ትራምፕ፡ ንሩስያ ዝሓደገላ እገዳታት እንታይ'ዩ? ዩክረይን ከ እንታይ ኢላ?

ትራምፕን ፑቲንን ኣብ ኣላስካ ኣብ ዝተራኸብሉ
Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ምስ ዩክሬናዊ መዘንኡ ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ዝነበረ ምትፍናን እናዓሞቐ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ካብ ድሕሪ ክልተ መዓልታት ጀሚሮም ተግባራውያን ክዀኑ ተሓሲቦም ዝነበሩ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝተነብሩ ብርክት ዝበሉ እገዳታት ኣብ ግብሪ ከይውዕሉ ዓጊትዎም ኣሎ።

እቲ እገዳታት ኣብ መስከረም ብባይቶ ኣመሪካ ጸዲቐ ብዶናልድ ትራምፕ ዝተፈረመ እዩ ነይሩ።

እንተዀነ ዶናልድ ትራምፕ ብዓርቢ ምሸት ፈጻሚ ትእዛዝ ብምውጻእ፡ ንገሊኦም ምእጋድ ንሃገራዊ ረብሓ ኣመሪካ ዝጸባእ ምዃኑ ካብ ኣባላት ባይቶ ሓሳብ ምስተውሃቦ ነቲ ትእዛዝ ከምዘመሓላለፈ ኣፍሊጡ።

እቲ ምስ ዶናልድ ትራምፕ ምቅዳው ስኢኑ ዘሎ ዘለንስኪ ብወገኑ ደሕሪ ውሳነ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ኣመሪካ ነቲ እገዳ "ምሉእ ብምሉእ ዕሽሽ ክትብሎ" ምውሳና ዘሕዝን እዩ ኢሉ።

ፍሉእ ልኡኽ ሩስያ ክሪል ዲመትሪቭ ውሳነ ትራምፕ "ኣገዳስን ናይ ብሓቂ ታሪኸውን'ዩ" ብምባል፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ተኣዊጁ ዝነበረ እገዳ ኣብ ልዕሊ ቁጠባ ኣመሪካን ዓለምን "ዓቢ ዕንወት" ከኸትል ተኽእሎ ከምዝነበሮ ገለጺኡ።

ርክብ ኣመሪካን ዩክረይን፡ ኣመሪካን ሩስያን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንሩስያ ናፍታ ክትሸየጥ ዘኽእላ ኣካታዒ ውዕል ድሕሪ ምፍራመን'ዩ ክሕርፍፍ ጀሚሩ።

ዩክረይን እዚ ስምምዕ ንሩስያ ኣብ ኵናት ከተውዕሎ እንትኽእል ገንዘብ ክትረክብ ክሕግዛ'ዩ ብምባልን፡ ምምሕዳር ትራምፕ ንዩክረይን ዝህቦ ዝነበረ ኣገዳሲ ወተሃደራዊ ሓገዛት ደው ኣቢልዎ ብምባልን'ዩ ምስ ትራምፕ ክሰሓሓብ ጸኒሑ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ "ካብ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ምስ ዘለንስኪ ውዕል ምግባር ይኸብድ" ድሕሪ ምባሉ፡ ፕረዚደንት ዩክረይን ቭላድሚር ዘለንስኪ ኣብ ዋዕላ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ዘስምዖ መደረ "ኣብ ሞንጎ ናይ ብሓቂ መራሕቲ ምዃን ክሳብ ክንደይ ጽቡቕ'ዩ" ብምባል ንመደርኡ ብኢደ ዙር ንትራምፕ ብምጉጣይ'ዩ ጀሚርዎ።

እቲ ሓርፊፉ ዝጸንሐ ርክብ እዞም ክልተ መራሕቲ ከኣ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ተኣዊጁ ዝጸንሐ እገዳ ደው ብምባላ ላምባ ተነስኒስዎ ኣሎ።

ዘለንስኪ ብቀዳም ነዚ ምልዓል እገዳ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "እቲ እገዳ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ጸቅጢ ብምፍጣር እዚ ኵናት ንኽውዳእ መኽኣለ ነይሩ" ኢሉ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ተሓሲቡ ዝነበረ እገዳታት እንታይ'ዩ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ብኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ተደንጊጉ ድሕሪ ክልተ መዓልታት ናብ ተግባር ክውዕል ተወጢኑ ዝነበረ እገዳ፡ ብዝያዳ ኣብ ቁጠባ ዘድሃበ'ዩ ነይሩ።

