ቻምፕዮን ኣፍሪቃ 2026፡ ኤርትራ ብዘይ ደቂ ኣንሰትዮን ጁንየር ደቂ ተባዕትዮን'ያ ክትሳተፍ

እታ ናብ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ 2026 ተበሁኢሳ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብኮምሽን ባህልን ስፖርትን ምፍናው እናተገበረላ
መግለጺ ስእሊ, እታ ናብ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ 2026 ተበሁኢሳ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብኮምሽን ባህልን ስፖርትን ምፍናው እናተገበረላ
Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ኣብቲ ካብ 21 ክሳብ 25 ጥቅምቲ 2026 ኣብ ኬንያ ከተማ ኪሱሙ ዝካየድ ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ 2026 ኣትሳተፍ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ተፈሊጣ።

እዛ ብኣሰልጣኒ ዮናስ ዘካርያ እትስለ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ: ኣብ ትሕቲ 23 ዓመት ደቂ ተባዕተዮ 5 ኣብ ናይ ኢሊት ደቂ ተባዕትዮ ከኣ ሓሙሽተ ተቐዳደምቲ ብሓፈሻ ዓሰርተ ተቐዳደምቲ ሒዛ'ያ ናብ ኬንያ ነቒላ ዘላ።

እቶም ኣብ ናይ ኢሊት ተመሪጾም ዘለዉ እቲ ነዚ ውድድር ኣብ 2025 ኣብ ኬንያ ከተማ ድያኒ ዝተዓወተሉ ኦሎምፒካዊ ተቐዳዳማይ መርሃዊ ቅዱስ፡ ሄብሮን ብርሃነ፡ ናታን መድሃኔ፡ ኖሆም ዘርኣይን ከምኡ ድማ እቲ ዓሚ ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ተዓዋቲ ወርቂ መዳላያ ኮይኑ ዝነበረ ዓወት ኣማንን'ዮም ክወዳደሩ።

ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ድማ ያፌት ሙሉጌታ፡ ኤቨን የማነ፡ ንፍታሌም ኤፍሬም፡ ሜሮን ምስግናን ህያብ ሃብቶምን'ዮም ንኤርትራ ብምውካል ክወዳደሩ'ዮም።

ሓለቃ እዛ ሃገራዊት ጋንታ ኮይኑን ናይ ዓሚ ናይ ቻምፕዮንነት ክብሩ ንምዕቓብን ናብ ኬንያ ዘምርሕ ዘሎ መርሃዊ ቅዱስ ኣብቲ ኣብ ኣስመራ ብኮምሽን ባህልን ስፖርትን ዝተገበረሎም ምፍናው፡ እታ ሃገራዊት ጋንታ ጽዑቕ ምድላዋት ገይራ ዓብላልነታ ብምቅጻል ዓወት ሒዛ ከምእትምለስ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኬንያ ከተማ ድያኒ ጀሚሩ ኣብ ክዋለ ኣብ ዝተዛዘመ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ 2025 መርሃዊ ቅዱስን ዓወት ኣማንን ቀዳማይ ካልኣይን ኮይኖም ብምእታው ኣብ ናይ ኢሊትን ትሕቲ 23 ዓመት ክልተ ወርቂ መዳልያ ምውሳዶም ይዝከር።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ብተኸታታሊ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ክትከውን ምኽኣላ'ውን ኣይርሳዕን።

ዓሚ ብመርሃዊ ቅዱስ ክትዕወት እንከላ፡ ሄኖክ ምሉእብርሃን ብተኸታታሊ ንሰለስተ ዓመታት ኣብ 2022 ኣብ ግብጺ፡ ኣብ 2023 ኣብ ጋና ኣብ 2024 ከኣ ኣብ ኬንያ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ክኸውን ምኽኣሉ ዝዝከር'ዩ። በዚ መሰረት ሄኖክ ምሉእ ብርሃን እቲ እንኮ ነዚ ውድድር ሰለስተ ግዜ ዝተዓወተሉ ተቐዳዳማይ'ዩ።

ሰለስተ ዓመታት ኣከታቲሉ ምዕዋቱ ከኣ እቲ ክብረ ወሰን ብኻልእ ሰብ ክስበር ዓመታት ከምዝወስድ ይግመት።

ብዘይካ'ዚ ኣብ 2019 መኽሰብ ደበሳይ፡ ኣብ 2018 ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄር፡ ኣብ 2016 ከምኡ 2013 ተስፎም ዑቕባማርያም፡ ኣብ 2012 ከምኡ ከኣ 2011 ናትናኤል ብርሃነ ኣብ 2010 ከኣ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ምዃኖም ይዝከር።

ኤርትራ ብጁንየር ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዘይትውከለሉ ውድድር

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ብክልቲኡ ጾታ ኣብ ናይ ጁንየር፡ ትሕቲ 23 ከምኡ ከኣ ናይ ኢሊት ናይ ጽርግያን ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር የካይድ።

ኣብ ልዕሊኡ ኣብ ደቂ ኣንሰትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኢሊትን ትሕቲ 23 ዓመትን ተሓናፊጾም ዘካይድዎ ናይ ጋንታ ናይ ግዜ ውድድር'ውን ይካየድ'ዩ።

ሎሚ ዓመት ብዘይ ደቂ ኣንስትዮን ጁንየር ደቂ ተባዕትዮን ናብ ኬንያ ከተማ ኪሲሙ ተምርሕ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ንምንታይ ብደቂ ኣንስትዮን ኣብ ኩሉ ካታጎሪ ከምኡ ከኣ ጁንየር ደቂ ተባዕትዮ ክትሳተፍ ከምዘይመረጸት ዝተሓበረ ነገር የለን።

