ጌታቸው ረዳ፡ ትግራይ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ፌዴራል ከም እትጸንሕ ገሊጹ፡ 'ውግእ ተዛዚሙ' ኢሉ

ምንጪ ስእሊ, TBS tv
ኣብ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ፍሉይ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ- ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ትግራይ ንዝመጽእ ሽድሽተ ኣዋርሕ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ፈዴራል ክትመሓደር ምዃና ኣመልኪቱ።
ፕረዚደንት ግዝያዊ ክልላዊ ምምሕዳር ትግራይ ነበር ጌታቸው ረዳ፡ ምስ ዕጡቓት ህወሓት ክካየድ ዝቐነየ ኲናት ከምዝበቀዐ ብምእዋጅ፡ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ኮማንድ ፖስት መንግስቲ ፌዴራል ከምትእትፀንሕ ኣንፊቱ ኣሎ።
ኣቶ ጌታቸው፡ ትማሊ ምስ ብሕታዊ መደበር ቴሌቪዥን- ቲቢኤስ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሓተት፡ ቀዳማይ ዕማም እቲ ዝጣየስ ኮማንድ ፖስት፡ እቲ ክልል ኣብ ውሽጢ ሽድሽተ ኣዋርሕ ናብ ስሩዕ መረፃ ምስግጋር፡ ፀጥታ ናብ ንቡር ምምላስን ከምኡ'ውን ብኲናት ዝበረሰ ምሕዋይን ከምዝዀነ ተዛሪቡ።
ከም ኣገላልጻ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ሓይልታት ፌደራልን መሻርኽቶም ሓይልታት ሰላምን ኣብ ትግራይ ሙሉእ ቁፅፅር ኣብ ዝገብሩሉ እዋን ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣቱን ፀጥታ ናብ ንቡር ክመለስን ተስፋ ኣሎ።
እዚ ከምአዚ እናሃለወ፡ ጌታቸው ረዳ ሎሚ ምስ ዶ/ር ኣብርሃም በላይ ዝርከቦም፡ ሰብ ስልጣናት መንግስት ወተሃደራዊ ሓለፍቲ ሓይልታት ሰላም ትግራይን፡ ኰይኑ ናብ መቐለ ክኣቱ ዝተርአየ ዀይኑ፡ 'ኣብ ሓፂር እዋን ብወረ ዘይኰነስ ብተግባር ዝረአ ለውጢ ክንሰርሕ ኢና' ክብል ተሰሚዑ።
እቲ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ መቐለ ጀሚሩ ብነበርቲ መቐለ ድሙቕ ኣቀባብላ ክግበረሉ ዝተርአየ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ቅድሚ ሓደ ዓመትን ፈርቓን መጋቢት 2017 ዓ.ም [ግ] ዕጡቓት ህወሓት ቢሮታት እቲ ክልል ኣብ ዝቈፃፀርሉ እዋን ኣምሊጡ ናብ ኣዱስ ኣበባ ምመፅኡ ይዝከር።
ብሰንኪ ምጅማር እቲ ግጭት ተቋሪፁ ዝፀንሐ በረራረታት ካብ ናብን ትግራይ፡ ብቶም ሰበ-ስልጣን ናብ ንቡር ተመሊሱ ከምዘሎ ምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣቶ ጌታቸው፡ ኣብ እዋን እቲ ዕልዋ መንግስቲ ዝተገብረሉ እዋን፡ ምስ ካልኦት ከም ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤን ኣቶ ኣሰፋ ኣብርሃን፡ "ፈተነ ቅትለት" ተገይሩሉ ከምዝነበረ ንሚድያታት ምዝራቡ ኣይርሳዕን።
ነዚ ስዒቡ፡ ምክትሉ ዝነበረ ጀነራል ታደሰ ወረደ ብህወሓት ኣመኔታ ረኺቡ፡ ንዕኡ ተኪኡ ነቲ ክልል ክመርሕ ቀዳማይ ሚኒስተር ስልጣን ፀዲቕሉ ንሓደ ዓመት ምስ መርሐ፡ ብመንግስቲ ፌዴራል ንኻል ዓመት ስልጣኑ ብህወሓት 'በይናዊ ውሳነ' ብዝብል፡ ምንፃጉ ይዝከር።
ህወሓት፡ ምስ ዕጡቓት ሓይልታት ዀይኑ፡ ነቲ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ዝቈመ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣፍሪሱ፡ እዋኑ ዝሓለፎ 'ውዝፍ' ምምሕዳር ብምመላስ፡ ንደብረፅዮን ገ/ሚካኤል፡ ፕረዚደንት ገይሩ ሸይሙ ነይሩ።
