ኣብ ጥቓ ዶብ ኢትዮጵያ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ድሮን ብዙሓት ቀቲሉ

ዕጡቕ ዳዕመ-ሰሪዕ
መግለጺ ስእሊ, ዕጡቕ ዳዕመ-ሰሪዕ
Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ሓደ ጉጅለ ተጣባቒ መሰላት፡ ኣብ ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝዳወብ ግዝኣት ብሉ ናይል፡ ብዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት፡ 41 ሰባት ከምዝሞቱ ገሊጹ።

ምስ ሓይልታት መንግስቲ ዝዋጋእ ዘሎን ቅድሚ ሕጂ ንሰራዊት እታ ሃገር ዝድግፍ ዝነበረ እዚ ሓይሊ፡ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ከባቢ ኣቡ ሻንዲ ናይቲ ግዝኣት ኣብ ዝርከብ መዓስከር ተመዛበልቲ ዒላማ ከምዝገበረ፡ ጉጅለ ተጣበቕቲ ህጹጽ እዋን ሓቢሩ።

ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት (OCHA) በቲ ኣዝዩ ዘደንፁ ፍፃመ፡ ከም 'ዝሰንበደ' ገሊፁ።

መባአእታዊ ጸብጻባት ከም ዘመልክትዎ፡ መብዛሕትኦም ግዳያት ናይቲ መጥቃዕቲ፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ምዃኖም ኦቻ ገሊጹ።

ሰራዊት ሱዳንን ብዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ብዝብል ዝፅዋዕ ጉጅለን፡ ካብ 2023 ጀሚሮም ኣብታ ሃገር ስልጣን ንምሓዝ ክቃለሱ ጸኒሖም እዮም።

ብሰንኪ እቲ ውግእ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 14 ሚልዮን ድማ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣለዉ።

እቲ ግጭት ሓደ ካብቶም ዝኸፍኡ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ዓለምና ፈጢሩ ይርከብ፣ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ሕክምናዊ ሓገዝ የድልዮም ኣሎ።

ሰራዊት ሱዳን ንመብዛሕትኡ ማእከላይን ምብራቓውን ክፋላት እታ ሃገር ክቈፃፀር እንከሎ፡ ኣብ ምዕራባዊ ግዝኣት ዳርፉር ዝመደበሩ እቲ ዕጡቕ ጉጅል ድማ ንገለ ክፋል ደቡባዊ ሱዳን ተቖጻጺሩ ይርከብ።

ክልቲኦም ወገናት ኣብቲ ግጭት መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብምፍጻም ክካከሰሱ ፀኒሖም እዮም።

ኦቻ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ኣብቲ ብዓርቢ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝተፈጸመሉ ከባቢ "ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመን፡ ብዙሓት ካብኣቶም ኣብ ከቢድ ሓደጋ ዝርከቡን ኣሽሓት ሲቪላት ከምዝተመዛበሉን" ገሊጹ።