ግዝያዊ ምቍራጽ ተዅሲ ኣብ ኢራን ከመይ ይርአ፡ ዝስዕብከ እንታይ ክኸውን እዩ?

ክልተ ነዊሕ ጸሊም ክዳን ዝለበሳ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ብ6 ሚያዝያ 2026 ኣብ ቴህራን ኢራን ብእስራኤልን ኣመሪካን ብዝተፈጸመ ሓባራዊ መጥቃዕቲ ዝዓነወ ኣዝዩ ዝተሃስየ ኮንክሪት ህንጻታት ዝተተኽላ ቀያሕቲ ባንዴራታት ሓሊፈን ይኸዳ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ቅድሚ ሓደ መዓልቲ፡ እቶም ንቴህራን ዝመርሑ ኣኽረርቲ ኣባላት እላማዊ ሪፖብሊክ ኣብቲ ጻዕቂ ህዝቢ ዘለዎ መስቀላዊ መንገዲ ዓቢይ ጽሑፍ ሰቒሎም ነይሮም።

እቲ ጽሑፍ፡ "መጻብቦ ሆርሙዝ ዕጽው ኰይኑ ክቕጽል እዩ፡" ይብል።

እዚ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መራሒ ኰይኑ ዝተመዘዘ ግና ክሳዕ ሕጂ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ካብ ዘይተራእየ ዘሎ ሓድሽ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ሞጅታባ ኻመኒ ዝወጽአ ኣዋጅ ምዃኑ ንምምልካት ዝዓለመ እዩ።

እዚ ጽሑፍ፡ ኢራን ንኽልተ ሰሙን ዝጸንሕ ምቍራስ ተዅስ ድሕሪ ምስምማዓን መንጎኛ ኰይና ክትሽምግል ዝጸንሐት ፓኪስታን መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ክኽፈት ብዝሓተተቶ መሰረትን ክወርድ ይኽእል እዩ።

ኢራን ግዝያዊ ምቍራጽ ተዅሲ ከም ዘይትሰማማዕን ብኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊኣ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብቐዋምነት ከብቅዕ ከም እትደልን ብተደጋጋሚ ክትገልጽ ጸኒሓ እያ።

እቶም ተሪር መርገጺ ዘለዎም ወገናት፡ በዚ ሓድሽ ስምምዕ ሕጕሳት ኣይኰኑን። ካብ ቴህራን ዝወጽኡ ጸብጻባት ከም ዝሕብሩዎ፡ ድሕሪ ኣዋጅ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ሰልፈኛታት ባንዴራታት ኣመሪካን እስራኤልን ብሓዊ ከም ዘቃጸሉ ይሕብሩ።

ጕጅለ ወለንተኛታት ምልሻታት ባሲጅ ነቲ ውሳነ ንምቅዋም ፍርቂ ለይቲ ናብ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብምኻድ ሰልፊ ኣካይዶም።

ድሕሪ ሒደት ሰዓታት፡ ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ካይሃን፡ ንምቝራጽ ተዅሲ ምስምማዕ "ንጸላኢ ህያብ" ምዃኑ ጽሒፉ። እዚ ድማ ንኣመሪካን እስራኤልን ዳግማይ ክወዳደባን ኲናት ከቐጽላን ከም ዘኽእለን ገሊጹ።

እቶም ኣኽረርቲ ወገናት፡ ኢራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ምዕጻዋን ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ንዝርከባ መሓዙት ኣመሪካ ብሚሳይላትን ድሮናትን ምድብዳባን ብዓቕሚ ኢራን ተመሲጦም ነይሮም።

ኣብቲ ክቕጽል ዝጸንሐ ኲናት፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ ኣመሪካን እስራኤልን ላዕለዋይ ኢድ ከም ዝጸንሓን ክትቅጽሎ ከም ዝነበራን ይኣምኑ።

እቲ ብቐዳማይ ምኒስተር ፓኪስታን ሸህባዝ ሸሪፍን ኣዛዚ ሰራዊት ፊልድ ማርሻል ኣሲም ሙኒርን ዝቐረበ ሕቶ ንምቕባል፡ ብላዕለዋይ ቤትምኽሪ ሃገራዊ ድሕነት (SNSC) እዩ ውሳነ ተዋሂቡ። እዚ ዝለዓለ ውሳነ ዝህብ ኣካል ድማ ብላዕለዋይ መራሒ እታ ሃገርን ብፕረዚደንት መስዑድ ፔዘሽክያን ይምራሕ።