ነዚ ስጉምቲ ስዒቡ፡ ርክብ ማእከለይ መንግስትን ህወሓትን ናብ ወጥሪ ኣምሪሑ፡ ድሕሪ ሽድሽተ ወርሒ ድማ ናብቲ 23 መስከረም 2026 ዝተወለዐ ቅሉዕ ውግእ ኣመሪሑ ናብዚ ሕዚ ዘሎ ኩነታት በፂሑ።
ጀነራል ታደሰ ካብ ስልጣን ካብ ዝእለ ጀሚሩ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር'ኳ እንተፀንሐ፡ ምስ ካልዶት ሳልሳይ ርእሱ ኣብ ዘይፍለጥ ቦታ ተኣሲሮም ከምዘለዉ እዩ ዝንገር። ኣባላት ስድራ እቶም እሱራት፡ በቲ ኩነታት ኣዝዮም ከምዝተሻቐሉ ብምግላጽ፡ ንኤርትራ ተወሲዶም ክዀኑ ይኽእሉ ዝብል ፍርሒ ንቢቢሲ ኣንፀባሪቘም።
'ውግእ ተዛዚሙ'
ጌታቸው፡ ኣብቲ ቃለ-መሐትቱ፡ እቲ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ደቡባውን ደቡባዊ ምብራቕን ትግራይ፡ ምስ ዕጡቓት ህወሓት ዝተጀመረ ውግእ፡ ኣብቂዑ ከምዘሎ ኣዊጁ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓይልታት ትግራይ ካብ መቐለ ኣብ ዝወጽእሉ፡ ብዙሓት እሱራት ካብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝሃደሙን፡ ገለ ድማ ኣብ መደበር ፖሊስ ዝነበረ ኣፅዋር ተቘፃፂሮም፡ ዝተወደበ ዝመስል ገበን ይሰርሑ ምንባሮም ይግለፅ።
ኣብ ከተማ መቐለ ሓዊሱ፡ ብዙሓት መንግስታዊን ውልቃውን ትካላት ኣደዳ ስርቂ ኰይነን ቀንየን ከመዘለዋ ነበርቲ ይገልፁ።
ጌታቸው ረዳ፡ ፀጥታ ናብ ንቡር ምምላስን ካብ ምዕራብ ትግራይ ተፈናቚሎም ኣደዳ ፀሓይን ቁርን ኰይኖም ዘለዉ ኣማኢቲ ኣሸሓት ተመዛበልቲ (IDPs) ናብ መረበቶም ምምላስ ቀዳምነት ከምዝወሃቦ ተዛሪቡ።
ንሱ ወሲኹ፡ ፖለቲካዊ ውድባት ንመረጻ ምድላው ክገብራ፡ እዚ ድማ ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ክካየድ ምዃኑ ኣንፊቱ ኣሎ።
ጌታቸው ረዳ፡ ብዘይካ ኣብ ገበናዊ ስራሕቲ ዝነጠፉ ውልቀሰባት፡ ኣባላት ህወሓት ኣብ ምሕዋይን ትግራይ ክሳተፉን እጃሞም ከበርክቱን ጸዊዑ።
ከተማ ዓዲ ግራትን ሽረን ሓዊሱ፡ ክሳብ ዶብ ኤርትራ ዝርከባ ዓበይቲ ከተማታት ትግራይ ኣብ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ሓይልታት ሰላም ትግራይ ኣትየን ከምዘለዋ ፀብፃባት ይሕብሩ።
መራሕቲ ህወሓት ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ከባቢ ሩባ መረብ፡ ካብ ዶብ ኤርትራ ንደቡብ ኣብ ዝርከብ ከባቢታት ከምዝርከቡን ድሕሪ ሕዚ ናብ መቐለ ናይ ምምላስ ተኽእሎ ከምዘየለን'ውን ጌታቸው ረዳ ተዛሪቡ።
ጌታቸው ረዳ ከምኡ'ኳ እንተበለ፡ ምክትል ኣቦ መንበር ህወሓት ኣማኑኤል ኣሰፋን ወሃቢ ቃል ህወሓት ሚኪኤለ ኣስገዶምን፡ ተኣምራዊ ኢሎም ዝገለፅዎ፡ "ጸረ-መጥቃዕቲ" ንምፍናው ተዳልዮም ከምዘለዉ፡ ካብ ዘይተፈልጠ ከባቢ ኰይኖም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገሊጾም ኣለዉ።
ከምቲ ናታቶም ኣገላለፃ፡ እቲ ኲናት ኣይተዛዘመን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዛጊድ ኣይተጀመረን ዝብል እዩ።
ኣብዚ ቕነ ነበርቲ ዓዲ ግራትን ዕዳጋ ሓሙስን ሰራዊት ኤርትራ ናብ ከተማታት ትግራይ ኣትዮም ብምባል ንቢቢሲ ዝገለፁ ዀይኖም፡ መንግስቲ ኤርትራ ግን ነቲ ክሲ ነጺግዎ ኣሎ።
ንዝሓለፈ ሓደ ዓመት ክተፋነኑ ዝፀንሑ ምንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ በዚ ጉዳይ ምትእትታው ሰራዊት፡ ክሳብ ኣብ ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ክካሰሱ ጀሚሮም ኣለዉ።
እቲ ኩነታት ናብ ሙሉእ ዞባዊ ኲናት ከየምርሕ ድማ ስግኣት ኣሎ።



















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
