መንግስቲ ትግራይ ብዛዕባ 'ሞጕዚት ምምሕዳር'ን መዓርፎ ነፈርትን እንታይ ኢሉ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters/Getty images
ብህወሓት ዝምራሕ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፡ ነቲ ብመንግስቲ ፈደራል ኢትዮጵያ ብግዝያውነት ዝተመዘዘ ሓድሽ ምምሕዳር "ሕጋውነት ኰነ ተፈጻምነት የብሉን" ክብል ብ16 ጥቅምቲ 2026 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
እቲ ክልላዊ መንግስቲ፡ እቲ ብፈደራል ዝተሰየመ "ምምሕዳር በዓል ሓደራ" ንትግራይ ናይ ምምሕዳር ብቕዓት ኰነ ስልጣን ከም ዘይብሉ ብምግላጽ፡ ምስዚ ሓድሽ ኣካል ዝተሓባበር ዝዀነ ትካል "ሓላፍነት ክወስድ እዩ" ክብል ኣጠንቂቑ።
ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ፈደራል ንመዓርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ካብ ስቪላዊ ኣገልግሎት ወጻኢ "ህዝቢ ትግራይ ንምጽናት ዝዓለመ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ሰብን ሎጂስቲክስን ንምምልላስ ይጥቀመሉ ኣሎ፡" ክብል ከሲሱ።
በዚ ምኽንያት ድማ ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ኵሉ ዓይነት ምንቅስቓስ ደው ክብል ጸዊዑ። ኣብቲ ዞባ ብዘይ ፍቓድ ሰራዊት ትግራይ ብሰለስተ እግረን ተሽከርከርቲ (ባጃጅ)ን ሞቶር ሳይክልን ዝግበር ምንቅስቓስ ከም ዘይፍቀድ'ውን ኣፍሊጡ።
እንተዀነ፡ ቢቢሲ ነዚ ክሲታት ብናጻ ኣካል ኣየረጋገጸን።
ነዚ መግለጺ ብዝምልከት ግብረ-መልሲ ዝሃበ ኣማኻሪ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ጌታቸው ረዳ፡ መሪሕነት ህወሓት ህልውናኡ ንምርኣይ ናይ ምፍርራሕን ዓመጽን ሜላታት ንምጥቃም ምውሳኑ ብወግዒ ኣሚኑ ኣሎ ክብል ከሲሱ።
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝነበረ ጌታቸው፡ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ስቪላውያን ነፈርቲ ምፍርራሕ ይፈጥር ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ እዚ ድማ ህዝቢ ትግራይ ብዘይ መሪሕነት እቲ ውድብ ዝሓሸ ናብራ ክህልዎ ከም ዝኽእል ዘመልክት ተወሳኺ መርትዖ ምዃኑ ኣረዲኡ።
ሓይልታት ትግራይ ንመዓርፎ ነፈርቲ መቐለ፡ ሽረን ኣኽሱምን ተቘጻጺሮም እኳ እንተ ነበሩ፡ መንግስቲ ፈደራልን መሻርኽቱ ዝዀነ "ሓይሊ ሰላም ትግራይ" ዝተባህለ ዕጡቕን ንቐንዲ ከተማታት ምቍጽጻሮም ስዒቡ፡ እቶም መዓርፎታት ነፈርቲ ተመሊሶም ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር መንግስቲ ኣትዮም ኣለዉ።
ሓይልታት ትግራይ ነቶም መዓርፎ ነፈርቲ ምቍጽጻሮም፡ ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ከምኡ'ውን ካብ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ተቓውሞ ገጢምዎ ነይሩ።
መዓርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ፈደራል ድሕሪ ምእታዉ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቋሪጽዎ ዝነበረ ናብ ከተማ መቐለ ዝግበር ስሩዕ በረራ ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣትሒዙ ዳግማይ ጀሚሩ ኣሎ።
ብዛዕባ ስቪላዊ በረራታት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝለዓል ዘሎ ክሲታት ሓድሽ ኣይኰነን።
ኣብቲ ካብ 2020 ክሳብ 2022 ዝነበረ ኲናት፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ወተሃደራትን ኣጽዋርን የጓዕዝ ነይሩ ተባሂሉ ዝቐረበሉ ክሲ "መሰረት ዘይብሉ እዩ" ብምባል ነጺግዎ ነይሩ እዩ።
እዚ ምትፍናን ዝስዕብ ዘሎ፡ ቤት ምኽሪ ምኒስትራት ኢትዮጵያ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ንኽልል ትግራይ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝመርሕ ፈደራላዊ 'ሞግዚት ምምሕዳር' ምቛሙ ስዒቡ እዩ።
መንግስቲ ፈደራል፡ እዚ ስጕምቲ ኣብቲ ክልል ጸጥታ ንምኽባር፡ ትሕተ-ቅርጽታት ብምጽጋን ቍጠባዊ ምንቅስቓሳት ንምብጋስን ንቐጻሊ መረጻ ባይታ ንምጥጣሕን ዝዓለመ ምዃኑ ኣረዲኡ።
ብኣንጻሩ ህወሓት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንውዕል ፕሪቶርያ ብምጥሓስ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ከይምለሱ ከም ዝገበረን ግቡኡ ከም ዘየማልአን ብተደጋጋሚ ክኸስስ ጸኒሑ እዩ።
መንግስቲ ፈደራል ብወገኑ፡ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዝነበረ ግጭት ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ንምፍታሕ ዝተገብረ ጻዕሪ "ብሰንኪ ዕንቅፋት ህወሓት" ከም ዝፈሸለ ብምጥቃስ፡ መሪሕነት እቲ ውድብ ሰላም ስለ ዘይደለየ ዘበገሶ ኲናት ብስዕረት ከም ዝተዛዘመ ከሲሱ።
እዚ ብቐጥታ ካብ ፈደራል ትእዛዝ ዝቕበል ሓድሽ ምምሕዳር፡ ንኣሰፋ ኣብርሃ ሓጐስ (ዋና ፈጻሚ ስራሕ ምምሕዳር) ከምኡ'ውን ንቴድሮስ ኣረጋይ ወልደስላሴ (ዋና ፈጻሚ ስራሕ ቍጠባን ዳግመ-ህንጸትን) ሓዊሱ ብሓሙሽተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዝምራሕ ኰይኑ፡ ኣብ ስትራተጅያውያን ጉዳያት ውሳነ ናይ ምሃብ ስልጣን ከም ዘይብሉ ተሓቢሩ።
ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ነዚ ናይ ፈደራል ስጕምቲ፡ "ብውሑዳት ከዳዓት ተጋሩ መንገዲ እናተመርሐ" ዝካየድ ዘሎ ሓድሽ ጕዕዞ ወራር ክብል ነጺግዎ።
ካብ 2020 ጀሚሩ ብሽዱሽተ ዝተፈላለዩ ምምሕዳራት ዝተመርሐት ትግራይ፡ ከም ምምላስ ተመዛበልትን ቍጽጽር ጸጥታን ንዝኣመሰሉ ሕቶታት ዛጊት ዝተረኽበ ዘላቒ መፍትሒ የሎን። እዚ ናይ ክልተኡ ወገናት ምትፍናን ከኣ፡ እቲ ኣብ 2022 ዝተበጽሐ ስምምዕ ደው ምባል ተዅሲ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከም ዝወደቐ ዘመልክት እዩ።























![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
