ጠፈርተኛታት ኣርተሚስ፡ ኣብ ወርሒ ዝዳህሰሱዎ 'ጽቡቕ ነገራት' ሒዞም ናብ ምድሪ ከም ዝምለሱ ገሊጾም

ምንጪ ስእሊ, NASA
ጠፈርተኛታት ዳግማዊት ኣርተሚስ ናብ ምድሪ ኣብ ኣጋ ምምላሶም፡ "ሓያሎ ተወሰኽቲ ኣሳእል" ከም'ውን "ብዙሕ ተወሳኺ ዛንታታት" ንዓለም ዘካፍሉዎ ሒዞም ከም ዘለዉ ገሊጾም።
እቶም ኦርዮን ኣብ እትበሃል መንኰርኰር ዝቐነዩ ኣርባዕተ ጠፈርተኛታት ኣብ ዙርያ ወርሒ ተልእኾኦም ወዲኦም ዓርቢ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሳንዲያጎ ክወርዱ ትጽቢት ይግበር።
ፓይለት ናይቲ ተልእኾ ቪክቶር ግሎቨር ካብ ጠፈር ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቶም ሰራሕተኛታት ነቲ ዝርኣዩዎ ዘበለ ንዓለም ንምንጋር ተሃንጥዮም ከም ዘለዉ ገሊጹ።
ግሎቨር ብዛዕባ ናብ መሬት ዝምለስሉ ምስ ተሓተተ፡ "ክንምለስ ኣለና። ድሮ ርኢኹምዎ ከም ዘለኹም ብዙሕ መረዳእታታት (ዳታ) ኣሎ። እንተዀነ፡ ብዙሕ ጽቡቕ ነገራት ሒዝናዮ ንመጽእ ኣለና፡" ኢሉ።
"ብዙሕ ተወሳኺ ኣሳእል፡ ብዙሕ ተወሳኺ ዛንታታት ኣሎ፡" ክብል ይገልጽ።
ግሎቨር ወሲኹ፡ እቶም ጠፈርተኛታት ዕማሞም ንምዝዛም ገና "ተወሰኽቲ ክልተ መዓልታት" ከም ዘለዎም ሓቢሩ።
"ንዝመጽእ ህይወተይ ብዛዕባ እዚ ክሓስብን ተመኵሮይ ከካፍልን እየ፡" ኢሉ።
ተልእኾ ዳግማዊት ኣርተሚስ ካብ መሬት ዝርሓቐ ብምጕዓዝ፡ ነቲ ብኣፖሎ-13 ተታሒዙ ዝጸንሐ ክብረወሰን ብ400,000 ኪሎሜተር ብምስባር ታሪኽ ሰሪሓ።
እታ መንኰርኰር ኣብ ወርሒ ንምዕላብ ዒላማ ኣይገበረትን፣ ኣብ መሬት ኴንካ ናብ ዘይርአ ርሑቕ ክፋል ክትበርር እዩ ተልእኾኣ።
ቅድሚ ሕጂ ሳተላይታት ንርሑቕ ሸነኽ ስኢለን እኳ እንተ ነበራ፡ ጠፈርተኛታት ብዓይኖም ነቲ ርሑቕ ሸነኽ፡ ጐዳጐዲታትን ላቫታትን ክርእዩ ግን ፈላማይ እዩ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብቐጥታ ምስቶም ጠፈርተኛታት ተዘራሪቡን እንቋዕ ሓጐሰኩም ኢሉዎምን፣ "ሎሚ ታሪኽ ሰሪሕኩምን ንመላእ ኣመሪካ ኣሐቢንኩምን፡" ኢሉ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተኻየደ ቨርቹዋል ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ ኣብ ሂዩስተን ኣብ ዝርከብ ማእከል ህዋ ጆንሰን ናሳ፡ እቶም ኣርባዕተ ጠፈርተኛታት ኣብ መንጎኦም ማይክሮፎን እናተንሳፈፈ ቀጥታዊ ርክብ ኣካይዶም።
