ብሪጣንያ፡ ኤርትራ ስደተኛታታ እንተ ዘይተቐቢላ ንዜጋታታ ክትእግድ ምዃና ኣጠንቂቓ

ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ኤርትራ
Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

መንግስቲ ኤርትራ ብጀላቡ ዝኣተዉ ስደተኛታትን ገበን ዝፈጸሙ ዜጋታቱን ንምቕባል ፍቓደኛ እንተ ዘይኰይኑ፡ ብሪጣንያ ንዅሎም ኤርትራውያን ናብታ ሃገር ከይኣትዉ ክትእግድ ምዃና ምኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሻባና ማሕሙድ ኣጠንቂቓ።

ካብ ሓሙስ ኣትሒዙ፡ ኤርትራውያን ዲፕሎማሰኛታት ካብ ለንደን ወጻኢ ኣብ ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ቀይድታት ክግበረሎም እንከሎ፡ ንላዕለዎት ሰበ-ስልጣናት (VIPs) ዝወሃብ ዝነበረ ቅልጡፍ ኣገልግሎት ቪዛ'ውን ደው ክብል እዩ።

ምኒስተራት ብሪጣንያ፡ ቅድሚ ሕጂ'ውን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሃገራት ናይ ቪዛ እገዳ ከም ዘንብሩ ብምፍርራሕ፡ ስደተኛታተን ንኽቕበላ ጸቕጢ ከካይዱ ጸኒሖም እዮም።

ብመሰረት ሓበሬታ ቤተ-መጻሕፍቲ ባይቶ ብሪጣንያ፡ ክሳብ ዝሓለፈ ሰነ ኣብ ዝነበረ 12 ኣዋርሕ ግዜ፡ ኤርትራውያን ካብቶም ብንኣሽቱ ጀላቡ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ስደተኛታት እቲ ዝለዓለ ቍጽሪ ዝሓዙ ኰይኖም፡ 18 ሚእታዊት ካብ ጠቕላላ ተጓዓዝቲ ኰይኖም ኣለዉ።

ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ለንደን ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ርእይቶ ንኽህብ እኳ እንተ ተሓተተ፡ ዛጊት ዝሃቦ ምላሽ የሎን።

ሻባና ማሕሙድ ኣብ መግለጺኣ፡ "ኤርትራ ንገበነኛታትን ኣብ ብሪጣንያ ናይ ምንባር መሰል ንዘይብሎም ዜጋታታን ንኽትቅበል ኵሉ ዕድላት ተዋሂብዋ ነይሩ እዩ። ይዅን'ምበር፡ ብኣንጻር ካልኦት ሃገራት፡ ነዚ ዕድል ነጺጋቶ እያ፡" ክትብል ገሊጻ።

እታ ምኒስተር ኣስዒባ፡ "ምስ ብሪጣንያ ንዘይተሓባበራ ካልኦት ሃገራት'ውን ተወሳኺ ስጕምቲ ካብ ምውሳድ ድሕር ኣይክንብልን ኢና፡" ክትብል ኣስሚራትሉ።

መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ብሃንደበት ምትሕብባሮም ከም ዘቋረጹ ይኸስስ።

ቢቢሲ ንምኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል እውን ርእይቶ መንግስቲ ንምርካብ ብኢመይል ተወኪሱ'ሎ።

መትረብ እንግሊዝ ብጃልባ ዝሰግሩ ስደተኛታት
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዚ ሓድሽ ቀይድታት፡ ኤርትራውያን ዲፕሎማሰኛታት ብዘይ ፍቓድ ካብ ለንደን ወጻኢ ካብ 60 ኪሎሜተር ንላዕሊ ክጓዓዙ ዝእግድ እዩ። እዚ ስጕምቲ ነቲ ኣብ ርእሰ-ከተማ ኣስመራ ኣብ ልዕሊ ዲፕሎማሰኛታት ብሪጣንያ ዝተነብረ ቀይድታት ዝምልስ ምዃኑ ምኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣፍሊጡ።

ብሪጣንያ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ኣብ ልዕሊ ኣንጎላ፡ ናሚብያን ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ተመሳሳሊ ናይ ቪዛ እገዳ ከም እተተግብር ኣጠንቂቓ ነይራ እያ።

ኣብ ልዕሊ ኮንጎ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቀይድታት ተኣዊጁ እኳ እንተ ነበረ፡ እታ ሃገር ዜጋታታ ንምቕባል ዘለዋ ምትሕብባር ብምምሕያሹ እቲ እገዳ ከም ዝተላዕለ ምኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ሓቢሩ።

ኣንጎላን ናሚብያን ግን እቲ ቀይድታት ቅድሚ ምትግባሩ ኣብቲ ፖሊሲ ለውጢ ንምግባር ተሰማሚዐን እየን።

ሻባና ማሕሙድ ኣብ ሕዳር ኣብ ስርዓት ዕቝባ ብሪጣንያ ዝተገብረ ለውጥታት ኣብ ዘፍለጠትሉ እዋን፡ ነቲ ናይ ምምላስ ፖሊሲ ንዘይተሓባበራ ሃገራት ናይ ቪዛ መቕጻዕቲ ከም ዝትግበር ገሊጻ ነይራ።

እዚ መቕጻዕቲታት፡ እተን ብብዝሒ ሓተቲ ዕቝባ ዘለወን ሃገራት ነቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብ ብሪጣንያ ዝርከቡ ዜጋታተን ክሳብ ዝቕበላ፡ ኣብ ምሃብ ቪዛ "ህጹጽ እገዳ" ምግባር ዘጠቓልል እዩ።

ብመሰረት ሓበሬታ ምኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ካብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ኣትሒዙ ልዕሊ 20,400 ሰባት ብንኣሽቱ ጀላቡ ናብ ብሪጣንያ ኣትዮም ኣለዉ።

እዚ ኣሃዝ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን ክነጻጸር እንከሎ ብ40 ሚእታዊት ጐዲሉ ኣሎ።

ካብ ሓምለ 2025 ክሳብ ሰነ ናይዚ ዓመት፡ ልዕሊ 40,600 ሰባት ካብ ብሪጣንያ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ወይ ተባሪሮም እዮም። እዚ ድማ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን ክነጻጸር እንከሎ ናይ 8 ሚእታዊት ወሰኽ ኣርእዩ።

ካብቶም ናብ ሃገሮም ዝተመልሱ ሰባት፡ እቶም ብገበን ዝተፈረዱ ትሕቲ 6,000 ምዃኖም ተገሊጹ።