ላዕለዋይ ቤትምኽሪ ሃገራዊ ድሕነት፡ ከም መርኣያ ምስ ኣመሪካን እስራኤልን ዝተበጽሐ ግዝያዊ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ፡ መጻብቦ ሆርሙዝ ንኽልተ ሰሙን ክፉት ከም ዝኸውን ኣዊጁ፣ ኣመሪካን ኢራንን ድማ ገና ኣብ ዝርርብ ተጸሚደን ኣለዋ።

ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ፡ ናይ ቀረባ መሓዛ ኢራን ዝዀነት ቻይና፡ ኢራን ንሕቶ ፓኪስታን ክትሰማማዕ ኣብ ምእማን ልዑል ተራ ተጻዊታ።

ግዝያዊ እፎይታ?

ሓደ ሸያጢ፡ ነፍስሄር ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ምስ ወዱን ናይ ሕጂ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ሞጅታባ ኻመኒን፡ ብ5 ሚያዝያ 2026 ኣብ ደገ መስጊድ ሺዓ፡ ፍሬም ስእሊ እናሸጠ ዓማዊል ይጽበ።

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

ኢራን ኣብዚ ናይ 40 መዓልታት ኲናት ድሮ ዓቢይ ዕንወት ኣጋጢምዋ ኣሎ።

ልዕሊ 3,000 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይገልጹ። ፕረዚደንት ኣመሪካ ድማ ተወሳኺ ዓቢይ ህልቂትን ዕንወትን ከም ዝስዕብ ከፈራርሕ ቀንዩ።

እቶም ተሪር መርገጺ ዘለዎም ወገናት ከይተረፉ'ውን፡ መሰረተ-ልምዓት ኢራን ብዝበኣሰ ቅድሚ ምዕናዉ መውጽኢ መንገዲ ክርከብ ከም ዘለዎ ክሓስቡ ምጽንሖም ርዱእ እዩ።

ስምምዕ ግዝያዊ ምቍራጽ ተዅሲ ቅድሚ ምእዋጁ ሰዓታት ኣቐዲሙ፡ ተሪር መርገጺ ዘለዎ ላዕለዋይ ዳኛ ጐላምሆሴን ሞህሰኒ ኤጀይ ንመንግስታዊ ተለቪዥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኢራን ዘለዋ ላዕለዋይ ኢድ እናዓቀበት ኲናት ከብቅዕ ከም እትደሊ ገሊጹ ነይሩ።

ላዕለዋይ ቤትምኽሪ ሃገራዊ ድሕነት፡ ነቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተኽሲ ዓወት ኢራን ምዃኑ ብምግላጽ፡ ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት ሓድነቶም ኣጽኒዖም ክቕጽሉ ጸዊዑ።

ካብቲ ዝጸንሐ ተሪር መርገጺ ውጽእ ዝበለ ካልእ'ውን፡ ኣፈጉባኤ ባይቶ ኢራን መሓመድ ባገር ጋሊባፍ ንልኡኽ ኢራን መሪሑ ምስ ኣመሪካ ኣብ እስላማባድ ክዘራረብን ብቐጥታ ምስ ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጄዲ ቫንስ ክራኸብን ምዃኑ ማዕከናት ዜና ኢራን ገሊጸን።

ቀጥታዊ ዘተ ምስ ኣመሪካ ብላዕለዋይ መራሒ ነበር ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ውጉዝ ዝነበረ እዩ።

እንተዀነ፡ ክልተኦም ወገናት - ኣመሪካን ኢራንን - ካብ ነባሪ ሰላም ዝርሓቑ ይመስሉ።

እቲ ዘተ እንተ ዘይሰሚሩ ኲናት ዳግማይ ክጅምር ይኽእል እዩ።

ገለ ኢራናውያን ኲናት ምቕጻሉ፡ ነቲ ዝጸልኡዎ ስርዓት ከም መዳኸመን መእለዪን መንገዲ ገይሮም ይርእዩዎ።

ንብዙሓት ግና፡ ተዅሲ ደው ምባል ካብቲ ኣብ ከባቢኦም ዘንጠጢ ሞትን ዕንወትን ሩፍታ ምርካብ እዩ።