ነፍሲወከፎም በብተራ ካብ ሪፖርተራት ንዝቐረበሎም ሕቶታት መሊሶም።
እቶም ጠፈርተኝታት፡ ኣብ መንጎ መሬትን ወርሕን ኣብ ዝጓዓዝሉ ዝነበሩ ን40 ደቓይቕ ካብ ርክብ ተበቲኾም ብዛዕባ ዘሕለፉዎ "ዓሚቝ ብሕትውና፡" ብጋዜጣ ሎስ ኣንጀለስ ታይምስ ተሓቲቶም።
ኮማንደር ሪድ ዋይዝማን፡ እቶም ጠፈርተኛታት ብዙሕ ስነፍልጠታዊ ዕዮታት ከም ዘለዎምን ብዛዕባ ወርሒ ኣዝዩ ኣገዳሲ ክኸውን ዝኽእል ትዕዝብቲ ከም ዝወሰዱን ገሊጹ።
"ንነሓድሕና ግዜ ረኺብና። ጀረሚ ዘምጽኦ ናይ ሜፕል ኩኪስ ተኻፊልና፣ ኣበይ ከም ዘለና ድማ ነፍስወከፍና ኣስታት ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ደቓይቕ ንምስትንታን ግዜ ወሲድና፡" ይብል።
ንግሎቨር፡ እቲ "ዝዓበየ ህያብ" ናይቲ ተልእኾ፡ ክንዮው ርሑቕ ሸነኽ ናይ ወርሒ ኴንካ ከውሊ ወርሒ ምርኣይ እዩ።
ንዋይዝማን፡ እቲ "ፍሉይ ህሞት" ጋንትኡ ንሓደ ወርሓዊ ጕድጓድ ብስም ነፍስሄር ብዓልቲቤቱ ካሮል ምስ ሰመየቶ እዩ። ካሮል ኣብ 2020 ብሕማም መንሽሮ ዓሪፋ።
"ጀረሚ ስም ካሮል ክጽሕፍ ከሎ፡ እቲ ኣዝየ ስምዒታዊ ዝዀንኩሉ ህሞት ይስመስለኒ። ንላዕሊ ኣብ ዝጠመትክሉ ክርስቲና ትነብዕ ነይራ፡" ይብል ሪድ።
እቶም ጠፈርተኛታት፡ ዜና ናይ ዓለም ብመንገዲ ኣባላት ስድራቤቶም ከም ዝረኽቡ'ውን ገሊጾም።
ኣሰናዳኢት ሳይንስ ቢቢሲ ኒውስ ረበካ ሞረል ኣብ ጠፈር ካብ ዝነበሩዎ ግዜ እንታይ ክናፍቑ ምዃኖም ምስ ሓተተት፡ ክርስቲና ኮግ ነቲ "ዕርክነትን" ናይ ሓባር ስራሕን ክትናፍቖ ምዃና ገሊጻ።
ብዛዕባ ዘይትናፍቖ ነገር እንተሎ ተሓቲታ ድማ ንዅሉ ከም እትናፍቖ ሓቢራ።
"ገለ ዘይምቹኣት ኣጋጣሚታት እንተ ዘይሰጊርና ካብዚ ንላዕሊ ክንድህስስ ኣይንኽእልን ኢና። መስዋእቲ ክንከፍልን እንተታት ክንገጥምን ኣለና። ውጽኢት ናይቲ እንኸፍሎ ዋጋ ድማ ዓቢይ እዩ፡" ትብል።
እቶም ጠፈርተኛታት ጸጥ ኢሎም ዝፍትሽሉን ዝፍትንሉን ውሑድ መዓልታት ክህሉዎም እዩ። ብድሕሪኡ እቲ ዝኸበደ ክፋል ክስዕብ እዩ። 25,000 ማይልስ ኣብ ሰዓት እናተሓንበቡ ክምለሱን ብፓራሹት ድማ ኣብ ፓስፊክ ክዓልቡን እዮም።












![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


