ኣስመራ፡ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ናብ ሃገሮም ከም ዘይተመልሱ ምንጭታት ኣረጋጊጾም

ምንጪ ስእሊ, Dirar Fessahaye/fb
ኣብ ቅድመ-መጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ ንኢስዋቲኒ ብድምር 4 ብ1 ካብ ዝሰዓረት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ካብቶም 10 ካብ ውሽጢ ሃገር ዝተመርጹ 7 ተጻወትቲ ናብ ዓዶም ከም ዘይተመልሱ ቢቢሲ ካብ ኣስመራ ዝረኸቦ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።
እታ ድሕሪ 18 ዓመታት ናብ ውድድራት ዋንጫ ኣፍሪቃ ዝተመልሰት ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፡ 14 ኣብ ወጻኢ ሃገራት፡ 10 ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገር ካብ ዝጻወቱ ዝቘመት ኰይና፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ተጠርኒፋ ዝነኣድ ብቕዓት ከም ዝንጸባረቐት ይፍለጥ።
ኣብ ተመሳሳሊ ውድድር ንመወዳእታ ግዜ ዘካየደቶ ግጥም ኣብ ስዋዚላንድ (ናይ ሎሚ ስዋቲኒ) ኣብ 2008 እዩ ነይሩ።
እታ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ሃገራ ከተካይዶ ዝግባእ ዝነበረ ቀዳማይ እግሪ ጸወታኣ ኣብ ሞሮኮ ምክያዳ ከዘራርብ እኳ እንተ ቀነየ፡ ንምንታይ ኣብ ስታድዮም ኣስመራ ወይ ኣብቲ ታሪኻዊ ስታድዮም ችቸሮ-ንእሽቶ ኣብ ቅድሚ ደገፍታ ዘየካየደቶ ግን ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ የሎን። እንተዀነ፡ እቲ ሜዳታት ዓለምለኻዊ ብቕዓት ከም ዘይብሉ'ዩ ዝንገር።
ካብ ኣባላት ኣግማል ቀይሕ ባሕሪ ናብ ሃገሮም ዝተመለሱ፡ ሓለቓ ጋንታ ዓብለሎም ተኽለዝጊ፡ ኣከፋፋሊ ሄኖክ ታደሰ (ኣንበስ)ን መርዓ ቈጺሩ ዝነበረ ሮሜል ዓብዱን እዮም።
ካብ'ቶም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ዝተረፉ ዝንገረሎም ዘሎ ተጻወትቲ፡ ምኵር ናይ ክንፊ ኣጥቃዓይ ሮቤል ረድኢ፡ ወዳ ንህብብቲ ተዋሳኢት ነፍስሄር ወይኒሓረግ ወደብ ፍስሃየ፡ ሓላው ልዳት ክለብ ደንደን ክብሮም ሰሎሞን ይርከቡዎም። ሮቤል ኣብቲ ኣብ ካልኣይ እግሪ ኣብ ኢስዋቲኒ ዝተኻየደ ጸወታ ነተን ዓሊ ሱሌማን ዘመዝገበን ክልተ ሸቶታት ዝሓገዘ እዩ።
ንምትራፍ ሸውዓተ ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብሃገራዊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኮነ መራኸቢ ብዙሓን ኤርትራ ዝወጽአ ሓበሬታ የሎን።
ቢቢሲ ትግርኛ ነዚ ንምርግጋጽ ንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ሓቲቱ መልሲ ኣብ ምጽባይ ይርከብ።