ኣብዚ ከኣ ኣብ ልዕሊ እተን ሓሙሽተ ዝበዝሐ ጋዝን ነዳድን ካብ ሩስያ ዝሽምታ ህንድን ቻያንና ዝርከበአን ሃገራት፡ ካብ ሩስያ ከምዘይሽምታ ንምግባረን ኣብ ልዕሊአን ናይ 100 ምኢታዊት ግብሪ ከምዝስላዕ ዝገብር'ዩ ነይሩ።

ኣብ ልዕሊኡ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ቭላዳሚር ፑቱን ዝርከበቦም ላዕለዎት ሓለፍቲ ሩስያ'ውን ኣመሪካ እገዳ ከተንብር ወጢና ጸኒሓ'ያ።

ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ እተን ነቲ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝተነበረ እገዳ ብምጥሓስ ካብን ናብን ሩስያ ነዳድን ጋዝን ዘመላለስሳ መራኽብ'ውን ተሪር እገዳ'ዩ ተነዲፉ ጸኒሑ።

ሕጂ ግን እዚ ኩሉ እገዳታት ኣብ ተግባር ክውዕል ክልተ መዓልታት ምስ ተረፎ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ግብሪ ንኸይውዕል ፈሪምሉ ኣሎ።

ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ማርኮ ሩብዮ፡ ዶናልድ ትራምፕ እቲ ኣብ ልዕሊ ቁጠባ ኣመሪካን ዓለምን ክህልዎ ዝኽእል ጽልዋ ንምጽናዕ ንዝቅጽል 60 መዓልታት እቲ እገዳ ከይተተግበረ ክጸንሕ ከምዝተወሰነ'ዩ ገሊጹ።

ትራምፕ እቲ ተወጢኑ ዝነበረ እገዳ ሩስያ ደው ምባሉ ካብ ክልቲኤን ቀንዲ ሰልፍታት ኣመሪካ ነቀፌታ ኣስዒብሉ ኣሎ።

ኣባል ዲሞክራትት ዶን በየር ዶናልድ ንዘለንስክን ዩክረይንን ሕቆኡ ብምሃብ ምስ ሩስያ ሕግብግብ ይብል ኣሎ ብምባል ተቓውሞኣ ኣስሚዐ።

ሰኔተር ቱክሳስን ኣባል ሰልፊ ሪፓብሊካንን ቴድ ብሩዝ ንፎክስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እቲ እገዳ ደው ምባሉ ጌጋ ምዃኑ ብምሕባር ብዛዕባ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ስክፍታ እንተሃልዩ ክፍትሓሉ ዝኽእል ካልእ መንገድታት ከምዘሎ ኣተንቢሁ።

ትራምፕ ኣቀድም ኣቢሉ'ውን ኣመሪካ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብደረጃ ዓለም ቅልውላው ጸዓት ሰማይ ኣብ ስለዝዓረገ፡ ካብ ሩስያ ናፍታ ክዕድግ ምስ ሩስያ ስምምዕ ድሕሪ ምግባሩ ብርቱዕ ተቓውሞታት ኣስዒብሉ'ዩ።

ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ቭላድሚር ፑቲን ነቲ ብደረጃ ዓለም ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ጽዓት ንምቕላል፡ 300 ሽሕ ቶን ናፍታ ናብ ዕዳጋ ከቕርብ ከምዝተሰማማዐ'ዩ ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ሓድሽ ስምምዕ ሩስያን ኣመሪካን፡ ሩስያ ኣብ መጀመርታ 300 ሽሕ ቶን ናፍታ "ናብ ዕዳጋ ኣመሪካን ዓለምን" ከተቕርብ እያ፡ ድሕሪኡ ድማ ኣብ ወርሒ ሕዳር ተወሳኺ 500 ሽሕ ቶን ናፍታ ናብ ዕዳጋ ክተቕርብ እያ።

ተወሳኺ ሓደ ሚልዮን ቶን'ውን ክስዕብ ምዃኑ ትራምፕ ኣብቲ ናይ ባዕሉ ትሩዝ ዝተሰመየ ማሕበራዊ ሚድያ ብፍሑፍ ሓቢሩ።