እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ደቀንስትዮ ብሕቑአን ደቂሰን ዝወልዳሉ ምኽንያት እንታይ'ዩ? ካልኦት ኣማራጺታት ኣለዉ
ደቀንስትዮ፡ ብሕቑአን ደቂሰን ምውላደን መብዛሕትኡ ግዜ ንጥዕንአን ሓደገኛ እዩ። ንምንታይ ድኣ'የን ብኸምዚ ኣገባብ ዝወልዳ?
እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ሓደ ፈረንሳዊ ክኢላ ጥዕና፡ ንደቂተባዕትዮ ዝያዳ ምቹእ ዝዀነ መገዲ እዚ'ዩ ኢሉ ብምውሳኑ'ዩ።
ንኣሽሓት ዓመታት፡ ደቀንስትዮ ዓለም ደዉ ኢለን እየን ዝወልዳ ነይረን። ካብዚ ብዝሰገረ ከም ክሊዮፓትራ ተንበርኪኸን ናይ ሕርሲ ወንበርን ኵርስን ተደጊፈን ወይ ኵይጥ ኢለን ዝወለዳ እውን ኣለዋ።
ግደ ሓቂ፡ ኵይጥ ምባል ንዲያሜትር ጎሎ ብውሑድ ብ2.5 ሴንቲ ሜትሮ ከዕብዮ ይኽእል።
ብተወሳኺ፡ ናይ ስሕበት ሓይሊ ንክህሉ ስለ ዝሕግዝ፡ ቈልዓ ምውላድ ኣዝዩ ዝቐለለ ይገብሮ። ንምንታይ ድኣ'የን ደቀንስትዮ ብሕቑአን ደቂሰን ዝወልዳ?
"ኣብ ሰብ ሞያን ነፍሰጾራትን ብዛዕባ ኣካላዊ ኩነታት ሕርሲ ሓፈሻዊ ዝዀነ ዘይምፍላጥ ኣሎ፡" ትብል መስራቲት አክቲቭ ዎርዲንግ ሴንተርን ብዛዕባ ኣወላልዳ ብዙሓት መጽሓፍቲ ዝጽሓፈትን ጃኔት ባላስካስ።
ንሳ ኣብ 1982 "አክቲቭ ዎርዲንግ ማኒፌስቶ " ኣሕቲማ፡ እዚ ድማ ማእከላይ መርገጺ ትካላ ኰይኑ።
"ኣብ መላእ ዓለም፡ ከምኡ'ውን ንኣሽሓት ዓመታት፡ ደቀንስትዮ ደዉ ኢለን ወይ ኵይጥ ኢለን እየን ዝወልዳ ነይረን፡" ይብል እቲ ማኒሰስቶ።
"ኣብ ዝዀነ ዓሌት ደቂ ሰብ ወይ ባህሊ... ደዉ ኢልካ ምውላድ ዝተለምደ እዩ" ክብል'ውን የነጽር።
ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት፡ መብዛሕትአን ደቀንስትዮ ኣብ ሆስፒታል በይነን ከም ዝወልዳ ባላስካስ ትዛረብ።
እዚ ኣሰራርሓ ምኽንያታዊ ኣይኰነን፡ ቈልዓ ምውላድ ኣድላዪ ብዘይኰነ መልክዑ ዝተሓላለኸን ክቡርን ይገብሮ።
ተፈጥሮኣዊ ዝዀነ ነገር፡ ናብ ሕክምና ክትኸይድ ዝገበራ ሕርሲ ዝተትሓዘት ጓለንስተይቲ ድማ ዝተብሃለቶ ጥራይ እትገብር ተሓካሚት ይገብራ፡" ትብል።
"ኣብዚ ኣገዳሲ እዋን፡ ከምዚ ዓይነት ጐዳኢ ስጉምቲ ዝወስድ ካልእ ዓሌት የለን፡"።
ካልኦት ሰብ ሞያ'ዉን በዚ ይሰማምዑ። ብሕቈኻ ደቂስኻ ቈልዓ ምውላድ "ብተዛማዲ ዘመናዊ ክስተት እዩ፡" ክትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሲድኒ ፕሮፌሰር ሕክምና ወሊድ ዝዀነት ሃና ዳህለን ብ2013 ንዘ ኮንቨርስ ኣብ ዝጽሓፈቶ ጽሑፍ ጠቒሳ ነይራ።
ጥንሲ ከም 'ሕማም'
ደቀንስትዮ፡ ኣብ ዝሓለፉ 300 ክሳብ 400 ዓመታት እየን ደቂሰን ክወልዳ ጀሚረን።
ነዚ ፍራንሷ ሞሪሴዉ ዝተባህለ ፈረንሳዊ ሓኪም ይጥቀስ። ንሱ፡ ብሕቑኣ ደቂሳ እትወልድ ነፍሰጾር ኣደ፡ ንዓኣ ኰነ ነቲ ዝከታተላ ወዲ ተባዕታይ ሓኪም ዝበለጸ ምቹእ ከም ዝኸዉን ይገልጽ።