ኣብ ናይ ደቂ ኣንስዮ ኣብ ጁንየር፡ ትሕቲ 23 ዓመትን ኢሊትን ኣብ ናይ ጽርግያን ናይ ግዜ ውድድርን ሽዱሽተ ወርቂ መዳልያ ከምኡ ኣብ ጁንየር ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ናይ ግዜ ውድድርን ናይ ጽርግያ ውድድር ክልተ መዳላያታት፡ ኣብ ናይ 'ሚክሲድ ሪለይ' ከኣ ደቂ ኣንስትዮ ስለዘይብላ ስለዘይትወዳደር ብድምር ሸውዓት ክትዕወተሎም እትኽእል ወርቂ መዳልያታት'ያ እትኸስር ዘላ።

በዚ መሰረት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣርባዕተ ወርቂ መዳልያታን ንምርካብ ክልተ መዓልታት ጥራይ'ዩ ጸወታ ክህልዋ።

ኣብ 21 ጥቅምቲ ናይ ኢሊትን ናይ ትሕቲ 23 ዓመተን ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር፡ ሰንበት ኣብ ዝካየድ መዛዘሚ ጸወታ ከኣ ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመትን ናይ ኢሊትን ናይ ጽርግያ ውድድር ክትጻወት'ያ።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ነዚ ውድድር ካብ 2010 ጀሚራ ብዓብላልነት'ያ ክትቅልሶ ጸኒሐ።

እቲ ብዘይ ብኩራት ክትሳተፈሉ ዝጸንሓት ከኣ ቻምፕዮን ኣፍሪቃን ዙር ርዋንዳን'ዩ።

ኣብ ዙር ርዋንዳ ከም ሃገራዊት ጋንታ ልዕሊ ሓሙሽተ ተቐዳደምቲ ከተሳትፍ ስለዘይትኽእል እቲ ዕድል ጽቢብ'ዩ።

ኣብ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ግን ኣብ ክልቲኡ ጾታ ኣብ ጁንየር፡ ጥሕቲ 23 ዓመት ከምኡ ከኣ ኢሊት ብውሕዱ ኣኣርባዕተ ተቐዳደምቲ ሒዛ ክትሳተፍ ስለእትኽእል ክሳብ 24 ተቐዳደምቲ ናይ ምጽዋት ዕድል ይህልዎም'ዩ።

ብፍላይ ከኣ እቶም ንኣሽቱ ተቐዳደምቲ ኣብ ካልእ ክወዳደሩ ዕድል ስለዘይብሎም ነዛ ውድድር ዓመት ዓመት ሃንቀው ኢሎም'ዮም ዝጽበይዋ ምዃና ይግለፅ።

ኣብ 2024 ኣብ ኬንያ ከተማ ኢልዶረት ኣብ ዝተኻየደ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ጁንየር ደቂ ተባዕትዮ ኬቨን ተኽለማርያም ቀዳማይ ሴም እዮብ ካልኣይ ናሆም ኤፍሬም ሳልሳይ ብምዃን ንሰለስቲኡ መዳልያትት ክትዕወተሉ ክኢላ ምንባራ ይዝከር
መግለጺ ስእሊ, ኣብ 2024 ኣብ ኬንያ ከተማ ኢልዶረት ኣብ ዝተኻየደ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ጁንየር ደቂ ተባዕትዮ ኬቨን ተኽለማርያም ቀዳማይ ሴም እዮብ ካልኣይ ናሆም ኤፍሬም ሳልሳይ ብምዃን ንሰለስቲኡ መዳልያትት ክትዕወተሉ ክኢላ ምንባራ ይዝከር

ቅድሚ ሕጂ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ዝኾኑ ተቐዳደምቲ

ኣብ ታሪኽ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ እቶም ዝበዝሑ ነዚ ውድድር ዝተዓወትሉ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ'ዮም።

እቲ ቀዳማይ ነዚ ውድድር ዝተዓወተሉ ኤርትራዊ ዳንኤል ተኽለይማኖት ክኸውን እንከሎ፡ ሄኖም ምሉእብርሃን ሰልስተ ግዜ፡ ናትናኤል ብርሃነን ተስፎም ዑቕባማርያምን ከኣ ነፍሲ ወከፎም ከክልተ ግዜ ተዓዊተምሉ።

ኤርትራ ካብረ 2010 ጀሚሩ ኣብ ዝተኻየደ 14 ውድድራት ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ነቲ 11 ክትዕወተሉ እንለላ እቲ ዝተረፈ ሰለስተ ከኣ ደቡብ ኣፍሪቃውያን'ዮም ተዐቂተምሉ፡ ርያን ጊብሰን [2021]፡ ዊል ስሚት [2017]ለዊስ መንከስ [2015]።

  • 2025- መርሃዊ ቅዱስ
  • 2024- ሄኖክ ምሉእብርሃን
  • 2023- ሄኖክ ምሉእብርሃን
  • 2022- ሄኖክ ምሉእብርሃን
  • 2021፡ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ርያን ጊብሰን
  • 2019፡ መኽሰብ ደበሳይ
  • 2018፡ ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄር
  • 2017፡ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ዊሊ ስሚት
  • 2016፡ ተስፎም ዑቕባማርያም
  • 2015፡ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ልዊስ መንከስ
  • 2013፡ ተስፎም ዑቕባማርያም
  • 2012፡ ናትናኤል ብርሃነ
  • 2011፡ ናትናኤል ብርሃነ
  • 2010፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት