ኲናት ኢራን: ብኸቢድ ዋጋ ዝተረኽበ ስምምዕ ሰላም

ዶላንድ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ንባብ: 4 ደቓይቕ

ኣብ መወዳእታ፡ መስተርሆት ተረኺቡ - እንተወሓደ ንሕጂ።

ትራምፕ ብኣቈጻጽራ ዋሽንግተን ሰዓት 18፡32 ኣብ ትሩዝ ሶሻል ማሕበራዊ ሚድያኡ፡ ኣመሪካን ኢራንን ምስ "ውዱእ" ስምምዕ ሰላም "ኣዝየን ርሑቕ" ከምዘለዋ ብምግላጽ፡ ዘተ ንኽቕጽል ንኽልተ ሰሙን ዝጸንሕ ተዅሲ ደው ምባል ግን ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ገሊጹ።

ብልክዕ እታ ናይ መወዳእታ ደቒቕ ኣይነበረትን፤ ሰዓት ሰሉስ 20፡00 EDT (ረቡዕ 00፡00 GMT) - ኣብ ሓደ ስምምዕ ክብጻሕ እንተዘይኰይኑ ድማ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቅርጺ ጸዓትን መጓዓዝያን ኢራን ሰፊሕ መጥቃዕቲታት ክትገብር ምዃና፡ ትራምፕ ዘጠንቀቐሉ ሰዓት ኣዝዩ ቀሪቡ ነይሩ።

ኢራን እውን ተጻብኦታት ደው ከተብሎን መጻብቦ ሆርሙዝ ንንግዳዊ መጓዓዝያ መራኽብ ምሉእ ብምሉእ ክትከፍቶን ኣብ ዝብል ዝተመርኮሰ እዩ።

ኢራን ግን ሕጂ'ውን ኣብ ልዕሊ እቲ መስመር ማይ "ዕብለላ" ከም ዘለዋ ተርኢ'ላ።

እቲ ስምምዕ ትራምፕ ካብቲ ክልተ ብልሒ ዝነበሮ ምርጫ ንነብሱ ክሕይብ ኣኽኢልዎ ኣሎ፤ ብኸምቲ ክፍቅሮ ዝቐነየ "ምሉእ ስልጣነ ሎሚ ምሸት ክድምሰስ እዩ" ዝብል መብጽዓኡ ከተግብር ወይ ድማ ንድሕሪት ተመሊሱ ተኣማንነቱ ን ተቐባልነቱን ከዳኽም።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ንገዛእ ርእሱ እውን ግዝያዊ ዕረፍቲ ረኺቡ ምህላዉ ዝከሓድ ኣይኰነን።

ሕጂ ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ዝቕጽሉ ክልተ ሰሙናት ኣብ ናብ ቀዋሚ ስምምዕ ንምብጻሕ ኣብ ዘኽእል ዘተ ክጽመዳ እየን።

እቲ ጉዳይ ዕንክሊል ክብል ልዑል ተኽእሎ ኣሎ።

በዚ ዛጊት ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ግን፡ ድሕሪ ሓያለ መዓልታት ንፈለማ እዋን ዋጋ ሓደ በርሚል ነዳዲ ትሕቲ 100 ዶላር ወሪዱ፣ መጻኢ ዕዳጋታት ስቶክ ኣመሪካ ድማ ኣዝዩ ወሲኹ።

እቲ ዝኸፍአ ተወዲኡ እዩ ዝብል ናይ ተስፋ ስምዒት ዘሎ ይመስል።

ምስቲ ብሰሉስ ንግሆ ትራምፕ "ድሕሪ ሕጂ ነበረያ ነበረ ኰይኑ ከምዘይምለስ ክጠፍእ እዩ" ብምባል ንስልጣነ ኢራን ንኽድምስስ ዘፈራርሓሉ ዝነበረ ኵነታት ኣብ ግምት ኣእቲኻ እዚ ዓይነት ምዕባለ ንኽብጻሕ እውን እንተኾነ ርግጸኛነት ኣይነበረን።

እዚ ከምዚ ዝበለ ኣመና ተጻባኢ መግለጺታት ዝፈጠሮ ስግኣት ድዩ ኢራናውያን ነቲ ኣቐዲሞም ዝነጸግዎ እማመ ክቕበሉ ገዲድዎም ግን ዝተረጋገጸ የለን።

እቲ ንጹር ዝኾነ ነገር እንተሃልዩ ግን፡ ከምዚ ዝበለ ብጸርፍን ጽዩፍ ቃላትን ዝተሰነየ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝቐረበ መፈራርሒ ትራምፕ፡ ካብ ዝኾነ ዘመናዊ ፕረዚደንት ኣመሪካ ተራእዩን ተሰሚዑን ከምዘይፈልጥ እዩ።

እቲ ንኽልተ ሰሙን ዝቕጽል ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል - ቀዋሚ ሰላም እንተ ኣምጺኡ እውን፡ ኲናት ኢራን ከምኡ'ውን ኣቀራርባን ቃላትን ትራምፕ፡ ኣረኣእያ ዝተረፈ ክልፋል ዓለም ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ምሉእ ብምሉእ ከምዝቕይሮ ፍሉጥ እዩ።

ድሕሪ'ቲ ስምምዕ ኣብ ጉደናታት ቴህራን ዝወጹ ኢራናውያን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ድሕሪ'ቲ ስምምዕ ኣብ ጉደናታት ቴህራን ዝወጹ ኢራናውያን
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ሓደ እዋን ኣብ መላእ ዓለም ከም ሓይሊ ምርግጋእ እትግለጽ ዝነበረት ሃገር፡ ሕጂ መሰረታት ዓለምለኻዊ ስርዓት ባዕላ ተዕንዎ ኣላ።

ኣብ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ስርዓታትን ልምድታትን ምጥሓስን ብፍኑው ምኻድን ዝፍለጥ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ እዚ ዓይነት ኣካይዳኡ ሕጂ ኣብ መድረኽ ዓለም እውን ክደግሞ ይርአ'ሎ።

ሓያለ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራት ንቃላት ትራምፕ ብቕጽበት ብምዅናን፡ ክሳብ ካብ ስልጣኑ ክእለ ክጽውዑ ተሰሚዖም።

ኣባል ኮንግረስ ጆኣኪን ካስትሮ ኣብ ኤክስ፡ "እቲ ፕረዚደንት ንቝልቁል የንደልህጽ እዩ ዘሎ፣ ሃገር ክመርሕ ብቑዕ ከምዘይኮነ ንጹር'ዩ" ክብል ጽሒፉ።

ኣብ ሰነት ኣመሪካ ላዕለዋይ ዲሞክራት ቻክ ሹመር፡ ዝዀነ ይዅን ኲናት ኢራን ደው ንኽብል ኣብ ምድማጽ ዘይተጸንበረ ሪፓብሊካን፡ ሳዕቤን ናይዚ ሲኦል ክወስድ ክስከም እዩ ኢሉ።

ብዙሓት ካብ ኣባላት ሰልፉ ገና ኣብ ጐድኒ ፕረዚደንቶም ደው ክብሉ እንከለዉ፡ እዚ ግን ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ረኺብዎ ዝነበረ ሰፊሕ ደገፍ ኣዝዩ ዝወሓደ ምዃኑ ገምጋማት የመልክቱ።

ኣባል ኮንግረስ ሪፓብሊካን ካብ ጆርጅያ ኦስቲን ስኮት፡ ትራምፕ ብዛዕባ'ቲ ን 'ሓደ ስልጣነ ክድምሰስ እዩ' ዝበሎ ምፍርራሕ ብትሪ ነቒፉ።

ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እቲ ፕረዚደንት ከቕርቦ ዝቐነየ ምፍርራሕ ሕማቕ ውጽኢት እዩ ዘለዎ፣ ኣነ ከም ሰብ ኣይሰማምዓሉን" ኢሉ።

እሙን መሓዛ ትራምፕ ዝኾነ ሰነተር ዊስኮንሲን ሮን ጆንሰን፡ ትራምፕ ብኸምቲ ዝፍክሮ ዝቐነየ ወፍሪ መጥቃዕቲ እንተድኣ ተኸቲሉ "ዓቢ ጌጋ" ክኸውን'ዩ ኢሉ። ኣባል ኮንግረስ ናትናኤል ሞራን ካብ ቴክሳስ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት "ምጥፋእ 'ምሉእ ስልጣነ'" ከምዘይድግፍ ጽሒፉ።

"እዚ መንነትና ኣይኰነን፣ ምስቲ ንነዊሕ እዋን ንኣመሪካ ዝመርሕ ዝነበረ መትከላት'ውን ዝሰማማዕ ኣይኮነን" ክብል ጽሒፉ።

ብተደጋጋሚ ምስ ፕረዚደንት ዝተባተኸት ሰነተር ሊዛ ሙርኮውስኪ ካብ ኣላስካ እውን ብቐጥታ፡ እቲ ፕረዚደንት "ምስ ኢራን ኣብ ዝግበር ዘተ ሓይሊ ንምርካብ ዝግበር ፈተነ እዩ ተባሂሉ ክምኽነን ይቕረ ክበሃሎን ኣይግባእን፡" ክትብል ጽሒፋ።

ሕጃብ ዝገበረት፡ ኣብ ምዕጕርታ ባንዴራ ኢራን ዝተቐብአት ጓለንስተይቲ ትርአ። ብዙሓት ሰባት ኣብ ዋሽንግተን ባንዴራ ኢራን እናንበልበሉ ነቲ ኲናት ተቓውሞኦም ይገልጹ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኲናት ኢራን ንብዙሓት ኣመሪካውያን ቅቡል ኣይኰነን

ዋይት ሃውስ ግን እቲ ንለቨሬጅ ተባሂሉ ዝተገብረ እዩ ዝብል መረዳእታ ክቃወም ተኽእሎ ኣሎ።

ትራምፕ ነቲ ተዅሲ ደው ምባል ኣመልኪቱ ኣብ ዘለጠፎ ጽሑፍ ትሩዝ ሶሻል፡ ኣመሪካ ንዅሉ ወተሃደራዊ ዕላማታታ "ኣማሊኣቶን ሓሊፋቶን" ክብል ገሊጹ።

ወተሃደራዊ ሓይሊ ኢራን ብዓቢኡ ተዳኺሙ እዩ፤ መሰረታት እስላማዊ ስርዓታ ገና ኣብ ስልጣን'ኳ እንተሃለወ፡ ብዙሓት ላዕለዎት መራሕቱ ግን ተቐቲሎም እዮም።

ኣብዚ እዋን'ዚ ግን ብዙሓት ካብቶም ዝተገልጹ ዕላማታት ኣመሪካ ገና ተኣማንነት ኣይረኸቡን።

ኣቀማምጣ መሰረት መደብ ኒዩክለራዊ ኣጽዋራታ ዝዀነ ዝተሃብተመ ዩራንየም ኣይፍለጥን።

እታ ሃገር ክሳብ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ከም ኣብ የመን ዝርከቡ ዕጡቓት ሑቲ ዝኣመሰሉ ዞባዊ ውክልናታት ጽልዋ ኣለዋ።

ከምኡ'ውን ኢራን ንሆርሙዝ፡ ብዘይ ንመሕለፊ ዝሕተት ክፍሊት ምሉእ ብምሉእ እንተኸፈተቶ'ውን ነቲ ቀንዲ ጂኦፖለቲካዊ መሓንቘ ዝዀነ ስትራተጅያዊ መጻብቦ ንምቍጽጻር ዘለዋ ዓቕሚ ሕጂ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ንጹር ኰይኑ ኣሎ።

ድሕሪ መልእኽቲ ትራምፕ ብዛዕባ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ሰይድ ዓባስ ኣራግቺ፡ ኢራን "ምክልኻላዊ ስርሒታታ" ደው ከተብሎን "ምስ ዕጡቓት ሓይልታት ኢራን ብምውህሃድ" ብሆርሙዝ ውሑስ ምትሕልላፍ መራኽብ ክትፈቅድን ምዃና ገሊጹ።

ወሲኹ፡ ኣመሪካ "ሓፈሻዊ ማዕቀፍ" ናይቲ 10 ነጥቢታት ዝሓዘ ውጥን ኢራን ከምዝተቐበለት እውን ገሊጹ።

እቲ ውጥን፡ ኣመሪካ ወተሃደራዊ ሓይልታታ ካብቲ ዞባ ምውጻእ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝነበረ ቍጠባዊ እገዳ ምልዓል፡ ንዝወረደ ዕንወት ኲናት ካሕሳ ምኽፋልን፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ ሆርሙዝ ንዘለዋ ቍጽጽር ክትፈቅድ ዘጠቓልል እዩ።

ትራምፕ ብሓቂ ንዝኾነ ካብቶም ቅድመ ኵነታት ክሰማማዕ ምዃኑ ምግማት ኣጸጋሚ እዩ - እዚ ድማ ዝቕጽል ክልተ ሰሙናት ዝካየድ ዘተ ከቢድ ክገብሮ ከም ዝኽእል ሓደ ምልክት እዩ።

ንሕጂ ግን እዚ ንትራምፕ ከፊላዊ ፖለቲካዊ ዓወት እዩ። ድራማዊ ስግኣት ብምፍጣር ድማ እቲ ዝድለ ውጽኢት ኣመዝጊቡ'ሎ። እቲ ተዅሲ ደው ምባል ግን ግዝያዊ ዕረፍቲ እምበር ቀዋሚ ፍታሕ ኣይኮነን።

እቲ ነባሪ ሓድጊ ዘለዎ ቃላትን ተግባራትን እቲ ፕረዚደንት፡ ከምኡ'ውን ብሓፈሻ ናይቲ ኲናት ብሕጂ ዝርአ እዩ።