ምስታ ሃገራዊት ጋንታ ብምጋሽ ሓበሬታ ክህብ ዝቐነየ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ኮምሽን ስፖርትን ባህልን ኤርትራ ኣቶ ድራር ፍስሃየ፡ እታ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ካይሮ ምስ ኣላገሰት፡ ኣባላት ኤምባሲ ኤርትራን ማሕበሮኮምን ግብጺ ምውቕ ኣቀባብላ ከም ዝገበሩላ ኣሳእል ኣሰንዩ ቅድሚ ሳልስቲ ኣብ ፈይስቡክ ዝሃቦ ሓበሬታ እቲ ናይ መወዳእታ እዩ።
ኣብቲ ኣሳእልን ሓደ ቪድዮን ዓብለሎም፡ ሄኖክን ሮሜልን ጥራሕ እዮም ዝርኣዩ።
ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ምኒስትሪ ዜና ኤርትራ - ሻባይት ብዛዕባ ምምላስ ናይዛ ሃገራዊት ኤርትራ ዝዀነ ዜና ኣይሰርሐን።
ኣብ ኤርትራ ስፖርታውያን ዓወት ሒዞም ክምለሱ እንከለዉ፡ ህዝቢ ዝሳተፎ ምውቕ ስነስርዓት ምቕባል እዩ ዝካየድ። እቶም ካብ ሃገራት ወጻኢ ናብዛ ሃገራዊት ጋንታ ዝተጸንበሩ ናብ ዝቕመጡለን ሃገራት ኣብ ዝተመለስሉን ወግዒ ምቕባል እናተገብረሎም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይዝርጋሕ ኣሎ።
ቢቢሲ ትግርኛ ካብ ኣስመራ ኣብ ዝረኸቦ ሓበሬታ፡ ነቶም ኣባላት ኣግማል ቀይሕ ባሕሪ ንምቕባል ተዳልዩ ዝነበረ መደብ ብዘይምምጻእ ዝበዝሑ ተጻወቱ ክስረዝ ከም ዝኸኣለ የመልክት።
ሓብቲ ንሓደ ካብቶም ኣባላት ኣግማል ቀይሕ ባሕሪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ሓዋ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ዝርከብ ሓቢራ።
ኤርትራ ካብ ጸወታታት ፊፋ ንሸውዓተ ዓመታት፡ ካብ መጻረዪ ጸወታታት ዋንጫ ኣፍሪቃ ድማ ን18 ዓመታት እያ በዂራ ጸኒሓ።
ኩዕሶ እግሪ ኣብ ኤርትራ ነዊሕ ታሪኽ ዝነበሮን ካብ ዓይነታት ስፖርት ቀዳማይን እዩ ነይሩ። ንኣስመራ ሓዊስካ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ከረን፡ መንደፈራ፡ ደቀምሓረ፡ ባረንቱን ካልኦትን ህዝባዊ መሰረት ዝነበረን ጋንታታት ከም ዝነበራ ይፍለጥ።
ታሪኻውያን ክለባት ከም ቀይሕ ባሕሪ (ኤልፓ ነበር)፡ ኣስመራ ቢራ፡ ኣዱሊስ፡ ምድላው መግቢ (ቺፖሊኒ ነበር)፡ ኣልታሕሪር ዝኣመሰላ ክለባት ኣስመራ ሓያሎ ንፉዓት ተጻወትቲ ዝምልምላ ዝነበራ እየን።
ብተወሳኺ፡ ካብ መንደፈራ ናብ ክለባት ኣስመራ ዝተጸንበሩ፡ ተስፋልደት ጐይትኦም፡ ብርሃነ ኣረጋይ፡ ብንያም ፍስሃየ፡ ሮቤል ኪዳነ (ናፒ)፣ ካብ ከረን ሱሌማን ማሕሙድ (ስኾይ)፡ ሃይለ ጐይትኦም፡ ሓሚዳይ ዓብደልቓድር፣ ካብ ባረንቱ ክልተ ኣሕዋት ሳምዮማ ኣሌክሳንደርን ዳኒኤል ኣሌክሳንደርን፡ ከምኡ'ውን ዮናስ ሰሎሙን ወዘተ ንሃገራዊት ጋንታ ወኪሎም ከም ዝተጻወቱ ይዝከር።
ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፡ ኣብ 1962 ዋንጫ ኣፍሪቃ ናብ ዝዓተረት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ብዓብላልነት ተጻወትቱ ዘሰለፈ ደኣ ይዅን'ምበር፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት እናኣንቈልቈለ ክመጽእ ምጽንሑ ይፍለጥ። ብሕልፊ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ካብ ኵሉ ኣህጉራዊ ግጥማት ተገሊላ'ያ ጸኒሓ።
ከም ውጽኢቱ ኣብ ሓምለ 2025 ኣብ ዝተዘርግሐ ዓመታዊ ደረጃ ኩዕሶ እግሪ ሃገራት፡ ፊፋ ን210 ሃገራት ደረጃ ኣብ ዝሃበሉ ነታ ሓደ እኳ ወግዓዊ ውድድር ዘየካየደት ኤርትራ ደረጃ ኣይሃባን።
ኤርትራ ዝለዓለ ደረጃ ዝሓዘትሉ ኣብ 2007 መበል 121 ክኸውን እንከሎ፡ ኣብዚ ዓመት ናብ ኣህጉራዊ ውድድራት ተመሊሳ ድሕሪ ዘካየደቶ ክልተ እግሪ ጸወታ መበል 184 ተሰሪዓ ኣላ።

ምንጪ ስእሊ, Dirar Fessahaye/fb
ንዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ፕረዚደንት ሃገራዊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኰይኑ ዝሰርሐ ኣቶ ጳውሎስ ወልደሃይማኖት ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ፡ እታ ንዓመታት ካብ ኣህጉራዊ ውድድራት በዂራ ዝጸንሐት ኤርትራ ናብ ኣህጉራዊ ውድድራት ከም ዝተመልሰት ኣበሲሩ።
ኣቶ ጳውሎስ ኣብ ኣህጉራዊ ውድድራት ንዘይሳተፍ ሃገራዊ ፈደረሽን ክመርሕ ዝጸንሐ ደኣ ይዅን'ምበር፡ ባይቶ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ሃገራት ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ (ሴካፋ) ንዝመጽእ ኣርባዕተ ዓመት ፕረዚደንት ናይቲ ማሕበር ክኸውን መሪጹዎ።
እዛ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመታት ዝቘመት ሃገራዊት ጋንታ፡ ብኣሰልጣኒ ኤርሜያስ ተወልደን ተሓጋገዝቱን ክትእለ ድሕሪ ምጽናሕ ብግብጻዊ ኣሰልጣኒ ኮሃ ሓሺም ያኪን ተመሪሓ ናብ ሞሮኮን ኢስዋቲንን ብምጕዓዝ፡ ኣብ ፈላማይ ተሳትፎኣ ብዘተኣማምን ብቕዓት ናብ መጻረዪ ሓሊፋ።
ንኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ብቐረባ ዝከታተሉ፡ ኣቶ ጳውሎስ ኣብ ስፖርት ብዝጸንሖ ናይ ዓመታት ተመኵሮን ትምህርትን መሰረታዊ ለውጢ ከምጽእ ይኽእል እዩ ኢሎም ክትስፈዉ ከለዉ፡ ካልኦት ድማ ዕምቈት ሽግር ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ብሽመት ሓደ ሰብ ዝፍታሕ ከም ዘይኰነ ይምጕቱ።
ምትራፍ ተጻወትቲ ኣብ ወጻኢ ሃገራት

ምንጪ ስእሊ, Dirar Fessahaye/fb
ኤርትራ ካብ ውሽጢ ዓዲ ወጻኢ ኣብ እተካይዶም ውድድራት፡ ስማ ምስ ምህዳም ተጻወትቲ ተተሓሒዙ ካብ ዝግለጽ ዓመታት ኣቝጺሩ ኣሎ።
ኣብ 2019 ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ትሕቲ 20 ዓመት ኣብ ካምፓላ ኡጓንዳ ድሕሪ ዘካየደቶ ናይ ሴካፋ ጸወታታት፡ ሸውዓተ ተጻወትቲ ካብቲ ዝነበሩዎ ሆቴል ብምህዳም ተሓቢኦም። ኣብታ ሃገር ዕቝባ ሓቲቶም ክቕመጡ ድሕሪ ምጽናሕ ድማ ናብ ኣመሪካ ከም ዝኸዱ ይፍለጥ።