ኣብቲ ግዜ፡ ንመዋልዳን ናብ ጐድኒ ብምግዳፍ ኣብ እዋን ሕርሲ መጥባሕቲ ዘካይዱ ደቂ ተባዕትዮ ሓካይም ንክህልዉ ዝገብር ምንቅስቓስ ተጀሚሩ ነይሩ።
ሞሪሴው፡ ንጥንሲ ከም ሕማም'ዩ ዝርእዮ ነይሩ። ብ1668 ኣብ ዘሕተሞ መጽሓፍ፡ "እቲ ዝሓሸን ዘተኣማምንን መገዲ፡ ጸኒሐን ናብ ዓራት ምድያብ ካብ ዝሽገራ፡ ደቂሰን እንተዝወልዳ ዝሓሸ'ዩ፡" ኢሉ።
ይኹን'ምበር፡ ገለ ሙሁራት ደቀንስትዮ ኣብ ዝወልዳሉ ኣገባብ ምስ ሞሪሴው ኣብ ተመሳሳሊ ዘመን ኣብ ዝነበረ ፈረንሳዊ ንጉስ ሉዊስ 14 ክኸዉን ከም ዝኽእል ይገልጹ።
"ሉዊስ 14፡ ደቀንስትዮ ክወልዳ ከለዋ ምርኣይ የሐጉሶ ነይሩ። ኣብ እዋን ወሊድ ኣብ ወንበር ኵይጥ ኢለን ክወልዳ ንምርኣይ ስለ ዘይተመችኦ፡ ሓሪቑ ብሕቑአን ደቂሰን ዝወልዳሉ መገዲ ኣተኣታትዩ፡" ክትብል ኣብ ሜሪላንድ ኣብ ዝርከብ ማክዳንኤል ኮሌጅ ፕሮሰፌር ሶሺዮሎጂ ዝዀነት ሎረን ዱንዴስ ብ1987 ብዛዕባ ለዉጢ ኣቀማምጣ ወሊድ ኣብ ዘሕተመቶ ጽሑፍ ገሊጻ።
ወሲኻ፡ "ጽልዋ ፖሊሲ እቲ ንጉስ ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ኣይፍለጥን፤ ባህሪ ንጉሳዊ ስድራቤት ግን፡ ብዝተወሰነ መልክዑ ነቲ ውሳነ ጸልዩዎ'ዩ፡" ትብል።
"ሕቶ ንጉስ ሉዊስ 14 ምስ ናይ ቦታ ለውጢ ዝጠዓዓም እዩ ነይሩ፤ ስለዚ ምናልባት ቀጺሉ ንዝመጽአ ውሳነ ኣበርክቶ ዝገበረ ክኸዉን ይኽእል'ዩ፡" ንሳ ከምዝገለጸቶ።
ደቀንስትዮ፡ ብሕቑአን ደቂሰን ምውላድ ዝጀመራሉ ኩነታት እንታይ ነይሩ ዝብል ብዘየገድስ፡ እዚ ናይ ሕርሲ ኣገባብ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብና ሰሪጹ ይርከብ።
እዚ ድማ፡ ንብዙሓት ደቀንስትዮ ወሊድ ኣጸጋሚ ገይሩዎ።
ባላስካስ፡ ወሊድ ካብ ገዛ ወጺኡ ኣብ ቁጽጽር ትካላት ጥዕና ወዲቑ ትብል። ንገለ ደቀንስትዮ ኣብ ገዛ ምውላድ ዝያዳ ምቹእን ተፈጥሮኣውን እኳ እንተነበረ፡ ከም ሓደጋ ክርአ ጀሚሩ።
ብሳይንስ ዝተረጋገጸ
ደቀንስትዮ ንኣሽሓት ዓመታት ደው ኢለን ዝወልዳሉ ዝነበራ ምኽንያት ቀሊል'ዩ፤ ሓይሊ ስሕበት።
እቲ ዕሸል ካብ ማህጸን ክወጽእ ከሎ፡ ሓይሊ ስሕበት ነዚ መስርሕ ጠቓሚ እጃም ኣለዎ።
ደቀንስትዮ፡ ኣብ እዋን ወሊድ ብተፈጥአሮን ናብ ድሕሪት ዘይኰነ ንቕድሚት ዝምብል ኢለን ከፍ ክብላ እየን ዝርኣያ።
ኣብ እዋን ሕርሲ፡ ኵይጥ ብምባል ኢደንን ጉልበተንን ንቕድሚት ኣዘንብል ኣቢለን ወይ ትሕት ዝበሉ ወናብር ክድገፋ ንዕዘብ ኢና።
ክሳብ 2013፡ ልዕሊ 5200 ደቀንስትዮ ዘሳተፉ 25 መጽናዕቲታት ተኻይዶም።
ኣብዞም መጽናዕቲታት ዝተገብረ ገምጋም፡ ኣብ ክንዲ ደቂሰን ዝወልዳ፡ ደዉ ኢለን ወይ'ዉን እናተንቀሳቐሳ ዝወልዳ ደቀንስትዮ "ኣብ እዋን ወሊድ ዘጋጥም ምቕዳድ ኣፍ ደገ ማህጸን፡ ምጥቃም ጸረ ቓንዛ መድሃኒት ይንኪ፤ ከምኡ'ዉን ደቀን ናብ ክፍሊ ክትትል ህጻናት ዝኣትውሉ ተኽእሎ ዝተሓተ ይኸዉን፡" ዝብላ ተረኺበን እየን።
