መዓልታዊ ቡን ምስታይ ካብ 150 መግብታት ንላዕሊ ጥዕናዊ ረብሓ አለዎ - መጽናዕቲ

ፍንጃላት ቡን
Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

መዓልታዊ ሓድሓደ ግዜ ድማ ኣብ ሓደ መዓልቲ ክልተ ሰለስተ ፍንጃል ቡን ምስታይ ከም ወልፊ እዩ ዝረአ።

ኣደታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ጐድኒ ጐድኒ ቍርሲ ዘቕርብኦ ቡን ኣብ ሕቶ ምልክት ክኣቱ ጸኒሑ እዩ።

ብዙሓት ምዕራባውያን እውን ካብ ድቃሶም ተላዒሎም ማይ ከይጠዓሙ ብርጭቆ ምሉእ ቡን ክጭልጡ ክንርኢ እንከለና 'ናይ ጥዕና ኣይኰነን' ኢልና እንሓስብ ውሑዳት ኣይኰንናን።

እዚ መዓልታዊ ዝስተ ቡን ግን ኣብ ጥዕና መዓንጣ ብዘለዎ ጽልዋ ካብ 150 መግብታት ንላዕሊ ረብሓ ከም ዘለዎ ክኢላታት ይገልጹ ኣለዉ።

ቡን ካብ ተራ መነቓቕሒ ዝሓለፈ ረብሓ ከም ዘይብሉ ኢና ንሓስብ ነይርና።

ሕጂ ግን ተመራመርቲ ኣብ ክልቲኡ ማይክሮባዮም መዓንጣናን ብሰፊሑ ከኣ ኣብ ጥዕናናን ዘለዎ ጽልዋ ዝያዳ ዝተራቐቐ ርድኢት ይረኽቡ ኣለዉ።

መጽናዕትታት ከም ዘመልክትዎ፡ ባክተርያ ንቡን ዝተፈላለየ ምርጫታት ኣለዎም።

ገለ ሰባት ቡን ብሽኮር፡ ብጨው ወይ ብጸባ ክሰትዩ ይመርጹ

ብመሰረቱ ቡን ምስታይ – ዋላ'ውን 'ዲካፍ' (መጠን ዘነቓቕሕ ባእታኡ ዝነከየ) – ንኬሚስትሪ መዓንጣና ይቕይሮ እዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዚ ድማ ብሰንኪ እቶም ኣብ መዓንጣና ዝነብሩ ባክተርያ እዩ።

ብሓቂ ግን ቡን ኣብቲ ኣብ ከርስና ብዛዕባ ዝዓቢ ዘሎ ነገር ክንደይ ፍልልይ ከስዕብ ይኽእል?

ኣብ 2021 ካብ 14 ዝተፈላለያ ትካላት ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝተዋጽኡ ተመራመርቲ ንልዕሊ 1000 ሰባት ኣብ ሓደ መጽናዕቲ ኣሳቲፎም።

እቲ PREDICT (Personalized Responses to Dietary Composition Trial) ብዝብል ዝፍለጥ በዚ ዝምራሕን ዝምወልን እዩ።

ዞይ ድማ ንናይ መዓንጣ ምትሕልላፍ ግዜ ንምክትታል ዝተዳለወ መስርሕ ዘካይድ ኩባንያ ሳይንስ ጥዕና እዩ።

እቶም ተመራመርቲ፡ ውጽኢት መስርዕ መዓንጣ ተሳተፍቲ ምስ ዝርዝር ኣመጋግባኦም ብምውህሃድ ተንቲኖምዎ።

ካብ ልዕሊ 150 መግቢ ወይ መስተ፡ ቡን ምስ ማይክሮባዮም መዓንጣ ሰባት ዝሓየለ ምትእስሳር ከም ዘለዎ ድማ ተራእዩ።

እዚ ማለት፡ ካብ መብዛሕትኡ መዓልታዊ ናብ ኣፍና እነእትዎም ነገራት፡ ቡን ኣብ ባክተርያ መዓንጣና ዝዓበየ ጽልዋ ኣለዎ።

ድሕሪኡ፡ ኣብ 2024፡ ገለ ካብቶም ተመራመርቲ ፕሪዲክት፡ ኣብ ዳታ ምስታይ ቡን ዓሚቝ መጽናዕቲ ኣካይዶም።

ኣብ ውሽጢ መዓንጣ ሰተይቲ ቡን ዝርከቡ ባክተርያ ኣዝዮም ፍሉያት ብምዃኖም፡ ሓደ ሰብ ዝተፈላለየ ደረጃ ባክተርያ መዓንጣኡ ብምርኣይ ጥራይ ቡን ብጸባ ይፈቱ ድዩ ኣይፈቱን ምፍላጥ ከም ዝከኣል ረኺቦም።

ሓደ ካብቶም ብተደጋጋሚ ዝተረኸቡ ውጽኢታት፡ 'ላውሶኒባክተር ኣሳካሮላይቲከስ' ዝበሃል ባክተርያ እዩ።

እዚ ባክተርያ፡ ምስቶም ቡን ዘይሰትዩ ሰባት ክነጻጸር እንከሎ፡ ኣብ መዓንጣ ሰተይቲ ቡን ብውሑዱ ብሽዱሽተ ዕጽፊ ዝለዓለ ደረጃ ይርከብ።

እቶም ተመራመርቲ፡ እዞም ባክተርያ በቲ ካብ ቡን ዝርከብ ፖሊፊኖል ልዑል መጠን ሂፑሬት ዝበሃል ውህደት ከም ዘፍርዩ ይዛረቡ። ቅድሚ ሕጂ ሂፑሬት ከም ምልክት ጽቡቕ ጥዕና መዓንጣ ተባሂሉ እዩ ዝግለጽ ነይሩ።

ጥዕና ማይክሮባዮም መዓንጣና ኣብ ጥዕና ምሉእ ኣካላትና ዓቢ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል እዩ።

እዚ ደስ ዝብል ነገር መዓንጣ ተነጺሉ ከም ዘይሰርሕ ስለ ዝተፈልጠ እዩ።

መዓንጣ፡ ብመንገዲ 'ምትእስሳር ሓንጎልን መዓንጣን' ኣቢሉ ናብ ሓንጎልና ተሰዂዑ ይርከብ።

ገለ ተመራመርቲ ገለ ካብቲ ናይ ንግሆ ንቕሓት ብዝዘለለ እንረኽቦ ናይ ኣእምሮ ምዕባለ ካብ ማይክሮባዮም መዓንጣና ዝመንጨወ ድዩ ዝብል ሕቶ ከልዕሉ ጀሚሮም ኣለዉ።

እቲ ዝገርም፡ ጸሓፍቲ ናይ ሓደ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ጽልዋ ቡን ካብ ጸቕጥን ስምዒትን ሓሊፉ፡ ብቐጥታ ኣብ ሓንጎልና ጽልዋ ከም ዘሕድር ኣርእዮም እዮም።

እዚ ድማ ብተኽእሎ፡ ብመንገዲ መዓንጣና ቀንዲ መስመር ጥዕናና ክኸውን ከም ዝኽእል ዝሕብር አዩ።