ኣብ ታሕሳስ 2013 ንግጥማት ሴካፋ ናብ ናይሮቢ ኬንያ ካብ ዝኸደት ሃገራዊት ጋንታ ኣሰልጣኒ ዑመር ኣሕመድ ዝርከቦም ሸሞንተ ተጻወትቲ ኣብታ ሃገር ዕቝባ ሕቲቶም።
ኣብ ታሕሳስ 2012'ውን ሓኪም ጋንታ ዝርከቦም 17 ተጻወትቲ ኣብ ኡጓንዳ ተሪፎም። ቅድሚኡ'ውን ኣብ ኬንያ፡ ታንዛያ ብተደጋጋሚ ተጻወትቲ ናብ ሃገሮም ካብ ምምላስ ክሕንግዱ ተራእዮም እዮም።
ኣብቲ ዓመታት እቲ፡ ብሕልፊ ኣሰልጣኒ ነጋሽ ተኽሊት ነታ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ዝዕልመሉ ዝነበረ ግዜ፡ እቶም ተጻወትቲ ምእንቲ ክምለሱ ኣቐዲሞም 100,000 ናቕፋ (ልዕሊ 6,000 ዶላር) ከም ዘትሕዙ ተገይሩ ነይሩ።
ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ መወዳእታ 2025 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ካብ 565,000 ክሳብ 600,000 ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን ኣብ ምሉእ ዓለም ከም ዘለዉ ይገልጽ። ዝበዝሑ ካብኦም መንእሰያት ኰይኖም፡ ኣብታ ሃገር ኣሎ ንዝበሎ "ግዱድ ሽቕለትን ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎትን" ንምህዳም ካብ ሃገሮም ከም ዝወጽኡ ይሕብር።
ኣብዚ ዓመት፡ ሃገራዊት ጋንታ ናብ ውድድራት ምምላሳን ብዓወት ምጅማራን እዚ ተደጋጋሚ ዜና'ዚ መብረ ክረክብ ናይ ብዙሓት ተስፋ ነይሩ።
ኣብ ኮምሽን ስፖርት ኤርትራ ዝሰርሕ ዝነበረ ሎሚ ካብ ሃገር ወጺኡ ዘሎ ስሙ ክጥቀስ ዘይመረጸ ኤርትራዊ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ምትራፍ ናይዞም ተጻወትቲ ካብ "ትጽቢቱ ወጻኢ፡" ከም ዘይነበረ ይገልጽ።
"እቶም ኣብ ክለባት ዞባ ማእከል ዝጻወቱ ተጻወትቲ መብዛሕትኦም ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት እዮም፣ ኣሃዱታቶም ኣፍቂደናሎም እዮም ዝጻወቱ፡" ይብል።
"ኣብ ኤርትራ ኩዕሶ ተጻዋታይ ኰይኑ ዝርኣዮ መጻኢ የሎን፣ ዝኽፈሉዎ ክፍሊት ኣዝዩ ትሑት እዩ። ኣሃዶኦም ኣብ ዝጸውዓኦም ግዜ ድማ እተን ጋንታታት ደው ከብላኦም ኣይክእላን። ንደገ ናይ ምውጻእ ዕድል ኣብ ዝረኸብሉ፡ ነቲ ኣጋጣሚ ክጥቀምሉ ናይ ግድን እዩ፡" ክብል ይውስኽ።
ኤርትራ ሃገራት ኬንያ፡ ታንዛንያን ኡጓንዳን ብሓባር ኣብ ዘአንግድኦ ዋንጫ ኣፍሪቃ ንምስታፍ ናይ መጻረዪ ግጥማት ይጽበያ።
ኣንጻር ኢስዋቲኒ ኣብ ዘካየደቶ ክልተ እግሪ ግጥማት ብኣብዝሓ ኣብ ወጻኢ ዝጻወቱ እያ ተጠቂማ። ኣብታ ጋንታ ካብ ሃገራት ኣውስትራልያ፡ ግብጺ፡ ዓዲ እንግሊዝ፡ ጀርመን፡ ኔዘርላንድስን ሽወደንን ዝመጽኡ ተጻወትቲ ኣለውዋ።
ሃገራዊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፡ ነዞም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ዝተረፉ ዝግለጹ ዘለዉ ተኪኡ ክቐርብ ድዩ ኣብ ዝመጽእ ዝርአ ክኸውን እዩ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


