መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ግዝያዊ 'ሞግዚት ምምሕዳር' ትግራይ ኣቚሙ

ምንጪ ስእሊ, Office of the Prime Minister/Ethiopia
ቤት ምኽሪ ምኒስትራት ኢትዮጵያ፡ ንኽልል ትግራይ ንዝቕጽል ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብላዕለዋይነት ዘመሓድር ፈደራላዊ 'ሞግዚት ምምሕዳር' ከም ዘቘመ ኣፍሊጡ።
እዚ ስጕምቲ፡ ኣብቲ ክልል ጸጥታን ምርግጋእን ንምፍጣርን ንቐጻሊ መረጻ ባይታ ንምጥጣሕን ዝዓለመ ምዃኑ መንግስቲ ገሊጹ።
ማዕከን ዜና ፋና ብዛዕባ ውሳነ ቤት ምኽሪ ምኒስትራት ፈደራል ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ እዚ ሓድሽ ምምሕዳር ብቤት ምኽሪ ፈደረሽን ብዝተዋህበ ስልጣን መሰረት ከም ዝጸደቐ ኣፍሊጡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ስጕምቲ ዝወሰደሉ ምኽንያት ከብርህ እንከሎ፡ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዝነበረ ግጭት ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ንምፍታሕ ዝተገብረ ጻዕሪ "ብሰንኪ ዕንቅፋት ህወሓት" ፍሽለት ስለ ዘጋጠሞ ምዃኑ ኣረዲኡ።
ኣብቲ መግለጺ፡ መሪሕነት ህወሓት ሰላም ስለ ዘይደለየ ንራብዓይ ግዜ ዘበገሶ ኣዕናዊ ኲናት ብስዕረት ከም ዝተዛዘመ ብምጥቃስ፡ ህዝቢ ትግራይ ካብ ዑደት ግጭት ወጺኡ ሰላም ክረክብ ከም ዝግባእ ኣስሚሩሉ።
ብኣንጻሩ ህወሓት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንውዕል ፕሪቶርያ ብምጥሓስ፡ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ከይምለሱ ከም ዝገበረን ግቡኡ ከም ዘየማልአን ብምጥቃስ ብተደጋጋሚ ክኸስስ ጸኒሑ እዩ።
እዚ ብቐጥታ ትእዛዝን መምርሕን ካብ መንግስቲ ፈደራል ዝቕበል ሓድሽ ሞግዚት ምምሕዳር፡ ዝፈረሰ መዋቕራት ብምምላስ ህዝቢ መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ክረክብ፡ ዝዓነዉ ትሕተ-ቅርጽታት ብምጽጋን ቍጠባዊ ምንቅስቓሳት ዳግም ከበግስን ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ ናይ ምግባርን ሓላፍነት ተዋሂብዎ ኣሎ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ጸጥታዊ ጉዳያት ምስ ሓይልታት ምክልኻልን ፖሊስን ፈደራል፡ ከምኡ'ውን ምስ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ብምውህሃድ፡ ዕጡቓት ኣጽዋሮም ኣረኪቦም ናብ ሰላማዊ ናብራ ዝምለስሉ ኵነታት ከጣጥሕ ትጽቢት ይግበረሉ።

ምንጪ ስእሊ, Fana
ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ ነጻን ግልጽን መረጻ ንምክያድ ዘኽእል ፖለቲካዊ ባይታ ናይ ምድላው ዕማም እኳ እንተለዎ፡ ብህዝቢ ዝተመርጸ መንግስቲ ክሳብ ዝቐውም ግን ኣብ ስትራተጅያውያን ጉዳያት ውሳነ ክህብ ከም ዘይክእል ተሓቢሩ።
ነዚ ግዝያዊ ሞግዚት ምምሕዳር ብላዕለዋይነት ክመርሑ ካብ መንግስቲ ፈደራል መዝነት ዝተዋህቦም ሓሙሽተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኰይኖም፡ ኣቶ ኣሰፋ ኣብርሃ ሓጐስ ዋና ፈጻሚ ስራሕ ምምሕዳርን ኣገልግሎት ህዝብን፡ ዶክተር ቴድሮስ ኣረጋይ ወ/ስላሴ ከኣ ዋና ፈጻሚ ስራሕ ቍጠባን ዳግመ-ህንጸትን ኰይኖም ተመዚዞም ኣለዉ።
ብተወሳኺ፡ ብርጋደር ጀነራል ገብረእግዚኣብሄር በየነ ሃይሉ ንጸጥታን ሰላምን፡ ኣቶ ረዳኢ ሓለፎም ወ/ስላሴ ንፖለቲካን ኣወዳድባ ህዝብን ዝመርሑ ክዀኑ እንከለዉ፡ ዶክተር ሽሻይ ኣማረ ድማ ከንቲባ ከተማ መቐለ ኰይኖም ተሸይሞም።
ህወሓት ነዚ ሓድሽ ውሳነ ምምሕዳር ብዝምልከት ዛጊት ዝሃቦ ቀጥታዊ ግብረ-መልሲ የሎን።
ይዅን`ምበር፡ መንግስቲ ነዚ ስጕምቲ ቅድሚ ምውሳዱ፡ እቲ ውድብ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝምዕብል ዘሎ ሓፈሻዊ ኵነታት ብኸመይ ከም ዝግምግሞ ኣነጺሩ ነይሩ እዩ።
ህወሓት ኣብቲ መግለጺኡ፡ ንመንግስቲ ፈደራል "ጀኖሳይዳዊ ስርዓት" ክብል ብምኽሳስ፡ ነቲ ህዝቢ ትግራይ ንምብራስ ዝዓለመ ወራር ሎሚ እውን ቀጺሉ ምህላዉ ገሊጹ።
ብፍላይ ነቲ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ኣንፈታት መንግስቲ ኣመልኪቱ፡ እዚ ጕዕዞ "ብውሑዳት ከዳዓት ተጋሩ መንገዲ እናተመርሐ" ዝካየድ ዘሎ ወራር ምዃኑ ብምጥቃስ፡ መላእ ህዝብን ሰራዊት ትግራይን ቃልሱ ከሐይልን ነቶም ምስቲ ስርዓት ዝተሓባበሩ ኣካላት ክቃለሶምን ጻውዒት ኣቕሪቡ እዩ።
እዚ ናይ ክልተኡ ወገናት መርገጺታትን ውሳነታትን፡ እቲ ኣብ ሕዳር 2022 ኣብ ፕሪቶርያ ዝተፈረመ ውዕል ሰላም ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቑን ኣብ ክልል ትግራይ ከኣ ሓድሽ ፖለቲካውን ጸጥታውን ምትፍናን ተኸሲቱን ምህላዉ ብግልጺ ዘመላክት እዩ።
እዚ ሓድሽ ምዕባለን ኣዋጅ ሞግዚት ምምሕዳርን ዝኽሰት ዘሎ፡ ክልል ትግራይ ካብ 2020 ኣትሒዛ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ቍርቍስን ኲናትን ኣብ ከቢድ ቅልውላው ድሕሪ ምጽንሓ ዝስዕብ ዘሎ እዩ።
ኣብዚ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ዓመታት፡ ካብቲ ኣብ 2020 ዝተኻየደ ኣካታዒ መረጻ ጀሚሩ፡ ብመሰጋገሪ መንግስትታትን ብስምምዕ ፕሪቶርያ ዝቘሙ ግዝያዊ ምምሕዳራትን ኣቢሉ፡ እቲ ክልል ብሽዱሽተ ዝተፈላለዩ ምምሕዳራት እኳ እንተ ተመሓደረ፡ ከም ቍጽጽር ጸጥታ፡ ምምላስ ተመዛበልትን ሕጋውነት ስልጣንን ዝኣመሰሉ መሰረታውያን ሕቶታት ብዘይምፍታሖም፡ ነቲ ውዕል ሰላም ኣፍሪሱ ነቲ ክልል ዳግማይ ናብ ኣዕናዊ ኲናት ደሪኽዎ ኣሎ።























![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
