ እቲ መዓስከር ብወገኑ "እቲ መጥቃዕቲ ኮነ ኢልካ ዝተፈጸመ'ዩ፡ እዚ ቦታ ኩሎም ኣብዚ ከባቢ ዘለዉ ዕጡቓት መዓልታዊ ዝመላለስሉ መዓስከር ምዃኑ ዝፈልጥዎን መብራህቲ ዘለዎን ቦታ'ዩ፡ ብዘይፍላጥ'ዩ ተፈጺሙ ክንብል ኣይንኽእል ኢና" ኢሉ።
እታ ቀንዲ ከቢድ ጉድኣት ዝበጽሓ ጓል 11 ዓመት ቀልዓ ኮይና ኣዲኣ'ውን ኣብ የማናይ ጎና ተሃሪማ ኣብ ሕክምና ከምእትርከብ ተፈሊጡ ኣሎ።
ብዘይካ እዚ ጓል ዓመትን መንፈቕን ጓላ'ውን ብተመሳሳሊ ደብዳብ ተሃሪማ ኣብ ሕክምና ምስአን ምህላዋ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
እታ ምስ ስድራኣ ብለይቲ ደቂሰን እንከለዋ ብደብዳብ ናይ ሞርታር ዝተሃረማ ብርኽቲ ኣስመሮም ትብሃል ወላዲት "እታ ዝያዳ ተሃስያ ዘላን ኣብ ዝተፈላላለየ ክፋላት ኣካላት ዝተሃረመት እታ ጓል 11 ዓመት ጓለይ'ያ" ኢላ።
እቲ ደብዳብ ናይ ሞርታር ሰዓስተ ሽዱሽተን ፈረቃን ድሕሪ ቀትሪ ብምናበሩ ኩሉ ሰብ ኣብ ገዛኡ እንከከሎ'ዩ ኣጋጢሙ።
ኣብ ካልእ ገዛ ዝዓለበ ሞርታር'ውን ኣብ ማእከል ስደራ ብምዕላቡ፡ ንሓንቲ 2 ዓመትን መንፈቕን ህጻን ክሃርማ እንከሎ፡ ኣደ እታ ህጻን ነብሰ ጾር ብምባራ ብስንባደ ኣብ ከቢድ ኩነታት ከምዘላ ብዓል ቤታ ገሊጹ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ መዓስከር ስደተኛታት ኣለምዋጭ ዝርከቡ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሰንኪ እቲ ካብ 2020 ክሳብ 2022 ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኵናት፡ እተን ኣብ ክልል ትግራይ ዝነበራ መዓስከራት ስለስተዓጽዋ ኣብቲ እዋን ዝገዓዙ'ዮም።
እቲ ቦታ ኣዝዩ ጨቃውን ሰልሚ ዝበዝሖ ቦታ ብምዃኑን እቶም ስደተኛታት ንዝተፈላለየ ማይ ወለድ ሕማማት ይቃልዑ ምህላዎም ብተደጋጋሞ ይገልጹ ነይሮም'ዮም።
ኣብ ልዕሊኡ ኣብ እዋኑ እቲ ግቡእ ሰብኣዊ ረድኤታት ስለዘይበጽሖም'ውን ኣደዳ ጥምየት ከምዝዀኑ ኣቶ ሃብተኣብ የማነ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣብቲ መዓስከር ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝተፈላለየ መቕተልቲ ስደተኛታት፡ ዓመጽ ደቂ ኣንስትዮን መጭወጠይትን ከጋጥም ጸኒሑ'ዩ።
ኣቶ ሃብተኣብ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ቁጽሪ ብሸፋቱን ዕጡቓትን ዝተቐተሉን ዝሰንከሉን 33 ከምዝበጽሕ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣብዚ እዋን ከኣ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ፌደራልን ዕጡቓት ፋኖን ብተደጋጋሚ ኵናት ይካየድ ብምህላዉ እዞም ስደተኛታት ኣብ ሞንጎ ክልተ ሓዊ ተቐርቒሮም ብምህላዎም ማሕበረሰብ ዓለም ካብቲ ቦታ ናብ ካልእ ውሑስ ቦታ ዝግዕዝሉ ኩነታት ከጣጥሕ ጻውዒቱ ኣቕሪቡ።

ምንጪ ስእሊ, Habteab Yemane

ምንጪ ስእሊ, Habteab Yemane






















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
