ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘለዋ ውክልና ናብ ንቡር ክምለስ ሓቲታ

ምንጪ ስእሊ, AU
ኢትዮጵያ ንወከልቲ ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ምስጓጓ ንሕግታትን ውዕላትን እቲ ውድብ ዝጥሕስ ምዃኑ ኤርትራ ከሲሳ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ናብቲ ሕብረት ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ "ሕብረት ኣፍሪቃ ውክልና ኤርትራ ኣብቲ [ኣብ ኣዲስ ኣበባ] ዝርከብ ቤትጽሕፈቱ ናብ ንቡር ክመልሶ" ሓቲቱ።
"መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንቀዋሚ ወኪል ኤርትራ [ኣብቲ ሕብረት]፡ ከምኡ'ውን ኩሎም ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ክሳተፉ ዝተመደቡ ዲፕሎማሰኛታት ክሰጉግ ምውሳኑ፡ ንቅዋማዊ ሕጊ፡ ናይቲ ውደብ ዝግህስ'ዩ ኢሉ።
እቲ ስጉምቲ ነቲ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪቃን ንህላወ ቀንዲ ደጀን ቤትጽሕፈት እቲ ውድብ ዝምልከት ስምምዕ ከምዝጥሕስ'ውን ኣስመራ ገሊጻ'ላ።
"ከም ልኡላዊትን ማዕረ ኣባል ሃገርን ኣብ ንጥፈታት ሕብረት ኣፍሪቃ ብምልኣት ንክትሳተፍ ኣራሚ ስጉምቲ ብምውሳድ ውክልናኣ ናብ ንቡር ክመልስዎ ንኣካላት" ናይቲ ሕብረት ተማሕጺና ከምዘላ እቲ መግለጺ የመልክት።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲኣ ቅድሚ ምስጓግ ዲፕሎማሰኛታታ ብ8 ነሓሰ 2026 ከምዝተዓጽወ'ውን ኤርትራ ገሊጻ ኣላ።
ናብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ኮሚሺን ቊጠባ ንኣፍሪቃ'ውን ተመሳሳሊ ደብዳበ ከምዝተላእከ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ጸብጺበን ኣለዋ።
ቀዋሚ ወኪል ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብቲ ትካል ሕቡራት ሃገራት'ውን ንሃገሩ ወኪሉ ከምዝሳተፍ ይፍለጥ። ዲፕሎማሰኛ ቢንያም በርሀ ፈጻሚ ጉዳያት ኣብ ኢትዮጵያን ቀዋሚ ወኪል ኣብቲ ሕብረትን ኮይኑ ከገልግል ምጽንሑ ይፍለጥ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ብ01 ጥቀምቲ 2026 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብታ ሃገር ዝነበሩ 10 ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ክወጹ ብምእዛዝ፡ ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝነበረ ኤምባሲኡ ክዕጾ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር።
"እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ዓሰርተ ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ 'ፐርሶና ናን ግራታ' [ኣፍልጦን ሓለዋን ዝተነፍጐም ውልቀሰባት] ምዃኖም" ኣዊጁ ከምዘሎ ገሊጹ።
እቶም ዲፕሎማሰኛታት "ውዕል ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ቬና ብምጥሓስ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ቀጥታዊ ሓደጋ ኣብ ዘስዕብ ንጥፈታት ብምስታፎም" ክወጹ ከምዝተወሰነ'ዩ እቲ መግለጺ ይጠቅስ።
ኣስመራ ብወገና፡ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ ነቲ ምስ ኣዲስ ኣበባ ዝጸንሓ ዲፕሎማስያዊ ርክብ "ምሉእ ብምሉእ፡" ክትበትኮ ከምዝወሰነት ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ኣፍሊጣ ነይራ።
"ኣብ ኲሉ እዚ ፈታኒ እዋን፡ ኤርትራ ነቲ ሓደገኛ ምዕራግ ናይቲ [ወጥሪ] ንምውጋድ ትዕግስትን ምሕያብን ከተርእይ ጸኒሓ ኣላ" ዝበለ እቲ ካብ ኣስመራ ዝወጸ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ "ንዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት 'ብምስምስ ኣገዳስነት ልኡላዊ ኣፍደገ ባሕሪ' ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ወግዓዊ ኣዋጅ ኲናት" ክትቅስቅስ ምጽንሓ ይኸስስ።



















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