እቲ ገምጋም፡ ዝለዓለ ተቓላዕነት ኣብ ዘለወን ጉጅለ ንዝርከባ ደቀንስትዮ ተወሳኺ መጽናዕቲ ከም ዘድሊ ይሕብር።
ገለ መጽናዕቲታት፡ ደዉ ኢለን ዝወልዳ ደቀንስትዮ ምውሳኽ ደም ምፍሳስ ከም ዘርኣያ ይገልጹ።
ደዉ ኢላ እትወልድ ሓንቲ ጓለንስተይቲ፡ ኣብ ሕርሲ እትጸንሓሉ እዋን ከም ዝንኪ ድማ ተረጋጊጹ።
ዳህላን፡ ብ2013 ኣብ እዋን ሕርሲ ኰነ ወሊድ ደዉ ምባል ነታ ኣደን ነቲ ዕሸልን ከም ዝጠቅም ገሊጻ።
እዚ ነቲ ሕርሲ ከም ዝሕግዝ፡ ቃንዛ ከምኡ'ውን ከም መቐስን ቫኪዩምን ዝበሉ መሳርሒታት ሕክምና ንምጥቃም ዘለዉ ተኽእሎታ ይንኪ።
ካብዚ ብዝሰገረ፡ ዋሕዚ ደም እታ ኣደ ኣብ ማህጸና ጸቕጢ ስለ ዘይበጽሖ፡ እቲ ዕሸል እኹል ኦክስጅን ንክረክብ ይሕግዞ።
ብ2011፡ ዳህለንን መሳርሕታን፡ ደቀንስትዮ ኣብ ዝወልዳሉ እዋን ኣቀማምጥአን ወይ ዝድቅሳሉ ኣገባብ ዘለዎ ጽልዋ ንምርዳእ ኣብ ዙርያ ኣብ ሕርሲ ዝነበራ ኣዴታት መጽናዕቲ ገይሮም።
ከም ኩዕሶ፡ ናይ ወሊድ ኵርስን ድጋፍ ዝህቡ መሳርሒታትን ዝርከቡሎም ማእከላት ጥዕናን፡ ዓራት ጥራይ ዘለዎም ክፍሊታት መዋልዳንን ተዓዚቦም።
ኣብ ማእከላት ሕርሲ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ሕርሲ ምስ ምድላው ክፍሊ ሕርሲ ክነጻጸራ እንከለዋ ትኽ ዝበለ ኣቀማምጣ ናይ ምቕባል ተኽእሎአን ኣዝዩ ዝለዓለ ምዃኑ ኣረጋጊጾም።
82% ካብ ደቀንስትዮ ኣብ ማእከላት ሕርሲ ከምኡ ዝገበራ ክገብራ ከለዋ፡ ኣብ ክፍልታት ሕርሲ ዝነበራ ድማ 25% ነይረን።
ሕጂ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ብዛዕባ ሕርሲ ኣስተምህሮ ኣሎ ትብል ባላስካስ - እዚ ኣገባብ እዚ፡ እታ ኣደ ኣብ እዋን ሕርሲ ብናጽነትን ብባህርያዊ መንገዲን ክትንቀሳቐስ፡ ከምኡ'ውን ቅኑዕ ኣቃውማ ክትሕዝ፡ ኣብ ክንዲ ብሕቖኣ ኣብ ማሽናትን ሞኒተራትን ተኣሲራ ክትድቅስ ዝሕግዝ ኣገባብ እዩ።
ይኹን እምበር መጠን ሕክምና መጥባሕቲ "ብዘሰክፍ መንገዲ" እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ትዛረብ።
ከም ቀደሙ ፍልጠት ሓይሊ እዩ፣ ደቀንስትዮ ብዛዕባ ምርጫ ሕርሲ ብዝተነረግን ቁጽሪ ከኣ ንዕአን ዝጥዕም ኰይኑ ዝስምዐን ኣብ ምምራጽ ዝያዳ ምቹኣት ክዀና እየን።
ኣብ ካናዳ ዩኒቨርሲቲ ማክማስተር መምህር ሕርሲን ብዛዕብኡ ሓያሎ ጽሑፋት ዝጸሓፈትን ኤይሊን ሃተን፡ "ብዛዕባ ኣማራጺታት ሕርሲ ዝወሃብ ትምህርቲ ኩሉ ግዜ ጠቓሚ ክኸውን'ዩ፡" ትብል።
"ኣብ ህቡባት ስነ-ጽሑፍ፡ ተለቪዥንን ፊልምን ዝርአ ኣቀማምጣ ወሊድ ምርኣይ፡ መስርሕ ሕርሲ ብኸመይ ብጌጋ ከም ዝትርጎም የረድኣካ። ሚዛን ኣብ ምሕላዉ ጥራይ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል'ዩ፡" ክትብል ተረድእ።